“መሬት ናይ መንግስቲ’ዩ”
ርእሰ-ዓንቀጽ ሓዳስ ኤርትራ 25 መስከረም 2012 - ገጽ 2


ስትራተጂ
ሃገራዊ መርሓ ኤርትራ፡ ልምዓት፡ ዕብየት፡ ራህዋ፡ ቅሳነት ምርግጋጽዩ። ነባሪ ልምዓት፡ ነባሪ ዕብየት፡ ነባሪ ራህዋ፡ ነባሪ ቅሳነት፡ ስለ ድማ ርጉእ ሃገራዊ ድሕነት ዝረጋገጽ፡ ብንጹር ራእዪ፣ ነዚ ራእዪ ዜጨብጥ ግብራዊ ውጥናት፡ ናይ ትግባረ ስትራተጂ፣ ናይ ልምዓት ፕሮግራማት፡ ሕጋውን ስነ-ምግባራውን ድስፕሊንዩ። ባይታን ሃዋህውን ሃገራዊ ልምዓታዊ ስትራተጂ፡ ኣብ ብቑዕ ትሕተ-ቅርጺ ሰፊሕ ዝዝርግሐኡ ጽርግያታትን መስመር ባቡርን፡ ሕርሻውን ኢንዱስትርያውን ዝስተን ስርዓተ-ማይ፡ ብቑዕ ኣገልግሎት ርኽክብ፡ ዘመናዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ወዘተ..ዝተሰረተዩ። ንኹሎምዞም ዝተጠቕሱን ዘይተጠቕሱን ገስጋስ ቀለቤት ኮይኑ ዜተኣሳስርን ማእገር ኮይኑ ዝጸውርን ወሳኒ ረቛሒ ድማ መሬትዩ።

  •  ብመሰረት ኣዋጅ መሬት ቍጽሪ 58/94 መሬት ናይ መንግስቲዩ። ብመሰረት ዓንቀጽ 3.2 ኣዋጅ ቍጽሪ 58/94 ዝኾነ ኣብ ልዕሊ መሬት ዝህሉ መሰል ብኣፍልጦን ፍቓድን መንግስቲ ጥራይ ሕጋውነቱ ይረጋገጽ። ብሕጊ ኣብ ዝውሰነሉ መዝገብ መሬት ድማ ይምዝገብ።’’ ብመሰረት ዓንቀጽ 3.4 ድማ፡ መንግስቲ መሬት ኣብ ዝህበሉ፡ ብዛዕባ ኣጠቓቕማኡን ኣተሓሕዛኡን ቅድመ-ኩነትን ረቛሒታትን ክገብር ግዴታ ኣለዎ።’’

  • መንግስቲ ንህዝቢ ወኪሉ መሬት የመሓድር የነባብር። መሬት ንኤርትራዊ ሓመድን እምንን ማለትኣይኮነን። ንሓደ ኤርትራዊ መሬት ማለት ቀጻልነት መንነትን ህላወንዩ።መሬት ዘይፋሓቕ - ዘይሕከኽ ዜግነታዊ መሰልዩ። ስድራ ኣብ ቤት፡ ሕብረተሰብ ኣብ መሬት፡ መሬት ኣብ ሃገር ተፈቲሉ ዝቐውም ማሕበራዊ ማእለማዩ። ስለዚ ሕቶ መሬት ሌጣ ብመሬቱ ከይተራእየ ኣብ ገዚፍ መቓን ሃገራዊ ፖሊስታት፡ ስትራተጂን፡ ፕሮግራማትን ተሰዂዑ ክርአን ክትንተንን ይግባእ።

  • ዝጸንሐ ናይ መሬት ኣተዓዳድላ፡ ሃገራዊ ጥዕና ዘይህብዩ ኮይኑ ጸኒሑ። ናይ ጥሻ ይኹን ሕርሻን ኢንዱስትሪን ዕደላ መሬት መስርዑ ዘይሓዘ፡ ሕጋውነት ዝጠሓሰ፡ ብገለ ሸነኹ ነቲ ዝወሓደን ዘለዎን ዘገልግል፡ ነቲ ዝበዝሐን ዘይብሉን ድማ ዘየረብሕዩ ኮይኑ ጸኒሑ። በዚ ኣገባብ ድማ፡ እዞም ዝስዕቡ ይኣክል ክበሃሉ ዝግባእ ሳዕቤናት ከኸትል ጸኒሑ።
     

ይኣክል
 

  • . ቁጠባዊ ሸርሒ፡ ምንሃር ዋጋታት ብዘይካ ስሱዕ ዕላማኡ፡ ኤርትራ ቍጠባዊ ርግኣት ከምዘይህልዋ - ብኡኡ ኣቢሉ ድማ፡ ህዝብን መንግስትን ምንኻፍ ዝብል ብደገ ዝዝወር ዕላማ ዝሓዘ ቍጠባዊ ሸርሒ ምዃኑ ህዝቢ ክፈልጦ ይግባእ። ብሸርሕታት ዝቃነ ደሃይ ዋጋታት ኮነ ኢልካ ዝፍጠሩ ናይ ዕዳጋታት ዝቕባበን ናይ ዋጋታት ምንሃርን ክኽሰቱ ጸኒሖምዮም። መንግስቲ ህዝቢ ንኸይጉዳእ ኣዝዩ ገዚፍ ወጻኢታት እናገበረ ናይ መግቢ፡ መጓዓዝያ፡ ነዳዲ፡ ሕክምና፡ ትምህርቲወዘተ ድጐማ፡ ንገሊኡ ድማ ብዘይክፍሊት እናመጠወ፡ ነዚ ድጐማ ኣኳሊምካ - በቋራጭ - ብስም ስፔዛ፡ መሬት፡ ክራይ ገዛ፡ ክራይ መካይንን ጀላቡን፡ ኣቕሑ መሸጣ፡ ኣገልግሎታት. ህዝቢ ዝጕይሕ ክልተ ዝብልሑ መጋዝ ቍጠባዊ ሸርሒዩ ጸኒሑ። እናኸደ ድጐማ መንግስቲ ዝምንዝዕ፡ እናተመልሰ ናብራ ህዝቢ ዝጐድእ ምዝመዛ!!
     

  • . ናይ ምቅብባል ዕዳጋ፡ ዋጋታት ኣባይትን መሬትን ናይ ኢንዱስትሪን ሕርሻታትን ሰፋሕቲ መሬት (ብሚእትታት ሄክታር ዝቑጸር) ብዋናታትን ሕግን መንግስትን ዘይኮነ፡ ብምቅብባልን ኣቋራጫትን ስለዝእዘዝ፡ ናይ ጠፈር ዕዳጋ ማዕቢሉ፡ መሬትን ኣባይትን ናብ ውሑዳት ዘዅድዱሉ ዓውዲ ዕንደራ ተቐዪሩሎ።
     

  • . ብከላ (ብልሽውና) ኣብ ዋንነት መሬት ምውቓዕ፡ ኣብ ዕደላ ሄክታራት ምጉናዕ፡ ኣብ ምስግጋር ብውክልና፡ ኣብ ልዕሊ መሬት ዝተሃንጸ ምስ መሬት ሓዊስካ ምሻጥ፡ ወዘተ.. ብዘይሕጋውነት ስለዝፍጸም፡ ነዚ ካብ ሕጊ ዝወጸ ኣገባብ ንምምኽናይ፡ ሕጊ ረጊጹ ዓመጽ ዜንግስ፡ ሓቂ ዓምጺጹ ውስልትና ዜውሕስ፡ ሃብቲ ህዝቢ ዝዘምት፡ ምርግጋእን ጸጥታን ሃገር ዝዘርግ፡ ብልሽውና ክተኣታቶ ጸኒሑ። ብልሽውና ኣብ 3 እግሪ ዝቐውም ጉልሻ ብከላዩ። ዝቕበል፡ ዜቐብል፡ ብስቕታ ዝርኢ።
     

  • . ሓደ ኣፍራዪ 30 ደላሎ፡- ዕዳጋታት መሬት ዝበዝሕ ግዜ ኣውፈርቲ ዝበሃሉ ሰብ ሃብቲ ወጻእተኛታት፡ ኣዋቓዕቲ ዝነጥፍሉ ኣሰራርሓ ስለዘማዕበለ ሓደ ኣፍራዪ - 30 ደላሎ ዝጓየዩሉ፡ ባህሊ ዕዮን ዓያይነትን ዝብርዝ፡ ከይሰራሕካ፡ ብሳምቦ-ሳምቦ እናቀባበልካ ዜሀብትም፡መንገዲ ዓመጽን ኣቋራጭን ዜስርጽ ባህሊ -ጻእ ኣማዕቢሉ።
     

  • . መሕጸቢ ረሳሕ ገንዘብ፡ ካበይ መጺኡ ዘይፍለጥ (መብዛሕትኡ ግዜ ዘይሕጋውን ገበነኛን መንገዲ ተኸቲሉ ዝመጸ) ገንዘብ፡ በቲ ሓደ ወገን ተሓጺቡ ብንብረት መታን ክነጽህ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ዓይነት ተቐዪሩ ኣብ ሕጊ’’ ዘይሕጊ መታን ክዕቈብ፡ መሬትን ካልእ ንብረትን መሕጸቢ ረሳሕ ገንዘብ ኮይኑ ኬገልግል ይረአ ኣሎ።
     

  • . ቅድም ንዝኸደ፡ ሽሕ ኤርትራዊ፡ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ሃገራውነቱ ዘየጥፍእ ዜጋ እንተኾነ፡ ሃገር ራሕሪሖም፡ ሕድሪ ረጊጾም ዝኸዱ፡ ቅድሚ ከርተት ዝብል ዘሎን ዓዱ ዘይገደፈን ጽኑዕ ክስርዑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዋጋታት ዜነሃህሩን ሕማቕ ኣብነት ክተኽሉን ጸኒሖም ኣለዉ።
     

  • . ተጻይ ሃገራዊ ልምዓታዊ ስትራተጂ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ማእከላይ መስፈሪ ፓሊስኡ፡ ንኩሉ ዜሳትፍን ዜርብሕን ኣብ መላእ ሃገር ዝተዘርግሐ፡ ሓያል ሃገራዊ ቁጠባን ዕሩይ ዝርግሐ ሃገራዊ ሃብትን ምምሕያሽ መነባብሮ ናይ ዝበዝሐ ህዝቢንዩ። ዝጸንሐ ናይ መሬት ዕደላን ናይ ኣባይትን ክራይን ዋጋታትን ግን፡ ናብ ኣዚዮም ውሑዳት ዝህብትሙሉ፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝጉድኣሉ መንገዲ ዘምርሕ ኣገባብ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።
     

  • . ምሕካል ካብ ስርዓተ ግብርን ቀረጽን፡ ብምውቕቓዕን ምስግጋርን ዓመጽን መሬት ኮነ ኣባይቲ ተዘሚቱ ከይኣክል፡ እቲ ገባቲ፡ ካብ ንመንግስቲ ዝግባእ ቀረጽን ግብርንውን ብተመሳሳሊ ናይ ብልሽውናን ምጥፍፋእን ኣገባብ ብምሕካል፡ ግብሪ ከይተኸፍለ፡ ዝግባእ ናይ ምስግጋር ሕግታት ከይተኸብረ፡ ብድርብ ብልሒ ክጉይሕ ጸኒሑሎ። ነጋዶና ግቡኦም ስለዝፈልጡ ባዕሎም ግብሮም ክኸፍሉዮም ዝብል ናይ ቀባሮ ዘረባ ድማ፡ ነቶም ሓከልቲ ዝያዳ ኣተባቢዕዎምዩ።
     

  • . ድኹም ምሕደራ ምምሕዳራትን ባንክታትን - ብቑዕ ምምሕዳር፡ ጽኑዕ ምክትታል፡ ንጹር ሕጊ፡ ካብ ብከላ ዝነጽሀ ኣካዪዳ፡ ውዳበን ስርዓትን ምምሕዳራት ኣይጸንሐን። ብወገን ባንክታትውን ንመን? ስለምንታይ? በየናይ ርትዓውነት? ልቓሕ ይወሃብ..ፍትሓዊ ኣካዪዳ ኣይጸንሐን

     

ድሕሪ ይኣክል ዝመጽእ ፍታሕ!
ይቕጽል>>>>