ንጥፈታት ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ሱዳን ደው ኢሉ
ጋዜጣ ኣልወጠን
ሰበስልጣን መንግስቲ ሱዳን ንተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ንግንባር ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ሱዳን ጕባኤኦም ከይገብሩ ከምዝኸልከሉ ጋዜጣ ኣልወጠን ሓበሬታ ከምዝበጽሓ ኣረጋጊጻ። ሓደ ካብ’ቶም ውድባት ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ ሓምለ ሰለስተ ውድባት ዝሰምራሉ ጕባኤ ንምግባር ኢዩ ዝሸባሸብ ነይሩ። እዚ ስጕምቲ’ዚ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን እናተመሓየሸ ዝመጸ ዝምድናታት ኢዩ። ምንጪታት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ መንግስቲ ሱዳን ንንጥፈታቶም ኣብ መሬቱ ጠሪሱ ደው ከየብሎ ስግኣት ከምዘለዎም ይሕብሩ። ኣምሳያኡ ውን፡ ኤርትራ ንንጥፈታት ናይ ተቓወምቲ ውድባት መንግስቲ ሱዳን ደው ተብል ትኸውን።
ጋዜጣ ኣልወጠን፡ ሰንበት 02 ሓምለ 2006 ሕታም ቍ.1134
ኤርትራ ናይ የመን እሱራት ፈቲሓ
ሱዳን ንንጥፈታት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ደው ኣቢላ
ጋዜጣ ሪፖርተር፡ 02.07.2006
ኣዲስ ኣበባ
ናይ ኤርትራ ናይ ባሕሪ ዶባት ሰጊርኩም ዓሳ ገፊፍኩም ብምባል መንግስቲ ኤርትራ ኣሲርዎም ካብ ዝጸንሐ የመናውያን 110 ከምዝፈትሐ “የመን ኦቭዘርበር” እታባህለት የማናዊት ጋዜጣ ሓቢራ።
እቶም ገፈፍቲ ዓሳ፡ ናይ ኤርትራ ወተሃደራት ኣስገዲዶም ወሲዶም ናይ ሓንቲ ጃልባ መቕጻዕቲ ሓደ ሚልዮን ርያል የኽፍልዎም ከምዝነበሩ ሓቢሮም። ነዚ ንምኽፋል ዘይከኣሉ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ድማ፡ ንነዊሕ ግዜ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ከምዝተፈትሑ እቲ ጸብጻብ ኣብሪሁ።
ምስ’ዚ ብምትእስሳር፡ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ሃገሩ ዝነብሩ ናይ ኤርትራ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሓምለ ከካይድዎ መዲቦም ዝነበሩ ናይ ሰልፍታቶም ጕባኤ ደው ከብሉ ከም ዝኣዘዘ እቶም ምንጪታት ሓቢሮም።
መንግስቲ ሱዳን፡ ንጥፈታቶም ደው ከብሉ ዝከልኸልከሎ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ተሓኤ ሃገራዊ ጕባኤ፡ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራን ኢዮም። መንግስቲ ሱዳን፡ ነዚ ስጕምቲ’ዚ ዝወሰደ ብዘይ ዝዀነ ይኹን መጠንቀቕታ ምዃኑ እቶም ምንጪታት ይሕብሩ። ኣብ ሱዳን ካብ ዝርከቡ ተቓወምቲ ውድባት እስላማዊ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ዝብሃል ውድብ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ዝተወስደ ናይ እገዳ ስጕምቲ ከምዘየለ እቶም ምንጪታት ይሕብሩ። እዚ ተረኽቦ’ዚ ዘጋጠመ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሱዳን ዑደት ድሕሪ ምግባሩ’ዩ።