ካብ'ታ ኣጕዶ ትምኽሕቲ
ውጻእ !!
ዝኸብርካ ሓው ገዛኢ ኪዳነ፡ በቲ ዘርኣኻዮ ልዑል ተግዳስነት ጥዕናይ እንዳመስገንኩ፡ ሓንቲ ነገር ክሕብርካ እፈቱ፡
ቀዳማይ ትምክሕቲ
ካልኣይ ከኣ ካብ ዘይድልየካ ነገር ምዝራብ ምቑጣብ፡
ትምክሕቲ፡ ንስኻ ከም ሓደ ፈላጥ ተዛራባይን ጸሓፋይን ትግርኛ ኮይንካ፡ ክትረአን፡ ኣብ ክንዲ ይመስለንን፡ ወይ ከኣ ይግበኦ ካብ ማለት ሓሊፍካ ድማ፡ ልዕሊ ሚእታዊ ተኣማንነት ኣብ ጽሑፍካ ኣህዲርካ፡ ንኻልኦትን ከኣ ክትጸርፍን ከተነኣእስን ኣይግባኣካን።
በል፡ ሓው ገዛኢ ናትካ ኣቐሚጥካ ኣብ ብናይ ካልኦት ትዋራዘ፡ ብናትካ ተማሃር'ሞ፡ ኣብ ካልእ ክትሰግር።
ቅድሚ ገለ መዓልታት ንዶ/ር ፍስሃጽዮን፡ ምስ'ቲ ትጽሕፎ ዝነብረካ ጉዳይ ዋዕላ ኣምስተርዳም፡ ኣላጊብካ፡ ብዛዕባ ሓንቲ መጽሓፍን፡ ብዛዕባ ትሕዝቶ ቋንቋ ትግርኛን፡ ኣብ ብዙሕነትን ንጽልን ኣመልኪትካ፡ ንደራሲ ነቒፍካ፡ ነቐፈታ ጽቡቕ'ዩ። ግን ኩሉ መምስመምጽኢኡን መበገሲኡን ክኸውን ይግባእ። ኣብ'ቲ ዘፈርካዮ ድማ( ብኣነ ጀምሪካስ ፡ ብንሕና ወዲእኻዮ) ክትብል ነቐፈታ ኣስፊርካ።
ኣቶ ገዛኢ ድማ ንዓይ ኣብ ዝለኣኻዮ መልእክቲ ( ብጥዕናይ ጀምሪካስ ብጥዕናና ክንጥንቐቕ ኣሎና በልካ)። እዚ ናትካ ጽሑፍ ዩ።
ስለ'ዚ እንታይ ገደስካ ኣብ ዘይስራሕካ ትኣቱ። ብወገነይ ዝጽሕፎ፡ ዓቕመይ ንስለ ዝፈልጥ፡ ኣንባቢ ንትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ መምሃሪ ክኾኖ'ለ ዘይኮነኩስ ከም ተራ መራኸቢ'የ ዝጥቀመሉ። በዚ ከኣ ብሕውነት ንዝኣረመኒ ሰብ ይቕበሎ። ኣነ ከም መምሕር ቋንቋ ትግርኛ ይጽሕፍ ከም ዘየለኹ ፍለጥ።
ንስኻ ግን ምስ ትምክሕትኻ፡ ብዙሕ ጌጋታት ከም ትፍጽም ክትርዳእ ይግባእ። ተወሳኺ ንዝልእኾ ጽሑፍ ንኸተንብቦ ከም ዘሸግረካን፡ ብዙሓት'ውን ከም ዝሽገሩ ገሊጽካ፡ ቅድም ቀዳድም ነቲ ኣነ ዝጽሕፎ ጽሑፋት፡ ብኣኻ ገይሮም ፋይል ዝኸፍቱን ዝነቕፉን ደኣ መን ወኪል ኣንቶንዮ ገይሩካ፡ ንዓኻ ከምኡ እንተበሉ ከኣ፡ ጽሓፍሉ ወይ እቲ ክኸውን ዝግባኦ ሓብርዎ ክትብል ይግባኣካ።
ካልእ ኣገዳሲ ክትርድኦ ዘሎ ነገር፡ ሓደ እቲ ትጽሕፎ፡ ምስ'ቲ ኩሉ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ሕጽረታት ለግብካ ትኹን ቋጺርካ፡ በቲ ጉዳይ ተዛረብ። ካብ'ቲ ጉዳይ ወጻኢ ዘይተባህለ ኣይትዛረብ።
ብዙሕ ግዜ ንስኻ ገዛኢ ኣብ ውልቀ ጉዳያት ክትኣቱ የንብብ፡ እዚ ድማ ካብ'ቲ ዘየድልየካ ነገር'ዩ በሃላይ'የ።
ሎሚ ድማ ካብ'ቲ መስሓቕ፡ እቲ ንስኻ ትጽረፈሉ ዝነብርካ ንዓይ ክጥቀመሉ ምጅማርካ ገሪሙኒ። ቅድሚ ገለ ዓመት፡ ህጂ ደኣ ምሳና ዘየሎ ሰብ የልዕል ኣለኹ'ምበር ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ሽወደን ብዙሕ ጽምዋ ንስለ ዘሎ፡ ብጥዕናኻ ብፍላይ ብኣእምሮኻ ….. ጽሒፉ፡
ኣቶ ገዛኢ ከኣ፡ ነጸላ መንደቕካ እንዳተቐመጥኩ፡ ጉዳይ ጥዕናይ ኣዚዙካን ሰላምታ ከተብጽሕን ዘይኮንካ፡ ገለ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት የሕዲረ ከይኸውን ንስደት ከተላግበሉ ፈቲንካ።
ካብ ኣብ ስደት ደኣ ኣብ ዓድና ዝጽለሉ ዘለዉ እንዶ ኣይበዝሑን፡ ክትግደስን ክትሓምምን እንተደኣ ደሊኻስ፡ በቶም ህዝቢ ንፈልጦም ሕመም፡ ባኣይ ኣይትሕመም፡ ከም'ታ ንግርማይ ኪዳን ወዲ ፊሊፖ ዝመለስካሉ ድማ፡ ኣብኡ እንከለኻ እቲ መልሲ ኣብ ኮምፒተርካ ንስለ ዘሎ ንሱ መልሲ ይኹንካ።
እዚ ኩሉ ተደማሚሩ፡ ንሰባት ከም መሕረቒ ክትጥቀምሉን፡ ክትጻረፍን ንስለ ዝደለኻን ሰባት ከኣ፡ ተመሊሶም ኣብ'ቲ ናይ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ንኻኣትዎ ትገብሮ፡ ግናይ ኣመል'ዩ።
ንዓይ ግን ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ብተደጋጋሚ፡ ካብ'ቲ ዝጸሓፍን ዝበሃልን ከተውጽኣኒ ትፈታትን፡ ኣነ ድማ ክሳብ'ቲ ይኣክል ዝብሎ ይምልስ፡ ሕጂ'ውን ክሳብ'ቲ ይኣክል ዝብሎ ክምልሰልካ ድልዉ'የ።
እዚ ወደሓንካ
20 ሓምለ 2006
ኣንቶንዮ ተስፋይ