“ትጉስሞ እንተበልኩዋስ ትውሕጦ”

 

ኣብ’ዚ ሰሙን እዚ ኣብ ኢንተርነት ብፍላይ ኣብ ወብሳይት ቶግርባ ብናይ አሪትራዊ ዲሞክራሲያዊ ክዳን ዝተመዘዘ ሽማግለ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣመኽኒዩ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ርኢናን ነቢብናን ንኸውን። ብወገነይ ኣንቢብ ብተረድኦይ ዝመስለኒ ሓሳብ ዎስ ከብል መሪጸ። እነሆ ክኣ።

መጀመርታ ኣብ ደገ ሃገራዊ ዋዕላ/ስኒት እናተባህለ ብብዙሓት ተዘሪቡን ተቃሊሑን። ልክዕ ክኣ ኤሪትራዊያን ባህጎምን እንኮ መንግዲ ሽግሮም መፍትሒ ስለዝርኣዩዎን ንምትግባሩ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ውሑዳት ኣይኮኑን። ነዚ ሓቃዊ ታሪኽ ክንጎሲዩ ክኣ ገበን ኢዩ። ብዝኾነ ንዓይ ብልቢ እቲ ኾይኑ ዚስምዓኒ ንምዕዋት ሃገራዊ ዋዕላ/ስኒት መን ጀሚሩዎ መንከ ኣብ መወዳእታ የውዕሎ ዘይኮነስ ብኸመይን ብመንን እቲ ጉዳይ ይካየድን ኣድማዒ ዓወት ሒዙ ክኣ መሰስ እብል እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይ ኤሪትራዊ ዲሞክራሲያዊ ክዳን በዚ ተበጊሱዎ ዘሎ ንኹሉ ኤሪትራዊ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ብሓባር ከማእክሎን ከሳትፎን ዝተበገሰ ዶ ይመስል ዝብል ንትዕዝብቲ ብዙሓት እሓድጎ።

 

ብሸነኸይ ቅድሚ ትዕዝብተይ ዎስ ምባለይ ገለ ከብ ተመክሮይ ክልተ ኣብነታት ክጠቅስ፡-

 

እምባር ኤሪትራዊ ዲሞክራሲያዊ ክዳን ጽላል ናይ ዝተፈላለያ ፖለቲካውን ሃይማናታውን ቀቢላውን ምሕበራት ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ምስ’ዚ ድማ ነፍሲወከፍ ውድብ ትኹን ማሕበር ናይ ገዛእ ርእሳ ዕላማን ራኢን ከተሰላስል እቲ ክዳን ኣይእግድን። ስለዝኾነ ብቀዳምነት ኣብ ውሽጢ ሓደ ክልተ ዓመት ዝገበርኦ ካብ ህዝቢ ክውል ኣይኮነን እሞ እቲ ንዘይ ኣባላት ክዳን ዝኾና ፖለቲካዊያንን ስፊካዊ ማሕበራትን ዝጥለብ ጠለብ ንዔአን’ውን በዘይንሓፍነት ማዕረ ክምልከተን ግድንነት ነይሩ እብል። እዚ ከምዚ ኮይኑ ብኻልእ ሸንኽ ኤሪትራዊ ክዳን ኣስነዳኢት ሽማግለ ባዕላ ካብ ውሽጣ ጥራይ ምምዛዛ ቁኑዕ ኣይብልን። ምኽንያቱ እቲ ጉዳይ ናይ ውድብ ዘይኮነስ ናይ መላእ ወዲሃገር ስለዝኾነ። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ስለስተ ኣስከፍቲ ጉዳያት እውን ክስዕባ ብሩህ ኢዩ።

    1) እታ ሽማግለ ናይ ክዳን ጸግዕነት ይዓዛን ይጥምዝዛን።

    2) ሃገራዊ ዋዕላ ብናይ ክዳን ዕብለላ ይሕዛእ።

    3) ብዓቢኡ ከምቲ ቅዋም ኤሪትራ ምልኡነት ምስሓቱ።

 

ከምርኢቶይ እቲ ክዳን መበገሲ ሃገራዊ ዋዕላ ምዃኑ ግረም እብል። ግናኸ ፈለማ ክገብሮ ዘለዎ ናብ’ቲ ወሳንን ደራኽን ሃገራዊ ዋዕላ ንምብጽሕ መሰጋገሪ መሳልል ባይታ ንኹሎም ሃገራዊያን ዘራኽብ ቦታን ጊዜን ምፍጣር። ኣብኡ እቲ ክዳን ክገብሮ ዘለዎ ካብቲ ኣኼበኛ ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ጊዚያዊ ሽማግለ ኣኼበኛታት ክመርጹ ይፈቕድ። ብድሕሪኡ እታ እትመረጸት ሽማግለ ነቲ ኣኼባ ክትመርሖ ክዳን ከኣ ከም ሰቡ ተራን ግዲኡን ከበርክት ምስህዝቡ ምዕረ ይኸውን። ስለዚ እታ ሽማግለ ክትገብሮ ዘለዋ ናይ ፈለማ መራኸቢ ስለዝኾነ ከምኡ ድማ ምድላውን ምውሳንን ንሃገራዊ ዋዕላ ዝኣመተ ትልሚ ምቅያስ ብምዃንን እዘን ሰለስተ ጉዳያት ኣቲ ገዛ ተኻቲዑ ክውስን ከምዘለዎ ተፈጽም እብል።

    ሀ) ካብ ውሽጡ ኣስናዳኢት ሻምግለ ምምዛዝ። ኣዚኣ ነቲ ሃገራዊ ዋዕላ እተዳሉ ማለት’ዩ።

    ለ) ናብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝመጹን ዝሳተፉን እቲ ገዛ ተካቲዑ ክውስን ምግባር።

    ሐ) ኣብ’ቲ ንሃ/ዋዕላ ዘዛርብን ዘካትዕን ዛዕባ እንታይ ምዃኑ እቲ ገዛ ተካቲዑ ከምዝውስን ምግባር።

    መ) እቲ ዋዕላ ዝግበረሉ ቦታን ጊዜን “ኣብኡ ብሓባር ክውሰን ዝክኣል እንተኾይኑ” ወሲንካ ንኣሳናዳኢት

 ሽማግለ ሓለፍነት ምስካም። ክውሰን ዘጸግም ምስዝኸውን ብዝውሓደ ኣብ ኣፍሪቃ ዎይ ኣብ ኤውሮጳ ድሕሪ መንፈቅ ዎይ ድማ ድሕሪ ዓመት ኢልካ ንኣስናዳኢት ሽማግለ ምሃብ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ርኢቶይ ኮይኑ ከተሓሳስቦ ዚደሊ እንተሎ ኤሪትራዊ ክዳን ንኣባላቱ ውድባዊ ጉባኤኡ ክገብር ጌጋ ኣይኮነን። እንተ ሃገራዊ ዋዕላ በዚ ኣሰናዳኢት ሽማግልኡ ወጺኡ ዘሎ ውሳኔ ክፍጸም ጉጉይ ኮይኑ ስለዝተሰምዓኒ ብኣጋ ክሓስብሉን ንኹሉ ከሳትፍ ዝክኣለሉ መንገዲ ክፈጥርን የተሓሳስብ።
 

ግርማይ በርሀ ሽወደን                                    

 17/07-06