5 ዓመት ብዘይ ፍርዲ
አብ ቲሕቲ ቐይዲ
እዞም ጀጋኑና በብሐደ ናይ ሐቂ ታሪኾም እናነገርኩም ምስ ህዝቦም ዘላለኹምን ዝና ነፍሲ ወከፎም ተቃልሑሎም ዘሎኹም ማዕክናት ወረ ከብ ዝበለ ምስግና ይብጻኩም ፡፡
መንክምስገን መንከ ከመስግን ጉዳይ ኩልና እንዲዩ ትብሉኒ ትኾኑ? ሐቂ እዩ ፡፡
ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ ብማለት ጌጋታት እናተፈጸመ እንከሎ ካብ ምሕባር ሐሊፎም ህዉከትን፤ ምፍሕፋሕን ፤ ዘይመረጹ አባላት ባይቶ ፡ ህዝብና ዝአኽሎ ደምዩ ኢዩ ሕጂኸ እንታይ ክንውስኽ ብዝብል ልቦና ይኸውን ይብል አነ፡፡
ብዘተ ክፍታሕ ዝተጸበይዎ ጉዳይ እዉን ኢዩ ኔሩ ፡፡ እተኾን ግነ አዳህሊሎም ብለይቲ አብ ምድቃሶም ሐደጋ ወደቕዎም፡፡
አነ ሕጊ አልቦ ኢየ ተጋጊኻ ዝብለኒ ወይልኡ ፡ዝበል አታሐሳስብኡ ቅሉዕ ኮነ፡፡ ከመይሲ ነቶም ክንዐርቕ ዝበሉ ሸማግለታትን ሐቂ ዝጻሐፉ ጋዘጠኛታትን ደሚርካ ዘይሐሰብዎ በብሐደ ተለቂሞም ዝተሰወሩ ደቂ ሃገር ድሕሪ ሐሙሽተ ዓመታት ሎሚ ብዝበለጸ ተዘኪሮም ፡፡
አብ መጀመርያ ድሕሪ ናጽነት ንህዝቢ ዝዋሃብ ዝነበረ ጽዑቕ ሰሚናራት አቶ ኢሳያሰ አፈወረቂ ከም መግለጺ ቡዙሕ ሂወት ዝከፈልናላ ሃገር ዝብል ጨለ ቃላቱ የዘውትር ነበረ እሞ፤ ሐደ ጊዜ አብ ከባቢ አሰመራ ከፊልናላ ምስበለ፡ ሐደ ሽማግለ አቦ ስማዕ ዝወደይ እዞም ሰዊእናላ ትብሎም ዘለካስ ካብ ጎቦን ቖንጠጠፈን ዝአከብኩሞም ደዮምስ ወላስ እቶም ከዲና ፤ አምሂርና፤ ዘዕበናዮም ዉሉድና ኢዮም፡ ሰለዚሲ ንፈልጦ ኢና በልዎ ፡፡
እቲ ሰዊአናላ ኢሉ ዝስከፍ ዝመስል ዝነበረ ቀጺሉ ብብዝሒ መስዋእትን መግረፍትን እስርቤታትን ኮታ ብጠቕላላ ብሂወት ኤርትራውያን ብዘስደምም ናይ ዳማ ጸወታ ይጻወት አሎ ፡፡
እምበአርከስ እዞም ሰብ መበጽዓ ቃልኪዳኖም ዘሐደሱ ጀጋኑ ዝተቓለሱሉ ዕላማ ሕግን ፍትሕን ዝነግሰላ ሃገር ቅሳኔትን ሰላምን ዘለዎ ሀዝቢ ንኽኸዉን እዮም ንእስነቶም ዘብለዩ፡፡
ሃገር ተጠሊማ ቃልሲ ስለ ዝቀጸለ ብዘየገድስ አበይ ይቃለሱ አለዉ፤ ምንምእኳ ዓጽመሥግኦም እንተ ተሐየረ ሕመረት ቃልሶምን አታሐሳስብኦምን ግን ይጋልብ አሎ ፤ ንአብነት ኔልሰን ማንዴላ አብ እስርቤት እነከሎ ዝሐፈሶ ፖሊቲካዊ መኸስብ ክጥቀስ ይከአል፡፡
ታሪኽ ጅግና ኩሉ አይኮነን ዝረኸቦ፤ እነታይዳአስ ናይ ቖራጽን፡ተባዕን ባዓል ዕላማን ጥራሕ ኢዩ፡፡ መሐዉሮም ዝዕንድር ሐንጎሎም ዝተቀየደ ግን አንጻር ባዕላዊ አታሐሳስብኦም ፈሪሖም ተምበኪኾም እሺ ሕራይ በሃልቲ ህዝቦም እናነብዔ ዝጠልሙ ታሪኾም ታሪኽ ጥልምት አዩ፤ ማስጣ ከአ አለዎ፡፡
ኢሰጢፋኖሰ መንግሰትአብ
ጀርመን 03.10.2006