ሕጂኸ ቅሰኑ ሰማእታትና ክበሃል’ድዩ?
ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ምእንቲ ናጽነትን ድሒሩ ንናጽነት ክከላኸሉ ንዝወደቑ ደቑ ክዝክር ካብ ዝጅምር 15 ዓመት ኮይኑ። ኣብ ሰማይ ብርሃን ንክኾነሎም ብምምናይ ከኣ፡ ብዘይ ምቁራጽ 15 ዓመት መመላእታ ሽምዓ ኣብርሂሎም። ሓቂ መሲሉዎ’ውን “ቅሰኑ ሰማእታትና”
እናበለ ክዝምረሎም ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ ግን ሽምዓ ድኣ የብርሃሎም’ምበር፡ “ቅሰኑ ሰማእታትና” ኢሉ ክዝምረሎም ከምዘይክእል ተረዲኡዎ’ዩ።
እንታይ ዘቅስን ተረኺቡ ድኣዩ ስውኣት ክቐስኑ? ሃገር ብሃገራ ኣብ ድቕድቕ ዝበለ ጸልማት ባርነት ኣትያ፡ ወለዲ ብሕሱም ድኽነት እናተሳቐዩ፡ ህዝቢ ዝብላዕ እንጀራ ስኢኑ ኣብ ለማኒ ተቐይሩ፡ መንእሰያት ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዘይ ዋጋ እንዳተገዝኡ፡ በሽሓት ዝቑጸሩ ንጹሃት ዜጋታት ብዘይ ገበንን ብዘይ ፍርድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንዳተሳቐዩ ከለው፡ ህዝቢ ኤርትራ ቅሰኑ ሰማእታትና ክብል ከምዘየጸብቐሉ ተረዲእዎ’ዩ።
ህግደፋውያን ግን ን15 ዓመት መመላእታ ቅሰኑ ሰማእታትና እንዳበሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ክቡር ዝኾነ ታሪኽ ስውኣትና ክላገጹ ጸኒሖም’ዮም። ካብ ሕጂ ንደሓር ግን ዝዕሸወሎም ህዝቢ የለን። እቲ መዝሙር ክንዝምሮ ኢና እንተበሉ በይኖም ይዘምሩዎ። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣብቲ መዝሙር ምስኣቶም ኣይሓብርን’ዩ። ንስውኣቱ ሕድርኹም ብህግደፋውያን ተጠሊሙ’ዩ እንዳበለ ብእህህታ ልብን ብቑዘማን ክዝክሮም’ዩ። ሽምዓ ክውልዓሎም ኣይምጸልእን፡ ሽምዓ እንተኾነውን ሳላ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ዕዳጋ ተሳኢኑ’ዩ።
በዚ ንርእዮ ዘለና ፕረዚደንት ኢሳያስን መጋበርያታቱን ንህዝቢ ኤርትራ ከጸልምቱሉ’ምበር ከብርሁሉ ኢሎም ኣይመጹን። እሳቶም ኣብ ኮረሻ መንግስቲ ካብ ዝቕመጡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይ ጊዜ ደርጊ ብዝኸፍእ ይዋረድ ከምዘሎ ኩሉ ዝርእዮ ዘሎ ሓቂ‘ዩ። ውርደትን መሪር ናብራውን እቲ ህዝቢ ናተይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ’ሎ።
እዚ ኹሉ ግፍዒ እንዳፈጸሙ ከለው ግን፡ ቅሰኑ ሰማእታትና ኢሎም ክዝምሩ ዘይምሕፋሮም ዘገርም’ዩ። ህ.ግ.ደ.ፍ ቁርጹ ክፈልጡ ኣንተድኣ ደልዮም፡ ስውኣትን ስድራቤት ስውኣትን እሳቶም ኣብ ስልጣን ስጋዕ ዘለው ኣይክቐስኑን’ዮም። ህዝቢ ኤርትራ ክቐስን ስውኣት’ውን ክቐስኑ ዝኽእሉ፡ ሃገር ካብ መግዛእቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ነጻ ምስትኸውንን ሕድሪ ስውኣት ምስዝትግበርን ጥራይ እዩ።
ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ኤልሳ ጭሩም
ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ
20 ሰነ 2006