መልእኽቲ ናብ ስዉኣት

           ብ ሃይለሚካኤል ድራር ጀርመን

                   28 ሰነ 2006

           ሰላም ዝኸበርኩም ጀጋኑ ስዉኣትና!

         

                  

 

ከመይ ትኾኑ ኣለኹም ካብቲ ኣብ መንግስተ ገነት ዝሰፈርኩምሉ ዕለት ስጋብ ሎሚ?

ከመይ ኣለኹም ቢለ ክሐተኩም ከሎኹ ጽቡቅ ኣለና……ንስኻትኩም ህዝብና ህዝቢ ኤርትራኸ ብሓፈሻ ከመይ ትኾኑ ኣሎኹም ቢልኩም ከም እትሐቱኒ ስለ ዝፈልጥ ሐፈሻዊ ኩነታት ህዝብኹም   ክገልጸልኩም ክፍትን ኢየ።

ምዃንካ ኩነታት ህዝብኹም፡ ዘይፈለጥኩም ኣይክትህልዉን፡ ነጊሮምኹም ክኾኑ ስለ ዝኽእሉ።

 

ይኹን’ምበር ወላዉን እንተነገሩኩም ዝተርፎም ክህሉ ስለ ዝኽእል ኣነዉን ብዓቅመይ ከዉክኣኩም።

ብመጀመርያ ካብቶም ንሃገርና ኤርትራ ንኸይንምለስ ንኤርትራዊ መንነትና ምስ ዶላርን ኤሮን ወዘተ ኣወዳዲሮም እንተዘይኣምጻእካን፡ እንተዘይሃብካን፡ ተባሂልና ናይ ምምላስ ሃረርታና ዝመኸነና ክፋል ናይ ህዝብኹም ንሕናዉን ኣብ ሃገር ጀርመን እንርከብ ኣሕዋትኩም ኢናሞ ብዛዕባ ጀርመን ንእሽቶይ ከዕልለኩም።

 

እዚ ዓመት እዚ ናይ ዓለም ናይ ኩዕሶ እግሪ ዉድድር 32 ሃገራት ዝተሳተፋኦ ይካየድ ኣሎ፡ ኩነታት ኣየሩ ጸሓይ ን15 ሰዓታት ዝኸዉን ሙቐታ ክትህብ ከላ ብገለ ቦታታት ከአ በርቅን ማይን ነጎዳን ኣሎ። ብዛዕባ ማይ ካብ ኣልዓልኩ እታ ዝተበጀኹሙላ ሃገርኩም ከአ ዝሐለፈ ቅንያት ኣብ ገለ-ገለ ቦታታት ማ ከም ዝሃረመ ሰሚዕና።

 ፍቑራን ስዉኣትና ኣብዚ ወርሒዚ (ዕለት20 ሰነ) ዕለተ መስዋእትኹም ኣብዒልና፡

ህዝብኹም ብዓቢ ሓበን ስለ ዝጽበያ ኽአ፡ ኣብ ቤተክርስትያናትን መሳጊድን እናኸደ ምእንታና ዝተበጀኹም ሰማዕታትና ብርሃንኩምን ጠልኹምን ሰላምኩምን ስደዱልና፡ ካብዚ ወሪዱና ዘሎ ኣደራዕ ናይ ዓጸባን-ጸበባን  ደልሃመትን እዋን ክንወጽእ ናብ ኣምላኽ ኣማልዱልና፡ እናበለ ጸሎቱ ካብ ምዕራግ ኣየቛረጸን።

 

እንተ እታ ብልጽግትን ምዕብልትን ምድረ-ገነት ኮይና ብሕግን-ዘንግን፡ክትመሐደር

ዝተወፈኹምላን ዝተበከኹምላን ሃገርኩም ናብ ምድረ-ገሃነም ተቐይራ ኣፍላጋታ ነቒጾም ኣእዋም በሪሱ ከብቲ ዝብላዕን ዝስተን ስኢነን ህልቀተን ቀሪቡ እንባሕ ምባል ሰልክይወን ብዘሕልፋኦ ዘለዋ መሪር ሕይወት ንጃንዳ ህግደፍ ክረግማ ይዉዕላ ኣለዋ።

  እቶም ኮሪዖምን ከቢሮምን ጎይቶት ኮይኖም ክነብሩ ዝተወፈኹሙሎም፡ ወለድኹም ከኣ ክብርን ኩርዓትንስ ይትረፍ ጠዋሪ ስኢኖም ደበሶም ተኸሊኦም ብሓዘንን- ጛህን ለሚሶም- ጃንዳ ሀግደፍ መዓናጡኦም ዝጎምድ መሪር ሓሞት በጽቢጹ ስለ ዘስተዮምን ዘስተዮም  ዘሎን ገለን ካብዚ  ዓለም ሓሊፎም-ገለዉን ነዊሕ ዝጸንሑ ኣይመስሉን።

 እቶም ኣብ እዋን፡ ጥምጥም ኣብ ጎድንኹም ኮይኖም ዝሰንከሉ ብጾትኩም(ህሉዋት-ስዉኣት) ኣካለ-ስንኩላን ከኣ ንገለ-ብስዉር ንገለ ኸኣ ብግህዶ ኣብ ጽርግያታት ሃገርኩም-ገዳይ-ገዳይ እናበሉ ረሺኖሞም።

እቶም ብትምህርቲ በልጺገንን በልጺጎምን ንኤርትራ ምስተን ዝማዕበላ ሃገራት ክሰርዕዋ በጃ ዝሓለፍኩሙሎም ደቅኹምዉን፡ ቤት-ትምህርቶም ተዓጽዩ ካብ ቤቶም ብሓይሊ ተመንዚዖም ተወሲዶም፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ምስምስ፡ ኣብ ፈቐዶ ሩባን ኩርባን፡ ሃገርኩም ሰፈሮም፡ ደቂ ኣንስትዮኹም ግርማ መጎስን ተቐንጢጡ፡ ገለ ካብአተን ፍሉያት ጥሪት ናይ ሰበ-ስልጣን ጃንዳ ሀግደፍ ኮይነን ኣብ ከቢድ ኣደራዕ ወዲቐን ኣብ ሓንቢስካ ዘይዉጻእ ቀላይ ይነብራ ኣለዋ።

ብሓፈሻኡ ደቅኹም ኣደዳ ኣራዊትን ኣትማንን ኮይኖም ኣብ ዝጸልመተ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ይነብሩ ኣለዉ።

 

  ኤርትራ ሃገርኩም ብደምኩም ሓራ ምስ ገበርኩማ፡ ሃገራት ዓለም ኣመና ተገዲሰን ብዛዕባኹምን ብዛዕባ ህዝብኹምን ሃገርኩም ኤርትራን ታሪኽን ክግንጽላ ኣብ ዝጀመራሉን ዝተፈላለየ ሓለፋታት ክህባ ኣብ ጀሚረናሉ ዝነበራ እዋንን፡ መራሒ ጃንዳ ህግደፍ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ግርጭት ስለ ዝጻሕተረን ዉግእ ስለ ዝኸተመን፡ ምስተን ካባና ርሒቐን ዝርከባ ሃገራት ምዕራብን ምብራቅን መራሕተንንዉን፡ ተወርዋሪ ናይ ዘለፋን ብድዐን መሸንጎጋ ገሩ ንኹሉ ስለ ዝሃረሞ፡ ሃገርኩም ኤርትራ እታ ዝተፈንፈነት ሃገር ኣብ ዓለም ኮይና ክትህልወሉ ኣብ ዘይትድለየሉ እዋን በጺሒና ኣሎና።

 ይኹንምበር ሕድርኹም ተሸኪሞም ዝኸዱ ሰብ ኒሕን ሓቦን ኣሕዋትኩምዉን

ስለ ዘለዉስ ኣጀኹም ድሓን ጻማ መስዋእትኹም ትፍደይሉ እዋን ነዊሕ ኣይኮነን።

 

እቲ ዓሪፍኩሙሉ ዘሎኹም መቓብራትዉን ዕንባባን ሰትን ክበቑሎ ዝነበረ ተስፋና፡ ገለ ካብቶም ገፋዕቲ ህዝብኹም ተቐቢሮሞ ስለ ዘለዉ፡ ካኺቶን ዳንዴርን በቑሉዎ ይርከብ፡  ንዓኻትኩምከ ኩርዃሕዶ ኮይኖሙኹም? ድሓን ሕጅዉን ኣጆኹም፡ ኣብ መቓብራትኩም ዕንባባታት ዝዕንብቡሉ እዋን ነዊሕ ኣይክኸዉንን ኢዩ።

ብዝተረፈ ኣብ ዝመጽእ እዋን ሰናይ ዝኾነ ዕላል ከዕልለኩም እናተተስፈኹ ብግጥሚ ክፋነወኩም፡  ድሓን ኩኑ።

 

                  ስዉእ-ጅግና

 

ስዉእ ኢኻ ስዉእ ሓወይ ጅግና

ብደም መስዋእትኻ ክትሐጽብ ሽግርና

  ብሳላኻ ክንረግጽ መረትና

  ንህዝብኻ  ክትስስዩ መና

ሃገርና ክትዉላዕ ክትበርህዉን ባና

ሩባታትና ክመልእ መሞና

ጎላጉልና-ሰቲ ክኸዉንዉን-ሃና

ሕልሚ ዶርሆ ከይኑ ከቢድ ሕልምና

ኣሽንዃያ ሕፍንስ ቑንጣሮ ስኢንና

 

      ኣደራሽ ወዮ ዓቢ ህድሞ

     ነጠባ በርቲዑ ዝናብ ምስሃረሞ

     ድዱዕን ድዱቓን ወሪሶሞ

     መዕረፈ-ነሩ ኩሉ ዝጸገሞ

     ሐሙስ ፋሕ-ፋሕ ከይኑ ዘርሞ-ዘርሞ

     ኣርሚሙና ንዓለም ገረሞ፡

 

ባይቶ እንዳቦኻ መኣስ ተመጙሱ

ባህሉ ተጋሂሱ ርስቱ ተወሪሱ

ኣብ ክንዲ ካሕሳኡ ኣብ ክንዲ ደበሱ

ዝልዑፍን ምልዑስን ኮይኑ ተበቛሱ

ገለ ምስ ዓበየ ገለዉን ኣብ ፈልሱ

ጎሓሉ በዚሖም እከይ ዝድህስሱ

ኣብ ዝጠመ ኸርሲ ጛህሪ ዘኾልሱ

ሰናይ ከይገብሩ ሓንጎሎም ለሚሱ፡

 

 ንኣራዊት ሂቦም ንጎራሲ

 ንተመን ሂቦም ንነኻሲ

ንዉሕጅ ሂቦም ንጎሳሲ

ጭላይ ከይሐርስ ከይእቱ ገብሲ

ግራቱ ቃዲሩ ስኢኑ ሓራሲ

ኣእትየሞ ናብ ጸልማት ናብ ጋህሲ

ሞቒሖሞ ብሓጺን ከርፈሲ

መንደላይ ኮይኖም መርዛም ከይሲ

መበላይ ኮይኖሞ ዘይሓዊ ረኽሲ

እንዳቦኻ ዓንዩ ስኢኑ ወራሲ

ፍትሒ ንኽትምስርት መሰል ዘይሃሳሲ

በጃ ዝሓለፍካ ኣብቲ መሪር ቃልሲ

ምስጋና ይኹንካ ብሕልና ነብሲ።

 

        ዘለዓለማዊ ዝኽርን ክብርን

         ንዓኻትኩም ይኹን።