ብረሃን እንተድኣ ደሊኻ ካብ ጸልማት ውጻእ
ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ ክፍሊ ዜና
ሓምለ 13-2006
1፦ መእተዊ፡ ወድ-ሰብ ንመሰል ምቅላስ ምዓስ ከምዝጀመረኳ እዚ ክንበሎ እንተዘይክኣልና ንመሰል ምቅላስ ካብ መግዛእትን ምልክን ጭቆናን ከምዝነቅል ግን ኩላትና ንሰማምዓሉ ኢዩ ኢልና ንኣምን። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ተርኡ በጺሑዎ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእታዊ ጭቆና ዛዚሙስ ካብ ወጽዓታት ውሽጣዊ ምልካዊ ስርዓት ክገላገል ኣብ ምትሕንናቕ ይርከብ። ብሓጺሩ ቃልሲ መሪር ጒዕዞ’ኳ እንተሃለዎ ከም ውጺኢት መሪር ሂወት ዝግለጽ እምበር ከምቲ መለኽቲ ህግደፋውያን ዝብልዎ መግለጺ ናይ ቀበጥበጥ ወይ ሕንቃቐ ኣይኮነን።
መሪር ጒዕዞ ግን አብ መንጎ ውሽጣዊ መልክን ጸረ-ምልክን፡ ኣብ መንጎ ግዳማዊ መግዛእትን ጸረ-መግዛእትን ጥራይ ዝርአ ኣይኮነን። ናይ ቃልሲ ምረት መስ ረቂቕን ግሁድን መልክዓቱ ኣብ ውሽጢ ናይ ለውጢ ሓይልታት’ውን ከይተረፈ ህያው ምዃኑ ታሪኻዊ ተመክሮ ኢዩ። ወጹዕ ህዝቢ ዋና ናይ ጒዳዩ ንኸይከውን ካብ ዝዓግቱን ንዓወታቱ ካብ ዘናውሕዎን ነገራት ድማ ኣብ ውሽጢ ተቓውሞ ዝርከቡ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ዝዋፈሩ ናይ ሕልኽልኽን ድንግርግርን ኣሉታዊ መልእኽትታት ዘመሓላልፉ መትንታት ኢዮም። ነዞም መርዚ ናይ ቃልሲ ዘመሓላልፉ መትንታት ከየለለኻን ከይወገንካን ከም ኣድላይነቱ’ውን ከይበተኽካን ናብቲ ቀዳማይ ዕማምካ ከተስተባህልን ንዕኡ ዝኽውን ተግባራዊ ስጒምቲ ክትወስድን ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ስለዝኾነ ክኣዩ ብኣባሃህላ ህዝብና ገፈል ናይ ካልኦት ከተውጽእ ምእንቲ ክትበቅዕሲ መጀመርያ ካብ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ገፈል ተገላገል ዝበሃል።
ሎሚ ብግህዶ ከም እንዕዘቦ ዓቢ ዕንቅፋት ወይ ናይ ቃልሲ ምረት ኰይኑና ዘሎ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነስ ንባዕሉ እቲ ደምበ ተቓውሞ ብፍላይ ድማ እቲ “ዓቢ ኢየ ዝብል” ናይ ሓባር ተተርጓሚ ኣረኣእያ ከይወነነ ሸንኰለል ዝብልን እንደገና ክኣ ኣብታ ውሽጢ ከስዕኡ ዓብን ንእሽቶይን እንዳበለ ዝመቓቕልን “ኪዳን” ኢዩ። ህግደፍን ከምኡ ድማ ምስጢር ናይ ቃልሲ ብዙሕ ዘይበርሃሎም መደናገርቲ ሓይልታትን ከምዝብልዎ፡ ኣብ ምንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ናይ ዶብ ሽግር እንተዝፍታሕ ጸገምና ምተፈትሐ ነይሩ ብማለት ንተቓለስቲ ሸታሕ-ታሕ ከብሉን ንዕድመ መለኽቲ ከናውሑን ህርድግ ይብሉ ኢዮም። ”ኪዳን” ነዚ ትሕዝቶ’ዚውን የጠቓልል ኢዩ። ብወገንና ግን ጸገምና ዝፍታሕ እቲ አብ መንጎ ተቓወምትን ኣብ መንጎ ህግደፍን ዘሎ ዶብ እንተዝንጸር ኢዩ ካብ ንብል ካብ ንብገስ ሒዝና ነዊሕ ኰይኑ አሎ።
ተቓወምቲ ሓድነት ዘይበሎም ሓድነት፡ ዕብየት ዘይብሎም ዕብየት፡ ንጹር ዕላማ ዘይበሎም ንጹር ዕላማ፡ ንኣኼባታቶም ከም ዓወት ንሕድሕዳዊ ምርጫታቶም ከም ሽመት ዝዓግብሉ እንተድኣ ኰይኖም ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ እቲ ለውጢ ደልዩ ኩሉ ተወዲኡዎ ዘንባሁቝ ዘሎ ህዝብን ዘራኽብ ገመድ የለን። ምናልባት ዘራኽብ እንተድኣ ኣሊዩ፡ ንመሰልን ብልጽግናን ውጹዕ ህዝቢ ንቃለስ ዝብል ጭርሖ ህግደፍ’ውን ከይተረፈ ዝጭድረሉ ኢዩ። እዚ ዋንኡ ዘይፍለጥ ጣቓ ዘደብዘዞ ጭርሖ ከይተቐንጠጠ ናብ ብርሃን ክንኣቱ ኣይንኽእልን ኢና። ተቓወምቲ ብናይ ብሕታዊ ሕልምታቶም ኣብ ተዋጠጥ እንዳሃለዉ እናክእከቡ ዝሓለፈ ገምጊምና ናይ ዝመጽእ ክኣ መደብ ኣውጺእና ብዓወት ዛዚምና እንተበሉስ ኣበይ የብጽሓና? ስለዚ ነዚ ካብ ኣኼባ ናብ ኣኼባ ጥራይ ዘሰጋግር ሓረግ እንተዘይበቲኽናዮን መተካእትኡ ድማ ካብ ኣኼባ ናብ ተግባር ዘሰጋግር ሓረግ እንተ ዘይፈጢርናን ጸረ-መላኺ ጭርሖታትና ደርቢኻ ዘይተርክበሉ ናይ ማዕዶ ሃለውለው የላኻ ኰይኑ ምትራፉ ክቕጽል ኢዩ።
ኣብ ተረድኦ ናይ ዲሞክራሲ ዝዀነ ይኹን ኣካል ”ኪዳን” ይኹን ወጻኢ ካብ ”ኪዳን” “ዝክኣል” እንተዝኸውን ንስርዓት ህግደፍ ብናይ ብሕቱ ዓቕምታት እንተዘፍርሶ’ውን ኣነ እየ ዓቢ ክብል መሰል የብሉን። እቲ ምርጫ ናይ ድላይካ ምባል ግን ኣሎ፡ ንሱ ክኣ፡ ወይ ብጒልበተካን ብኢደ ወነንካን መተካእታ ናይ ህግደፍ ትኸውን እቲ ሽግር ድማ ከም ዘለዎን ናብ ዝበኣሰን ይቕጽል፡ ወይ ደማ ነቲ ሓላፍነት ናይ ዕብየት ሚዛን ነቲ ዝምልከቶ ኣካል ተረክቦ። ብዝተረፈ ከይተወዳደርካ ዕብየት ከይተቐዳደምካ ዋንጫ ምስ ስነ-ሞጐት ናይ ዲሞክራሲ ዝወሃሃድ ኣይኮነን።
2 - ተቓወምትን ወድዕነትን፡ ኣብ ቃልሲ ወድዕነት ዋሳኒ ግደ ክጻወት ማለት ህዝባዊ ኣተሃላልዋ ብኹሉ መለኪዒታቱ (ፖሊቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ከባብያዊ፡ ዋላውን ሓደ-ሓደ ግዜ ባህርያዊ ኲነታት) ኣብ ረብሓ ለውጥን ምቅልጣፍ ብዓልቤታዊ መድላዋትን ምትዕርራያትን ከም ዝውዕል ዘተሓትት ኣይኮነን። እንተዀነ ግን ወድዓዊ ኲነታት ብምልኣት ጣጢሑ ቅሩብ ምኣዲ ኰይኑ ክጽበየካ ካብ ናይ ቃልሲ ተረድኦ ወጻኢ ኢዩ። ብዓልቤታዊ ድልውነት ማለት ኣመራርሓ፡ ወድዓዊ ኲነታት ገለ-ገለ ዕንቅፋታት ስለ ዘርኣየ ጸገም ኰይኑና ዝብል ምኽኒት ይቐርብ ኢዩ፡ እዚ ግን ቅቡል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ቃልሲ ይተረፍዶ ኣብ ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ግሁድ ኩሉ ከንብቦን ክማረረሉን ዝኽኣለ ህግደፋዊ ምልካዊ ስርዓት ዋላ’ውን ኣብ ዘዕግብ ወድዓዊ ኲነታት ዘይበሰለሉ ኣተሃላልዋ ዕላምአን ዘነጽራ ውሽጣዊ ሓድነተን ዘረጋግጻ ዘተኣማምን ናይ ሓባር ውደባ ዝምስርታ ውድባት፡ ፓርትታት፡ ሲቪካዊ ማሕበራት ክምስረታ ይክኣል እዩ። እቲ ወሳኒ ዕላመኻ ምንጻርን ንዕኡ ዘሰማማዕ ብቕዓታዊ ተበግሶ ምውናንን ጠራይ ኢዩ።
ነዚ ዝተጠቕሰ ታሪኻዊ ክውንነት ወድዓዊ ዘይብስለት ንዓወት የደናጒዮ እምበር ንስምረታዊ ተበግሶ ተቓወምቲ ክዓግቶ ግድን ኣይኮነን። ወድዓዊ ብስለትን ዘይብስለትን ቀንዲ ኣድማዕነቱ ምስ ምፍጣርን ሓድነትን ናይ ብዓልቤታዊ ረቛሒታት (አመራርሓታት) ዘይኮነስ፡ ብዓል ቤታዊ ረቓሒታት ማለት ናይ ኣመራርሓ ውደባታት ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ኣብ ዝበጽሓሉ ግዚያት ኣብ ምቅልጣፍ ዓወት ናይቲ ዝድለ ለውጢ ኣብ ዘበርክቶ ግደ ኢዩ። እዚ ድማ እቲ ዝተፈጥረ ናይ ለውጢ ኣመራርሓታት ናይ ሓድነት ገመዱ ምስቲ ወድዓዊ ኲነታት ከተኣሳስሮ ኣብ ዝበቕዓሉ እዋን ኢዩ። ኣብ ክውንነትና ኣድማሳዊ ወዘተ… ወድዓዊ ኲነታት ገለ ዕንቅፋታት ስለዝርከብዎ ዘይኮነስ ብመሰረቱ ኣብ ውሽጢ ተቓውሞ ብፍላይ ድማ ኣብ “ኪዳን” ንዝቃለስን ዘተዓናቕፍን ሓዋዊሱ ኣብ ሓደ ብምእጓሩ ብቕዓት ከምዝጓደል ስለዝገበረ ኢዩ። እዚ ዘይብቕዓት’ዚ መሰረቱ ማለት ሀ ሁ ናቱ ባህርያት ናይ ቃልስናን ኣገባብ ኣፈታትሕኡን ብማዕረ ምጥላቡን ምርድኡን ምትግባሩን ዘይምኽኣል ኢዩ። ብላህመታዊ ተገፋፊ ኣተሓሳስባ ካብ ጎቦ ናብ ሩባ፡ ካብ ሩባ ናብ እምባ ክትመላለስ ኣይትኽእልን ኢኻ። ከምዝበሃል ዳንጋ ዘይብልካ ባሕሪ ኣይውረድን ኢዩ፡ ብሕጽር ዝበለ ናብ ህዝቢ ክትበጽሕ ህዝባዊ ለውጢ ከተመዝግብ ብንጹር ዕላማን ብተግባራዊ መምርሕን ብምእዙዝነት ናይ ዝዓገብካሉ ቅርጻን እምበር ጭርሖ ተኸዲንካ ካብ ተግባር ርሒቕካ ነንፋንጣኻ እንዳዘመርካ ካብ ጸልማት ወጺእካ ናብ ብርሃን ክትኣቱ ኣይክኣልን። ኣብ ውሽጢ ወድዓዊ ኲነታት ክህሉ ንዝኽእል ዕንቅፋታት ዋላ’ውን ድሕሪ ዕንወት ምዕናዉ ዘይተርፎ ህግደፍ ከጋጥም ምዃኑ ክስገር ዘይከኣል ሓቂ ኢዩ። እዚ ግን ከም ምኽኒት ተወሲዱ ንስምረትን ጽንዓትን ናይ ተቓወምቲ ዝዓግት ደንደላ ክኸውን የብሉን። ብመሰረቱ መስዋእቲ ዝኽፈል ነቲ ዝተረፈ ቀዳዳት ናይ ወድዓዊ ኲነታት ክትዓብስ ምእንቲ ኢዩ። ከይደፋእካዮን ከይሃሰየካን ብጥራዩ ዝፈርስ ጸላኢ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ኣይፈልጥን። እቶም ዝብልዎን መደናገርትን ግን እዝኒ ጥዑያት ከጽምሙ ለይትን መዓልትን ክግዕሩ ይርከቡ።
3- ፖሊሲን ዝምድናታቱን፡ ኣብ ቃልሲ ፖሊሲ ዘየጠቓልል ስትራተጂ ኣይዕወትን ጥራይ ዘይኮነስ ዋላውን ብጒንዱ ንዕኡ ዝሰምዕ እዝኒ የለን። እንደገና ፖሊሲ ንባዕሉ ኣገልግሎቱ ነቲ ስትራተጂ ምክልኻል እንተዘይኮይኑ ውጽኢቱ ንዋያ ማለት እቲ ዝርከብ ዓወት ዋናታቱ ጸላእቲ ኢዮም ዝዀኑ። ኣብ ክውንነትና ህግደፍ ምዃኑ ኢዩ። ዘተ ሐደ ኣካል ናይ ፖሊሲ ኰይኑ ምስ ግዳማውያን ይኹኑ ምስ ውሽጣውያን ሓይልታት ናይ ምግባር ተኽእሎ አሎ፡፡ ክካየድ ከሎ ግን ምስ መንን ብዛዕባ ምንታይን ንጹር ክኽውን ኣለዎ። ምስ ቀደማይ ጸላኢኻን፡ ህዝብኻን መሬትካን ንብረትካን ዘብረሰ፡ ምስ ህላዌኻን ኣሰር ህላዌኻን ክድምስስ ኩሉ ዓይነት ዓቕምታቱ ዘዋፍር ብፍላይ ክኣ ኣብ ድኹም ተዘራዒ ኣተሃላልዋኻ ከተቕንዖ የማን ጻጋም ዘይብሉ ኣላሻነት ኢዩ። ኣላሽነት መወዳእትኡ ነብሰ-ሕቀት ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጒም የብሉን። ዘተ ናይ ሓይሊ ሚዛን ዝጥምትን ንስትራተጂካዊ ጠለብ ሓፋሽ ዘይሸራርፍን ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ክኣ ስትራተጂካዊ ጠለብ ሓፋሽ ማለት መሰረታዊ ክስን ብይንን ናይቲ ኩሉ ዝተኸስረ ሂወትን ንብረትን፡ ስንክልናን ማእሰርትን፡ ጥምየትን ዕርቃንን፡ ስደትን ውርደትን ኩሉ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዝወረደ ቀዛፊ ኣስካሕካሒ ሳዕቤናትን ከምዘጠቓልል ቅድሚ ልሳንና ሊው-ሊው ምባላ ካብ ኣእምሮና ዘይፈሓቝ ሓሳብ ምዃኑ ከነረጋግጽ ይግባእ።
ሎሚ አብ ደምበ ተቓውሞ ብፍላይ ክኣ ኣብ “ኪዳን” ኣላሻዊ ምልክታት ንርኢ ኣለና። ምስ ህግደፍ ክትዝትን ህግደፍ ክጽውዓካ ጭትም ምባልን ዘይቅኑዕ ጸረ-ስትራተጂካዊ ተቓውሞን ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንተዘይተኣሪሙ ኣላሻውን ነብሰ-ሕቀታውን መስመር ምዃኑ ዘይተርፎ ኢዩ። እዚ ተመኲሮ’ዚ ኣብ ታሪኽና ከይተረፈ በሰላ ኣለዎ። ዝምልከተን ውድባት ታሪኸን ሃሰስ ክብላ ንገድፈለን። ናብዚ ዝፈሸለ ታሪኽ ምውጣጥ በሰላኻ ምሕንጣጥ ስለዝዀነ ካብዚ ጸልማት’ዚ ምውጻእ ናብ ብርሃን ዘእቱ ዘተ ክኣ ምምራጽ ከድሊ ኢዩ። እቲ ተመራጺ ናይ ዓወት ዘተ ደጋጊምና ገሊጽናዮ ኢና፡ ንሱ ድማ ኣብ ንጹር ስትራተጂ ዝተሰረተ ሂወት ዘለወን ተቓወምቲ ውደባታት ኣናዲኻ ዘተኣማምን እስስራትን ፍሕሶታትን ናይ ቃልሲ ምግማድ ኢዩ። ከም ዝብኢ ማዕረ-ማዕረ እንዳኸድካ መን መንጨተ መንከ ተመንጨተ ክትብልን ክትተሓላሎ ክትነብርን እንተድኣ ኰይኑ ግን ተቓውሞ ክበሃል ኣይከኣልን።
ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ ነዚ ስትራተጂካዊ ዘተ ናይ ዕላማ ምሓዙት እስስራት ኢዩ ናይ ዓወት ዘተ ኢሉ ዝኣምነሉን ዝቃለሰሉን። ዘተ ምስ ሓቀኛታት ተቓወምቲ’ምበር ምስ መለኽትን ገበነኛታት ተኸሰስትን ኣይኮነን። ምስ መለኽትን ገበነኛታትን መጎተ አብ ቤት-ፍርዲ እምበር ዘተ አብ ባይቶ ተሓታትነት ረጊጹ ስለዝኸይድ ንሕና እንርድኦ ጭብጢ ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ “ኪዳን” ዝጥመሩ ውድባት እቲ ዝጥመሩሉ ገመድ ልሕሉሕ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ዕላዊ መግለጺታት ናይ “ኪዳን” ብጒዳይ ዘተ ይኹን ካልእ ብማዕረ ይምልከቶም። ናይ ተቓውሞ ርእይትኦም ክሳዕ ዘይሃቡን ነብሶም ካብቲ ልምሰታዊ መስመር ክሳብ ዘየግለሉን ክኣ ናይ ዘኸትሎ ኣላሻዊ ሓላፍነት ተሰከምቲ ክዀኑ ግድን ኢዩ። ኣላሽነት ሽፋኑን ዝተመሓየሸ ስሙን ጽገና ኰይኑ ኣቃላልሳኻ ምስ ኣረገን ሕልና ምስ ኣዕረብካን እትግንበወሉ ንእዲ ድኹማት ኢዩ። ኣብ ንእዲ እንተተበጺሑ ድማ ዝሃቡኻ መድሃኒት ተቐቢልካ ዝበሉኻ ትኸውን እምበር ዝደለኻዮ ክትገብር ኣይከኣልን። ኣብ ክውንነትናን ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ መድረኽን ብመልክዕ ጽገና ተለጒሞም ዘለዉ ጠያይቲ ናይ አላሽነት፡ ቅዋም ናይ 1997 ንበገሰሉ’ሞ ዝተረፈ ቀስ ኢልና ንምልኦ፡ ቃልስና ብሰላማዊ መንገዲ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ፡ መጀመርያ ዶብና ይተሓንጸጽ፡ ህግደፍ ስረ እንተልይዎ ንዘተ ይጸውዓና ወዘተ… ላልማየ ላሎ ኰይኖም፡ ዘዕግብ ውህላለ ናይ ሰማዕትን ደለይትን ምስ ተመዝገበ እቲ ቃታ ናይቲ ተለጒሙ ዘሎ ጠበንጃ ክሰሓብን እቲ ተዂሲ ድማ ክስማዕን ኢዩ። ሕጋውነት ናይዚ ተለጒሙ ዘሎ ጠበንጃ ብዝዀነ ይኹን ዋዕላ ኢልካ እትጽውዖ ክረጋገጽ ክፍተን ኢዩ።
4- ኪዳናዊ ዋዕላ፦ ከምቲ ደጋጊምና እንበሎ ዋዕላ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ስለዝዀነ’ውን ናይ ኩሉ ተቓዋሚ ኢየ ዝብል ጭርሖ ኰይኑ ኩላትና ካብ ንዝምሮ ነዊሕ ኰይኑ አሎ። ”ኪዳን” ሕጂ’ውን እንተዀነ ኣብቲ ኣነ ኢየ ዓቢ ዝብል ኣምር ከም ቀደሙ ተኣሲሩ ኣነ ኢየ ዋንኡ ይብል ኣሎ። ዋዕላ ብመሰረቱ እንታይ ንግበር ኢዩ ትርጒሙ። ብዝህበካ መምርሒ ተንቀሳቐስ ጸብጻብካ ክኣ አረክበኒ እንተዀይኑ ግን ትርጒሙ ናይ ወዳእ ነገርን ፈጻሚ ኣካልን ከይዱ-ከይዱ ክኣ ናይ ምልኪ ባህሪ’ምበር ምሰ መንፈስ ናይ ህዘባዊ ዋዕላ ዘተኣሳስር ገመድ የብሉን። ኪዳን ክበሃል ከሎ ኣብ መነጎኻን ኣብ መንጎ ህዝብን ዘሎ ማሕላ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ እንተድኣ ኰይኑ፡ ሳዕሪ ዝተኸድነ ህጒም ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጒም የብሉን። በዛዕባ ዕብየትን ብቕዓትን ተመሊስና ከነዕልል ኣይንግደስን። ኣነ ንእሽቶይ ኢየ ኢሉ ዝኣመነ ክኽተሎም ግን ካብ ምኽሪ ሓሊፍና እንብሎ የለን።
እዚ ተብተብ ናይ “ኪዳናዊ” ሽማግለ ዋዕላን መምሪሒታቱን ብትሕዝትኡ ካብቲ ልሙድ “ኪዳናዊ ጒባኤ” እናሳዕ “ብዓወት” ዝዛዘም ዘይፍለ ምዃኑ ግን ብዙሕ ዘደናግር ምስጢር የብሉን። ትኬት ካብ “ኪዳን” ተቐቢልካ ዝእቶ ዋዕላ ብግስ ከይበለ ናይ ሓባር ርእይቶ ምቕባል ስግድግድ ዝበሎ መፍትሕ ናይቲ ኣደራሽ ኣብ ኢዱ ጨቢጡ እንተደለየ ዝኸፍቶን እንተዘይደለየ ክኣ ዝዓጽዎን “ኪዳን” ጥራይ ኰይኑ ኣሎ። እቲ ወጺኡ ዘሎ መምርሒ’ውን ንዕኡ ኢዩ ዘረጋግጽ። እዚ ኣገባብ’ዚ ንባዕሉ ሓደ ካብቲ ዘየተኣማምንን ዘይጥጡሕን ባይታ ናይቲ ክንዳለወሉ ዝግበኣና ቅድመ-ኲነት ዋዕላ ኢዩ። ብዛዕባ ዋዕላ ብዙሕ ስለዝበልናን ብኻልኦት ዝምልከቶም’ውን ስለ ዝተባህለን ከምኡ ድማ ብተገደስቲ ሓላፍነት ዝተዋህቦም ምስ ክህሉ ዝኽእል ተኣራሚ ሕጽረታት ብዘየገድስ መጽናዕቲ ከይተረፈ’ውን ስለዝቐረበን ሓተታ ከነናውሕ ኣይነደልን።
5- መደምደምታ፦ ሎሚ ኣብ ሓደገኛ ደንደስ ናይ ቃልሲ ንርከብ ኣለና፡ ማለት ናይ ተቓውሞ መኽሰባትን ካብ ከባቢና ዝርከብ ዲፕሎማሲያዊ ረብሓታትን ህግደፍ ካብ ኢድና መንዚዑ ንመዛትይትና ናብ ጐድኑ ንምስግጋርን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ንምእታውን ኣብ ዝጓየየሉ ዘሎ እዋን ባሓደ ሸነኽ ክኸውን ከሎ፡ በቲ ካልኣይ ድማ ደንበ ተቓውሞ ብፍላይ “ኪዳን” ኣብ ዘንባዕን ልሙስን ናይ ዘተ መስመርን ኣብ ምኩሕ ናይ ዋዕላ ተብተብን ይዋፈር ብምህላዉ ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ኣተሃላልዋ ነቲ “ሰላማዊ ፍታሕ” ጒልባብ ጌሩ ዘንባዕ ዘተ ንምክያድ ዝዓለመ ቀቢጸ ተስፋዊ መስመር ኣላሻውያን ናይ ዝምድናታት ሽታ ዘናዲ ምዃኑ ንሕና ከም ሰለፊ ጒባኤ ኤርትራ ከምቲ ኣቦታትና ዝመሰልዎ ዑፍ ጩቝ ክብል ጽሓይ በርጭቕ ክትብል ንሕብር ኣለና። እዚ እንሰምዖ ዘለና “ኪዳናዊ” ዋዕላ ይሰላሰል’ሞ ህዝቢ ውዒሉሉ ኢዩ ብማለት ከምቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ህግደፍ ዝተወረቐ ቅዋም ጸቕጥታት ክግበረሉ ምዃኑ ፒለቲካዊ ተቓዋሚ ክግምግሞ ዝግባእ ኢዩ። እዚ ኩሉ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ቀደም ዝነደየ ቅዋም ይተግበር እንዶ እንዳተባህለ ዝልፍለፍ ዘሎ’ውን ሓደ ካብቲ ባይታታት ኣላሻዊ ዘተን ንዕኡ ዝሰማማዕ ዋዕላን ንምንዳይ ምዃኑ ስለ እንርዳእ ኣቐዲምና ’ንዓይ ነንጭዋስ ኣብ ለቖታ’ ከይበልና ክንሓልፍ ኣይንደልን። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ኲነታት ዞባና ብስንፍናና ድሮ ህግደፍ ኣዘናቢዒዎስ ተቓወምቲ ውድባት እንተ ብግርህና እንተ ብሕጽረት ምክትታል ኣገዳሲ ናይ ጒባኤን ስምረትን መደባተን ከሰናኸልን ክናዋሕን ክኢሉ ኣሎ። ገለንከ! እንተ ተሓቢሮምን ተመኺሮምን ብብጊሓቱ መንገዶም ጸሪጎም ከምዝጸንሑ ዝተኸታተለ የስተባህለሉ ዘይተኸታተለ ድማ ኣብ ወ ይ ለ ይ! ይኣቱ።
እዚ ዝተጠቕሰ ክውንነት’ዚ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱን ኣርቂቕካ ክትሓስበሉ ዝግባእን ኢዩ ንብል። ኣብዚ ግዜ’ዚ ደርስቲ ናይ ጽገና መሰልን ማዕርነትን ናይ ኩሉ ዘረጋገጸ ዘተኣማምን ህዝባዊ ዋዕላ ተኻይዱ ዝሰመረ ናይ ሓይሊ ቅልጽም ምእንቲ ከይፍጠር ሓድሽ ግልቡጥ ስነ-መጐት ከም ናይ “ዓወት” መርሖ ክዝርግሑ ጀሚሮም ኣለዉ። ንሱ ክኣ ንህግደፍ ብሰላማዊ መንገዲ ጠራይ ምውካሱ ኰይኑ “ሓይሊ ዘዘውትሩ መራሕቲ ንባዕሎም ብድሕሪት ኰይኖም ንህዝቢ ደማ ኣብ ቅድሚት ሰሪዖም ንጥፍኣት ዝዕድሙ ኢዮም፡ ብኣንጻሩን እቲ ቅኑዕን ግን፡ መራሕቲ ብቕድሚት ህዝቢ ክኣ ብድሕሪት ሰሪዖም ብሰላማዊ መገዲ ማዕጾ መለኽቲ ዝዂሕኲሑ ውፉያት ኢዮም” ዝብል ኢዩ። ዘገርም’ዩ! እዚ አበሃህላ’ዚ ጽገናውን ኣላሻውን ምምችቻእ ኰይኑ ብመንገዲ ቅዋም 1997 ናይ ብቐዳማይ ሂወት ህዝባዊ ግንባርን ናይ ሎሚ ናይ ሓባር ህግደፍን ክትህሉ ዝናፍቕን ዝጽውዕን ተዓራቒ መስመር ኢዩ። እዚ መጐት’ዚ ሕልምታቱ ከተግብር ክብል ብገልጠምጠማዊ ፍልስፍና ዋላ’ውን ነቲ ሃገራዊ ነጻነትና ዘዕቈብናሉ ናይ ሓይሊ ስጒምትን ጅግንነታዊ ተጋድሎን ስለምንታይን እንታይን ምርጫ ከምዝወሰድና ዘንጊዑዎ ታሪኹ ዝረስዐ ኣረኣእያ ኰይኑ ንረኽቦ። ምናልባት’ውን እቲ ነጻነት ብዘይዕግበቱ ዝመጸ ከይከውን መን ይፈልጥ?
ሎሚ ስትራተጂካውያን ተቓለስቲ ምዓንጥኦም ሸጥ
ከብሉን እቲ ሓቀኛ ናይ ተቓወምቲ ዋዕላ ንምግባር ክለዓሉን ጸረ ዝዀነ ይኹን ምኽኒት ሒዙ ዝቐርብ ኣላሻዊ መስመር ደው ክብሉን
ንህግደፍን መሰነይትኦምን መላዝብቶምን ከምቲ ንሶምን ባህርያቶምን ከምቲ ንህዝብና ዝገፍዕዎን ዝገፍዕዎ ዘለዉን ከፈልጦምን
ክምክቶምን ንጽውዕ፡፡ ሎሚ ጽገናዊ ተብ-ተብ ክርአ ከሎ ምቅልጣፍ ናይ መሰረታዊ ትንዕታን ምድላዋት ኣድማዒ ስጒምትን ድማ
ከርዕዶን ከምክኖን ደጊምናን ኣትሪርናን ንጽውዕ። ሎሚ ብሰንኪ ሰንኮፍ ኣተሃላልዋ ተቓወምቲ ንጐረባብትና ከም መአከብን መለመን
ስንቅን (መሳርፍ) እምበር ከም መስመርን ሓቀኛ መታግሮ ሓይልን ብዘይምጥቃምና ህግደፍ ዘበላሽወልናን ዝምንዝዓናን ዘሎ ዞናዊ
ዲፕሎማሲያዊ መኽሰባት ክንወዳደሮን ክንምንጥሎን ኣብ ረብሓና ከነውዕሎን ክንጓየ ንጽውዕ። ሎሚ ብዝኸሰርናዮ ዘይኮነስ ብዘኽስበና
ኣገባብ ቃልሲ ክንብገስ ካብ ጠነግን ሰኪዔትን ጸገንትን ኣላሻውያንን ነብሰ-ሕቀታዊ መስመራትን በታቲኽና ክንወጽእ ንኹሉ ክርዳእ
ዝኽእል ናይ ቃልሲ ምንጭታት ንጽውዕ። ናይ ዘራእቲ ኣዋስብን ናይ ቃልሲ መኣዝንን ዘይፈልጥ ሓረስታይን ተቓላሳይን ክኣ ሓዲኦም
ክጠሚ ሓዲኦም ክኣ ክስዓር ዘይተርፎ ምዃኑ ኣቐዲምና ብርሃን ዝደለየ ካብ ጸልማት ክወጽእ ከምዘድልዮ ንጽውዕ። መንገድናን
መጋይሽትናን ፈሊጥና ሰሚርና እንተድኣ ጌሽና እቲ መንገድና ከም መጽዓን ይጥቕለል፡ እቲ ክብርን መጐስን ንስውኣትና ይዕደል፡ እቲ
ባንዴራ ህዝባዊ ዲሞክራሲ ድማ ይንብልበል።
(ሰ.ጒ.ኤ. ከፍሊ ዜና)
ልሳን ጽግዕተኛ መለኽትስ
ዘይትብሎ የብላን
ሐምለ 20-2006
ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ ክፍሊ ዜና
ኣብ ቃልሲ ብፍላይ ኣብ ጥቓ መወዳእታ ርብዒ ውድቀት ናይ ጨቆንቲ ሓይልታት ዝተፈላለየ ፈንጠርጠራት ከንጸባርቕ ግድን ኢዩ። ህልም ዝበሉ ጠበቓታት ጨቆንትን መለኽትን ሕውስውስ ዝበለ ሓሳባት ዘርጠብጠብ ክብሎም፡ ሕያዎት መሊሎም ክቐርቡ፡ ኣእመሮ ተቓለስቲ ሰሪቖም ዝሰልል እንተተረኸቡ’ውን አስሊሎም ኣዝማድ ከጥርዩን ናይ ገዛእ ርእሶም ሳጓታት ናብ ዝከታተልዎም ክስንድዉን ይፍተንን ይጸዓርን ኢዩ። ግን ክኣ ሓባልሲ ሓባል ኣይበልካ ዝበሃል አሎ።
ከምዝብልዎ ክትሃድም ትኽእል ኢኻ፡ እቲ ሽግር ግን ምሕባእከ ብቐሊሉዶ ይርከብ? ኣብዚ እዋን’ዚ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ዝወስድኦ ናይ ባዕለን ምርጫ ኣብ ቃሕ ዝበለን ሃግርን ቦታን ጒባኤታት ክገብራ ብምውሳነን ብዓይኒ ምትዕጽጻፍ ከተማሓይሾ ካብ ምፍታን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ጌጋ ኢየ ዝነብር ኔሬ ምባል ምቐረበ። ሎሚ ናብ ኢትዮጲያ ከይደን ስርሓተን ከሰላስላ ዝደልያ ውድባት ቀደም ዝኸድኦ ዝነበራን ንተማጻደቕቲ ናይ ለብዘበን ተማጐትቲ ናይ ሽዕኡ ረጊጸንኦም ዝሓለፋ እምበር ሓደሽቲ ገያሾ ኰይነን ነዚ ናይ ሕጂ ጐዕዞአን ብተዓጻጻፍነት ተመዚኑለን ካብ ጽግዕተኛታት ይጽደቕ ዝጽበያን ኣበሃህልኦም ዕርክነታዊ ኰይኑስ ታሪኽ ዘረስዐን ኣይመስለናን።
ጠበቓታት ”ሰላማዊ ፍታሕ” ሕጂ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ጎቦ-ጎቦ “ኪዳን” ክትከይድ ምፍታንን ኣዝማድ ከተጥሪ ምጽግጋዕን ዕላምኡን ትርጒሙን እንታይ ምዃኑ ንዝከታተል ስዉር ኣይኮነን። “ኪዳን” ካብ ዘለዎ ድንግርግር ከይወጽእ፡ ሸንኰለል ናይ ተቓውሞ ክናዋሕ፡ እግሪ መለኽቲ ካብዚ ሕጂ ትኸዶ ዘላ ንላዕሊ ኣብ ከባቢኣ ክትስጒም፡ ኪዳን መሓውር ዘይብሉ ኣብታ ዘለዋ ተዀኲዱ ክተርፍ፡ ኩሉ ተቓውሞ ኣፉ ተለጒሙ እግሩ ተኣሲሩ ጎረባብቲ ከከምኲነታቱ የማን ጸጋም ከጋላትዕዎ፡ ተቓወምቲ ምጽዋተኛታት ናይ ዘየተኣማምኑ ተዀብቲ ኰይኖም ክተርፉ፡ ህግደፍ ትንፋስ ክሰኲዕን ተቓወምቲ ክኣ ኣብ ንዕኡ ዘርብሖ ዋጋ-ዕዳጋ ክወድቁን ኢዩ። እዚ ክውንነት’ዚ ክፍጠር ዓቢ ትኽእሎ ኣሎ። ኣብ መንገዲ አሎ እትብለሉ ምልክታት’ውን ሕምብሊል ዝብል ዘሎ ኢዩ። ሰላም ክፈጥር ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ግን ንመትካላውያን ተቓወምቲ እንተዘይኰይኑ ንጽግዕተኛታት መለኽቲ እንታዮም ኣይኮነን። ጽግዕተኛታት መለኽቲ መልእኽቶም ሰላም ይሃሉ ኣይሃሉ ምስ ምንዋሕ ዕድመ ህግደፍ ዝተኣሳሰረ ኢዩ።
ሎሚ ሕጽረታት “ኪዳናዊ” ጒዕዞ ብምርኣይ ብሓደ ወገን ሕያዋይ ክትከውን ምፍታን ኣብ መንጎ ምትዕሽሻውን ምቅዋምን ዘሎ ኣተሓሳስባ ተቐርቂርካ ብትቦታት ብርዒ ንኣድላይነትን ጻዕርታትን ናይ ምንጻር ቃልሲ ንድሕሪት ክትጎትት ምፍታን ንዓና ሓድሽ ሽጣራ ኣይኮነን። ንስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ምውጋኑ ዝኣረገን ዝተመንውን ኣገባብ ተባሂሉ። ዝኣረገን ዘተመንወን ኣተሓሳስባ ንህግደፍ ብዘሎና ዓቕሚ ብጽኑዓትን ስተራተጂካውያን ውድባትን ምስኡ ዝኸይድ ዝተፈላለየ እስስራትን ጌርና ከነዕንዎ ኢና፡ መንገድና መንገዲ መሰረታዊ ለውጢ ኢዩ ምባል ዘይኮነስ፡ “ሰላማዊ አገባብ” ብዝብል ለዋህን ሕያዋይን ደንጋጽን ዝመስል ብተግባር መሳርሒ መለኽቲ ዝዀነ ጥበብ ጸገንቲ ተጠቒምካ ዓሰርተ ዓመት ለሚንካስ እንደገና ክንድኡን ንዘልኣለምን ንወስኸሉ መባል ኢዩ።
ሎሚ ግዜ ኩላትና ሓቀኛን ተቓዋምን ሰላልን መደናገርን ብሓንሳብ ተሓዋዊስና ንህግደፍ ከነዕንዎ ንፈትን ዝብል ጎታቲ ፍልስፍና ጸገንቲ ተሪፉ፡ ግዜ ምንፍፋይ ስለዝጀመረ ብዓል ጽግዕ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ግድን ኢዩ። ንህግደፍ ብጒስጢ ድዩ ብጭልግሚት፡ ብብረት ድዩ ብእምኒ ናይ ምውዳቑ ጒዳይ ናይ ጽግዕተኛታት ኣምሰሉ ተቓወምቲ ዝይኮነስ ናይቶም በፍንጫ ከነብርሶ ኢና ዝብሉ ጥበብን ጸገምን ኢዩ። እቶም ብ“ሰላማዊ” እንዳተባህለ ናይ በዀራ መልእኽቲ ከመሓላልፉ ዝተላኣኩ ምስሌነታት፡ ህግደፍ ብሓይሊ ምስተወገነ ኣይንሰማምዓሉን ኢና ኢሎም ከም መቐጸልታ ናይ ሎሚ እምነቶም ይወርቑ። ነመትከላውያን ተቓወምቲ ንዘልኣለም ብ”ሰላማዊ” ኣገባብ እንዳበልካ ኣብ ኲምራ ናይ ኣኼባታት ምንባር ሰላም ኣየምጽእን ኢዩ። ምናልባት እቲ ሰላም ዝበሃል ነቶም ክእከቡ ዝነብሩ እንተዀይኑ ልክዕ ኢዩ ብመጠኑ ንዕኦም ጥራይ ትኸውን ሰላም ኣይስእኑን ይዀኑ፡ እንተ ህዝብና ግን ካብ ቅዝፈት ናብ ቅዝፈት፡ ካብ ስደት ናብ ስደት ክሰጋገር ጥራይ ኢና ንርኢ ዘለና። ንህዝብና ሓንቲ ጸጸር ኣብ ዓይኒ ህግደፍ ምድርባይን ንኣረኣእያ ህግደፍ ምድብዛዝን ግን ሓይሊ ኢዩ። ኣብ ሃገርና ዓይኒ ህግደፍ እንድሕሪ ዓዊሩ ጥራይ ኢዩ ሰላም ዝርከብ።
ኣይተታት “ሰላማዊ ፍታሕ” ናይ ሰላም ኣገባብ እቲ ጒንዲ ገረብ ህግደፍ ፈንፊኑዎስ ኣምሰይኡ ብማእሰርትን ብመቕዘፍትን ካብ ዝትክኦ ነዊሕ ኰይኑስ ይቕጽል ከምዘሎ ኣይፍለጦምን ኢዩ። ሕጂ ጨናፍር ጒንዲ ገረብ ህግደፍ፡ ሓድሽ መዝገበ ቃላት ናይ “ሰላማዊ ፍታሕ” ክሓትሙን ክሽየጠሎምን ህርድግ ይብሉ ኣለዉ። ዝገዝአ ክገዝኣልኩም ኢዩ ይገዝኣልኩም ክኣ ኣሎ፡ እታ ባርኔጣ ናይ በለጽ ኣብ ርእስኹም ዘላ ግን ናባና ከተግዕዙዋ ኣይተፈትኑ። እንተ ንሕና ግን ክሳብ ሕጂ በርሓት ኢና ዘለና፡ ባርኔጣና ገና ተሰፍያ ኣይተወድአትን፡ ተሰፍያ ምስተወድአት እንታይ ከም እትመስል ክትርእዩዋ ኢኹም። እታ ባርነጣና ዓቐንኩም ስለዘይኮነት ብሓይሊ ልበሱዋ ኣይንብለኩምን ኢና። ነታ ናትኩም ክኣ ብሓይሊ ከተልብሱና ኣይትድከሙ፡ ምኽንያቱ ዘይዓቐንካ ዘበለ ኩሉ እንተጸበበ ተቐዳዲ እንተገፍሐ ክኣ ዓናቓፊ ኢዩ።
ጽግዕተኛታት መለኽቲ፡ እንደራሴታት ሃልኪ ሕጂ ናብ ክትዕ ክንኣቱ ይዕድሙ ኢዮም። ሕጂ ብዛዕባ ምልኪ እንታይ ማለት ኢዩ? ምልኪኸ ብምንታይ ክፍታሕ ይግባእ? ህግደፍ መላኺ ድዩ ኣይኮነን? ህግደፍ በሰላም ተፈቲኑ ዲዩ ኣይተፈተነን? ኩሉ ዓቕምታትና ጸንቂቕና ዲና? ናብ ኢትዮጵያ ከም ተቓዋሚ ክእቶ ይከኣል ድዩ ኣይክኣልን? ዶብ ክሕንጸጽ ኣለዎዶ የብሉን? ምትዕጽጻፍ የድሊ ድዩ ኣየድልን? ወዘተ… ዝኣመሰሉ መደናጎይቲ ኣርእስትታት ቀደም ተሓይኾም ዝተዋሕጡ ክትዓት ኰይኖም ዘይሰምዐ እንተልዩ ቤት ንባብ ወይ ሰነዳት ናይ ነብሲ ወከፍ ውድብን ተቓለስቲ ውልቀ-ሰባትን ስለዘሎ ከከምኣድላይነቱ ደብተራትን ሰነዳትን ምግነጻል እምበር ኣብ ምዉት ነገር ንድሕሪት ምምላስ ኣድላይነት የብሉን። ናይ ቃልሲ ጒተታ ክፈጥሩ ዝደልዩ ግን ናይ ደጋምነት ፍልስፍና ክዝርግሑ ኣመሎም ኢዩ።
“ኪዳን” ኣብ ጸገማት ናይ ስትራተጂካዊ መርገጽ ይርከብ ደጋጊምና ኢልና ኢና። እዚ ንጽግዕተኛታት መላኺ ስርዓት ሓደ ካብቲ ነዊሕ ዝጽዓርሉ መባእታዊ ትርጒም ሕልምታቶም ኢዩ። ግን “ኪዳን” ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘለዎ ኣረኣእያ ከተዓራርዮ ኢየ ዝብል ተግባራዊ ስጒምቲ እንተድኣ ወሲዱ መፍቶ ጸገንትን ኣብ ትሕቲ ንዕቀት ስርዓት ኣስመራን ኣትዩ ዘሎ ፖለቲካዊ ሂወቱ ኣብ ህዝባዊ ጠመተ ክምለስ ኢዩ። ኣብ ዘለኹዎ ክምርሽ ኢየ እንድሕሪ ኢሉ ግን፡ ምንገዲ ኲርዓትን ዓወትን ዘይኮነስ መንገዲ ውድቀትን ሕፍረትን ምዃኑ ብምፍላጥና ኣብዚ መዋድቖ’ዚ ዘይወደቕኩም ኢሉ ዘይሽምና ከጠምቐና ዝፍትን ጽግዕተኛ ዘበለ ኩሉ ንሕና መደቀሲና ከመዘይኮነ ንሕብሮ።
እቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ቃልሲ ምርጫ ክልተ ኰይኑ ድሮ ኣብ ምትሕንናቕ ይርከብ ኣሎ። ንሱ ክኣ፡ ቀልባዕ-ባዕ ዘይተሓወሶ ናይ ነጹር ዕላማ ምእዙዝን ተሓላቕነት ህዝባዊ ዲሞክራስን ብመሰረት ጸረ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ደው ዝብል ናይ ቃልሲ ሓይልታትን ናይ ዜና ማዕከናትን እስስራትን ናይ ተግባር ምዕባሌኡን ምጽዓይን ምዕኳዂን ብሓደ ወገን ክኸውን ከሎ፡ በቲ ናቱ ማዕዶ ድማ ብስም “ሰላማዊ ፍታሕ” ጩራ ናይ ህግደፋዊ ቆላሕታ ዘለዎ ሃሰስታ ዘተን ንዕኣ ዘገልግል ቅድመ ኲነታዊ ናውትታት ንምድላው ኩሉ ዓይነት ሸፍድፈድ ምባልን ኢዩ። እዚ ክልቲኡ ናይ ዕላማ ምርጫታት ድሮ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ ኢዩ። ጽግዕተኛታት ህግደፋዊ መልእኽቲ ዝበልኩም እንተበልኩም ነቲ መገሻ ክትቅይርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቲ ሙዚቃኹም ዝጠዓሞ ሰሚዑኩም ኣሎ እቲ ዘይሰምዓኩም ግን ንዓና ብዘይሳጓና ክትጽውዑና ብምፍታንኩም ዘድህበልኩም ኣይኮነን። ብዙሕ ምመሰልናልኩም ግን ኣብ ረቂቕ መጋረጃ ተሓቢእኩም ስለዘለኹምሲ ኩሉ ይርእየኩም ብመህላዉ ኣድላይነት የብሉን።
ኣብ መወዳእታ ክንብሎ እንደሊ ጽግዕተኛታት ምልካዊ ስርዓት፡ መኸርቲ “ኪዳንን” ሓለይቲ “ኪዳንን” ክትኰኑ ኣይትፈትኑ። “ንኪዳን” ልዕሌኹም ንሕና ንፈልጦን ተጣቢቕናሉን። ሕጂ’ውን መንገዱን ምኣዝን ናይ ቃልሲ ዕላምኡን ናብ ዝግብኦ መዝገብ (ድፋዕ) እንተኣነጻጺሩን መሰረታዊ ሕቶ ህዝብና እንተዘኪሩን ብሸፈፍ ትሕቲ መጋረጃ ዘይኮነስ ብቐጥታን ብግህዶን ክንከላኸለሉ ኣይጽግመናን ኢዩ። ንሕና ካብ ስዉር ብዓቲ ብውጥም ቅልቅል ኣይንቃለስን ኢና። ጎደና ተበላጺ መርገጽ መን ከም እተዛወረሉን መን ኣብኡ ከምዝመላለስን በብተግባርና እንምዘነሉ ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ኣብ ቅድሚ አዕንቲ ውጹዕ ህዝብና ድቅን ክብል ምዃኑ ንተኣማመን ኢና። ኣይትፈልጡናን ኢኹም እምበር ካብ እንፍጠር ክሳዕ ሕጂ ምስ ዝተበደሉ ተሰሪዕና እሾዂ ክንረግጽ እንተዘየኰይኑ እትረፍ ጨው በለጽ ክንጥዕምስ ዕዳጋ ጨው በለጽ እኳ ብጥቕኡ ሓሊፍና ኣይንፈልጥን።ልሳን ኣመለኛታት ከም ኣመላ ትልፍልፍ ስለዝዀነት ግን ኣመላ ክትቅጽል ትኽእል ኢያ።
ስዉኣትና ኣይምለሱን ኢዮም፡ ዝስዕብዎም ግን ምዓልቲ-ምዓልቲ ይርኣዩን ይስምዑን ኣለዉ። እቲ ጠንቂ ህግደፍ ኢዩ። ነቲ ጠንቂ ኣመሓይሾም ነቲ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ናይቲ ኩሉ ብርሰት ነቲ ዝተበደለ ኣካል ክካፈሎ ብሽም “ሰላማዊ ፍታሕ” ናብ “ዕርቂ” ምግዳድ ናይ ብሓቂ ሕማም ዕርቂ ስለዝዀነ ንሕና ምስ ህዘባዊ ፍታሕን ሰላማዊ መቐጸልታን ጌርና ኣይንወስዶን። ንገብሮ ዘይብልና ብብርዒ ህግደፍ መላኺ ስርዓት ኢዩ ክንብል እንተነበርና፡ እተን ከብቲ’ሞ ወሲዶመን ጸርፊ ግን ዝገደፍና የብልናን ካብ ምባል ብምንታይ ንፍለ? መጐትቶ ጽገና ብሓይሊ ንህግደፍ ካብ ስልጣኑ ከግዕዝዎ ጸሊኦም’ውን ኣይኮኑን፡ ግን ሓደ ንሳቶም’ውን ዘኽስሶም ነገር ኣበይ ከይስኣን፡ ካልኣይ ድማ ኣብ ጥራይ ኢድክን ኢሎም ከሽካዕልሉልና ከለዉ ኢዩ። ንሕና ግን ሓይልን ኩሉ ንዕኡ ዘድሊ ትሕዝቶን ስምረት ጽኑዓት ተቓለስትን ንዕኡ ዘዕኲኾን ዘዐውቶን ወከልቱ ዝኣመነ ቀላጽም ውጹዕ ህዝብን ኢዩ ኢልና ንምልሰሎም። እቲ ኩሉ ሕጂ ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና ኰይኑ ዝርአ ዝመስሎም ዘሎ፡ ጸባሕ ኣፍራይ ዝናብ መሬት ሃገርና ክኸውን ኢዩ።
* ንእግሪ መንገድና፦ ክቡር ሓው/ ብጻይ ኣንቶንዮ ተስፋይ ኣብ ልዕሊ ሰ.ጒ.ኤ. ከፍሊ ዜና ዘለካ ትዕዝበቲ ርኢናዮ። መጀመርያ በቲ ብመጠኑ ልዙብ ኣወኻኽሳኻ ከየመስገንናካ ክንሓልፍ ኣይንደልን። ኣረዳድኣኻ ኣብቲ ዘወጻእናዮ መልእኽቲ ግን ብትኽክል ናብቲ ብልዕቲ ወይ ከርሰ-ነገር ናይቲ ትሕዝቶ ኣየተኰረን። ምኽንያቱ ምስ ሓደ ተቛዋሚ ኣካል ብፍላይ ክኣ ምስ’ቲ ንዓኻ ዝመሰለካ ጌርካ ወሲድካዮ። ኣረኣእያኻ ካብ ምስትብሃል ውጽእ ኢሉ ግምታዊ ኰይኑ፡ ኣብ ምንታይ ከምእተመርኰስካ ንዓኻ ይምልከት።
ኣብ ፖለቲካ ሓፈሻውን ውልቃውን ዝብሃል ኣከፋፍላ ነገራት ኣሎ (Categories: General and Particular)። እቲ ሓፈሻዊ ንዅሉ ኣብ ክሊ ሓደ ጥርናፈ ዝርከብ ክምልከት ከሎ እቲ ውልቃዊ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ባእታ ወይ አካል ወይ ውልቀ-ነገር ይምልከት። ኣብ መልእኽትና ብዛዕባ ውልቀ-ነገር የለን። ስለዚ ሓደ ውልቀ-ውድብ ኣበሃህላና ዝምልከቶ እንተድኣ ኰይኑ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓፈሻዊ ናይ ሓባር ኣወዳድባ ብዝህልዎ ተሳትፎን ውክልናን ኢዩ ዝኸውን።
ብዙሓት ውድባት ኣብ ውሽጢ “ኪዳን” ይውከላዘ’ ይከላኸላሉ ይከላኸለለን፡ “ኪዳን” ዝሰርሓሉ ቅርጻን ኣብቲ ጽፍሕታት ናይቲ ቅርጻ ዝውክልዎ ተመዘዝትን ኣለውዎ። ኣብ ዝለዓለ ጽፍሕታት ዝርከቡ ሓለፍቱ ብዛዕባ ዘተ ምስ ህግደፍ ኣንዳዕዲዖም ዘርጊሖም። እዚ ንኹሎም ኣባላት ኪዳን ይምልከቶም። ከምኡ ክኣ ኢልና፡ ብእኡ ደረጃ ድማ መኽሰብ ይኹን ክሳራ ይካፈልዎ። ኣባሃህላና ኣብዚ መዳይ’ዚ ንምንታይ ካብቲ ዘሎ ክውንነት ወጻኢ ብዝዀነ ሚዛን ይምዘን። ነዚ ተራ ዝዀነ መግለጺ ብግምት ኣብ ዘየድሊ ታሪኽ ኣቲኻ ካሳዕ 1975 ወጢጥካ። ካብ ጎረባብትና ክንከስቦ ዝግበኣና ናይ ፖሊሲ ረብሓታት ምስ ግዜ ክንጥቀመሉ ብዘይምኽኣልና ሕጅን ቅድሚ ሕጅን ብስንፍናና ምዃኑ ኣብሪህና። እዚኸ ርኡይ ሓቂዶ ኣይኮነን? ኣብ ሱዳን ይኹን ኣብ ካልእ ሃገር ዘሎ ስልጣን ንበለጽን ክድዓትን ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ መጀመርያ ብዛዕባ ናቱ ጥቕሚ የገድሶ።ስለዚ ተቓወምቲ ረበሓን ግዜን ጠባያት ፖሊስን ከዛምዱ እንተዘይክኣሉ ጒድለት ተቓወምቲ’ምበር ጒድለት ጎረባብቲ ኣይኮነን። ጽሑፍና ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ክትመቓቕሎ ፈቲንካ፡ ዳርጋ ኩሉ ክኣ ኣስፊርካዮ። ብዝመሰለካ ኣጋፊሕካዮ’ምበር፡ እቲ ትሕዝቶና ኣብ ክልተ መልእኽቲ ዝጠቓለል ኢዩ። ንሱ ድማ እቲ መሰረቱ መርገጽ ኰይኑ እቲ ካልኣይ ክኣ ንመርገጽካ ብምንታይ ኣገባብ ቃልሲ ተዐውቶ ኢዩ።ኣባሃህላና ኣብ ልዕሊ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዕጥይጥይ ዘይምሕዋስን ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ዘተ ብኣገባብ ዝመሳሰል ዝምድናታትን ልዕሊ ኩሉ ድማ ብኣገባብ ህዝባዊ ሃገራዊ ዋዕላ ሓድነትን ሓይልን ኣጥሪኻ ንህግደፍ ዕምሩ ኣሕጽሮ ዝብልን ኢዩ።
ናይ ዘተ ኣመላኻኽታ ናይ ኪዳን ኣብ ዝበጽሐ የብሉን ኣብ ቻርተር ኣይሰፈረን ንዝብል ዘቕረብካዮ መጐተ ግን ክንደፍረካ ኣይንደልን ባዕልኻ መልሶ። ኣበሃህላኻ ብኣፎም ኢዮም እምበር ብውሽጦምሲ ኣይውዕልዎን ኢዮም ማለትካ ይመስል፡፡ እዚ ግን ናብ ቃልሲ ዘይኮነስ ናብ ዕላልን ምዝንጋዕን ገጹዶ ኣየምርሐን? ብዛዕባ ዋዕላ እንተዀይኑ ዘደናግር መልእኽቲ ኣየመሓላለፍናን። ናይ ሓባር ኣደራሽ ክተሰርሕ እንድሕሪ ደሊኻ ካብ ሰረት ክሳዕ ቀጽቀጽ ዘሎ ናውቲ ኲልኻ ብምቕራብ ናይ ሓባር ሃነጽቲ ትቕርብ፡ ሃገራዊ ዋዕላ እንድሕሪ ደሊኻ ድማ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ብምእማን መጸዋዕታ ኩሉ ከከምዝጥዕሞን ዘርከበሉን ክገብር እኳ ዝኽእል እንተዀነ፡ እቲ ዋዕላ ግን ከመይ ከምዝግበር ነቶም አብ ዋዕላ ዘኣምኑ ትገድፈሎም ንምባል ዝኣክል ትርጒም ዋዕላ እንታይ ንግበር እምበር እዚ ግበር ማለት ከምዘይግባእ ገሊጽና። እቲ ዝርዝር በዙሓት ይገልጽዎ ስለዘለዉ ንዕኡ ክትምልከት ትኽእል ኢኻ። ብዝተረፈ መጎጎ ምስ ዓረፈ መሶብ ምስ ነጸፈ ንዑ ብልዑ እንተበልካ መን ይነግደካ።
ክቡር ብጻይ ኣንቶንዮ እቲ ንዓኻ መሲሉካ ብዛዕባ ክፍሊ ዜና ናይ ኪዳን ኣቐሚጥካዮ ዘለኻ ተመኩሮታት ስኽፍ ኣይበልካ ኣብኡ የለናን። ክፍሊ ዜና ናይ ኪዳን ንኪዳን ብምውካል ዝረኸቦ ዜና ዘመሓላልፍ ኣካል ምዃኑ ንፈልጥ’ምበር ናይ ባዕሉን ናይ ብሕቱን ጒድለት ኣይነቐምጠሉን። ብሃሰስን ብግምትን ተወኪስካና’ምበር እቶም ዝኣመትናሎምን እንደራሴታት ጽገናን ጸላዕላዕ ኢሉዎምሲ ክጻረፉናን ፖለቲካዊ ሰጓ ከጥብቑልናን ጀሚሮም ኢዮም። ትግርኛ ዝሰምዑ’ኳ ኣይመሰለናን ነይሩ፡ ከምዝርኣናዮ ግን ጽቡቕ እዝኒ ኢዩ ዘለዎም።
ብዛዕባ ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዉ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ብወገንና ከም “ኪዳን” ክዀኑ ዲዮም ክወዳደሩ ዲዮም ወዘተ… መጐተ ኣይኮነን። ከም “ኪዳን” ክዀኑን “ንኺዳን” ክወዳደርዎን ብፍጹም ኣይንጽበን። ኣብዚ ንቃወሞ ዘለና ስንፍናታት ክኣትዉ ኣይንምነን። ቦታ “ኪዳን” ከይወስዱ ኢልካስ ኣይትሰከፍ። ብዝተረፈ ኣብ “ኪዳን” እንድሕሪ ዘይሃለዉ እንተተኣከቡን ዋላውን እንተተኻኢሉ እንተሰመሩን ምዓስ ሕማቕ ኰይኑ። ስምረት ናይ ክልተ ይኹን ናይ ዓሰርት ኣይጽላእን ኢዩ። እቲ ቀንዲ መጐት ተኣኪብካን ሰሚርካን ብመንጽር እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኣጀንዳ እንታይ ትብልን ትገብርን ኢዩ። ስምረት ብኹሉ ይፍተን ኢዩ፡ ህዝባዊ መርገጽ ግን ብቐሊሉ ዝርከብ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ውድባት ክሰምራ ከለዋ ቀጨውጨው ዝብሎም ርኢና ኢና። ንሱን ወድ ከምኡን ተመኲርናዮ ስለዝዀንናስ ኣብ ሰነዳትና ከም ዘገለጽናዮ ንዝክር። ስምረት ይፍተን ኢዩ፡ እንተሰለጠ ሰለጠ እንተዘይሰለጠ ክኣ ምኽንያቱን ኲነታቱን ይምርመር’ሞ እቲ ቃለሲ ካብ ተመኲሮ ዘዋህለሎ ትምህርቲ ሓዊሱ ካልእ ዘዋጽእ መንገዲ ይመርጽ። እዚ ኣብ ዝዀነ ይኹን ከተማን ሃገርን ኰንካ ዝግበርን ዝፍተንን ምቅርራባት ንዅላትና ብማዕረ ይምልከተና።
ብዛዕባ ሕጽረታትና ማለት ሕጽረታት ሰ.ጒ.ኤ. ምግላጽን ከምኡ ድማ ዝምድናና ምስ ኪዳን ዝነበረን ሕጋዊ ተመኲሮታቱን ኣስፊሕና ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ስለዝዘርጋሕናዮ ሰነዳትና ተመልከት። ተመልኪትካዮ’ውን ኢኻ ኢልና ንኣምን፡ ምኽንያቱ ሓደ ካብቶም ዝከታተሉ ኢኻ። ኣገናዝባኻ ግን ምስ ዝፍኖ መልእኽትታት ኣተኲሩ ክንዲ ዝጥምት ኣብ ምክልኻል ጥራይ ዝዛዙ ዘሎ ይመስል። ሕጂ’ውን ሰልፊ ጒ.ኤ. ክቃለስ እንድሕሪ ኰይኑ ካብ ጒድለት ነጻ ክኽውን ዋሕስ ኣይተክልን ኢዩ፡ ኣብ ስትራተጂካዊ ጌጋ ከየዘንብል ግን ለይትን ምዓልትን ተጠንቂቑ ክቋመት ኢዩ። ስትራተጂካዊ ጌጋ ምስ ዝገብር ክኣ ይንዋሕ ይሕጸር ህዝባዊ ምሓውር ናይ ቃልሲ ኣይክህለዎን ኢዩ። ምስቶም ሰዳዕቲ ተዘራዕቲ (ተዘነብቲ) ክኣ ይስራዕ።
ኣብ መደምደምታ፡ ክቡር ብጻይ ኣንቶንዮ! ቅድሚ ሕጂ’ውን ኩላትና ብሓደ ተቓሊስናን ኩሉ ሓሳረ-መከራ ርኢናን እንዲና! ንሱ መነሃርያ ኰይኑ ሕጂ ክኣ ኣይዞ ጎበዝ እንዳተበሃሃልና ከቶስ ጸረ-መላኺ ስርዐትን ጽገናዊ ቀበጥ-በጥን መኣዝኑ ዝሰሓተ ረማሲ ምልክታት ህግደፋዊ ዘተን ንመሰረታዊ ለውጥን ብዘሎና ዓቕምታትን ንበገስ’ምበር፡ ኣብ ዝተፈላለየ ውድባት ምህላውና ድለየትና ስለዝዀነ ኣየባእስን ኢዩ። ምስ ከፉት ዓይንናን እዝንናን ከምዚ “ኪዳን” ዘለዎ ሃለዋት እንዳርኣናን እንዳሰማዕናን ኢደ እግርና ከይተወሳወሰ ልሳንና ቆሊፍና ከይተዛረብና እንድሕሪ ከነጽቅጥ ኰንና ንቃለስ ኣለና እንተበልናስ የጥዕመልናዶ? ክቡር ብጻይ ኣንቶንዮ ንኣበሃህላና ንምብራህ ዝኣክል እምበር ንምምልላስ መደብ የብለናን። ወድሓነካ!
ዝኽሪ ንስዉኣት! ዕድመ ንጽኑዓት! ዓወት ንውጹዓት!
ሰ.ጒ.ኤ. ክፍሊ ዜና