ስዉኣትዶ ? ህልዋት ?
ብኣብራሃም ተኽለ
ወርሒ ሰነ ንስዉኣት ሓርነት ኤረትራን ንኩሎም ደሃይ ዘይብሎም ናያ ሕልና እሱራትን እንዝክረላ ወርሒ ኢያ፤ ኩሎም፡ ሰብኣዊ ክብርን ናጽነትን ደሞክራስን ፍትሕን ሰላምን፤ ናይ እምነት ናጽነትን፡ ኣብ ኤርትራ ንኽነግስ፤ መሰል ኤርተራዊ ዜጋን ሃገርን ንምክልኻል ክብሉ ብረታዊ ተቓውሞን ካልኦት ንጥፈታትን ከካይዱን ሂወቶም ዝኸፍሉ ጅጋኑ ስዉኣትና ንዘለዓለም ክዝከሩ ክነበሩ ኢዮም።
ድሕሪ ናጽነት ኤረትራ እውን መሰል ኤርትራዊ ዜጋ ይትሓሎ፤ ሃገርና፡ ሃገር ፍትሕን.፤ ሕግን ደሞክራስን፤ ማዕርነትን፡ ሰላምን፤ ትኹን ኣብ እዋን ቃልሲ ዝተኣትወ መብጽዓ ይተሓሎ፤ ሕዝባዊ መንግሰቲ ይተኸል፤ ግፍዒ መንእሰያት ጠጠው ይበል ስለ ዝብሉ፡ ዝተኣስሩን፡ ዝተሰወሩን፤ ኣብ ቤት ማእስረቲ ዝበልዩ ዘለዉን፡ ኣበይ ከምዘለው ህላዌኦም ዘይተረጋገጸ ዜጋታት ብዙሓት ኢዮም።
ኣብ 2001 ዝተኣስሩ 13 መራሕቲ ሕ.ግ.ሓ.ኤ ነበር፤ ኣስታት 17 ዝኾኑ መንእሰያት ተባዓትጋዜጠኛታት፤ በብግዜኡ ዝተኣሰሩ ናይ ሕልና እሱራትን፤ ኣበይ ኣተዉ።
ስዉኣት ድዮምስ ህልዋት
ብወግዒ ዘይተገልጸ ምርሻን ኣካለ ስነኩላን ሓርነት ማይሓባር፤ ግዳያት መግፋዕቲ ዓዲ ኣበይቶ፤ ደሃይ ዘይብሎምን ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራን፡ ማእከላይ ባሕርን ዝተሰወሩን ዝጠፍኡን መንእሰያት ኤርትራ፡፡ ስዉኣት ድዮምስ ህልዋት
ብዘይካ ብሕታዊ እምነቶም ካልእ ገበን ዘይብሎም ደሃዮም ዝጠፍአ ናይ እምንት እሱራትን፡ ኣብ ክንዲ ኣካለ መጠን ዝበጽሑ ደቆም ብዘይ ኣገባብ ተኣሲሮም ደሃይ ዘይብሎም ወለድን። ስዉኣት ድዮምስ ህልዋት
ኩሎም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ብድሐሪ ናጽነት ኣደዳ ማእሰርትን ድሃይ ምጥፋእን ኮይኖምሲ፡ ብሂወቶምዶ አለዉ ወይስ ዓሪፎም ክብሃል ኣጸጋሚ ኮይንሉ ዘሎ እዋን ስለዝኾነ ኩሉ ሰብኣዊ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ዓገብ ክንብል ሰብኣውን ሞራላውን ሓላፍነትና ኢዩ።