ብኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ዝተመርሐ ኣኼባ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ካብ ዕለት 15 ክሳዕ 17 ወርሒ 8 ኣብ ስቶክሆልም ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ወኪል ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ተሳቲፉ። ኣብ ኣኼባና ዝተሰርዔ ኣጀንዳ ኣብ ርእይቶታት ኣብ ሱዳንን ሰሜናዊ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝርከቡ ህዋሳት ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ዝተመስረተ ነበረ። ካብኡ ተበጊሱ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ኣብዚ ህልዊ መድረኽ ክትግበሩ ዝግብኦም መትከላት እንሆ የነጽር።
...
ኣኼባ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ኣብ ስቶኮሆልም
ኣብ ህልዊ መሰጋገሪ መድረኽ መርገጽካ ኣነጽር
1. ህልዊ መድረኽ
1.1 ዓለማዊ ተርእዮ
ኣብ መንጎ ኣኽረርትን ምዕራባውያንን ዝካየድ ዘሎ ዓለምለኸዊ ግጥምያ እና ነሃረ
ይኸይድ ኣሎ። እዚ ህልዊ መድረኽ ክግምገም ከሎ ስትራተጊ ምዕራባውያን ንድፍኢት ግብረሽበራዊ ሓይልታት ከምቲ ዝሕልንዎ ከዳኽሞ ኣይከኣለን። ምልክታቱ ድማ ኣብ ከተማታት ምዕራብ ብጋህዲ ይምስከር ስለ ዘሎ ብዙሕ ዘማትእ ዛዕባ ኣይኰነን።
1.2 ኣብ ማእከላዊ ምስራቕ
ኣብ ዒራቕ ብኣመሪካ ዝምራሕ ልፍንቲ ምዕራባውያን ኣብ ዕላምኡ ዝሰሓተ ኩነታት ሸንኰለል ክብል ይርኤ። ብተወሳኺ ብኣኽራርነት ዝተደረኸ ግብረሽበራውነትን ውሽጣዊ ሓድሕድ ኲናትን ንሓይሊ ኣመሪካ ኣብ መጻወድያ ብምእታው ከም ዘዳኸሞ ብንጹር ይርኤ። ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣኽረርቲ ግብረሽበራዊ ሓይልታትን ጣሊባንን እንደገና ከም ዝደልደሉ ምስኩር ኰይኑ ኣሎ። ኣብ መንጎ ሕዝቡኣላህን እስራኤልን ዝተገብረ ግጥምያ ሓይሊ እስራኤል ከም ዝተንደንደነን ኣብ መጻእቲ ግጥምያታት ክሽነፍ ከም ዝኽእልን ዝኣመተ ይመስል። ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ዘሎ ምትራኽ እውን ንግርማ ጸብለልትነት ኣመሪካ ሞጐስ ከም ዝቐንጠጠሉ ይርኤ። ኣብ ማእከላይ ምስራቕ፡ ኣብ መንጎ ደንበ ኣመሪካን እስራኤልን ብሓደ ሸነኽ፡ ደምበ ዒራቕን ኢራንን ሱርያን ፊሊስጤምን ሕዝቡኣላህን ብኻልእ ሸነኽ፡ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናታዊ ምፍጣጥ ክይባራዕ የስግእ። ብኻልእ ኣዘራርባ ዓለምለኻዊ ኣኽራሪ ግብረሽበራዊ ሓይሊ ንሃልሃልታ ኲናት የምበድብዶ ስለ ዘሎ ዲቕ ዝበለ ውግእ ኣብ ማእከላዊ ምስራቕ ከይባራዕ ይፍራሕ ኣሎ።
1.3 ኣብ ዞባና
ሓድሽ ተርእዮ ኣብ ዞባና ምትእትታው ሓይልታት ኣኽራርነት ኣብ ሶማልያ እዩ። ምትካል ኣኽራሪ ኣስላማዊ መንግስቲ ኣብ ሶማልያ ብኢትዮጵያ ከም ታህዲድ ንውሽጣዊ ሰላማ ተወሲዱ ኣሎ። ጣልቃዊ ምትእትታው ኢድ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኣጒዱ ዘሎ ኲናት ከየነሃህሮ ይፍራህ። ፖለቲካ ናተይዎናትካ ዲክታቶር ኢስያስ ኣብ ዞባና ንኢትዮጵያ ካብ ሱዳንን የመንን ምንጻል ምዃኑ ግሉጽ እዩ። እዚ ኺደት ምስ ተማልኤ መስርሕ ሸመተ ኪዳን ይጅምር ይዀውን፡ እዚ ድማ ኣምላኽ ንምህለላ ኪዳን እንተሰሚዑ እዩ።
1.4 ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ
ንጸረዲክታቶራዊ ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘህሰሶ፡ እቶም ኣብ ደገ ዝርከቡ ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ፡ ንጭርሖ መስመር ሰላማዊ ቃልሲ ምስ ኣልዓሉ እዩ። ኣብ ደገ ጥጡሕ እንዳረገጽካ ኣብ ምቹእ ኣንዳ ሓደርካ ጥዑም እንዳ ዀለስካዶ ንህዝቢ ከክንዳይ ዕረቐለይ ተኣሰረለይ ተደግደገለይ ወይ ሙተለይ ይብሃል እዩ። ዕላማ ልሙስ ጭርሖ ሰላማዊ ቃልሲ ሰላም ኣይኰነን እንታይ ደኣ ንዕድመ ዲክታቶርነት ዘናውሕ ደማዊ መስመር እዩ። ብሓደ ሸነኽ ኣብ ሰላማዊ ቃልሲ እየ ዝኣምን እንዳበልካ ኣብ ውሽጢ ዝድግፉኒ ጀነራላት ኣለዉ፡ ለውጢ ካብ ውሽጢ እዩ ዝመጽእ ምባል ደማዊ መርገጽዶ ኣይኰነን? ንምዃኑ እቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ደገፍቲ ጀነራላት ለውጢ ከምጽኡ ሓሙሽተ ዓመት ድዩ ዝወስደሎም? ከላእ! እዚ ኹሉ ደገፍቲ ንምጥራይን ኢድ ኣመንቲ ኩሉእንተናዊ ቃልሲ ንምእሳርን ዝተማህዘ ተንኰል እዩ። ቀንዲ ዕላማ ከዛብ ጭርሖ ሰላማዊ ቃልሲ ኣብ ዘተ ምስ ዲክታቶር ዘተኰረ ስለ ዝዀነ ትሕዝትኡ ወዶገባነታዊ እዩ።
2. ደምበ ተቓውሞ
2.1 ብዛዕባ ጉባኤታት
ክካየዱ ዝቐነዩ ጉባኤታት ንመትከላት ብሎኮን ሃገራዊ ዋዕላን ስትራተጂ ዓድን ወዘተ. ስለ ዘዓዘዙ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ሕጉስ እዩ። ብርግጽ ዕላማ ሰልፍና ንስትራተጂ ዓዲ ካብ ዘረፍቲ ሓሳባት እንዳተኸላኸለ ኣብ ኣእምሮን ሕልናን ህዝቢ ምዝራእ እዩ። ካብ ኩሉ ዘሐጒስ ድማ ብኹሉ ኣገባብ ቃልሲ (እንተወሓደ ብኣፍ) ዝኣምኑ ውድባት ምህላዎም እዩ። ኣመንቲ መትከል ስምረት ተመሳሰልቲ ውድባት ክሳዕ ምጽንባር ንስትራተጊናን ፕሮግራምናን ስለ ዝኣመንሉን ምስ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ክቀራረቡ ንጽበ። ብዝተረፈ ስትራተጊን ፕሮግራማት እንዳማትካ ተለቂሕካዶ ቃልሲ ይካየድ ኰይኑ። ዝብሃል ምስ ተባህለ ንጨራሕቲ ሰላማዊ ቃልስን ሰዓብቲ ስትራተጊያ ኩሉእንተናዊ ቃልስን ዘራኽብ የልብሎምን።
2.2 ኪዳንን ካልኦትን
ኣብ ኩሉ ዓለም፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሰላማዊ ቃልሲ ዝብል ጭርሖ ምስ ዘልዕሉ፡ ከም እሙናት ጸገንቲ ወይ (loyal opposition) መጠን ኣብ ውሽጢ ሃገሮም እዮም ዝቃለሱ። እዚ ንቡር መትከል ብፍላይ ንኤርትራውያን ጨራሕቲ ሰላማዊ ቃልሲ ይምልከት። ኣብ ወጻኢ ኤርትራ ብሰላማዊ ኣገባብ ኢና ንቃወም ዝብሉ ሰልፍታት ወይ ውድባት ምስ ዝህልዉ ግን ከም በርጌሳውያን ማሕበራት ጥራይ እዮም ክልለዩ ዝኽእሉ። ናይ ሓቂ በርጌሳውያን ማሕበራት እውን ኣይኰኑን። ናይ ሓቂ በርጌሳውያን ሓይልታት ንመትከል ኩለእንተናዊ ቃልሲ ይኣምንሉ እዮም፡ እቲ ፍልልይ ስቪላዊ ማሕበራት ኣብ ቤርጌሳዊ ጉድያት ክናጠፉ ከለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግን ኣብ ኩሉ እንተናዊ ቃልሲ ይናጠፉ ማለት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ፍልልይ ኣብ እምነት ኣይኰነን እንታይ ደኣ ኣብ ንጥፈታትን ኣገባባትን ዝተሓጽረ እዩ። ጭርሖ ሰላማዊ ቃልሲ ደኣ እንታይ ኮን ይኸውን? ሕልና ነቲ ኣብ ውሽጢ ተቛሪኑ ዘሎ ህዝብና ንምዕራብዶ ይኸውን? ወይ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ዕግርግር ምእታውዶ ክኸውን ይኽእል? ወይስ ድማ ነቶም ጽኑዓት ኣመንቲ ጎንጻዊ ቃልሲ ንምውሳን ዝዓለመዶ ክኸውን ይኽእል? ወይ ድማ ምስ ዲክታቶር ንዛተ ብምባል ኣብ ወዶገባነት ምጥባስዶ ክኸውን ይኽእል? ህዝቢ ኤርትራ ነዞም ሕቶታት ባዕልኻ ኣመዛዚንካ መልሶም።
ስለዚ ኣምብኣር ኣብ ደገ ዝቃለሱ ተቓወምቲ ሓይልታት ብስትራተጊ ኩሉ እንተናዊ ቃልሲ ጥራይ እዮም ክጥርነፉ ዝኽእሉ። ኣመንቲ ኩለእንተናዊ ቃልስን ጨራሕቲ ሰላማዊ ቃልስን ካብ ተጻረርቲ መስመራት ስለ ዝብገሱ ሃገራውያን ውድባት ኢና ብምባል ክጠራነፉ ኣይክእሉን እዮም። ሃገራውያን ውድባት ኢና ክብሉ ከልዉ ኣብ ቊጽሪታት 3ን 4ን ኣይንኣምን ኢና ማለቶም እዩ። ብቐዳማይ ደረጃ ሃገራውን ደሞክራስያውን ዝገብረካ እምነትካ ኣብ ኩለእንተናዊ ስትራተጊ እምበር መርገጽካ ኣብ ቊጽርታት 3ን 4ን ኣይኰነን።
ጽላላዊ ኪዳን ጨርቀ-ጽላሉ ደርብዩ ኣብ ብሎካዊ ፖለቲካ ክሸጋገር ጠንበርበር ክብል ይርኤ ኣሎ። እዚ ፍሩስ ደምበ ንጭርሖ ሃገራዊ ዋዕላ ካብ ህዝቢ መንጢሉ ከም መረጋግጺ ህላውነት ኪዳን ክጥቀመሉ ጻዕርታት ከካይድ ይርኤ። እቲ ተሃቂኑ ዘሎ ዋዕላ ኪዳን ኣመንቲ ኩለእንተናዊ ቃልስን ጨራሕቲ ሰላማዊ ቃልስን ዝዀኑ ኣባላት ኪዳን ዝሳተፍዎ እዩ። ኣመንቲ እዞም ተጻረርቲ ስትራተጊታት ናብ ከዛብ ምጥርናፋት ብሎኮታትን ከዛብ ዋዕላ ኪዳንን ምስ ዘምርሑ እቲ ቀዳማይ ስጒምቲ ወዶገባነት ተወሲዱ ክብሃል ይክኣል።
3. ብዛዕባ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ
3.1 ወፈራ ኣንጻር ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ
ብመራሕቲ ኪዳን ንሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ንምድምሳስ ዝተዘርግሑ መፈንጠራታት ከከም ኣመጻጽእኦም ንህዝቢ ኣፍሊጥና ስለ ዝዀንና ኣብዚ መግለጺና እዚ ንምለሶ ጉዳይ ኣይኰነን። ቃልሲ ሰልፍና ኣንጻር ዲክታቶራዊ ስርዓት ስለ ዝዀነ ኣብ ውዱቕ ኪዳንን ልኡኻቱን ዝጠፍእ ጸዓትን ግዜን የልብልናን። ሰልፍና ምስቶም ሕጋዊ 2/3 ኮረም ዘየማልኡ ተፈንጪሎም ሽም ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ዝሰረቑ ርክብ የልብሉን። ማለት፡ መሪሕነትናን ሰነዳትናን ኣብ ምስኩር ጉባኤና ዝጸደቑ ብምዃኖም ምስቶም (ብምትብባዕ ሑሰይን ኸሊፋ) ብገበን ዘሕትት ፎርጅድ/ዘተዘወረ ሰነድ ኣብ ከሰላ ዝተኣከበ ጉጅለ ሰልፍና ርክብ የልብሉን።
ህዝብናን ተቓወምትን ፈተውቲ ሃገራትን ምእንታን ክይዝንግዑ ድማ ነቲ ዝተዘወረ ሰነድ ኣብ ኢንተርነት ኣጋሊጽናዮ ኣሎና፡ ደደጋጊምና እውን ከነጋልጾ ኢና።
ከምኡውን ሰልፍና ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካብ ኪዳን ስለ ዝተቈንጨለ ኣብዚ ልሙስ ፖሊቲካዊ ጽላል ስለ ምምላስ ዶማንዳ ከም ዘየእቱ ብስኑድ ሕጋዊ ኣገባብ ኣፍሊጡ እዩ።
3.2 ምድልዳል ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ
ንሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ስለ ምድልዳል ነዞም ዝስዕቡ ስጒምትታ ክንትግብር ኢና፡
4. መርገጻትና
4.1 ብዛዕባ ሃገራዊ ጉባኤ
ሃገራዊ ጉባኤ ወይ ዋዕላ ክብሃል ከሎ ንሓይልታት ተቓውሞን ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብናን ዘተኰረ እዩ፡ ከም ፍሉጥ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ክሳተፎ ኣይክእልን እዩ። እዚ ኣገዳሲ ስጉምቲ ኣብ ወጻኢ ይውሰድ እሞ ግዚኡ ምስ መጽኤ እቲ ዝተረፈ ኣብ ውሽጢ ክማላእ ይኽእል።
እዚ ብኪዳን ዝሰናዳእ ዘሎ ጉባኤ ግን ብኹሉ መልክዑ ጸረ-ደሞክራስን ህዝብን ወዶገባውን ስለ ዝዀነ ዝሳተፍዎ እቶም ኢዶም ዝሃቡ ሓይልታት ኪዳን ጥራይ እዮም።
4.2 ሃገራዊ መስመርና
ጉዳያት ሃይማኖታዊ መንግስትን ብሄርነት ክሳብ ምፍንጫልን ፈዴራልያን ብእስትፍታሕ (referendum) ክውሰኑ እምበር ሕጂ ኣብ መድረኽ ኩለእንተናዊ ቃልሲ ከዕገርግሩ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ብመትከል ይነጽግ።
4.3 ብዛዕባ ቅዋም
ትርጉም ቅዋም ራቲፋይድ (ratified) ከይኑ እዩ ዝብል ኣዘራርባ እንታይ እዩ? ብሕጋዊ ኣዘራርባ ራቲፋይድ ማለት ኣብ መንጎ ክልተ ወይ ዝያዳ ሃገራት ስምምዕ ምስ ዝብጻሕ ተፈራረምቲ ሃገራት እቲ ስምምዕ ሕጋውነት ስለ ክለብስ ኣብ ነፍሰወከፍ ባይቶታቶም ራቲፋይድ ይዀውን። ቅዋም ኤርትራ ካብ ዲክታቶር ኢሳያስ ስለ ዝተበገሰ ፓርላማ ኢሳያስ ድማ ተቐቢልዎ። ቅዋም ኤርትራ ስምምዕ ሃገራት ስለ ዘይኰነ ራቲፋይድ ኣይኰነን። እቲ ሕቶ ቅዋም ኤርትራ ጸዲቑዶ እዩ? ቅዋም ኣብ ፓርልማ ኢሳያስ ኣይኰነን ዝጸድቕ፡ ኣብኡ ጸዲቑ ምባል ንመንግስቲ ዲክታቶር ኢሳያስ ከም ሕጋዊ መንግስቲ ተቐበሉ ማለት እዩ። ቕዋም ኤርትራ ኣብ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ፓርላማ ጥራይ እዩ ዝጸድቕ። እዚ መትከልዚ ምስ ዝንጸግ ግን ኢሳይስ ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ ቅዋም ራቲፋይድ እዩ ብምባል ተካእቱ ብዘይ ደሞክራስያዊ ምርጻ መንግስቲ ንምትካል ምእንታን ክጥዕሞም ዝገበር ዘሎ ዘይሓላፍነትዊ ወፈራ እዩ።
ትርጉም Our aim is to implement the constitution ወይ ዕላማና ንቅዋም ንምትግባር እዩ ማለት እንታይ ማለት እዩ? ቅዋም ኣይኰነን ዝትግበር ቅዋም ምስ ጸደቐ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ንቕዋም ኣብ ኩሉ ጸፍሕታት ህይወቱ ዝትግብሮ። ጸዲቑ እዩ እሞ ንተግብሮ ማለት ግን ንድሕሪ ኢሳያስ ዝመጽእ ዲክታቶርነት ሕጋውነት ንሃቦ ማለት እዩ። እቶም ክትግበሩ ዝግብኦም ኣብ ምጽዳቕ ቅዋም ዘምርሑ ስጒምትታት እዮም፡ ንሳቶም ድማ ሕግታት ብዝሃ-ሰልፍታትን ምርጻን እዮም። እቲ ጸገም ደረስቲ ቅዋም ነዞም ኣገደስቲ ናውትታት ስለ ዘየሳናድእዎም ጥራይ እዩ። ሕጂ እውን እንተዀነ እዞም ክልተ ሰነዳት ኣብ ጽርግያ ዘይኰነ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ እዮም ሕጋውነቶም ዝለብሱ። ዲክታቶር ወዲቑ ንሓጺር ግዜ ግዝያዊ መንግስቲ ምስ ቀወመ፡ እሞ ሕግታት ምርጻን ሰልፍታትን ብክኢላታት ተሰናዲኦም ሕጋውነቶም ምስ ለበሱ፡ ከምኡ እውን ፓርላማ ተመሪጹ ቅዋም ምስ ጸደቐ፡ ኣብ ኤርትራ ቅዋማውን ደሞክራስያውን መንግስቲ ተተኺሉ ክብሃል ይከኣል።
5. ጭርሖታት መድረኽ
1. ብኩለእንተናዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝኣምኑ ፖለቲካውን በርጌሳውን ሓይልታት
መርገጾም ኣነጺሮም ይጠርነፉ!
2. ሰዓብቲ ኩለእንተናዊ ቃልሲ ካብ ወዶገባዊ ዋዕላ ኪዳን ኢዶም ይሕጸቡ!
ኩለእንተናዊ ቃልሲ ይተዓወት!
ቅዋማዊ ደሞክራስያ ይተዓወት!
ዲክታቶራዊ ስርዓት ይውደቕ!
ስውኣትና ንዘልኣለም ይዘከሩ!
ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ
ስቶክሆል/06-08-29
06/08/20