ሐጺር ጸብጻብ አኸባ ምስ ዶር አሳፋው ተኽሰተ አባል መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ  ኤርትራ
አብ ዋሺንግተን ዲሲ  ቀዳም 04-15-06


"እቲ ቅድሚ ሕጂ አብ ውግእ ሓድ-ሕድ ዘፈሰሰ ደም አሕዋት ይአከልድሕሪ ሕጂ ደም ኤርትራዊ ብሓዉ ኤርትራዊ ክፈስሰ ይብሉን".. ዶር አሰፋው ተኸስተ፡ አባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክረሲ

መስከረም 04-17-06፡ ..ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ፡ አብ ጊዜ ሕቶን መልሰን ዝሃቦ መግለጺ አዩ ። ..ንህዝብና አንቂሕናን ወዲብናን ንስርዓት ህግደፍ ብሰላማዊ መንገዲ ከነልግሶ ንኽእል ኢና። ነዚ ብዘይምብቃዓና ግን ከም እንደገና አብ ናይ አሕዋት ደም ምፍሳስ ደጊመና  ክንአቱ ጌጋ እዩ ብመባል፡ ንህግደፍ ብኹሉ ዓይነት አገባብ ቃለሲ፡ ብብረታዊ ጎንጺ'ውን ዘጠቓለለ፡ ክንጥቀም ይግብአና ዝብል ብአባለት ኪዳንን ካልኦት ዕዱማትን ዝቐረበ መጎተ መልሲ ሂቡ።  ሓደ አባል ምክልኻል ስራዊት ኤርትራ ዝነበረ፡ ንስርዓት ህግዲፍ ብረት ዓጢቑ ንምቕያር ፍቓደኛ ከም ዘይኮነ፡ አብ ሃገርና ዝመጽእ ለውጢ ብሰላማዊ መንገዲ  ጥራይ ክኸውን ከምዝድገፍ ሓቢሩ። 

አብ ትሪቡና ኰንካ ጎል ክተእቱ ምፍታን እዩ።

 ዶረ፡ ነቲ አኸበኛ፡ አትኩሮና አብቲ አብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ክንገበሮ ይግባእ፡  አብ ደገ ኰንና፡ ነቲ አብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ’ሞ ወሳኒ ግደ ዘለዎ ህዘብና ከይነቓቓሕና፡ ከይወደብናን፡ አብ ሃገር ለውጢ ከንምጽእ ምሕሳብ፤ አብ ትሪቡና ኰይንካ ጎል ክተእቱ ከም ምፍታን እዩ ኢሉ። (ብመዓቀኒ ተሰታፎ ህዝቢ አብ ህዝባዊ አኸባታት ተቓወሞ አብ ዲሲ፡ ቀዳም አብ ዲሲ ዝኻተየደ አኸባ ሰልፊ ደሞክራሲ፡ ኮፍ መበሊ ክሳብ ዝሰአን መሊኡ ነይሩ  ክበሃል ይከእል።)

ኢትዮጵያን ኤርትራን ጌና አብ ናይ ውግእ ኩነታት ሰለ ዘለዋ፡ ንሕና ንኢትዮጵያ ክንአቱ አይተቐበልናዮን፡

ናብ ኢትዮጵያ ንምንታይ ዘይአተኹም ዝብል ሕቶ'ውን ቀሪቡ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ጌና አብ ውግእ ሰለ ዘለዉ፡ ንሕና ንኢትዮጵያ ክንአቱ አይተቐበልናዮን፡ ኢትዮጵያ ዶብ ዘይምሕነጻጻው'ን ተወሳኺ ምኽንያት አዩ። ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ምርኻብ ግን ጸገም የብልናን፡ አብ ሱዳን 'ወን ተራኺብና ኢና ክብል መሊሱ።
 * ካበቲ  ቀነዲ ዝበልናዩ አርእስታት ንምሕባርን ንምከፋልን ዝአክል። ማዕከን ዜና ሰልፈ ደሞክራሲ ብሰፊሑ አቐሪቡዎ አሎ። >>>>