ሰፊሕ ዝመሰረቱ ሰልፊ ንረብሓ ኩልና ብናይ ኩልና ጻዕሪ
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ዝሓለፈ 6ይ ጉባኤኡ ዝያዳ ቆላሕታ ሂቡ ካብ ዝወሰኖም ኣገደስቲ ዛዕባታት ሓደ ምምስራት ሰፊሕ ዝመሰረቱ ሰልፊ ምንባሩ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ዝተገለጸ'ዩ። ምምስራት እቲ ሰልፊ ንምንታይ ኣብዚ እዋንዚ ከም ዘድለየ ድማ ክንድ'ቲ ናይ ብዙሓት ወገናት ሕቶ ምንባሩ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂብዎ እዩ። ኩልና ከም ዘይንስሕቶ እዚ ሕጂ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘሎ ውድባት ክንድቲ ዝጽበዮ ዕማም ኣይማዕበለን። ሓደ ካብቶም ናይ ዘይምምዕባሉ ምኽንያታት ድማ በቲ ዝድለ ስፍሓት ተካእቲ ወለዶ ከሰልፍ ዘይምኽኣሉ ዝግለጽ'ዩ። ካብቶም እቲ ውድባት ብቑዓት ተካእቲ መንእሰያት ከየሰልፍ ዝገበርዎ ብዙሓት ምኽንያታት፡ እቲ ብጀብሃን ሻዕብያን ዝተቓነየ ኣመጻጽኣና ኣብ መዋእል ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝተፈጥረ ፍልልያት ምዃኑ ዘይከሓድ'ዩ። ብሰንክዚ ኣብ ምትህልላኽ ዝተመስረተ ኣመጻጽኣ ሓደ ዓይነት ረብሓ ዘለዎም ኤርትራውያን ወገናት ኣብ ናይ ሓባር ቃልሲ ዘይስለፍሉ ኩነታት ከም ዘለዉ ዝከሓድ ኣይኮነን። ናብቲ ዝድለ ስሙር ናይ ለውጥን ምዕባለን ውጽኢት ንምብጻሕ እምበኣር እዚ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ዕርዲ ክፈርስ ይገበኦ። እቲ ዘቀራርብን ዘረሓሕቕን ድማ ዝሓለፈ ታሪኽ ዘይኮነስ ዝጽበየና ዘሎ ዕማም ክኸውን ይግበኦ። ሽዑ እዩ ድማ እዚ ሕጂ ተረሓሒቑ ዝጠማመት ዘሎ ኣብ ለውጥን ዲሞክራስን ዝረብሕ መንእሰይ ኣብ ናይ ሓባር ቃልሲ ተጸሚዱ ከድምዕ ዝኽእል።
ስለዚ ምምስራት ሰፊሕን ኣመጻጽእኡ ኣብ ቃልሲ በየናይ መንገዲ ምዃኑ ብዘየገድስ ናይ ኩሉ ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎ ኤርትራዊ ተሳትፎ ዝቕበል ሰልፊ ሓደን ቀንድን ካብቲ መዋጸኦታት ክኸውን ከም ዝኽእል ብምእማን'ዩ ሰውራዊ ባይቶ ነዚ ተበግሶ ዝወሰደ። ኮታ እዚ ሰልፊ እዚ ነቲ ሓደን ተመሳሳልን ናይ ለውጢ ድሌትን ዕላማን ዘለዎ ግና ክሳብ ሕጂ ብዝተፈላለዩ መሰረታዊ ዘይኮኑ ምኽንያታት ፋሕ ኢሉ ዘሎ ሓይልታት ሓባራዊ ዘድምዕ ናይ ለውጢ ሓይሊ ንክኸውን ዘኽእል ስጉምቲ እዩ። እዚ ስጉምቲ እዚ መሰረታዊ ናይ ዕላማ ፍልልይ ዘየብልካ ክንስኻ፡ ካብ ንኡስ ፍልልያትን ውልቃዊ ረብሓን እናነቐልካ ንዝካየድ ምርባሕ ናይ ውድባት'ውን ዝገትእ'ዩ። ነቲ ኣብዚ እዋንዚ ''እንተተፈላሊኹም ክትደኽሙ ኢኹም እንተ ተቐራሪብኩም ድማ ክትሕይሉ ኢኹም '' ዝብል ናይ ህዝብና ሓድነታዊ መጸዋዕታ'ውን ግቡእ ቆላሕታ ዝህብ ስጉምቲ ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን። ብዘይካዚ ከምቲ ኩልና ውድባት ንሰማምዓሉ መጻኢና ኣብ ኤርትራ ናብ ምትእትታው ኣብዘሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዘመዓደወ እዩ። ኣብዚ መጻኢ መድረኽ ድማ ፖለቲካዊ ውድባት ነናትና መደባት ሒዝና ኣብ ሕጋውን ሰላማውን ፖለቲካዊ ውድድር ክንኣቱ ኢና። ህዝብና ድማ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተጽዕኖ፡ ናይዚ ሎሚ ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ ተሓሪምዎ ዘሎ ካብ ብዙሕ መማረጺታት እቲ ዝሓሸ ዝብሎ ርኢቶ ናይ ምድጋፍ ነጻነት ተጠቃሚ ክኸውን እዩ። በዚ መንጽር ናይዚ ሰፊሕ ዝመሰረቱ ሰልፊ ምምስራት ሓደ ካብ ኣገደስቲ ቅድመ-ምድላዋት ናይዚ ነማዕድዎ ዘለና መጻኢ ብሩህ ዘመን'ዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን እዚ ሎሚ ምእንቲ ምትካል ህዝባውን ደሞክራሲያውን ስርዓት ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ካብቲ ምእንቲ ነጻነት ዘካየድናዮ ቃልሲ ብባህሪኡ ዝተፈልየ'ዩ። ክንድቲ ብባህሪኡ ዝተፈልየ ምዃኑ ዝተፈልየ ኣወዳድባ ድማ የድልዮ። ስለዚ ናይ ሰፊሕ ዝመሰረቱ ሰልፊ ምምስራትና ተግባር እዚ ተልእኮ'ውን ኣለዎ። ዓለምና እትጐዓዘሉ ዘላ ፖለቲካዊ ማዕበል'ውን ነዚ ስጉምትና ዘተባብዕ'ዩ። እዚ ተበግሶ'ዚ ንሰውራዊ ባይቶ ሃንደበታዊ ኣይኮነን። የግዳስ ዝለዓለ ገለጻ ናይቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ከቃልሖ ዝጸነሐ '' ተመሳሳሊ መደብ ዕዮ ዘለወን ውድባት ክሳብ ፍጹም ምትሕንፋጽ ዝኸይድ ሓድነት ክፈጥራ መሰረታዊ ፍልልይ ዘልወን ድማ ተቐራሪበን ክሰርሓ '' ዝብል ኣምር'ዩ።
እዚ እንምስርቶ ሰልፊ ስማዊ ኮይኑ ንተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ስም ወይ ቅርጺ ቀይሩ ናብ ስማዊ ሰልፊ ዝቕይር ዘይኮነስ፡ ብተሳትፎኡ ኣብ ኣባላት እቲ ውድብ ነበር ጥራይ ከይተሓጸረ ንዝኾነ ቅርቡነቱ ዘረጋገጸ ናብ ሕድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ቅሩብ ዝኾነ ወገን ኣፍደጊኡ ዝኸፍት ሰልፊ እዩ። ምእንቲ እቲ ሰልፊ ብጻዕርን ተሳትፎን ኩሎም ወገናት ንክምስረት እሞ ነቶም ቅሩባት እኹል ግዜ ንመሃብ እዩ ድማ ንክልተ ዓመታት ክጸንሕ ዝተገብረ። ዕላምኡ ድማ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኮነ ድሕሪኡ ይፍጸሙ ንዝነበሩ ሕጽረታት ኣወጊዱ ንህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዓለምናን ዓቢይ ግምት ዝህብ ሰልፊ እዩ ክኸውን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ዕሩይ መልክዑ ንምትሓዝ ናይቶም ዝሳተፍዎ ወገናት ካብቲ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ ዝያዳ ቅሩብነትን ተወፋይነትን ዝሓትት'ዩ። ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ውድቦም ኣፍሪሶም ምስቶም ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ዘይጸንሑ ማዕረ ዝብጽሖም ሰልፊ ንምምስራት ቅሩብነቶም ምርግጋጾም ንብዙሕ ካብቲ ከረሓሕቕ ዝጸነሐ ስምዒታት ብቓልሲ ከም ዝሰዓሩ ዘረድእ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝምስረት ሰልፊ ናብ ከድምዕ ዝኽእል ደረጃ ንምብጻሕ ዝጽበዮም ቃልሲ ቀሊል ከም ዘይኮነ ብዘይምዝንጋዕ'ዩ።
ምእንቲ'ዚ ኢና ድማ ኩሎም እቶም እቲ ሰልፊ ምስ ተመስረተ ሓዲሽ ነገር ክርእዩ ዝህንጠዩ፡ ብኽንድኡ ደረጃ ካብኣቶም እንታይ ትጽቢት ከም ዝግበር ክሓስቡን ነቲ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ክዳለዉን ይግበኦም እንብል። ስለዚ ኩሎም ንሃገርናን ህዝብናን ካብዚ ሕጂ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ከርፋሕ መዋእል ኣውጺኦም ራህዋ፡ ሰላምን ሓድነትን ዝምነይሎም ወገናት ነዚ ሰልፊ ናይ ምምስራት ጸዋዒት ግቡእን ቅልጡፍን መልሲ ክህብዎ ይግባእ። ነዚ መጸዋዕታ'ዚ ክትቅበል ቅሩብ ምዃን በቲ ሓደ ወገን ቀሊል እዩ። ብልቢ ደላይ ለውጥን ሓድነትን ክትከውን የድሊ። ነዚ ክትበቅዕ ድማ ንታሪኽ ከም ታሪኽ ዘይምርስዑ ግና ድማ ናቱ እሱር ዘይምዃን የድሊ። ኣብ ቃልሲ ሃሰይቲ ንዝኾኑ ቂም፡ ጸጊዓዊ ኣተሓሳስባን ረብሓን ምውጋድ የድሊ። ብተግባር ድማ ንናይ ሃገርን ህዝብን ዕማም ብናይ ውልቂ፡ ውድብ ወይ ጉጅለ ረብሓ ናይ ዘይምትካእ ትብዓት ከም ዘድሊ ምእማን ይሓትት።
ነዚ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝወሰዶ ሰፊሕ ዝመሰረቱ ሰልፊ ናይ ምምስራት ተበግሶ ክሳብ ሕጂ ዘጋጠሞ ተቓውሞ ዘይምህላዉ ናይ ወድዓውነቱ መረጋገጺ እዩ። እቲ ናይቶም መጸዋዕታ ዝተገብረሎም ኣካላት ናይ ምስታፍ ቅሩብነት ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ልዑል ዘይምዃኑ ድማ እቲ መስርሕ ክንድቲ ኣገዳስነቱ ግዜ'ውን ዝወስድ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። እዚ ሰልፊ ናይ ምምስራት መስርሕ ኣብቲ መስራቲ ጉባኤኡ ዘብቅዕ ኣይኮነን። ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናማዕበለ ዝቕጽል እዩ። ንተሳትፎ ዝምልከት'ውን ድሕሪ መስራቲ ጉባኤ ማዕጽኡ ዝዓጹ ኣይኮነን። ሎሚ ቅርቡነቶም ዘየርኣዩ ወገናት ኣብቲ ኩነታቶም ዘብሰልሉ እዋን ከም ዝጽንበርዎ ድማ ኣይንጠራጠርን ኢና። ሰልፊ ናይቲ ናብ ራህዋ ዝግበር ጉዕዞ መሳርሒ'ምበር ንገዛእ ርእሱ ናይ መወዳእታ ሸቶ ከም ዘይኮነ ምርዳእ ድማ ኣገዳሲ'ዩ።
እዚ ጉዕዞ ናብ ምምስራት ሰፊሕ ዝመሰረቱ ሰልፊ ብዝተፈላለየ ምዕራፋት ንክሓልፍ ብዝወጸ መደባት መሰረት ሎሚ ነቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ድህሰሳን ምእካብ ሓበሬታን ወዲእና ኣብቲ ካለኣይ ምዕራፍ ንርከብ ኣለና። ኣብዚ ካለኣይ ምዕራፍ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶን ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ዘይጸንሑን ብኣባላነት ዝርከብዎ ኮሚሽን ቆይሙ ስረሓቱ ጀሚሩ'ሎ። ናይዚ ኮሚሽን ቀንዲ ስረሓት ድማ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ዝተዳህሰሰ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ናብ ጉባኤ ዝቐርቡ ሰነዳት ምጽፋፍን ኣባላት ንምዕዋት እቲ ጉባኤ ቅሩነቶም ከሕይሉ ምብርባርን ክኸውን'ዩ። ኮታ እዚ ምዕራፍ እዚ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ዝጸንሑን እቶም ሓደስትን ብሓባር ምውሳእ ዝጅምርሉ ምዕራፍ'ዩ። ድሕሪ እዚ ድማ እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ምዕራፍ ምድላው መስራቲ ጉብኤ መድረኽ ክርከብዩ። እዚ በዚ ኣቕዲሙ ዝተጠቕሰ መስርሕ ሓሊፉ ዝምስረት ሰልፊ ብባህሪኡ ህዝባዊ ሰልፊ'ዩ። ከምቲ ዝድለ ዕዉት ንክኸውን ድማ ኩሎም ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘለዎም ወገናት ኢዶም ክሕውስሉ ይግባእ። ሽዑ እዩ ድማ እቲ ዝምስረት ሰፊሕ ዝመሰረቱ ሰልፊ ብናይ ኩልና ጻዕሪ ንረብሓ ኩልና ምዃኑ ዝረጋገጽ።