“ ጽምብል ፌስቲቫል ኤርትራ ምስ ድምጻዊ ሰለሙን ተካልኝ”

 

 

            “ 87% ሕዝቢ ኣስመራ ቋንቛ ኣምሓሪኛ ኢዩ ዝዛረብ”

                               ድምጻዊ ሰለሙን ተካልኝ( ሁሉም ዜሮ ዜሮ)

 

          ኣብ መንጎ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ቕንጅትን(ማሕበር ኣንድነት) ዝዓኵኾ ዘሎ ናይ ሕኸኸኒ ክሓከካ  ቕንጅውጅው ፖለቲካ፡ ኣብ ቲቪ ኤረ ወግሔ ጸብሔ ለለ ዝበሃለሉ ነገር ስለ ዝኾነ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እንዳኾነ ከም ዝመጸ ዳርጋ ኵሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ፡፡ ሃገራት ኣብ ክሊ “ ጸላኢ ጸላኢኤየይ ኣፍቃሪየይ ኢዩ” ዝብል ስነ-ሞገት ዕርክነት ክፈጥራ፡ ንቡር ተርእዮ እኳ እንተኾነ፡ ነዚ ኣብ መንጎ ህ.ግ.ደ.ፍ ን ቅንጅትን(ማሕበር ኣንድነት) ዝዓኵኽ ዘሎ ምሕዝነት ግና ክንየው እዚ ኣድማሳዊ ስነ-ሞገት ከይድና ክንጥምቶን ብዓይኒ ጥርጠራ ክንከታተሎ ከም ዘሎና ክንግንዘብ ይግባእ፡፡

        ዝሓለፈ ታሪኽና ምድህሳስ ከድልየና ኢዩ፡፡ ካብ ዝሓለፈ ታሪዅ ተመሊሱ ክመሃር ዘይፍትን ሕዝቢ ድማ ነቲ ታርኽ ክደግሞ ተኽእሎታት ከም ዘሎ ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ዝሰነድዎ ሓቒ ኢዩ፡፡ ነዚ ታሪኽና ዳግማይ ምፍታሽን ካብቲ ክምጽእ ዝኽእል ታሪኽ ናይ ምድጋም ሓደጋታት ክንድሕን ዓቢ ኣቃልቦ ክንህቦ ካብ ዝግባእ ነገራት ኢዩ፡፡ እዚ ነቶም ናይ ታሪኽ ተመራመርትን ተንተንትን እኳ ዝሕደግ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ንኵነታት ሃገርና ብመንጽር እዚ ጠሚቶም ክጣበቝን ሓበሬታ ክስንቝ ዝንቐሳቐሱ ኤርትራዊያን ሙሁራት ፍጹም የለውን እኳ እንተዘይተባህለ ብቝጽሪ ኣዝዮም ውሑዳት ሙዃኖምሲ ኵልና እንፈልጦ ሓቒ ኢዩ፡፡ ነዚ ኵነት እዚ ዝተፈላለየ ምኽንያታት እኳ ክስቆረሉ እንተኸኣለ እቲ ቀንዲ ግና ሓላፍነትካ ዘንጊዕኻ ዕሽሽ ምባል ኢዩ ዝመስል፡፡ ኣቦታትና ክምስሉ “ ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ” ከም ዝበሃል ኤርትራዊያን ሙሁራት ግና ኣብ ልዕሊ ውሕጅ ልዋም ድቃስ ዝወሰዶም እዮም ዝመስሉ፡፡ ንሎሚ ንሙሁራት ኤርትራዊያን ዝምልከት ዛዕባ ኣወንዚፈ ናብቲ ዘበገስክዎ ኣርእስቲ ክምለስ፡፡  

        ንህልው ኵነታት ኤርትራ ተመሊስካ ኣብዚ ክትድህስሶ ምፍታን ምድግጋም ስለ ዝኾነ ትኽ ኢለ ናብ ሕመረት ጽሑፈይ ክሰግር፡፡ ብትዕዝብተይ እቲ ፈሊጡ ዝደቐሰ እንተዘይኮይኑ እቲ ዝበዝሕ ኤርትራዊ ብዛዕባ ሃለዋት ሃገርና ጕቡእ ዝኾነ ገምጋምን ትዕዝብትታትን ኣዋህሊሉ ኣሎ ኢለ ስለ ዝርዳእ፡ ንሎሚ ኣብቲ ብመንገዲ “ ረዲዮ ንጋት” ጋዜጤኛ ትርንጎ ምስ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ዳምስ በለጠን ድምጻዊ ሰለሙን ተካልኝ ናብ ኣስመራ ቴሌፎን ብምድዋል ዘካየደቶ ቃል መሕተት ጽማቕ ትሕዝቱኡን ትዕዝብታተይ ሒዘልኵም ቐሪበ ኣለኵ፡፡ ነቲ ዝተገብረ ቃል መሕተት( negat.com) ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢዅም፡፡

      ኣብ ዝሃለና ንሃሉ፡ ዝኣመና ንእመን፡ ፖለቲካዊ ኣረኣኣያና ብዘየገድስ፡ንኵልና ብሓደ ፈትሊ ጠሚራ እንትሕዘና ሃገር ኣላትና- ኤርትራ፡፡ ህልው ኵነታት ሃገርና ብዘይገድስ፡ ይሕሰምና ይኽፋኣና፡ ነታ ብኣሽሓት መስዋእትን ከርተትን ዘውሓስናያ ኤርትራዊ መንነትና ክምንጥለናን ከሕድገናን ዝደናናዕ ዝኾነ ይዅን ሓይሊ ወይ ሽርሒ ደው ኢልካ ከም እንሙጕቶን እንብድሆን ተጠራጢርናሉ ኣይንፈልጥን፡፡ ሃገር ኣላትና ክንብል ከሎና ከምቲ ኵቡር ኣቦና ወልድኣብ ወልደማሪያም ዝበሎ ፍቕሪ ሓመዳን እምኒ ኵሩባን ዘይኮነስ ፍቕሪ ሕዝባ ሙዃኑ ብዕሊ ንርዳኦ ኢና፡፡

       ኣንጻር ህ.ግ.ደፍ ደው ኢልካ ክንቓለስ ካብ ዝቐሰበና ሓደ ኣሰራርሑን ኣካይዱኡን ንሃገር ከጥፍእ እምበር ንሃገር ከድሕን ስለ ዘይክእል ኢዩ፡፡ ክንየው እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘካይዶ ዘሎ ሰብኣዊ ክብሪ ምግሃስን ግፍዕን፡ እቲ ምስ ደመኛታት ሕዝቢ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ምትዕርራኽን ምትሕግጋዝን ኣዝዩ ሓደገኛን ንህላዌ መንነት ኤርትራ ዝፈታትን ኢዩ፡፡ ምናልባት ሕጂ እውን ከም ትማል ተሃሚልና ናይ ሓምሳትት ታሪኽ ከይንደግም ታሪኽና ክንፍትሽ ከድልየና፡፡ ሃይለ-ስላሴ ቅድሚ ሰራዊትን ታንክን ናብ ኤርትራ ኣእቲዩ ንፈደረሽን ብወግዔ ዘፍርስ፡ ብታሕቲ ታሕቲ  ብሽፋን ምስ ሕዝቢ ርክባት ምካይድ ዝብል ጕርሒ፡ ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሕፈት ብምኽፋት ባይታ ኣጣጢሑ ከም ዝጸንሔ ታሪኽና ኣንዳዕዲዑ ዝምስክሮ ሓቒ ኢዩ፡፡   እምበኣር ፈቲና ጸሊእና ቋሕ ኢልና ሰም ኢልና እዚ ታሪኽ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣዕንትና ክፍጸም ንዕዘቦ ኣሎና ክብል ከለኵ ነዚ ኣብዚ ሰሙን እዚ ብመንገዲ “ ራዲዩ ንጋት” ዝተቃልሔ ኣብ ጽምብል ፌስቲቫል ንምክፋል ህ.ግ.ደ.ፍ ብዝገበረሎም ጻውዒት ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ደምስ በለጠን ድምጻዊ ሰለሙን ተካልኝ ናብ ኣስመራ ምኻዶም ኢዩ፡፡

      ድምጻዊ ሰለሙን ተካልኝ ብ “ ሁሉም ዜሮ ዜሮ” እትብል ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዋ ደርፊ ኢዩ ዝፍለጥ፡፡ ቀጺሉ ዘውጽኤን ንወያነ ዘጋልጻ ደርፍታቱ ከም “ ወይ ኣነ” ዝኣመሰላ ደርፉታቱ እውን ጕኑን ስም ሂበንኦ ኢየን፡፡ ከም ስነ-ጥበባዊ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብወያነ ዝግበር ሰብኣዊ ምግሃስ ከጋልጽ ከም ብመትከል ምእማኑ መሰሉ እኳ እንተኾነ እቲ ምእንቲ ሰብኣዊ መሰል ደቒ ሰባት ምቕላስ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዲዩ ዝሕጽር ዝብል ሕቶ ከነቕርበሉ ግና ዝከኣል ይመሰለኒ፡፡ እቲ ኸመይ ከም ስነ-ጥበባዊ መጠን ኣንጻር እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ሰብኣዊ ረገጻ ደው ኢሉ እንዳመከተ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኑ ሰብኣዊ መሰል ዝረግጽ ዘሎ ስርዓት ደገፉ ንምርኣይ፡ ናብ ኣስመራ ክኸይድ ምውሳኑ ዘደንጹ ነገር ኢዩ፡፡ በዚ ኢና ድማ መገሻ ናብ ኣስመራ ድርብ ተልእኾ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ ክንብል ንመገሽኡ ኣብ ዓቢ ምልክት ሕቶ ከነእትዎ እንቕሰብ፡፡ እስከ ናብቲ ዝገበሮ ምስ ጋዜጤኛ ትርንጎ ዝገበሮ ቃል መሕተት ክወስደኵም፡፡

      ድምጻዊ ሰለሙን ተካልኝ እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተገበረሉ ወሃ ዘበለ ኣቀባብላ፡ ኣዝዩ ሙዑሩጕን ክብሪ ዝነበሮ ሙዃኑ ኢዩ ዝገልጽ፡፡ ካብ ኤርፖርት ጀሚሩ ክሳብ ናብ መዕረፊኡ ዝኸይድ ዝተገበረሉ ምክንኻን ኣዝዩ ከም ዝመሰጦ ኣተንቢሁ ነይሩ፡፡ ካብ ሓለዋ ጀሚርካ ክሳብ ሙሩጽ ዝኾነ መግቢ መስተ ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ዝቕረበሉ ኢዩ ተኣሚኑ፡፡ ብሓቒ ብኣቐባብላ መንግስቲ ኤርትራ ከም እተማረኸን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዘሎዎ ክብሪ ዘንጸባርቕ ሙዃኑ ኢዩ ነታ ጋዜጠኛ ገሊጹላ፡፡ ነዚ ሙዑሩግ ኣቐባብላ ካብ ፕረዝደነት ጀሚረካ ክሳብ እቲ ዝተሓተ ሓላፍነት ዘለዎ ከም ዝሰመርዎ ኣይሓብኣላን፡፡ ቀጺላ ጋዜጠኛ ትርንጎ ከምዚ ክትብል ሕቶ ኣቕረበትሉ፡፡

       “ ብዙሓት ተኸታተልቲ መደብና ናይ ቋንቋ ሽግር ከየጓንፈኵም ይሓቱ ኢዮም፡፡ ነዚ ብኸመይ ትምልሶ?”

         ድምጻዊ ሰለሙን ተካልኝ ኣዝዩ ዘደንጹ መልሲ ሂብዋ፡፡ ምስቲ ሓድሽ ባህልን ቋንቋን ንኽወሃሃዱ ጻዕርታት ከም ዘካይዱ፡ ካቡኡ ሓሊፉ ግና ዳርጋ “ 87%” ሕዝቢ ኣስመራ ብቛንቛ ኣምሓርኛ ስለ ዝዛረብ ንስለ ምዝራብ ትግርኛ ክትዛረብ እንተዘይደሊኻ ጸገም ዝበሃል ከምዘየብሎም ኢዮም ሓቢርዋ፡፡ ኣብ ዝኸድዎ ቤት-ጽሕፈት ይዅን ቤት-ሻሂ ዝበዝሑ ብቛንቛ ኣምሓርኛ ስለ ዝዝራቡ ናይ ቋንቋ ጸገም ከምዘየጓነፎም ኣውሲኡላ፡፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ዘይመልእ ግዜ ናይ ቋንቛ መጽናዕቲ ኣካይዱ 87% ካብ ሕዝቢ ኣስመራ ቋንቋ ኣምሓሪኛ ኢዩ ዝዛረብ ኢሉ ደፊሩ ክዛረብ ኣየደንጹን? ድምጻዊ ሰለሙን ተካልኝ ግና ኣብዚ ደው ኣይበለን፡፡ “ ኣነ” ይብል ንሱ “ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እምበር ኣብ ኣስመራ ዘለኵ ኮይኑ ኣይተሰማዓንን” ቀጺሉ “ ዘወር ወር ክብል ንከተማ ኣብ ዝወጻዅሉ እዋን ሕዝቢ ኣስመራ ደርፌይ እንዳደረፈ ሰሌ እንኳዕ ብድሓን መጻኻ፡፡ ደንጕኻና ንጽበየካ ነይርና፡፡ ክበልኒ ክሰምዖ ከለኵ ሕንቕንቕ ኢሉኒ ኢዩ፡፡” ብድሕሪ ምባል “ ብሓቒ ኢትዮጵያዊ ብሙዃነይ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያያን ዘለዎ ክብሪ  ዘንጸባርቕ ዝነበረ ኢዩ ዝመሰል፡፡” ወቸ ጕድ ዘብል ኢዩ፡፡ ጕድ እዛ ሃገር እዚኣ ገና ኣይተወድኤን፡፡ ጸጸኒሕና ዘድንጹ ነገር ክንሰምዕ ኢና፡፡ ድምጻዊ ሰለሙን ተካልኝ ነታ “ ሁሉም ዜሮ ዜሮ፡ ኣንቺም እኔም ዜሮ” ኢሉ ክደርፍ ከሎ፡ ኣብ ሓሳብ እንታይ ኮን ነይሩ? ብርግጽ እታ ደርፊ ብውስጠ-ዘ ዝተደለኸት ስለ ዝኾነት ማንታ ትርጕም ከም ዘለዋ ኣይጠራጥርን ኢዩ፡፡ ካብ ሰሚዐኻ ማዕረ ማዕረ ምድራፍ ድማ ፍረ-ነገራ ፈሪስካ፡ ክንየው እቲ ደጋዊ ትርጕማ ዘሎ ሚስጢር ምግላህ ይበልጽ፡፡ እቲ ኸመይ ዕረ እውን ብመዓር ተሸፊኑ ቦታ መዓር ስለ ዝወስድ፡፡ ንሎሚ ምስ እዛ “ ሁሉም ዜሮ ዜሮ” ትብል ነግሔ-መስመር ክሓድጕኵም ከለኵ፡ ጽባሕ ነቲ ዝቕጽል ትሕዝቶ እቲ ቃል-መሕተት ከስዕቦ ሙዃነይ ቃል ብምእታው ኢየ፡፡ ልዋም ለይቲ፡፡ ግና ኣይትታኸሱ፡፡

           

                 “ ሁሉም ዜሮ ዜሮ

                  ኣንቺም እኔም ዜሮ”

 

      “ ደርፊ ኣምሓርኛ ኣይትስምዑ ኣምሓርኛ ዝደርፍ ስምዑ”

                             

                                     ስጊንጥር ህ.ግ.ድ.ፍ

                  ኪሮስ ዮውሃንስ

                  ሓምለ/31/2006