Badime: Awarded to EritreaEritrean Liberation Flag
ForumContactWebmaster
Problem reading Tigrinya? Install these fonts: GeezUnicode | GeezMahtemUnicode | GeezTypenet
ShabaitEPDPEPDFENSFEDPELFFarajetIslamic IslahAdulis-ArabicRubAnsabaCDRIEEDAAlenalki
ELF Reunion FBArkokobayGeregerSudanSomalia
AljazeeraEthiopiaYemen DjiboutiKenyaVOASudan News Agency

Adoulis| Alenalki | Alnahda |Alhiwar TV Channel قناة الحوار الفضائية. Asena | Asmara-online |Asmarino | Awna | Capitaleritrea | Dehai |Dekebat |EriPlatfrom |Gereger | Hidri | Jeberti | Madote | Meadna |Tesfanews |Togoruba| ER-UNDP |Zemen | Radio Erena  |Live EYSC Facebook | Ethsat.com |  RadioAserna | QieNit |KNONRadio Dallas |Voice of America -Tigrinya | Voice of Eritrea -DC | Voice of Eritrea-Halifax |People's Voice of Eritrea| meskerem |video archives| meskerem youtube

Past Postings? Visit Erigazette.org
 
 
   

  ሕርይራ ጋንታ ተቓውሞ
ኣብ ጀርመን ክትምረቕ?

ብመድረኽ ብሕርያ ዝተጠፍጠፈት ትበሃል ዘላ..
________

ኣብ ከባቢ ፈጻሚት መድረኽ ብዛዕባ ምሕንጻጽ ዶብ እንታይ ዘሰንብድ ኣልጋሲ መርገጻት ይዝረብ ኣሎ፧

መስፍን ሓጎስ፡ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ተስፋሚካኤል ዮውሃስ፡ መሓመድ ብረሃን ብላታ፡ ሕሩይ ተድላ ባይሩ፡ ኣድሪስ ሑመድ፡..  ኤፍረም ታፈረ፡ ..ወዘተ ዝርከቡዋ ሕርይራ ጋንታ ተቓውሞ ኣብ ጀርመን ክትምረቕ?። (መኣረምታ ወይ መወሰኽታ መርሐባ)

ሕሹኽ መባህልቲ ወያነ ነጸረኣብ አስመላሽ ኣብ ቶጎርባ ዘለጠፎ ጽሑፍ ከም ዝሓበሮ ወያነን ሻዕብያን ይራኸቡ ኣለዉ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ግዜ፡ ወያነ፡ ከደ-ከደ ኣብ ዝባሃለሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳመ-ሰንበት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰሚናር ባይቶ፡ ኣብ ጀርመን ከኣ ኮንፈረንስ መድረኽ ክካየድ ምዃኑ ክሕበር ቀንዩ ኣሎ።


ኣብ
ኢትዮጵያ ዝከየድ ሰሚናር፡ 15 + 6 ዝፍለጣ ውዳባት፡ ብሓያል ጸቕጢ ወያነ ብሰሚናር ኣቢለን ናብ 2 ጉባኤ ክኣትዋ ትጽቢት ዝገበረለን ዘሎ ኰይነን፡ እንትርፎ ዘይምስምማዕ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን እንትርፎ ካብቲ ዝሓለፈ፡ ንህግደፍ ካብ ሰሩ ክንምሕዎ ሃጠውቀጠው፡ ሓዲስ ነገር ሒዞም  ክወጹ ትጽቢት ዘሎ ኣይመስልን። ምናልባት እውን ከይተሰማምዑ ይመጹ እሞ፡ እተን 15 ውድባት ባልጃኤን ጠርኒፍን ስለ ዘለዋ፡ ከም ኣበሃህላ በሺር ይስሓቕ፡ እንተ ናብ  ሽመልባ እንተ ናብ ሱዳን የምርሓ ይኾና።

ኣብ ጀርመን፡ ብሓልዮትን ምወላን መድረኽ ዝካየድ ኮንፈረንስ፡ 9 ውድባት/ሰልፍታትን 11 ሲቪክ ማሕበራትን ዝሳተፈ ኰይኑ፡እቲ መድረኽ ኣብዚ ሓጺር ግዜ ዝጠፍጠፍዎ፡ ማዕረ 20 ዝበጽሑ ልልዩት መራሕትን ውልቀሰባትን ዘለውዎ ናይ መድረኽ ናይ ቦርድ ዳይረክተራት ዝምረቑሉ ኣኸባ እዩ ክኸውን። ኣስማት ናይቶም ሓደስቲ ሹመኛታት ንመርካብ ብዙሕ ጻዕሪ' እንተ ኣከያድና ብጀካ እዞም ዝስዕቡ ዛጊት ዝተፈልጥ የለን።

ዛጊት አብታ መድረኽ ብሕርያ ዝጠፍጠፍዋ ናይ መድረኸ ናይ ዳይረክተራት ቦረድ  (Board of Directors) ከም ዳይረክተራት ዝተሸየሙ፡ እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም። መስፍን ሓጎስ፡ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፡ መሓመድ ብረሃን ብላታ፡ ሕሩይ ተድላ ባይሩ፡ ኣድሪስ ሑመድ፡..  ..፡ ..ወዘተ እዮም። (መኣረምታ መርሐባ)

መድረኽ ነቶም ኣብዚ ቦረድ ዝሸምዎም በየናይ መዓቀንን መሰፈርን ከም ዝሸምዎም ዝተፈልጠ እኻ እንተዘይሃለወ፡ ናህና ክራተርያ (Criteria) ኣለና ዝበል እዩ መስከረም መልሲ ረኺቡ ዘሎ።

“ብተመን ዝሰምበደ ብልሕጺ ተዳህል” ከም ዝበሃል፡ ኣብዚ ቀረባ ጊዜ፡ ነቲ ኮንፈረንስ ኣመልኪቱ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ: ንቡዙሓት ዘሰንበደ ይመስል፡፡ እቲ ጋዘጣዊ መግለጺ፡  እቲ ናይ ጀርመን ኮንፈረንሰ ምስቲ ኣብ ትሕቲ ወያነ፤ ኣብቲ ትሕቲ ምሕደራ ጀነራል መስፍን ኣማረ ዝከየድ ናይ ኣዲስ ኣበባ ሰሚናር ተማላላኢ እዩ ስለ ዝበለ እዩ፡ ኣይበልናኩምንዶ፡ እዚኦም እኮ ካብ ህዋ ወያነ ኣይወጹን እዮም ዝበሉ ኣይተሳእኑን። ብተወሳኺ፡ ሓደ-ክልተ ኣባላት ፈጻሚት መድረኽ፡ ዶብ ዘይተሓንጸጸ ብሰነኪ ህግደፍ እምበር ወያነስ ሕራይ ኢሎም ነይሮም እዮም ዝብል ዘረባታት ስለ ዝሰምዑ ከበድ ስክፍታ ሓዲሩ ። እሞ እዚ ናይ ጀርመን ኰንፈረንስ ድልድል ኣብ መንጎ ካብ ወያነ ዝሕንገዳ ዘለዋን ብወያነ ዝምወላን ዘለዋ ከይኑ ወያነዊ ኣቕጣጫ ንምትሓዝዶ ወይስ ካብ ወያነ ናጻ ዝኾነ ሃገራዊ ተቓውሞ ንምዕኳኽ?          

 


 

መልስታት ንፐረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብጉዳይ ናይ ከትሪ ባንክታት
 


እተን ናይ ከትሪ ባንክታት ዝበሃላኸ ዋንኤን መንዩ?                                                  

ቀልታ ኪዳነ 20/10/2017                                                              

ምቸም መስከረም ዘይዛረቦን ጤል ዘይትበልዖን የልቦን እንድዩ ደገፍቲ መንግስቲ ዝዀኑ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ደቂ ሃገር ገንዘቦም ብኣሽሓት ንሃገር ዘእትዉዎ ብመንገዲ እተን ናይ ከትሪ ባንክታት ዝበሃላ ምዃኑ ተገሊጹ። ብጣዕሚ ከኣ ገሪሙኒ። ምኽንያቱ እተን ናይ ከትሪ ባንክታት ዝብሃላ ዘለዋ ትሓቢኤን ዘይኮናስ ገዝኤን ከፊተን ብቕትሪ ሰብ እናርኣየንን እናትዓዘበንን ዝኸትራ ዋንነተን ናይ መንግስቲ 09 ምዃነን ስለ ዝፈልጥ። እሞ ኣነ ብዓሻይ’ ነዚ ዝፈልጦስ መስከረም ኣይፈልጦንዩ ዝብል እምነት የብለይን። ንምዃኑኸ ኣብ ኤርትራ ባንክ መስሪቱ ክሰርሕ ዝኽእል ትካል ወይ ነጋዳይሲ ይትረፍ ገንዘቡ ኣብ ባንክ ኣቐሚጡ ከም ድላዩ ከንቀሳቕስ ዝኽእል ነጋዳይ ኮነ ሰራሕተኛስ ኣሎ ድዩ? መንግስቲ ሓደ ናይ ሕጊ ዝብሃል እቲ ካልእ ከኣ ምስ ህዝቡ ኣብ ከትሪ ዝተዋፈረ  ክልተ ዓይነት ባንክታት ከም ዘለዉዎ ዘይፈልጥከ ኣሎና ድዩ? ሎሚኸ መንግስቲ ንዝእሰር ኣሲሩ ንዝጠፍእ ኣጥፊኡ ነቲ ናይ ከትሪ ስራሕ ንበይኑ ወኒኑዎ ወይ ብሒቱዎ ምህላዉ ሕቡእ ድዩ?

ህዝቢ ኣስደሚሙዎን ኣርዚዙዎን ስቕ ስለ ዝበለ እንታይ ከተዛርቡና ትደልዩ ምህላውኩም ብጣዕሚ ዝገርም ኢዩ።

Read more

ምሕደራ ባጤራ ናቕፋን ማሕበረ-ቁጠባዊ ስምብራቱን

መቸስ፡ ባጤራ እንታይ ኢዩ ኢለ እንተዝሓተኩም፡ “ምስራኣናዮ ንፈልጦ”፡ ኣርእና’ሞ ክንነግረካ ከምትብሉን ኣይጠራጠርን
ኢየ። ባጤራ ዳኣ፡ እዚ “ናቕፋ፣ ዶላር፣ ዩሮ፤ የን፣ ቅርሺ፣ ሪያል፣ ዲናር፣ ፐሶ፣ ራንዲ፣ ፓውንድ ኢስተርሊንግ፣ ክሮና፣ ወ.ዘ.ተ.”
ዝባሃል ‘ወረቐት ወይ’ውን ሓጻውን’ ዶ ኸ ኣይኮነን’ውን ትብሉ ትኾኑ። እወ፡ ኣይተጋገኹምን፡ እዚኦም ኩሎም ኣስማት ናይ
ዝተፈላለያ ሃገራት ባጤራታት ኢዮም። ባጤራ ግን እቲ ‘ወረቐት ወይ’ውን ሓጻውን’ ዘይኮነስ፡ እቲ ብድሕሪኦም ዘሎ ሳይንሳዊ
ሓሳብ/ጥበብ ኢዩ። ወዲ-ሰብ ንኣሻሓት ዓመታት ክጥቀመሉ ዝጸንሐን ዘሎን ጥበብ ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ወዲ-ሰብ እቲ ዝበልጸ
ሳይንሳዊ ምህዞ (the greatest invention ever) ኢዩ እንዳተባህለ ኢዩ ዝግለጽ። ኣብዚ ነዊሕ ታሪኻዊ ጉዕዞ፡ ዓይነት ናይቶም
ከም ባጤራ ዘገልግሉ ነገራት ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳተለወጡ መጺኦም፡ ሕጂ ናይ ‘ነገራዊ-ዘይኮነ ባጤራ ወይ’ውን
ኤለክትሮኒካዊ ባጤራ’ ምጥቃም ተበጺሑ ኣሎ። እቲ ብድሕሪ ባጤራ ዘሎ መሰረታዊ ሳይንሳዊ ሓሳብ/ጥበብ ግን
ኣይተለወጠን።

Read More
 

መኸተ ኣንጻር ናይ ከተሪ ባንከታት?

(ከቢድ ብድሆ ንደግፍቲ መንግሰቲ?

ፕረዚደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ: ኣብ ስደት ንእንርከብ፡ ከምዚ ዝስዕብ ሓያል ክሲ ኣቕሪቡለና።
"ካብ ደገ በዘን ናይ ከትሪ ባንክታት ኣቢሎም ናብ ቤተሰብ ገንዘብ ዝሰዱ ዘለዉ፡ ዘይሮም-ዘይሮም ንሓይሊ ዕድጊ ናቕፋ ይቐትልዎ ከም ዘለዉ ክፈልጡ ክኽእሉ ኣለዎም።"
ንኩላትና ዝመልከት እኳ እንተኾነ፡ እቶም ንብረት ኣብ ሃገር ዘልዎም እሞ ገንዘብ ብ10 ሽሐት ዶላር/ኢሮ/ዲናር ዝልእኩ ይምልከት። እሞ ክተት ኣንጻር ናይ ከተሪ ባንከታተ ዝብል ጭርሖን ወፈራን ክካይዱ ምተግበኣዶ? ንሐና ኽኣ ነተን ቁንጣሮ ኣይምሓምቐናን።

ክቡር ፕረዚደንት፡ ሸርፊ ባጤራ ንምርግጋእ፡ ዝርቈት ርእሰ ማል ናይ ምውጋድን ንግዲ ኮንትሮባንድ ናይ ምቁጽጻርን ስርሓት ክካየድ ጸኒሑ ኣሎ።
ብዘይካ’ዚ፡
 ዘይሕጋዊ ድለላን ምውቕቓዕን ንምቁጽጻርን ዕዳጋ ንምርግጋእን እንታይ ይግበር 
ኣሎ?

እቲ ኣርእስቲ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ከም ጉዳይ፡ ኣብ ውሽጢ ዕብየት ናይ’ቲ ቁጠባ፡ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሰገርናዮ መስገደላትን ዘጋጥሙና ዘለዉ ብድሆታትን ብግምት ክትዛረበሎም ኣጸጋሚ እዩ። ብኣሃዛት ክትዛረበሎም ከለኻ ዝበለጸ እዩ። ኣብ’ዚ መወዳእታ እዋን፡ እቲ ናይ ደገ ምስንኻላት ወይ ሸርሕታት እንብሎ እናበዝሐ ስለ ዝኸደ፡ እቲ ሒዝናዮ ንኸይድ ዝነበርና ክፉት ፖሊስታት ናቱ ሳዕቤናት ነይርዎ። ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ፡ በብዓቕሙ ክርደኦ ዘለዎ፡ “እቲ ብናቕፋ እትወስዶ መሃያ እንታይ ክትገዝኣሉ ትኽእል?” ዝብል እዩ። ደሞዝ ኣይተቐየረን። ንዓሰርተ ወይ ዕስራ ዓመት ወይ እውን ልዕሊኡ ይኸውን ደሞዝ ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ። ካብ ሕብስቲ ጀሚርካ ዝዀነ ንሂወት ዘድልየካ መሰረታዊ ነገር ክትገዝእ፡ ኣብ ኢድካ ናይ ዘሎ ናቕፋ ናይ ምዕዳግ ሓይሊ እዩ ዝውስኖ። ብዙሕ ግዜ፡ ኣብ ነንበይኖም ኣጋጣሚታት ጠቒሰዮ ኣለኹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ከም ዋዛ ኣዕሊለሉ ነይረ። ኣብ’ዚ ዜና እየ ዝሰምዖ። ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ድዩ ወይ ኣብ ካልእ ካብ ቴለቪዥን ሰሚዐ ኣለኹ። “ጸባ ብርትዓዊ ዋጋ ኢና ንሸጦ” ኢሉ ይዛረብ ሓደ ገላጻይ። ‘ብርትዓዊ ዋጋ’ ዝብሎ ዘሎ ንሓንቲ ሊትሮ 20 ናቕፋ ትሽየጥ ማለት እዩ። ርትዓዊዶ ኣይርትዓዊን ኣይኰነን እቲ ሕቶ። ንሓደ ሊትሮ ጸባ – 20 ናቕፋ እንድሕሪ ኮይንካ ትገዝኣ፡ ኣብ ጀርመን ንሓደ ኪሎ ጸባ ካብ 29 ክሳብ 30 ሳንቲም ይሽየጥ። እዛ 20 ናቕፋ ትበሃል ዘላ፡ በቲ ወግዓዊ ዝበሃል 15 ወይ 20 ወይ እውን ካብኡ ንላዕሊ ኣሽርፋ፡ ማዕረ መጠን ኣብ’ቲ ኣብ ካልእ ዓለም ዘሎ ሊትሮ ጸባ ወይ ኪሎ ጸባ ብኸመይ ትመጣጠን? ከም ኣብነት፡ ሓደ በርሚል ማይ ኣብ’ዚ ከተማ፡ ብኸመይ ይሽየጥ ነይሩ? በየናይ መጐት (Logic) እዩ ዝሽየጥ ነይሩ? ፈሓም ንሓደ መሸማዕ 800 ናቕፋ ይሽየጥ ይበሃል። ጥሪት ዘራብሕ ሓረስታይ፡ ንመግቢ እንስሳ ንኹንታል ብ500 ይገዝኦ። እዚ ነቲ ሰብ ዝፈልጦን ዝሰምዖን እየ ንኣብነት ዘምጽእ ዘለኹ። ኣብ መወዳእታ ግን ዝወሰድካ መሃያ ውሰድ፡ እቲ እትወስዶ ናቕፋ ኣብ ዕዳጋ እንታይ ትገዝኣሉ እዩ ዝውስኖ።

ዕዳጋ በብግዜኡ እናነሃረ፡ ሸርፊ ናቕፋ እናንቈልቈለ እንድሕሪ ከይዱ ትርጉም የብሉን። እቲ ንስኻ ትወስዶ ዘለኻ ደሞዝ ናይ ምዕዳግ ሓይሉ እናደኸመ ስለ ዝኸይድ፡ ደሞዝካ ኸኣ ማዕረኡ ስለ ዘይውስኽ፡ ኣብ ሓደ ሰብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ምሉእ ሃገር ከምኡ ዝኣመሰለ ዘይምኽኑይ ናህሪ ዋጋታትን ምውቕቓዕን (Speculation) እዩ ዝኸውን። ሓደ ብሓደ ክትዛረበሉ ትኽእል ኢኻ። ምኽንያቱ፡ ሓደ ሊትሮ ጸባ ከተፍሪ ክንደይ’ዩ ወጻኢታቱ፡ ሓደ ሓደ ዝተገብረ ኤክሰርሳይስ (Excersice) ኣሎ። ሓደ ሊትሮ ጸባ ንኽፈሪ ወጻኢኡ ካብ 6 ክሳብ 7 ናቕፋ ኣይበዝሕን እዩ። ዋላ በቲ ሕጂ ዘሎ ሸርፊ፡ በየናይ (Logic) 20 ናቕፋ ይሽየጥ እንድሕሪ ኢልካ መግለጺ’ውን የብሉን። ናይ መጓዓዚ ይኹን ካልእ ዝተፈላለየ ወጻኢታት ደሚርካ (Margin) ወሲኸሉ ኢልካ ናብ 10 ናቕፋ እንተ ኣብጻሕካዮ ምናልባት ምኽኑይ ወይ ርትዓዊ ኢልካ ክትዛረብ ትኽልእ። ኣብ ዘቤታዊ ዕዳጋና ጥራይ ዘይኰነ፡ ብናይ ዓለም ዕዳጋ’ውን ክትቅበሎ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ብዘይምቍጽጻር ክጋልብ ዝጸንሐ ዝተፈላለየ ኣካይዳታት፡ ብቐንዱ ናይ ደገ ሸርሒ እዩ። እዚ ኹሉ ምዝባዕ (Distortion) ዘተኣታቱ ዘሎ ኸኣ፡ ካብ ደገ ዝለኣኽ ሓዋላ እዩ። ሓዋላ፡ ከም ግቡእ መስርዕ ክህልዎ ነይርዎ። እዚ ሓዋላ እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ቁጠባ ናይ ሃገር፡ ብመንገዲ ወግዓውያን ባንክታት ዝግበር ሓዋላ ኣይኰነን። ስለምንታይ እዩ እቲ ክብሪ ናይ ናቕፋ ዘንቆልቁል ዘሎ? በየናይ ጠንቅታት እዩ? እንድሕሪ ኢልካ፡ ሓደ ኣብነት እየ ዘምጽእ ዘለኹ እምበር፡ ብዙሓት ክትዛረበሎም እትኽእል ነገራት ኣለዉ። ሓደ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ደገ ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ፡ ናብ ቤተሰቡ ገንዘብ ክሰድድ ይደሊ። እዚ ንቤተሰብ ዝስደድ ገንዘብ፡ ብርያል ይምጻእ ብዩሮ ወይ ብዶላር፡ ክሽረፍ ክኽእል ኣለዎ። እንተኾነ ኣብ ባንኪ ከይዱ ብ15 ኣሽርፉለይ ኣይብልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ደገ ብ30 ወይ ኣርብዓ ከሽርፈሉ ዝኽእል ኣሎ። እዚ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ዓሰርተ ገለ ዓመታት ክግበር ዝጸንሐ፡ ውዱብ ገበን እዩ። እታ ሃገር ከይትቐስን ምእንቲ፡ ሓዋላ ምእንቲ ከይትጥቀመሉ፡ ‘ክዕገት – ክሕነቕ ኣለዎ’ ተባሂሉ ስለ ዝተሰርሓሉ፡ ነቲ ናብ ውሽጢ ቍጠባ ሃገር ክኣቱ ዘለዎ ሓዋላታት ዝሓንቕ መርበባት ተዋዲዱ። ነዚ ናይ ስለያ ትካላት እየን ዝመርሓኦ። ብደገ ደገ ካልእ ክረኣየካ ይኽእል ይኸውን። ኣብ ውሽጢ፡ መን የካይዶ? – መን ይመርሖ? እንተ ኢልካ ግን፡ ኣብ ደገ ዘሎ እዩ ዝመርሖ።

ሓደ ዜጋ ንቤተሰቡ ገንዘብ ክሰድድ እንተደኣ ደልዩ፡ እቲ መርበብ ስለ ዘሎ፡ ናበይ ከም ዝሰድድ ይፈልጥ እዩ ማለት እዩ። እቲ ናቕፋ ኣብ ደገ እዩ ዝሽረፍ። ኣብ ደገ እንድሕሪ ዝሽረፍ ኰይኑ፡ ሓደ ድኳን ዝኸፈተ ሰብ፡ ዶላር ወይ ዩሮ፡ ወይ ርያል ተቐቢሉ፡ ከመይ ገይሩ ናቕፋ ከቕርብ ይኽእል? እቲ ብማዕረ ማዕሪኡ ዝኸይድ ጥበብ፡ ካብ’ዚ ናቕፋ ተዘቚቝ፡ ክሻታት ተመሊኡ ናብ’ተን ባንክታት ይኸይድ። እተን ባንክታት ልቸንሳ የብለንን። ኣብ ደገ ስለ ዘለዋ ዝቆጻጸር’ውን የብለንን። ናብ ቤተሰብ ገንዘብ ክሰድድ ዝደለየ ሰብ፡ ኣድራሻኡ ናብኣተን ይሰዶ። ንሳተን ከኣ ኣብ ደገ የሸራርፋኦ። እቲ ንቤተሰቡ ኢሉ ገንዘብ ዝሰደደ፡ ዝረብሕ ዘሎ እዩ ዝመስሎ ዘሎ። ግን እግሩ እዩ ዝወግእ ዘሎ። እተን ዝመጽኣ ብዝዀነ ይኹን ዋጋ ይሸረፋ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዝበጽሖ ሰብ፡ ዘድልዮ ነገር ኣብ ዕዳጋ ከይዱ ክገዝኣሉ እንድሕሪ ኰይኑ፡ በቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ እዩ ዝገዝእ። እንተደኣ ባጤራ ናቕፋ ዋግኡ ኣንቆልቊሉ፡ ብዝመስለካ መንገዲ ኣሽርፎ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ክትሕግዞ ኢልካ ትሰደሉ ዘለኻ ሰብ እዩ ዝኸስር ዘሎ። እዚ ቀሊል ስእሊ ናቱ እዩ።

እዚ ኣባና ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ከባቢታት እውን ይሰርሕ እዩ። ሕጂ ዘሎ ናይ ዓለም ስርዓት ብኸምኡ እዩ ዝሰርሕ። ህዝቢ ተጥሚ፡ ህዝቢ ከም ዝሳቐን ዝነዓዓብን ትገብር፡ ዘይሩ-ዘይሩ፡ ኸኣ ኩሉ ንቝጠባ እዩ ዝጸሉ። መዐረዪ ክግበረሉ ክኽእል ኣለዎ። “መንግስቲ ከም’ዚ ገይሩ፡ መንግስቲ ከም’ዚ ሰሪሑ” ዝበሃል፡ መንግስቲ ካብኡ ዝረኽቦ ዝዀነ ነገር የብሉን። እቲ ዕላማ፡ እቲ ተራ ዜጋ፡ ነቲ ክረኽቦ ዝኽእል ደገፍ ብግቡእ ክጥቀመሉ ክኽእል ኣለዎ። ባጤራ ምእንቲ ርእሱ ሓደ ናይ መሳለጢ ወረቐት እዩ። ሓድሽ ባጤራ ምትእትታዉ መሰረታዊ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል እኳ እንተዘይኰነ፡ ነዚ ኸም’ዚ ዝኣመሰለ ነውጺን ምዝንባዕን ዘምጽእ ዘሎ ምውቕቓዓት ግን፡ መቆጻጸሪ ክግበረሉ ክኽእል ኣለዎ። መወዳእታ ተጠቃሚ ዜጋ እዩ። እዚ ፕሪሚቲቭ (Primitive) ቁጠባ ስለ ዝዀነ፡ ናይ ሃገር ባንክታት ሰሪሐን ኣይሰሪሐን እንታይ ከሲበን ኣይከሰባን፡ ኢልካ ኣብ ገዚፍ ነገር ኣቲኻ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ቀለልቲ መሳለጥያታት ዝህብ ፋይናንስያዊ ትካላት እንተዘይኰይኑ፡ ዓበይቲ ባንክታት፡ ዝልቃሕን ዘለቅሕን፡ ኣብ ዓበይቲ ቁጠባዊ ንጥፈታት፡ ኣብ ጽላታት፡ ኣብ ኢንዱስትሪታት ዝኣቱን ዘውፍርን ባንክታት’ውን የለን።

ውዒልካ ሓዲርካ ክሳድ ምሓዝ ስለ ዝዀነ፡ ናይ ዕድጊ ዓቕሚ ሃገራዊ ባጤራ ክሕይል እንድሕሪ ጀሚሩ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ እዩ ዝጥቀም። እዚ ትምኒት ወይ ባህጊ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ መንግስቲ ይኹን ኣብ ናቱ ዋኒን ዝሰርሕ ዘሎ ሰብ፡ እዚ መቆጻጸሪ ክተኣታተወሉ ክኽእል ኣለዎ። ብዛዕባ ደሞዝ ምውሳኽን ዘይምውሳኽን ምናልባት ዳሕራይ ክንዛረበሉ ንኽእል ኢና። እቲ ዋና ፖሊሲ ከነተኣታትዎ ዘለና፡ እቶም መሳርሒታት ዝበሃሉ ፖሊሲታት ከምጽእዎ ዘለዎም ናይ ናቕፋ ናይ ምዕዳግ ሓይሊ ክዓቢ ኣለዎ። እዚ ነቲ ኻልእ ክፋል ዝርስዕ’ውን ኣይኰነን። ቀረብ ናይ’ቶም መሰረታውያን ወይ ስትራተጂካውያን ሃለኽቲ ዝበሃሉ ኣገልግሎታትን ኣቚሑን፡ ብዓይነት ይኹን ብዓቐን ውሕስነት ክህልዎ ክኽእል ኣለዎ። እዚ ምስ’ቲ ናይቲ ቁጠባ ናይ ኣፍራይነት ዓቕሚ ዝኸይድ እዩ። እቲ ቁጠባ ኣብ ምንታይ ደረጃ ኣሎ፣ መሰረታውያን ሃለኽቲ ዝበሃሉ ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ተሸሚቶም ዝመጽኡ ድዮም ወይስ ብዘቤታዊ መንገዲ ዝፈርዩ ክንብል ኣሎና። እቲ ዝተኣታተወ ፖሊሲ ሰሪሑ’ዶ ኣይሰርሐን እንተ ኢልካኒ፡ ኣይፈልጥን እየ ክብለካ እኽእል። ምኽንያቱ ኣብ ሓንቲ ወይ ሽዱሽተ ወርሒ ወይ ኣብ ዓመት ሰሪሑን ኣይሰርሐን ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን። ምናልባት’ውን ዘይተሓሰበሉ ሳዕቤናት ከምጽእ ይኽእል ይኸውን። ሓድሽ ባጤራ ክተኣታቶ ከሎ፡ እቲ ዋና ዕላማ፡ ነቲ ኣብ ዑደት ዝጸንሐ ባጤራ ክትቆጻጸሮ ክትክእል ኣለካ። ነዚ ብደገ ዘንቀደ ሸርሒታት፡ እንተዘይሰዓርካዮ እውን ክትቆጻጸሮን ክትምክቶን ክትክእል ኣለካ። እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ኣብ ኢዱ ዝሓዞ ናቕፋ ክጥቀመሉ ምእንቲ፡ ናይ ዕድጊ ሓይሉ ክድይብ ክኽእል ኣለዎ። ስለ’ዚ፡ ዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ፡ ነዚ ፖሊሲ ከተግብርን ክቆጻጸሮን ክኽእል ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ እቲ ዕላማ፡ ኣብ ዕብየት ናይ ቁጠባ እንታይ ከምጽእ ወይ ኣይከምጽእን እዩ ዘይኰነ፡ እንታይ ተገይሩ እንድሕሪ ኢልና ምስ’ቲ ዝፈጠሮ ሓጎጽጎጽ፡ ሓደ ሓደ ለውጥታት ተራእዩ ይኸውን። ንምልክታት ናይ’ቲ ለውጢ ወሲድካ፡ ከም’ዚ ኰይኑ ኣሎ፡ ጽቡቕ ኰይኑ ኣሎ፡ ዝወጽአ ፖሊስታት ሰሪሑ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምኽንያቱ ናይ ሓደ ተዋሳኣይ ጸወታ ኣይኰነን። ብዙሓት ተዋሳእቲ ዘለዎ ጉዳይ ስለ ዝዀነ፡ ብዙሕ ክስራሓሉ ዘለዎ እዩ።

እቲ ቀዳማይ መልእኽቲ ክመሓላለፍ ዘለዎ፡ እቶም ካብ ደገ በዘን ናይ ከትሪ ባንክታት ኣቢሎም ናብ ቤተሰብ ገንዘብ ዝሰዱ ዘለዉ፡ ዘይሮም-ዘይሮም ንሓይሊ ዕድጊ ናቕፋ ይቐትልዎ ከም ዘለዉ ክፈልጡ ክኽእሉ ኣለዎም። ንዓይ ሓገዝ ግበረለይ፡ ደግፈኒ፡ ረድኤት ግበረለይ. . . ዝብል መንግስቲ የለን። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ተጠቃሚ እቲ ዜጋን ህዝብን ስለ ዝዀነ፡ ምንቅስቓሳት ናይ ዝተፈላለዩ ባጤራታት፡ ናብ ምንታይ ይኸይድ ከም ዘሎ ክፍለጥ ክኽእል ኣለዎ። እቲ ክሳራ ዘይሩ-ዘይሩ ነቲ ዘበግስ ዘሎ’ውን ይኸውን ስለ ዘሎ፡ እትሰዶ ዘለኻ ደገፍ ተሸሪፉ ናይ’ቲ ዝተሸርፈ ባጤራ መዐደጊ ሓይሊ ገዚፍ ክኸውን ከሎ ጥራይ እዩ ዘዋጽኣካ። ንዓኡ ዝሃሲ ዝዀነ ነገር እንተ ገይርካ፡ ንነብስኻ ኢኻ ትጐድእ ዘለኻ እምበር፡ ንዝዀነ ሰብ ኣይኰንካን ትጐድእ ዘለኻ።

እዚ ቀሊል ስራሕ ዝሓትት ኣይኰነን። ማዕረኡ ክስራሓሉ ክኽእል ኣለዎ። ምናልባት ባጤራ ኣብ ዕብየት ናይ ቁጠባ፡ ኣብ ርግኣት ናይ ዋጋታት፡ ኣብ ዝቕባበን ዝተፈላለዩ ካልኦት ቁጠባዊ ረቛሒታትን ኣበርክቶ ኣለዎ እንድሕሪ ኢሎሙኻ፡ ውሱን ኣበርክቶ እዩ ዘለዎ። እቲ ዋና ነገር፡ ንዕብየት ቁጠባ፡ ኣብ ኩሉ ደረጃ፡ ኩሎም ጽላታት፡ ኩሎም ኢንዱስትሪታት ዝህሉ ፍርያት ክዓቢ፡ ካብ’ዚ ሕጂ ዘሎ ጽፍሒ ናብ ዝለዓለ ክኸይድ እዩ እቲ ቀንዲ ኣተኲሮ። እቲ ባጤራ ግን፡ ናይ ገለ ገለ ዘይድለዩ ተርእዮታት ምውቕቓዕን መነባብሮ ዜጋታት ኣብ ዝትንክፉ ጉዳያትን ኣመት ስለ ዘለዎ፡ ንዕኡ ንምቁጽጻር፡ ክውቅዑ ዘለዎም ዕላማታት ተነጺሮም፡ ኣካላት ናይ መንግስቲ ብግቡእ ክሰርሓሎም ከም ዘለወን ጥራይ እየ ከዘኻኽሮም ዝደሊ። እቲ ኣርእስቲ ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ኣዝዩ ገፊሕን ብዙሕ ጨንፈራት ዘለዎን ስለዝዀነ፡ እቲ ወጺኡ ዘሎ ፖሊስታት ሰሪሑ’ዶ ኣይሰርሐን፡ ክሰርሕ ድዩ ኣይክሰርሕን ክሳብ ክንደይ ክድፈኣሉ ይኽእል፡ ኣብ መንጎ ዝግበር ለውጥታት እንታይ ኣሎ ከይተንተንና፡ እታ ናይ መወዳእታ ዕላማ ክብሪ ወይ ሓይሊ ዕድጊ ናቕፋ ንምቁጽጻር፡ ቀረብ ነፍሲ- ወከፍ ዜጋ ናይ’ቶም መሰረታውያን ዝበሃሉ ሃለኽቲ እናተኸታተልካ፡ እቲ ዝድለ ዕላማ ክውቃዕ ክኽእል ኣለዎ እዩ እቲ ሓሳባት።

ብዛዕባ ኮንትሮባንድ ዝበሃል ዘረባታት ኣሎ። ሓደ ክንፈልጦ ዘለና፡ መጽናዕትን ገምጋማትን ዝተገብሮ ጽቡቕ ፖሊስታት ወጺኡ ኣሎ እንድሕሪ ተባሂሉ፡ ናይ ትግባረ ዓቕሚኸ? ትብል’ሞ፡ ናብ’ቲ ትካላት ትመጽእ። እቲ ትካላት ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ፖሊስታት ከተግብር ይኽእል ድዩ? ካብ ምቍጽጻር ወጻኢ ዝዀኑ ጉዳያት ከመይ ገይሩ ክሕዞም ይኽእል? ናይ ብሓቂ ኣብ ትግባረ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ጸገማት እንታይ እዮም?። ንኮንትሮባንድን ንዝተፈላለዩ ካልኦት ኣብ’ዚ ናይ ምውቕቓዕ ዕዳጋ ዝኣቱ ኣሰራርሓታትን፡ ብቕዓት ናይ’ተን ትካላትና እንታይ ይመስል? ኢልካ ክትሓትት ከኣ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ርእሱ ዝኸኣለ ኣርእስቲ እዩ። ፖሊሲታት፡ ነዚን ነዚን ዕላማታት ወይ ሸቶታት ክንወቕዓሉ ኢልና ስኢልናዮ ኣለና። ሚእቲ ካብ ሚእቲ ተኣማሚንና፡ ብባህጊ ብድልየት ጥራይ ክንሰርሕ ኢና ኢልና ክንሓስብ ንኽእል ዲና? ንዕኡ ዘተግብር ኣካላት ኣለና ድዩ” ዝብል ሕቶታት ኣሎ። እዚ’ውን ምስ ግዜ እናወርጸጸ ዝኸይድ እዩ። ምኽንያቱ ኣዋጃት፡ ፖሊሲታት. . . ምውጻእ ጥራይ ንበይኑ ኣኻሊ ስለ ዘይኰነ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ካልእ ዓቢ ብድሆ እዩ። እቲ ዝወጽአ ግን፡ ከም’ቲ ዝተሓስበ ወይ ዝተደልየ ኣድሚዑ’ኳ እንተ ዘይበልና፡ ብዙሕ ተመኵሮታት ኣዋህሊልናሉ ስለ ዘለና፡ ንዝመጽእ ብዝበለጸ ከነተግብሮ ዝሓሸ ኩነት ኣለና ኢልና ክንዛረብ ንኽእል።

 

ሎሚ ውን ይድገም ኣሎ (ብ በርሀ በራኺ) 15-10-17

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ እዛ “ሎሚ ውን ይድገም ኣሎ” እትብል ኣርእስቲ ጽሑፍቶይ እንታይ ንምግላጽ’የ፥ ወያነ ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሮም’ዮም ብቁጠባ ንምሕናቕና ክጻብኡና ጀሚሮም። መንግስቲ ኤርትራ ገዚፍ ባጀት ሰሊዑ ንሰራዊት ናይ መጣየሲ፥ ንስድራ ስዉኣት ድማ ናይ ደበስ ገንዘብ ክኸፍል ምስ ጀመረ፥ ወያነ ድማ ሃሱሳት ሰባት ኣዋፊሩ “ገንዘብኩም ኣብ ባንኪ ኣይተቐምጡ ድሓር መንግስቲ ኣይህበኩምን’ዩ” እንዳ በሉ ፕሮፓጋንዳዊ ወረ ክነዝሑ ጀሚሮም። ጽንሕ ኢሉ ድማ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ኣብ ትግራይ ገንዘብ ከተቐምጥ ከለኻ ክሳብ 12% ከብጽሖ ጀሚሩ። እቶም ሃሱሳት ደላሎ ድማ ገዛገዛ እንዳዞሩን ኣብ ፍቕዳ እንዳ መስተን ዕዳጋን “ርኢኹም ዶ ኣብ ባንክታት ኤርትራ ካብ ዘቐመጥካዮ ገንዘብ ዝተሓተ ውለድ ትረክብ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ባንኪ እንተ ኣቐሚጥኩም ግን ክሳብ 12% ልዕሊኡን ትረኽቡ” እንዳበሉ ንህዝቢ ኣታሊሎም ህዝቢ ድማ በዚ ተታሊሉ ብመንገዲ ናይዞም ደላሎ ኣቢሉ ገንዘቡ ገለ ናይ መጣየሲ ገለ ድማ ናይ ደበስ ዝረኸብዎ ንኢትዮጵያ ኣስጊሮሞ።

Read More
ወያነ ፋልሶ ሚልዮናት ባጤራ ናቕፋ ሓቲሙ ክዝርግሕ ጀሚሩ
ሰራውር ናይ ሓበሬታን መጽናዕትን ማእከል,

ቁጠባ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ታርጌታት ናይ ወያነ ምስ ሓገዝቱ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ ንነዊሕ ግዜ። ሓደ ካብቶም ዝተፈላለዩ መንገድታት ብግሁዱን ዘይግሁድን ዘጠቃለለ መጥቃዕትታት  ኣብ ልዕሊ ባጤራ ናቕፋ እዩ። ከም ዝዝከር ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ወያነ ፋልሶ ናቕፋ ብምሕታም ክብሪ ባጤራ ናቕፋ ንምጅላሕን ናይ ወጻኢ ባጤራ ናብ ኤርትራ ከምዘይኣቱ ንምግባርን ኩሉ ዝካኣሎ ጌሩ። እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ መጠን ክብሪ ናቕፋ ናብ ሓቀኛ ቦቱኡ ተመሊሱ።

ጭብጣዊ ሓበሬታ ከም ዘረጋግጾ፣ ሕጂ'ውን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ወያነ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ናቕፋ ብምሕታም ብኹሉ ዶባት  ኢርትራ ብምጽዓኛታትን ብሰኸም ናይ ስባት ጌሩ ናብ ውሽጢ ሃገርና ከስልኾ ጀሚሩ ኣሎ እቲ ዝብዝሓ ክፋል ናይቲ ገንዘብ ግን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እዩ ዘሎ።

ኣብዚ እከይ ስራሕ ዝተሓባበሩን ዝሳተፉን ኢዶም ዝሓወሱን ኤርትራውያን ዜጋታት  ከምዘለዉ
Read More

Preview of Future Eritrea..
those who are taking and carrying the torch

dr

Dr. Ascalu and Dr. Jemila are an exemplary friends who met in Sawa. Coming from different places of Eritrea, once they met to attend their 12th grade and do National Service in Sawa, they established a strong friendship. After they had left Sawa, they studied in the Eritrean Institute of Technology for a year. Then they joined the Orotta School of Medicine in 2007. Here is an excerpts of their interview with Meneasey magazine.
 

Had you ever been asked the question: “What would you like to be when you grow up?”

Dr. Jemila: Well, if you ask any child, what she/he would like to be when they grow up, there are some answers that usually come to the mind regardless how far fetched they could be. ‘I want to be a pilot; I want to be a singer; I want to be a doctor, etc,’ are still the common answers. I was not an exception and in fact I used to answer in the same way. But, after you grow up, you start to realize that the most important thing is not knowing what you want to be, but how you can achieve it. Then, I changed my answer and started to say: “I have to be the best in my class or in my carer in general.” Consequently, in every step of my life, I wanted to be the best. And this helped me a lot in becoming a medical doctor, I think.

Read More

ሚኒስተር ዑስማን፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተንን ከባቢኣን ሰሚናር ኣካዪዱ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ብ8 ጥቅምቲ ንኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግቶን-ዲሲን ከባቢኣን - ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንህሉው ፖለቲካዊ፡ ቊጠባውን ዲፕሎማስያውን ኩነታት ሃገር ዝምልከት ሰሚናር ኣካዪዱ።


ሚኒስተር ዑስማን፡ ኣብ ዝሓለፋ 26 ዓመታት ዘጋጠሙና ከበድቲ ብድሆታት፡ ሳላ ጽንዓትን ተወፋይነትን መላእ ሚኒስተር ዑስማን፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተንን ከባቢኣን ሰሚናር ኣካዪዱ ህዝቢ ኤርትራን ምዑታት ሓይልታት ምክልኻሉን እናተዳኸሙን እናተሳዕሩን ከምዝመጹ ብምሕባር፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝተመዝገበ ገስጋስ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ንነዊሕ ዝጠመተ ኣብ ውሽጣዊ ጸጋታት ዝተመርኰሰ ራኢን፡ ድልዱል ሓድነትን ዘይተጸዓድነትን ህዝቢን ምዃኑ ኣረዲኡ

መደባት ልምዓት ኣብ ዝምልከት፡ ሚኒስተር ዑስማን፡ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ቀዳማይ ኣጀንዳ ህንጸት ሃገራዊ ቊጠባ ምዃኑ፡ ካብዚ ብምብጋስ ድማ ኣብ ምህናጽ ትካላት ትምህርትን ምውዳድ መሳለጥያታቱን ዓበይቲ መደባት ከምእተሳለጡን፡ ሓያሎ ብቑዕ ፍልጠትን ሞያን ዝደለቡ መንእሰያት ይምልመሉ ምህላዎምን ገሊጹ።

 ኣብ ምኽዛን ማይ ዝተዓሙ ስርሓት ድሕሪ ምዝርዛር ከኣ፡ እቲ ዝድለ ቴክኖሎጂን ጸዓትን ምስ ተዋደደሉ፡ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽን ኪኖኡ ዝጠመተ ምህርቲ ንምፍራይን ብዕቱብ ተታሒዙ ብጽቡቕ ይግስግስ ከምዘሎ ሓቢሩ። ዓቕሚ ዘለዎም ዜጋታት፡ ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ጽላትን ካልኦት ዓውድታትን ንምውፋር፡ ምቅርራባት ክገብሩን ናይ ምውህላል መደባት ከተኣታትዉን ድማ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ’ውን ብዙሕ ዓወታት ይምዝገብ ከምዘሎ ዝገለጸ ሚኒስተር ዑስማን፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ኣበርክቶ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ብቐሊል ዝጥመት ስለዘይኮነ፡ ብዝወርጸጸን ዝማዕበለን ኣገባባት ክቕጽል ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ። ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ’ቲ ወጺኡ ዘሎ ናይ ወፍሪን ልምዓትን መደባት ተሳታፍነቶም ከም ዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም።

Is Ethiopia still a Rwanda in slow motion?

by Teshome M. Borago

In 2004, the former Chairman of CUD party, Hailu Shawul, held one of his conferences in Addis Ababa before the election. In his speech, Hailu told the crowd that he is not worried about the TPLF ruling party imprisoning him and the opposition. “I am most concerned about the slow and sporadic mass killings due to the false hope of unrealistic tribal borders,” he said.


Read More

 

 

           
(ኣቶ ጸጋይ ኣስመሮም፡ ኣስማት ናይቶም "20 ኤርትራውያንን 20 ኢትዮጵያውያንን ሙሁራት" ህዝቢ መታን ክፈልጦም፡ ዝርዝር ኣስማት ንመስከረም ከካፍል ተማሊ 10/12/2017 ብስልኪ ተሓቲቱ፡ ዝርዝር ኣስማቶም ክካፍል ኣይፈቐደን። መስከረም፡ ን ኣመሓደርቲ "ሰለብሪቲ ኢቨንትስ" ተወኪሱ ዝርዝር ኣሰማቶም ንህዝቢ ክሕበር ክፍትን ኣዩ። መስክርም 10/20/2017 04:23:39 PM)
                 
ዜና ቀዳማይ እብረ ህዝባዊ ዘተ "መዝሙር ሰላም"                  ንኢትዮ-ኤርትራ ክካየድ ኢዩ
==============================
ሽግር ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ንምፍታሕን ውጽኢቱ ዝኾነ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ሃዋሁ ንምስዓርን ዝዓለመ ህዝባዊ ዘተ ኣብ'ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ'ዩ። 
 
ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ንክልቲኦም ስርዓታት ቀዲሙ ኣብ መስርሕ ሰላም normalization ነዊሕ ርሕቀት ተጓዒዙ ኣሎ። ሰለብሪቲ ኢቨንትስ ዘዳለዎ "መዝሙር ሰላም" ካብ ህዝባዊ ምዕባለ ኣብ መስርሕ ሰላም ዝነቅል ኮይኑ፡ ንስርዓተ ክብርታት ክልቲኡ ሕብረተሰብ ዝዕቅብ። ሰለማዊ ሕውነታዊ ዝምድና ህዝብታት ናብ ንቡር ዝመልስ። ቁጠባዊ ምትእስሳር ኢትዮ-ኤርትራ ዝፈጥር። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ናይ ፖሎቲካ መራሕቱ እወንታዊ ጸቕጢ ክገብር ዘኽእል ህዝባዊ ዘተ ኢዩ ጻዋዒት "መዝሙር ሰላም"
 
ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ህዝባዊ ዘተ "መዝሙር ሰላም"፡ 20 ኤርትራውያንን 20 ኢትዮጵያውያንን ሙሁራት ክሳተፍዎ ኢዮም። መራሕቲ ሃይማኖት፡ መንእሰያትን ተቓወምቲ ፓርትታት ናይ ኢትዮጵያን ድማ ኣካል'ዚ ዘተ ኮይኖም ከም ዝሳተፉ ተረጋጊጹ ኣሎ። ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ዜና ዝመጹ ኢትዮጵያውያን፡ ኤርትራውያን፡ ከምኡ ውን ዓለም ለኻዊ ተቐባልነት ካብ ዘለወን ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዝውክሉ 20 ጋዜጤኛታት ክሳተፍዎ ኢዮም። 

ገለ ካብ'ቲ ኣብ'ዚ ፈላምን ወግዓውን መድረኽ ዝለዓሉ ኣርእስትታት ድማ፡ እቲ ዝካየድ ዘተታት እንታይ ይመስልን መስርሑን ምፍታሽ፡፡ ዕላዊ ኣካያዲ ስራሕ ኮሚተ ናይ ሰለብሪቲ ኢቨንትስ (መዝሙር ሰላም) ምሕራይ። ሰለብሪቲ ኢቨንትስ ምስ ህዝቢ ክራኸበሉ ዝኽእል ማሕበራዊ መራኸቢታት ምውናንን ካልእን ክፍትሽ'ዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ሰለብሪቲ ኢቨንትስ፡ ኣብ "መዝሙር ሰላም" ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለጺ ክህብ'ዩ። 

ኣብ ህዝባዊ ዘተ "መዝሙር ሰላም" ናይ ኢትዮ-ኤርትራ ክሳተፉ ንዝደልዩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ኣቐዲሞም ንሰለብሪቲ ኢቨንትስ ብምሕባር፡ ኣካል ናይ'ቲ ህዝባዊ ዘተ-ሰላም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ሰለብሪቲ ኢቨንትስ ዕድመ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ህዝባዊ ዘተ "መዝሙር ሰላም" ንኢትዮ-ኤርትራ ክዕወት'ዩ!!!

ጸጋይ ኣስመሮም

( ናብ መስከረም ዝተላእክሉ ዕለት፡ Thursday, October 12, 2017 12:33:46 AM)

Swiss re-start cooperation projects in Eritrea
(በዓል ሄኖስ ሰላማዊ ሰልፊ ጥራይ ከይገብሩ!!!)

Switzerland has resumed support for cooperation projects in Eritrea, having withdrawn from the east African country over ten years ago. Since the beginning of October, Switzerland has supported two vocational projects in Eritrea in a pilot phase scheduled to run until the end of 2019. 

The Swiss Agency for Development and Cooperation (SDC), the foreign ministry office in charge of Switzerland’s international cooperation, was active in Eritrea from 1993 to 2006 and ran a cooperation office in the capital Asmara from 2001 to 2006, mainly for humanitarian operations. 

The office was closed in 2006 because the conditions needed for the SDC to carry out its activities were not met, the foreign ministry said in a statement on Thursday. 

The first project, run by the private organisation Swiss Support Committee for Eritrea (SUKE), supports a vocational school in the port city of Massawa. The school’s instructors are themselves employed in companies in the region. They train workers, teach further training courses and also get the chance to develop their own skills. The programme is regularly adapted to local job market requirements. 

The second project supports a training programme run by the Don Bosco organisation via the agency International Volunteer Service for Development. The programme assists vocational schools in the regions of Asmara, Dekemhare, Nakfa, Hagaz and Mai Habar. These schools give disadvantaged young people, especially girls, the chance to learn a trade. 

“Switzerland hopes to see gradual improvements in the collaboration with the Eritrean authorities at the bilateral and multilateral level,” the foreign ministry said. 

“Switzerland will also have the opportunity alongside the international community to strengthen dialogue with the Eritrean government on a number of issues, including the human rights situation, development and the rule of law.” 

The SDC’s annual contribution to the two projects is around CHF1 million ($1.03 million). 

 

swissinfo.ch and agencies/ts

Read More

 

 

መብርሂ ዘድልዮ ጋዘጣዊ መግልጺ መድር

አብ ኮንፈረንስ መድረኽ ክሳተፉ ባልጃ ዝጠርነፉ ዘሰከፈ ጋዘጣዊ መግለጺ።
ገለ አይንኸይድን ዝበሉ ከም ዝለዉ ይውረ። ዝረኸብናዮ፡ አስማት ናይ ገለ ተዓዲሞም ዘለዉ ዘጋታት ክንሕብር ክንፍትን ኢና
 
ብየናይ መገዲ ተመላላኢ ይኸውን?
እንታይ እዩ አዚ ኩሉ ሽቖጥቆጥን ፈኾስኮስን። ንወያነ ከይተኾርስ ንተሳተፍቲ ኮንፈርንስ ምትላል ከመይ ገቢሩ ይምረጽ፧
እቲ አብ ጀርመን ብመድረኽ ዝተመወልን ዝተዳለወን ሰሚናር መስቲ ብወያነ ዝምወልን ብ ኢደ-በይዛነት ጉጅለ ዮውሃንስ አስመላሽ፡ ቀርንለዮስ፡ ሃንጅማ..ብወያነ ዝካይድ ሰሚናር ከመይ ገሩ ምስቲ ናይ መድረኽ ኮንፈረንስ ተመላላኢ ይኽወን።

(Highlight on press release by meskerem)

"እቶም ካብ ደገ ብናይ ከትሪ ባንክታት ኣቢሎም ናብ ቤተ-ሰብ ገንዘብ ዝሰዱ ዘለዉ፡ ዘይሮም-ዘይሮም ንሓይሊ ዕድጊ ናቕፋ ይቐትልዎ ከም ዘለዉን፡ እቲ ክሳራ ዘይሩ-ዘይሩ ንዓኣቶም’ውን ምዃኑን፡ ክፈልጡ ክኽእሉ ኣለዎም። ናይ ዝተፈላለዩ ባጤራታት ምንቅስቓሳት፡ ናብ ምንታይ ይኸይድ ከምዘሎ ክፍለጥ ክኽእል ኣለዎ። "


ቃለ-ምሓተት ብሙሉኡ
 

ሕጂ እውን የቐንየልና።
ብዓረብኛ፡ ብጽሑፍ ይኹን ብቓል ዝቐርብ፡ ናብ ትግርኛ ብምትርጛም ዘተሓጋገዙ/ዛ ዘለዉ/ዋ ዜጋታት እንዳኣመስገና፡ ከም መተሓፍስቲ ኣብ "መዝሙር ሰላም" ዘተሰኲዔ፡ በሺር ይስሓቅ፡ ፡ ኣብ ፓል ቶክ ዘቕረቦ ሓያል መግለጽን ዘስምዖ መርግጽን፡  ጽሟቕ ትረጉም (
ከምዝተላእከልና) ነቕርብ።

Image result for beshir ishak

"ተጋደላይ በሺር ኢስሓቕ ኣብ ሃገራዊን ኤርትራዊን ብዓረብ ዝፍኖ ናይ ዘተ መጋባእያ ፓልቶክ

06.10.2017 ተጋዳላይ በሺር ኢስሓቕ ኣቦ መንበር ድሞክራስያዊ ፊድራልያዊን ምንቅቓስ ኤርትራ ኣብ ፓልቶክ ሩም ተዓዲሙ ብዛዕባ ዘተ ኣብ መንጎ ኤርትራዊያን፡ ጉዳይ ሲሚናርን ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤን መደረ ብምሃብ ቡዙሕ ኣርኢስቲታት ኣልዒሉ ምብሪሂታት ሁቡ እዩ።

ገለ ገለ ካብቲ ብቛንቋ ዓረብ ዝተበሃለ ኩሉ ጉዱስ ኤርትራዊ ክፈልጦ ብሕጽር ዝበለ እንሆ። ብዝያዳ ብዝርዝር ክስምዖን ክፈልጦን ዝደለየ ሰብ ናብ` ፓልቶክ ሩም ገጽ ኣብ ፌስቡክ ከይዱ ክረኽቦ ይኽእል። እዚ ቱርጉም` ቃል ብቓል ከምዘይ ኮነ ኣቀዲሙ ክፍለጥ ኣለዎ።
 

·     ሓምድ ድራርን ሰላሕ ኣቡራይን ኣብ ኣልሕዋር ቲቪ ብዛዕባ ልዝብን ኣድላይነቱን ኣመልኪቶም ዝበሉዎ፡ ናተይ እምነት ስለዝነበረ ናብዚ ሩም መጸአ መደረ ክህብ ኣተባቢዑኒ`ዩ። ክልቲኦም ተባዕ ሓሳባትን ቅድሚ ሕጂ ምትንካፉ ዘይከአል taboos ዘነበረ ጉዳያት ብምትንካፎም ናይ ብሓቂ ተስፋ ዝህብ “thinking out of the box” ኮይኑ ረኺበዮ።

·    እቲ ንኸዶ ዘሎና ሰሚናር፡ ኣብ መንጎ ሸነኽ 15 ውዲባትን ሸነኽ 6 ውድባት ዝተፈጥረ ፍልልያት ንምፍታሕ ዝዓለመ ዲዩ እምበአር፡ ኣብ መርሕነት ሃገራዊ ባይቶን ቤት ጽሕፊታቱን ለውጢታት ወይ ምቕያራት ንምግባር ኣይኮነን።

·    ብዓል ሓምድ ድራርን ኣቡራይን ዘተ ኣብ መንጎ ኤርትራዊያን ተቓውምቲን መንግስቲ ኤርትራን ክፍተን ኣለዎ ይብሉ እንከለዉ፡ ዝድገፍ ሓሳብ`ዩ። ምኽንያቱ ሰርዓት ኤርትራ ኢስያስ ኣፍወርቂ ጥራሕ ኣይ ኮነን። ምስቲ መንግስቲ ሰራዊት ኣሎ ፖሊስ ኣሎ ህዝቢ ኡውን ኣሎ። ስለዚ ፖለቲካዊ ምልእኽቲታት ካብ ተቓውምቲ ይስደድ እንኩሉ ነቲ ኣብ ዶብ ኮይኑ ንሃገር ይከላኸል ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን ኣውራ ንኹሉ ኣብ ውሽጢ ሃገረ ዘሎ ህዝቢ እንታይ ዓይነት ሓይሊ ምዃና ነፈልጥ ስለዝሎና ዝድገፍ ጻውዒት ኮይኑ ዝርእዮ።

·    ኣብ ኢትዮጵያ ዝነጥፋ ኤርትራዊያን ውድባት ገለኣን ቅርበት ምስቲ መንግስቲ ሃልዩወን ፖሊሲታት ናይታ ሃገር ከም ጽቡቕ ኣብነት ወሲደን ካብአን ዝጥለብ ክፍጽማ ብዙሕ ጸገም ዘይብለን ክኹና እንከለዋ፡ ካልኦት በንጻር` መርገጺ ክህሉወን ባህሪያዊ እዩ ይምስለኒ።

·   ኣብ ልዕሊ መድረኽ ዓቢ ተስፋ ኣቐሚጥና ነይርና ኮይኑ ግን ኣብ ክንዲ ምሳን ናይ ዘተ ማዕጾ ዝኸፍት ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ ናይሩቢ፡ ንብሕጂ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዛጊት ሹዑኡ ዝተመርቁ ክንዲ ደቂና ዝኾኑ ተማሃሮን ገለ ካብ ሲቪክ ማሕበራት ብምዕዳሙን፡ እስተምህሮታት ብዛዕባ ኣፈታትሓ ግጭትን ኣምሓዳድራ ወጥርን ካልእን ወረቃቕቲ ከምዚ ንወሃብ ተጌሩ። ኣብ መንጎናን መድረኽን ናይ ተመላልእንትን ሽርክነትን ዝሰረቱ ምትሕብባር ክንገብር ንሓስብ ነይርና። ግን ሕልሚታትና ንግዜኡ ባህጊ ኣይኮነን። ግን ኩሉ ተወዲኡ ማለተይ ኣይኮነን።

·     መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝገበረቶ፣ ኣብ መሬታ ዝርከብ ኩሉ ቤት ጽሕፈታት ሃገራዊ ባይቶ እንተዓጽያ፡ ሃገራዊ ባይቶ ናትናን ኣብ ልብና ስለዘሎን፡ ኣብ ኣእዳውና ሕዝናዮ ዘሎና ሸንጣታት ተንቀሳቓሲ ቤት ጽሕፈታትና ምዃኑ ክንዝንጋዕ ይብሉን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብዚ ኣበሃህላ` ቤት ጽሕፈታትና ፈጺሙ ኣይክዕጾን`ዩ።

·    ኣብ ዝምድናናን ኢትዮጵያን ዘሎ ዶቡ ዘይተነጽረ ርክብ ኣንጋዲና ዝኾነ መንግስቲ ክሳዕ ኣይናይ ደረጃ ኣብ ጉዳይና ከኣቱ ዝኽእልን ኣበይ ደው ከምዝብልን ዝተነጽረ ስለዘይኮነ፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ውሽጥና ኣቲዩ እዚ ግበሩ እዚ ኸኣ ኣይትግበሩ ክብል መሰል ኣለዎ ዲዩ ዝብል ሕቶ ኣካታዕን ኮይኑ ብወገን ተቓውምቲ ውድባትና መልሲ ዝድለዮ ኮይኑ ኣሎ።

·    ኢትዮጵያ ናታ ውሳኔ እዩ ብኽንደይን ብኸመይን ክትሕግዘና ወይ ኡውን ጨሪሻ ሓገዛ ደው ክተብልን፡ ግን ማዕጾ ቃልሲ ክትዓጽወልናን ዝኾነ ዓይነት ቅድመ ኩነት ብምቕራብ ሓገዝ ክትህበና ቅቡል ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ምእንቲ ምዕዋት ቃልሲና ናብ ካልእ ቦታ ኬድና ሓገዝ ክንሓትት መሰልና ውሑስ ስለዝኾነ።

·    ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ሃጋራዊ ሰንደቕን ናይ ኩላትና ጽቡቕ ምስሊ ስለዚኾነ ፈላሚ ቃልሲ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ስልዝኾነን ብዝኾነ ሰብ ክጽረፍ ቅቡል ስለዝይኮነ፡ ምስ ኣቶ ቀርልንዮስ ብዛዕባ ካልእ ቅድሚ ምዝትያናን ምስኡ ኮፍምባልናን ብወግዒ ይቕሬታ ክብል ከምዘሎ ኢና ንርኢ። ብእምነትና፡ ዓዋተ ከም ሽፍታ ምግላጽ፡ ዘሩ ዘሩ ንዓናን ንካይዶ ዘሎና ቃልሲ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ  ዘይሕጋዊን ናይ ሸፋቱ መልክዕ ስለዝህቡን።

·    ሃይማኖታዊ፡ ብሄራዊን ኣውራጃዊን፡ ኢስላምይ ክስታናይ፡ ወይ ዉን ከበሳን መታሕትን ዝብል ምልክዓት ተዋሂቡ ንሰርዓት ኣስመራ ይኹን ወይ ንሕድሕድና እንብሎ  ዘረባታት ናይ ጸለመ ዝሰረቱ ዘመቴታት እዩ። እቲ ፍልልያት ፖለቲካዊ ድሕሪ ባይቶ ዘለዎ እዩ። ንሓደ ወገን ንምሕማቕን ንምፍሻልን ዝብሃል ዘረባታት`ዩ። ብሓጺሩ ናይ ስልጣንን ሃብትን ውድድር እዩ ንጸላኢኻ እትብሎን ክትስዕሮ ዘይትኽእል ሓይሊን ኸምዚ ዓይነት ዘይቅቡል ሕብሪታት ክትህቦ እትግደድ።

ይቕጽል።

 

 

 
 
 

 

Assena
 

 

 

The opinion must be expressed no matter what the trouble
Hannan Abdullah
United Kingdom
hananabdella88@gmail.com 

14.10.2017

Two months ago I posted an article by the title:” In the search for social justice: and I followed it by a subtitle: “Is there a panacea for our current political problems?” At that time, I made a promise to write a series of articles with the same line aiming at discussing the topic with a broad perspective. BUT, I failed to keep my promise. That happened just because I changed my mind. The most of the comments and feedbacks I had received, opened my mind to a fact that many people tend to politicise every single word and jump to a rapid conclusion without giving themselves time to reread any piece of writing for the sake to deal with facts not emotions.
Read More
 

   
; ..
 
 
For More Visit Website

ናብ ሻዕብያ ቅርበት ኣለዎ ዝበሃል ፈይስ-ቡከ።

 

 

 

 

 

  
 
For More Visit Website

 

 
 
 

VOA Tigrinya Facebook

Eritrean Tweets