ንዓናይ ደኣ፡ ንቅድሚት'ምበር

              ሓው ገዛኢ ኪዳነ  ከኣ !!

 

ዝኽበርካ ሓው ገዛኢ ኪዳነ፡ ናበይ ንድሕሪት፡ ኣየናይ ሃገራዊ ዋዕላ ክድገም ዝብል ብዕለት 16 ሓምለ ኣስፍርካ፡ እቲ ክድገም ትብሎ ዘሎኻ ዋዕላ ኣየናይ ዋዕላ እዩ። ደሓር ከኣ ምስ'ቲ ዝጸሓፍካዮ ኣርእስቲ ዘይዛመድን እቲ ክትብሎ ዝደለኻ ከኣ ድሮ ብኪዳን ተጻሒፉ ዘሎ እዩ ።

 

ገገለ ካብ ጠለባትካ ምስ'ቲ ኪዳን፡ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላን፡ ኣብ'ቲ ጠቕላላ ጉባኤ ኪዳንን ብዝግባእ ኣስፊርዎ ኣሎ። ስለ'ዚ ምስ ኣየና ሃገራዊ ዋዕላ ከተዛምዶ ደሊኻ ከም ዘሎኻ ክርደኣኒ ኣይከኣለን ዘሎ።

 

 

ገዛኢ ኪዳነ ኣብ ናይ 16 ሓምለ ጽሑፉ

                            

 

 

 

 

                                       

 

                                                      

 

 

ዝኸበርካ ሓው ገዛኢ ኪዳነ፡ ብዛዕባ'ዚ ናበይ ንድሕሪ ዝበልካዮ፡ ኪዳን ሓደ ካብ'ቲ ክዛረበሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ንመጀመሪያ ግዜ እንሆ ኣብ ዝሓለፈ ካልእይ ስሩዕ ኣኼባ ካብ ዝሕለፎ ውሳኔ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ንህዝቢ ሓበሬታ ዘርጊሑ፡ ኣብ ኪዳን ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተፈልጠን ንድሕሪት ዝብሃል ጉዳይ ኣይነብረን፡ ብኣንጻሩ ነዚ ጉዳይ ቀዳምነት ስለ ዝሃቦ፡ ግዜኡ በጺሑ ዋዕላ ይብል ኣሎ። ኪዳን ንበይኑ ዋና ሃገራዊ ዋዕላ ምዃኑ ዘረጋገጽ ምስክር የብልካን፡ ብኣንጻሩ ኪዳን ጸዋዒት ኣቕሪቡ፡ ካብ'ቲ ንስኻ ኣስፊርካዮ ዘሎኻ ጠለባት'ውን ሓንቲ ነገር ዝጎደለ ኣይመስለንን።

 

ኪዳን ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣጽኒዕም ድዮም ኣየጽንዑን ቅድም ንዖም ክትሓቶም ዝግበኣካ ይመስለኒ፡ እንታይ ገዲሱኒ ህዝቢ እንዳሰምዖኣኒ ዘይሓትት እንተበልካ ከኣ፡ ከም ኣብ ቃልሲ ብማዕረ ከምኻ ዝተኻፈሉ ሰባት ብምንባሮም ኣብ'ቲ ተምክሮ ቃልሲ ክሳዕ በዚ ደረጃ ጽሒፍካዮ ዘሎኻ ዝፈላለ ኣይመስለንን።

 

ኪዳን ንበይኑን ብኣባልት ውድብ ጥራሕ ክፍጸም ዝክእል'ዩ ዝብል ገምጋም ንስለ ዘይሕደረ እንሆ በታ ዝመዘዛ ሽማግለ ናይ ሓባር ዋዕላ ክካየድ፡ ብድሕሪኡ ከኣ በቲ ጻዋዒት መሰረት ምሁር፡ ቀሺ፡ ሼኽ፡ ሽማግለ ዝበለ ኣብ'ዚ ኣለኹ ንዳበለ፡ ነቲ ክቡርን ታሪኻውን ሃገራዊ ጸዋዒት ድምጹ ክህብ ይኽእል።

 

ካብ'ዚ ሕጂ ዝዳሎ ዘሎ ወጻኢ ምስ'ዚ ተምክሮ ምትእስሳር ዘይነብሮ ግን ክኣ ኣብ'ቲ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ኣገዳስነት ኣለዎ ንዝተባህለ ብሃገራውያን ዝቀረበ ሃገራዊ ይኹን ግዳማዊ መጽናዕቲ ከም ኣድላይነቱ ክቀርብ ይኽእል፡ ይኹን'ምበር ግድን ሎሚ ንስለ ዘይተጠቕሰ ብዙሕ ብንድሕረት ምኻድ ዝምሰል ጉዳይ ኣይመልሰንን። ኣብ'ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተላዕለ ሃገራዊ ዋዕላ ብዙሕ ምትህልላኽ ኣብ ዝነበረሉ'ዋን፡ ምፍንጫል ገገለ ውድባት ኣብ ዝተራእየሉ፡ ዝተላዕለን፡ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሎሚ እቲ ሽማግለ ዋዕላ ንዝውክሎ የብሉን፡ ግን ከኣ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ።

 

እቲ ጸብጻብ ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ዝተኸፈለሉ ብምዃኑ ሓደ ኤርትራዊ ሓሳብ ምዃኑ ከኣ ዝኸሓዶ የልቦን። ኣብ'ዚ ከስምረልካ ዝደሊ ግን እቲ ፍልልይ ንስኻትኩም ኣብ ገገዛኹም ተደዋዊልኩም ክትራኸቡ እንከለኹም፡ ዋዕላ ኪዳን ግን ኣብ መድረኽ፡ ብእውጅ መልክዕ ንህዝቢ ዝቀረበ'ዩ።

 

ከም'ቲ ዝበልካዮ ኣብ'ቲ ሃገራዊ ዋዕላ ክውንነት ህዝብናን ዘማልአ ረቛሒታት ክህልዎ ግድነት'ዩ። ግን ከኣ ገና ነዚ ረቋሒታት ንምምላእ ኣብ ዝብገሰሉ ዘሎ፡ ከም'ቲ ንስኻ ዘለኻዮ ዘይኮአን ደሊኻ።

 

ኣቶ ገዛኢ፡ ኪዳን ነቲ ኣብ ዋዕላ ካስል ዝጀምረ መስርሕ ዘየቀለ በሃሊ ትኸውን፡ እዚ ግን መትዓረቕን መቓራረብን ኣይኰነን። ምኽንያቱ ከም'ቲ ልዕል ቢለ ዝገልጽክዎስ ብዙሕ ምትእምማን ዝጎደሎ መድረኽ ብምንባሩ ስክፍታት ነይርዎ።

 

ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ እንኰ ርክብ ጉዳዩ ወዲኡ ዝኸይድ ኣይኮነን። ሃገራዊ ዋዕላ ንነዊሕ ግዜ ዝኸይድን፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ፖለቲካውያን ሓይልታትን፡ ከምኡ ኣብ ህዝባንን ሃገርናን ዘሎን ተደጋጊሙ ዝመጽእ ዝረአን  ሽግራት መፈወስን እዩ። በዚ ከኣ ኪዳን ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ስልጣን ሒዛቶ ቢልካ ክትስምብድ ኣይግባእን። ንስኻ ምስ'ቲ ሽማግለ ዘሎካ ዝምድናን ንጥፈታትን ክትቅጽሎን ሓሳብካ ክትልግስን እንዳተባባዕኹ፡ መስምር ክሕዝ፡ ነቲ ዘካይድክምዎ ጻዕርታት ፍረ ክርከብሉ፡ ኣብ'ቲ ናይ ብዙሓት ድምጺ፡ ኣብ'ቲ ናይ ብዙሓት ጸዋዒት እዝንኹም ከተልቕሑ ጥራሕ'የ ዝላቦ። እዚ ከኣ እቲ ኩሉ ሽግራት ሽማግለ ዋዕላ ማኒፈስቶ ካስል 2003 ንጎኑ ገዲፈ'የ።

 

መብርሂ፡ ኪዳን ሽማግለ መዚዙ ከም ዘሎ ኩልና ዝተዓዘብናዮ፡ እዚ ሽማግለ ከኣ ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ሓላፍነት ንበይኑ ዝስከም ኣይኮነን። እቲ ሽማግለ ውዱእ ጉዳይ ነቢርዎ እንተዝኸውን፡ መጸዋዕታ'ውን ከድልዮ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ ነይሩ። ግን ጉዳይና ልዕሊ እዚ ብኪዳን ተመዚዙ ዘሎ ሽማግለ፡ ብሓሳብን ተምክሮን ልዕሊ'ቲ ኣብ ኪዳን ዘሎ ሓይልታት ጥራሕ ዝፍጸም ከምዘይኮነ ብምርዳእ እንሆ ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ክረጋገጽ መስምሩ ዝሓዘ ድልዱል ናይ መራኸቢ መስመር ከፊቱ ይርከብ።

 

ካብ'ዚ ኣስዒበ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ክትጽሕፎ ዝጸናሕኻ ፡ ምስ ዋዕላ ኣምስተርዳም ዝተኣሳሰረ ጉዳይ'ውን፡ ነዚ ትብሎ ዘሎኻ ዘድምቖን ዘበራትዖን ኣይኮነን።

 

መሰረት ጽሑፋትካ ኣብ ክሊ ሓድነት ህዝብን ፖለቲካውያን ሓይልታት ዘተኰረ ኮይኑ፡ እቲ ንስኻ ብተመክሮኻ ዝበጻሕካዮ፡ ምስ'ቲ ኣብ ኣምስተርዳም ዝተፈጸመ ኣመዛዚንካ ክትጽህፍን ሓሳብካን ክትገልጽ እንከሎኻ፡ ካብ ባዶ ዝተበገስካሉ ኣይነበረን።

 

ግን ሕጂ ነቲ ዘልዓልካዮ ነቐፈታ ዝረሳዕኻዮ ብምምሳል፡ ነዚ ኣብ ምብጋሱ ንህዝብን ሓልታትን፡ ምሁራትን፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሽማግለ ዓድን፡ ማሕበራትን፡ ውልቀ ሰባትን ንምሕቋፍ ስርሓቱ ዘሰላልስል ዘሎ፡ ኣብ ክንዲ ምድጋፍን ምትብባዕን፡ ብኣሉታዊ ወይ ድማ ነቐፈታ ኣቅሪብካ።

 

ብኣረዳድኣይ፡ ኣብ ካስል ሓሙሽተ ውድባት ነይረን፡ ሎሚ'ውን ኣብ ኣምስተርዳም ሓሙሽተ ውድባት ነይረን። ዋዕላ ኣምስተርዳም ሃገራዊ ዋዕላ ክእውጅ'ውን ይኽእል'ዩ። ምእንቲ'ዚ ገዛኢ ኣበየና'ኻ ጠጠው ክትብል።

 

ኣነ ኣብ'ቲ ናይ 2003 ማኒፈስቶ ከም ዘየነብርኩ(ብሓሳብ ከምዘይደገፍኩ) ሕጂ'ውን ንዋዕላ ኣምስተርዳም ከም ዝነቐፍኩ፡ ግን ከኣ ኣብ'ቲ ሰፊሕ ምትእኽካብ ሃገራውያን ሓይልታት ናይ ዝካይድ ዘሎ ጻዕሪ ኪዳን ትጽቢት ንስል ዘሎኒ ከኣ ብምነጽር'ቲ ግሉጽ ኣዋጃት ኣንዳዕዲዔ ዝድግፍን ሓሳበይ ዘቅርብን ዘለኹ።

 

በዚ ድማ ንሕና እዚ ናይ ኣቋራጭ ቃልሲ ገዲፍና፡ ትኽብ ቢልና፡ ገጽ ንገጽ ተራኺብና፡ መን ይፈልጥ ናብ'ቲ ዝዓብየ ናይ ቃልሲ መድረኽ ዘሰጋገርና ተባዕ ናይ ቃልሲ ጎደና ዘትሕዘና ክኸውን ይኽእል።

 

እዚ ሃገራዊ ዋዕላ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኪዳን ዘረጋገጾ መክሰባት ንስለ ዘለዎ፡ ዓቢይ ተስፋ ክንበረሉ ባህሪያዊ'ዩ። እዚ ሃገርዊ ዋዕላ ኣብ ክሊ ሓያሎ ውድባት ዝተበጽሐ ስምምዓት፡ ንካልኦት ሓይልታት'ውን ክእክብ ዝኽእል ተስፋ ኣሎ።

 

ሃገራዊ ዋዕላ፡ ክሳብ ዝጅምር'ምበር መወዳእታ ዘይብሉ ዋዕላ ብምዃኑ፡ ኣቶም ኩሎም ዋዕላ ደቂ ሃገር፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ክፍጸም ንነውሕ እዋና ዝተጸበየኡን ዝተቃለሱን ዝደኸሙን ሕጂ መጋረጃ ተቐንጢጡ ንስለ ዘሎ ብሓሳብ ከስንቕዎን ከህብትምዎን ክዳለዉ ዝግባእ ንስለ ዝዀነ።

 

ሃገራዊ ዋዕላ፡ ብሓሳብ ጥራሕ ዘይኮነ ካልእ፡ ቁጠባዊ ሸነኻት'ውን ክማላእ ንስለ ዘለዎ፡ ኩሉ ሓይልታት ብድግጋፍን ተወሳኺ ባዕላዊ ሓገዛት ብምድላ፡ ኣብ'ቲ ቀንዲ ክዋፈረሉን ክዕመመሉን ዘለዎ ብምውዓል፡ ኢድ ናይ ኩሉ ሓይልታት ወሳኒ'ዩ እብል።

 

እዚ ድማ ነዚ ብሕጂ ክካየድ ዝቀራረብ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ትጽቢትን ተስፋን፡ ክህብ ዝኽእል ምዃኑ፡ ንሕና ንኩሉ ዓይነት ተጻብኦትናን፡ ዘይሚዛናዊ ነቐፈታን ተጽዕኖታት ብምኽርን ዘተን ተጠው ከነብሎ ይግባእ።

 

እዚ ዋዕላ ዝብል ዘረባ ብዙሕ ግዜን ሓይልን ዝወደአ ማዕረ ንውሓት ቃልስና ዝኸደ'ኳ እንተዀነ፡ ናበይን ንድሕሪት እንዳበልካ፡ ኣብ ኣፍካ ናይ ዝመጸልካ ዘረባ ምጽሓፍ ኣይኮነን።

 

ስለምንታይ፡ እዚ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ኣበየና ቦታን ምትእኽካብ ሓይልታትን ዝብል ሕቶ ኣገዳስነት ንስለ ዘሎ፡ ዘሎ ዓቕምታት ተምክሮን፡ ምሁራትናን፡ ማሕበራትን ተራ ዜጋታትን ኣዋህሊልና፡ ነቲ ወግሐ ጸብሐ ንበኽየሉ ህዝብና፡ ራህዋን ሰላምን ኣብ ዝቅየረሉ ኩነታት ምጽዓር ይሓይሽ እንዳበልኩ ሓሳበይ ኣብ'ዚ ይድምድም።

 

17 ሓምለ 2006

 

ኣንቶንዮ ተስፋይ