ካብ ውሳኔታት 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

 

ምምስራት ሰልፊ

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

18.08.2006

 

ስለምንታይ’ዩ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ክሳዕ ሕጂ ናብ ሰልፊ ከይተሰጋገረ ጸኒሑ?

 

1. ስርዓት ኤርትራ ንብዙሕነት ዘተባብዕ መርሆ ስለዘይውንን፡-

 

ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ጥዑይ ፖለቲካዊ ሃዋህው ሰፊኑ ነይሩ እንተዝኸውን፤ እቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምልጋስ ቈይሙ ዝነበረ ናይ ሓርነት ግንባራት ብኡ ንብኡ ናብ ሰልፍታት ኢዩ ክሰጋገር ዝግብኦ ነይሩ። ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ካብ’ዚ እምነት’ዚ ተበጊሱ፡ ድሕሪ ናጽነት ምስ’ቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ዝሓዘ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ንምልዛብ ቅሩብነቱ ምግላጹ ዝዝከር ኢዩ። እዚ ጥራሕ ውን፡ ዘይኰነ፡ ምርጫኡ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ምዃኑ ገሊጹን፥ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ንምውጋእ ተሓንጊጥዎ ዝጸንሐ ብረት ዕማሙ ኣብቂዑ’ዩ ካብ ዝብል እምነት ከምዘውረደ ውን ብወግዒ ኣፍሊጡን ኢዩ።

 

እንተዀነ ግን፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ዝጨበጠ ስርዓት ኢሳያስ፡ በቲ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ካብ ህዝብን ጐረባብቲ ሃገራትን ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብን ዝረኸቦ ሞራላውን ንዋታውን ደገፋት ሰኺሩ ስለዝነበረ፡ ነዚ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝወሰዶ ቅዱስ ተበግሶ ከም ሕመቕ ብምግምጋም፡ ኣብ ናይ ቅንጸላን ማእሰርትን ምንእኣስን ምንጽጻግን ናይ ስልጣንን ሃብትን ምብሓትን መርሆታቱ ቀጸለ። ንተቓወምቱ ብሓይሊ ንምድሳስ ከኣ፡ ኵሉ ኣሎ ዝብሃል ፖለቲካውን ፕሮፕጋንዳውን ዲፕሎማስያውን ቍጣባውን ወተሃደራውን ጸጥታውን ዓቕምታቱ ተጠቕመ። ብሓጺሩ፡ ኢሳያስን መጋባበርያታቱን ብናይ ዘመናዊ መንግስቲ ኣተሓሳስባ ዘይኰነስ፤ ብናይ ሰውራን ናይ በረኻ ስነ-ሓሳብን ክቕጽሉ መረጹ። ነዊሕ ከይከደ ግን፡ ተቓወምቱ ጥራሕ ዘይኰኑስ፡ ህዝብን ኣባላትን ደገፍቲ ህዝባዊ ግንባርን ውን ከይተረፉ ግዳይ ናይ’ዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ኰኑ። ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ሰልፍታት ዘየፍቅድ፡ ብቅዋምን ብሕግን ዘይምእዘዝ፡ ስልጣን ዘየካፍል፡ ንኵሉ ዓይነት ፍልልያት ብሓይሊ ክፈትሕ ዝፍትን ግጉይ መርሆ’ዚ ድማ፡ ናይ ህዝብን ናይ መራሕትን መሰረታትን ህዝባዊ ግንባር ነበርን ተቓውሞታት እናዓዀኸ መጸ።

 

ስርዓት ኢሳያስ፡ ካብ’ዚ ቅልውላዋት’ዚ ንምህዳምን ንቈላሕታ ህዝቢ ናብ ካልእ ንምስሓብን ምስ ጐረባብቱ ዙርያ ምላሽ ውግኣት ኣባርዐ። ንፍሽለታቱ ንምሽፋን ከኣ፡ ንተቓወምቱ ዋላ ነቶም ኣብ ጐድኑ ተሰሊፎም ክሳዕ ናጽነት ዝተቓለሱ ብጾቱ ብክሕደትን ብልሽውናን ካልእ ዘይረብሕ ክስታት ብምቕራብ ክኣስርን ክቕንጽልን ተራእየ። እዚ ኵነታት’ዚ ተደማሚሩ፡ ስርዓት ኢሳያስ ናይ ሓይሊ ቋንቋ ጥራሕ’ዩ ዝርዳእ፤ ብሰላማዊ ኣገባብን ብልዝብን ለውጢ ክመጽእ ኣይክእልን’ዩ ዝብል ዕግበት ሰፊሕ ባይታ ከምዝረክብ ገበረ። ኤረ! ብዕጡቕ ተጋድሎ ወይ ድማ፡ ብዓመጻዊ ኣገባብ ዘይምእማን፤ ከም መዐቀኒ ናይ ምቅዋምን ዘይምቅዋምን ስርዓት ኢሳያስ ዝተቘጽረሉ መድረኽ ውን ነይሩ። በዚ፡ ውድብና ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝብል ስም ሒዙ ክቕጽልን፤ ነቲ ብጽቡቕ ድሌት ኣውሪድዎ ዝነበረ ዕጥቂ እንደገና ክስከምን ተገደደ።

 

 

 

 

2. ምፍንጫላት ዝፈጠሮ ህልኻት፡-

 

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘጋጥም ዝነበረ ምፍንጫላት፡ ብመን ነቲ ናይ ቅድሚ ምፍንጫል ዝነበረ ናይ ሓባር መጸውዒ ስም ይሕዝ ዝብል ምስሕሓባትን ህልኽን’ዩ ክስነ ጸኒሑ። እዚ ምስሕሓባት’ዚ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ካልእ ናይ መፈላለዪ ነጥብታት ተደማሚሩ፡ ተመሳሳሊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ውድባት ብሓባር ንኸይሰርሑ ክዓናቕፍ ዝጸንሐ ረቛሒ ምዃኑ ኣሉ ክበሃል ዘይከኣል ሓቂ ኢዩ። ብዙሓት ተቓወምቲ ውድባት፡ ካብ ቅድሚ ናጽነት ይኹን፤ ካብ ናጽነት ንድሓር ኣትሒዞም ክሳዕ 2006 ብናይ ቅድም ክብል ዝጽውዕሉ ናይ መዋእል ሓርነታዊ ተጋድሎ ስም ክጽውዑ ይርከቡ ምህላዎም ውን ጭቡጥ ምስክርነት ኢዩ። ጠንቂ ናይ’ዚ ድማ፡ ብናይ ብዙሓት ውሳኔ ዘይምምእዛዝን፤ ኣብ ኣስማት ተንጠልጢልካ ናይ ምንባርን ዝፈጥሮ ዘይጥዑይን ዘይብሱልን ፖለቲካዊ ድሌትን ኢዩ።

 

3. ምቕያር ናይ ስም፡ ንሰዓብትና ከደናግሮ ኢዩ ዝብል ስግኣት፡-

 

ልክዕ’ዩ፡ ብውድባት ዝግበር ናይ ስም ምቅይያራት ንግዚኡ ገለ ምድንጋራት ይፈጥር ይኸውን። እንተዀነ ግን፡ ንህዝቢ ዘገድሶ እቲ ውሱን ፖለቲካዊ ውድብ ዘመሓላልፎ መልእኽትን ብግብሪ ዝዋስኣሉን ዕላማታትን ደኣ’ምበር ኣስማቱ ጥራሕ ከምዘይኰነ ብሩህ ክኸውን ይግባእ። ህዝቢ፡ መን ረብሓኡ የረጋግጸሉ ደኣ’ምበር፡ መን እንታይ ስም ሒዙ፡ ኣይኰነን ዘገድሶ። ስለዝዀነ ድማ፡ እቲ ስም ብምልዋጥ ዝፍጠር ምድንጋራት ዘላቒ ኣይኰነን። ህዝቢ ውዒሉ ሓዲሩ፡ ኣብ’ቲ ረብሓይ የረጋግጽ’ዩ ዝበሎ ውድብ ምዕሳሉ ኣይተርፎን ኢዩ።

 

ኣብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት፡ ህዝቢ ብመላኡ ባይታ ናይ’ተን ዝወዳደራ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ሎሚ ንሓደ ሰልፊ ክድግፍ ጸኒሑ፡ ጽባሕ እዚ ሰልፊ’ዚ ንረብሓይ ዘገልግል ኣይኰነን ኣብ ዝብል ዕግበት እንተደኣ በጺሑ፡ ንኻልእ ሰልፊ ክድግፍ ከም ዝኽእልን መሰሉ ምዃኑን ክእመነሉ ዘለዎ ጕዳይ ኢዩ። ኣብ ፖለቲካ፡ እዚ ክፍሊ ናይ ሕብረተ-ሰብና ንዘልኣለም ናተይ፡ እዚ ከኣ ናትካ’ዩ ዝብሃል ነገር የለን።

 

4. ኣብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎ ዝነበረ ምስጢራዊ ሰልፍታት፡-

 

ኣብ ተሓኤ ይኹን ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ወይ ህዝባዊ ግንባር ኣብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎ ዝነበረ ምስጢራዊ ሰልፍታት፡ ዘረጋገጽዎ ዓወታት ይኹን ዝፈጸምዎ ጕድለታት ብዘየገድስ፥ ኣብ’ቶም ኣባላት ናይ’ዘን ሰልፍታት እዚኣተን ዘይነበሩ ተጋደልቲ፡ ስለምንታይ ኣነ ዘይሕበር ወይ ድማ፡ ኣነ ህይወተይ እንዳኸፍልኩ ስለምንታይ ዘይእመን ዝብል መረረታት ፈጢሩ ኢዩ። እዚ መረረታት’ዚ፡ ርትዓዊ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ዝምስረት ሰልፊ ክፈጥሮ ዝጸንሐን ጌና ውን ዝፈጥሮ ዘሎ ጥርጣሬታት ብቐሊል ዝጥመት ኣይኰነን። ናይ ሰልፊ ምምስራት ሕቶ ኣብ ዝለዓለ እዋን፡ ግንባርና ወይ ጀብሃና ይሕሸና፡ እዚ ሰልፊ’ዚ ፋሕ ከብለና’ዩ ዝብል ስግኣታትን ድምጽታትን ክቀላቐል ከምዝጸንሐ ውን ዝስሓት ኣይኰነን።

 

ሕጂ’ኸ፡ እንታይ ሓድሽ ነገር ስለዘሎ ኢዩ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ሰልፊ ንምምስራት ዝጽውዕ ዘሎ?

 

ኣብ’ዘን ድሕሪ ናጽነት ዝሓለፋ 15 ዓመታት፡ ንፍለጦ ወይ ኣይንፍለጦ ብዘየገድስ፡ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዓበይቲ ለውጥታት ክምዝገቡ ተራእዮም ኢዮም። ብቐዳምነትን ልዕሊ ኵሉን ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኵሉ ብስም ሓፋሽ ዝምሕልን ዝጥሕልን ሓይልታት ንረብሓ ህዝቢ ዝቘመ ማለት ከምዘይኰነ፡ ካብ ተመኵሮኡ ክርዳእ ምኽኣሉ ኢዩ። ከምኡ ውን፡ ዝተቘራረጸን ሓድነት ዘይብሉን ናይ ተቓውሞ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ለውጢ ከምጽእ ከምዘይክእል ተገንዚብዎ ኢዩ። ስለ’ዚ ውን ኢዩ፡ ዝበዝሐ ክፋል ካብ ህዝብና፡ ካብ ስርዓት ኢሳያስ ይኹን ካብ ተቓወምቲ ርሒቑ፡ ናይ ተዓዛባይ ቦታ ሒዙ ክጓዓዝ ዝጸንሐ። እዚ ኵነታት’ዚ፡ ኣብ ኣተሓሳብ ናይ’ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ይኹን ኣብ ተቓውሞ ዝርከቡ ሓይልታት ዝፈጠሮ ተጽዕኖታት ኣለዎ። ምምስራት ናይ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ወይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ይኹን፥ ኣብ ውሽጢ’ቲ ገዛኢ ስርዓት ብ2001 ዓ.ም እተጓሃሃረ ናይ ለውጢ ጠለባትን ምንቅስቓሳትን ድማ ውጽኢት ናይ’ዚ ተጽዕኖታት’ዚ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኰነን። ሎሚ፡ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ተሰሊፎም ነቲ ስርዓት ዝምክትዎ ሓይልታት ምህላው ድማ፡ እኹል ምስክርነት ናይ’ዚ ሓቅታት’ዚ ኢዩ። ኣብ ንታሪኻዊ ጕዳያት ዝምልከት ዘሎ ናይ ርእይቶ ፍልልያት ብዘየገድስ፡ መጻኢ ኤርትራ ከመይ ይኹን ኣብ ዝብል ሕቶ፡ ኣብ መንጐ’ቶም ካብ ተሓኤ ይኹን ካብ ህግሓኤ ዝመንጨዉ ውድባት፡ ብሓባር ከሳርሕ ዘይኽእል ናይ ስነ-ሓሳብ ፍልልይ የለን እንተተባህለ ምግናን ኣይኰነን። መብዛሕትኦም ኣብ ዓለምና ዝተራእዩን ጌና ውን ዝርኣዩ ዘለዉ ሰልፍታት፡ ኣብ ዝኽተልዎ ፖሊሲታት ፍልልያት ዘይብሎም ኣይኰኑን። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ ሓደ ሰልፊ ክነሱ፡ ጸጋም የማን ማእከል ዝብል ናይ ዝንባሌታት መለለዪ እናተዋህቦም ብሓባር ከም ሓደ ሰልፊ ክሰርሑ ዝርኣዩ። ናይ 5 ወይ 10 ወይ 20 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሚኢታዊ ፍልልያት እናሃለዎም ክነሶም፡ ሓደ ሰልፊ ኰይኖም ንዝበዝሐ ሓባራዊ ዕላማታቶም ንምዕዋት ሓደ ኢድ ኰይኖም ከምዝቓለሱ ምግንዛብ የድሊ። ካብ’ዚ ተረድኦ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብ ኤርትራ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ዘለዎ ሰልፊ ንምምስራት ዘኽእል ምቹእ ባይታ ኣሎ ዝብል እምነት ኣሕዲርና ምህላውና ከነረጋግጽ ንፈቱ።

 

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡ ነቲ ክሓልፍዎ ዝጸንሑ ናይ ምፍንጫላትን፡ ካብኡ ስዒቡ ዝመጽእ ኣብ ኣስማት ዝግበር ዝነበረ ምስሕሓባትን ህልኻትን ሰጊሮም፡ ናብ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን መድረኻት ምእታዎም፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኦም ዓቢ ለውጢ ከምዘመዝገቡ ዝሕብር ኣዎንታዊ ስጕምቲ ኢዩ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ፡ ምምስራት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባርን፡ መስመሪ ጕባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን፡ ብሓባር ዘሳርሕ ጕዳያት ንምድህሳስ፡ ኣብ መንጐ ውድባት ዝግበር ዘሎ ቀጻሊ ርኽክባትን ልዝባትን ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። እዚ ውን፡ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታት ዘለዎም ውድባት ናብ ምምስራት ሓደ ሰልፊ ንኽበጽሑ ዝሕግዝ ረቛሒ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ።

 

ከምኡ ውን፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝብል ስም፡ ምስ’ቲ ዝሓለፍናዮ መዋእልን ኣንጻር መግዛእቲ ዘካየድናዮ ቃልስታትን ደኣ’ምበር፤ ምስ’ዚ ሕጂ ሒዝናዮ ዘሎና መድረኽ ግጥምያ ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ማዕርነትን ዲሞክራስን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዝሳነ ስም ኣይኰነን። ዲሞክራሲ ስርዓት ንምዕዋት ዝግበር ቃልስታት፡ ነቶም ብተመኵሮ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝሓለፉ ዜጋታት ጥራሕ ዝምልከት ዘይኰነስ፡ ንዅሎም ኣብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ረብሓ ዘለዎም ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን ጕጅለታትን ዜጋታትን፥ ብፍላይ ድማ፡ ነቲ ሓድሽ ወለዶ ዝምልከት ስለዝዀነ፡ ሓድሽ ሰልፊ ብሓድሽ ስም ምምስራቱ፡ ኣድላዪነቱ ካብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ዝዓዘዘ ኢዩ። ነዚ ንምግባር ዘኽእል ምቹእ ባይታ ውን ኣሎ ኢልና ንኣምን።

 

ውሳኔ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

 

ካብ’ዚ ሓቅታት’ዚ ብምብጋስ፡ 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ዝመሳሰል ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታት ዘለዎም ውድባትን ጕጅለታትን፤ ከምኡ ውን፡ ንዲሞክራሲ ዝሕለቑ ዜጋታትን ማሕበራትን ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ባይታ ዘለዎ ሰልፊ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንኽምስርቱ ክብገሱ ጸዊዑ። ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ’ዚ ጕባኤ’ዚ ናብ ሰልፊ ከምእተሰጋገረ ክእውጅ ዝኽልክሎ ዝዀነ ይኹን ምኽንያት’ኳ እንተዘይነበረ፤ ነቲ ብሓደ ውድብ ዝብገስ ምስረታ ናይ ሰልፊ ዘሕድሮ ጥርጣረታትን መረረታትን ንምውጋንን፤ ከምኡ ውን፡ እቲ ዝምስረት ሰልፊ ኣብ ኣባላት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ጥራሕ ተሓጺሩ ከይተርፍን ብምሕላይ፡ ካልኦት ኣብ ምምስራት ናይ’ዚ ሰልፊ’ዚ ዝኣምኑ ሸነኻት ካብ ምስንዳእ ኣትሒዞም ክሳብ ምስረታ ናይ’ቲ ሰልፊ ዘሎ መስርሕ መታን ክሳተፉ ብማለት ኢዩ እንተነውሐ ክልተ ዓመት ክወስድ ኣለዎ ዝብል ውሳኔ ዘሕለፈ። ሰልፊ ዝምስረተሉ ግዜ፡ ብቅሩብነትን ምርድዳእን ናይ’ቶም ዝምስርትዎ ሸነኻት ካብ ክልተ ዓመት ዝሓጸረ ክኸውን ከምዝኽእል ርዱእ ኢዩ። ካብ ክልተ ዓመት ንላዕሊ ዝኸውን ግዜ ምውሳድ ግን፡ እምብዛ ምድንጓይ ማለት ስለዝዀነ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ምስ’ቶም ዝተሰማምዑ ሸነኻት ናብ ምምስራት ሰልፊ ዘብጽሕ ጕባኤ ክገብር ወሲኑ ምህላዉ ክፍለጥ ይግባእ።

 

ምስ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ጕጅለታትን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ርክብን ልዝብን ዘካይዳ ብኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ዝምርሓ ሽማግለታት ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ናይ ዓለም ክቖማ ኢየን። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ነቲ ምምስራት ናይ ሰልፊ ዝብል ሓሳብ ንምብሳልን ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥን ብወገና ኣብ ንሓርነት ዳት ካም ፍሉይ ንፓርቲ ዝምልከት ዓምዲ ክህልወና መደብ ኣሎና።

 



 

ናይ ደገፍ መልእኽቲ ናብ 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

 

ቍጽሪ 12. ተበግሶ ማሕበር መንእሰይ ጀርመን

 

ብመጀመርያ፡ ዝኸበረን ዝዓዘዘን ሰላምታ ንኵሉኹም ተኻፈልቲ 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ይብጻሕኩም።

 

ኣብ’ዚ፡ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ሕማቕ ናብ ዝያዳ ዝኸፍአ ኵነታት እተሰጋገረሉን፤ ልዑላውነት ሃገር ንሓደጋ እተሳጥሓሉ፤ ናይ ህዝብና ብሓፈሻ፡ ናይ’ቲ ደራኺ ምዕባለ ዝዀነ መንእሰይ ከኣ ብፍላይ፡ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ናብ ስደት፡ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ናይ ወለዶ ባዶነት ከይፍጠር ኣብ ዘስግኣሉ፤ ከምኡ ውን፡ ኣብ ዞናና ሰፊኑ ዘሎ ዘይምርግጋእ ናብ ዳግማይ ደም ምፍሳስ ከየምርሕ ኣብ ዝፍርሓሉን፤ ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲታት ስርዓት ህግዲፍ፡ ሃገርና ኤርትራ፡ ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ናይ ተነጽሎ ሃለዋት ኣብ ዝኣተወትሉን፤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ውን፡ በቲ መሪር ናይ ምፍንጫል ተረኽቦን ብመስዋእቲ ናይ ጅግና ኣቦ መንበሩ ብጻይ ስዩም ዑቝባሚካኤል ንኸቢድ ፈተነ ኣብ እተጋለጸሉ፤ ደምበ ተቓውሞ፡ ነቲ ናይ ፋሕ ብትን ሃለዋት ሰጊሩ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዓሲሉ ኣብ ዝቃለሰሉ፤ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና፡ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ወይ ድማ ኣብ በርገሳዊ ማሕበራት ተወዲቡ ቃልሱ ኣብ ዘጓሃህረሉ ኣብ ዘለወሉ ጽንኩር እዋን፡ ውድብኩም ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ንዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ዘሎና ኣኽብሮት እናገለጽና፤ ንኵነታት ህዝብናን ዞናናን ደምበ ተቓውሞን ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ንስቅያት ህዝብና ዘሕጽር፡ ምርድዳእ ዝመልኦ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ዝህብ ዕዉት ናይ ሓድነት ጕባኤ ክኸውን ትምኒትና ንገልጽ።

 

ንሕና፡ ብተበግሶ ማሕበር መንእሰይ ጀርመን እንፍለጥ ናጻ ሲቪላዊ ማሕበር ኢና። ጕባኤኹም፡ መንእሰይ ኣብ ምሕያል ተቓውሞን ዳግመ-ህንጻ ሃገርን ንዘለዎ ዓቢ ተራ ግቡእ ቆላሕታ ክገብረሉ ንላቦ። ጕባኤኹም፡ ናይ መንእሰያት ሓድሽ ደም ኣብ ኣመራርሓ ውድብኩም ዘትኣታቱ ክኸውን ሰብ ምሉእ ተስፋ ኢና። ኣብ ሃገርናን ዞናናን ርግኣትን ሰላምን ፍትሕን ዲሞክራስን ንምስፋን ዝሕግዝ ጕባኤ ክዀነልና ንምነ።

 

ሰላምን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ!

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንሰማእታትና!

ተበግሶ ማሕበር መንእሰይ ጀርመን 



 

ናይ ደገፍ መልእኽቲ ናብ 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

 

ቍጽሪ 13. ዑመር ጃብር ዑመር

 

ድሕሪ ፍሉይ ሃገራዊ ሰላምታ፡

 

ኣቐዲመ፡ ነቲ ኣብ ጕባኤ ክካፈል ዝተገብረለይ ዕድመ፡ ከመስግንን ከመጕስን እፈቱ። ካብ ድሌተይ ወጻኢ ብዝዀነ ኵነታት፡ ኣብ ጕባኤኹም ክሳተፍ እኳ እንተዘይከኣልኩ፤ በዛ፡ መልእኽቲ እዚኣ ኣቢለ ንገድላዊ ጕዕዞኹምን፡ ጕባኤኹም ንምዕዋት እትገብርዎ ዘለኹም ጻዕርን ምሉእ ደገፈይ እገልጽ።

 

ኣብ’ዚ ዳሕረዋይ ኣዋርሕ፡ ውድብኩም፡ መራሒኡ ዝነበረ ስውእ ስዩም ዑቝባሚካኤል ብምስኣኑ፡ ከሕልፎ ዝጸንሐ ጽንኩር ኵነታት፡ በማእት ዝቝጸሩ ተጋደልትን ንዲሞክራሲ ዝጣበቑ ዜጋታትን ክከታተልዎ ጸኒሖም ኢዮም። ስዉእ ስዩም ኣቦ መንበር ውድብኩም ጥራሕ ኣይኰነን ነይሩ፤ እንታይ ደኣ፡ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ኣብ ዝተኻየደ ቃልስታት፡ ልሉይ ምልክት፤ ቀጺሉ ድማ፡ ምእንቲ ዲሞክራሲ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ፡ ተባዕን ድምጺ ናይ ጭቍናትን ዝዀነ ተጋዳላይ ምንባሩ ኢና እንፈልጥ። በዚ ምኽንያት’ዚ መስዋእቲ ስዩም፡ ካብ ክሊ ውድብ ዝሰገረ ሃገራዊ ክሳራ ኢና ንቖጽሮ።

 

እንተዀነ ግን፡ ውድብኩም ብሳላ ጽንዓቱን መትከላዊ ስጡምነቱን ነቲ ጽንኩር መድረኽ ሰጊሩ፡ ዘትኣማምን ስጕምቲ ንቕድሚት ክስድር ጀሚሩ። ጕባኤኹም ንምክያድ ምብቃዕኩም ከኣ፡ ጭቡጥ ምስክርነት ናይ’ቲ ሱር ዝሰደደ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ክምርሓሉ ዝጸንሐን ዘሎን ሃገራዊ ዲሞክራስይዊ መርሆን ቀጻልነቱን ኢዩ። ኣሕዋትን ኣሓትን ኣባላት ጕባኤ፡ ገለ፡ ነጥብታት ንዝኽሪ ጥራሕ ክጠቅስ ኣፍቅዱለይ። ምኽንያቱ ከኣ፡ ኣብ ሕልናኹምን ኣብ ኣእሙሮኹምን ሰሪጹ ዘሎ ጕዳይ ምዃኑ ስለዝፈልጥ ኢየ።

 

  1. ናይ ሓደ ውድብ ውሽጣዊ ሓድነት ዝድልድል፡ ኣብ መርገጻት ምስምማዕን  ምዕሳልን ኢዩ፤
  2. ቀጻልነት ህያውነትን ዘውሕስ ብሩህ ርእይቶ ምውናንን ቀዳምነታት ምስራዕን፤
  3. ኣብ ውሽጢ ሓደ ውድብ ሓድሽ ዲክታቶርነት ከይፍጠር ዋሕስ ዝኸውን ሓባራዊ ዕዮን ዲሞክራስን ምስፋን፤
  4. ናይ ነፍስወከፍ ውድብ ፍሉይነትን ናጻ ህልውናን ዘዕቁብን፣ ናይ ሕድሕድ ምድግጋፍን ምውህሃድን ሓባራዊ ስራሕን ዘተባብዕን፡ ኣብ መትከላትን ኣብ ሓባራዊ መርገጻትን ዝተሰረተ ትካላዊ ዝምድናታት ምስ ካልኦት ውድባት ምፍጣር ኢዩ፡ ናብ’ቲ ሓባራዊ ዕላማ ዝዀነ ውድቀት ዲክታቶርነት ከብጽሕ ዝኽእል፤
  5. ሃምኹም ብዛዕባ መላእ ሃገር ስለዝዀነ፡ መልእኽትኹም ናብ ኵሉ ማሕበራውን ባህላውን ክፍልታት ኤርትራ ዘቅንዐ ክኸውን፤ ምንቅስቓሳትኩም ብደረጃ መላእ ሃገር መታን ክሰፍሕ፡ ዕላማኹም ወይ ራኢኹም ናብ ብሩህ መጻኢ ዝጥምት ይኹን። ጕዕዞኹም ይቐጽል፤ ኣእሙሮናን ልብናን ምሳኹም ኢዩ ዘሎ። ኣብ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ የራኽበና።




ዑመር ጃብር ዑመር

መልበርን፡ ኣውስትራልያ

12.07.2006


ናይ ደገፍ መልእኽቲ ናብ 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

 

ቍጽሪ 14. መሓመድ ስዒድ ዓንጠጣ፡-

ሓደ ካብቶም ንተሓኤ ዝመስረቱ ቀዳሞት ተጋደልቲ

 

ክቡራት ኣባላት ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ሰላምታይ ይብጻሕኩም።

 

ኣቐዲመ፡ ኣብ ጕባኤኹም ንክካፈል ዝተገብረለይ ዕድመ አመስግን። እንተዀነ ግን፡ ብፍሉይ ኵነታት ኣብ ጕባኤኹም ክሳተፍ ብዘይ ምብቅዐይ ይቕሬታ እሓትት። ጕባኤኹም ዕዉትን ስኒት ዝመልኦን ክኸውን እምነየልኩም። ጕባኤኹም፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ዝሰዓበ፡ ንመላእ ህዝቢ ዝውክል መንግስቲ ንምቛም ዝዓለመ፡ ኣገዳሲ ካልኣይ መድረኽ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ነዚ ዕላማ’ዚ ንምርግጋጽ ከኣ፡ ህዝብና ኢድ ንኢድ ተታሓሒዙ ክቃለስ ይግብኦ።

 

ስለ’ዚ፡ ኵሉ ግዜ ክንዝክሮ ዝግብኣና ጕዳይ እንተልዩ፡ ህዝብና፡ ብ1952 ሓድነቱ ከረጋግጽ ብዘይምኽኣሉ፡ ናጽነት ሃገርና ን41 ዓመታት ክናዋሕ ምግዳዱን፤ እሞ ከኣ ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ ድሕሪ ምኽፋል ዘረጋገጽናዮ ምዃኑን ኢዩ።

 

ስለ’ዚ፡ ካብ ግዝኣት ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ወጺእና ናይ ህዝቢ መንግስቲ ንምትካል፡ ናይ ደምበ ተቓውሞ ሓድነት ዝጠልብ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። እዚ ምስዝኸውን ከኣ’ዩ ህዝብና ኣብ ክሉ ክዓስል ዝኽእል። ናይ ሓደ ውልቀሰብ መንግስቲ ውድቀት ግን፡ ዘይተርፍ ኢዩ።

 

ሓውኩም መሓመድ ስዒድ ዓንጠጣ


ናይ ደገፍ መልእኽቲ ናብ 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

 

ቍጽሪ 15. ቃል ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ (ርያድን ጅዳን)

 

 

ዝኸብርካ ኣቦ መንበር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

ዝኸበርኩም ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ

ዝኸበርኩም ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ

ዝኸበርኩም ኣባላት ጕባኤን ዕዱማት ኣጋይሽን

 

ኣቐዲመ፡ ብስመይን ብስም መሰረታት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ (ጨንፈር ርያድን ጨንፈር ጅዳን) ዝለዓለ ናይ ጽንዓት ሰላምታይ ከቕርብ ከለኹ ዝስምዓኒ ደስታን ኵርዓትን ወሰን የብሉን።

 

ዝኸበርኩም ብጾት፡

 

እዚ ሎሚ ኣብ በሊሕ መላጸ ረጊጽና እነካይዶ ዘሎና 6ይ ሃገራዊ ጕባኤና፡ ካብ’ቶም ዝሓለፉ ጕባኤታትና፡ ብፍሉይ ኣትኵሮ ክጥመት ዝግብኦ ኢዩ። ምኽንያቱ ከኣ፡ ውድብና፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ እቲ ኣብ 2003 ዝተራእየ ኣሰካፊ ሓጐጽጎጻትን ልሙስ ምንጫላትን ሰጊሩ፤ ቀጺሉ ውን፡ ኣብ 2005 ዝተረኽበ ኣሕዛንን ኣቘንዛውን መስዋእቲ ኣቦ መንበርና፡ ስዉእ ስዩም ዑቝባሚካኤል ዝገደፈልና ባዶነት፡ ብጽንዓት መሰረታቱን መሪሕነቱን በዲሁ፥ ኣብ’ዚ ሎሚ እነካይዶ ዘሎና 6ይ ሃገራዊ ጕባኤ ምብጽሑ፡ ብጣዕሚ ዘሕብን ፍረ ቃልሲ ስለዝዀነ፡ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኰነን። ውጽኢቱ ድማ፡ በዚ ሎሚ እነካይዶ ዘሎና 6ይ ሃገራዊ ጕባኤ ክግለጽ ይከኣል።

 

ዝኸበርኩም ኣባላት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡

 

ነዚ ጕባኤ’ዚ ንምዕዋት፡ ካብ ዝተፈላለየ ኵርንዓት ናይ ዓለም፡ ኣብ’ዚ ተወኪልና ዘሎና ኣባላት፥ ሎሚ፡ ነቲ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ዝፈጠሮ ጸገም፡ ሃገርና፡ ሕጊ ወይ ቅዋም ኣልቦ ሃገር ኰይና፥ ህዝብና፡ ኣብ ዝኸፍአ ናይ መነባብሮ ኵነታት ወዲቑ ዘሕልፎ ዘሎ ስቅያትን ከርተትን፡ ንነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ዝበጽሖ ስለዝዀነ፡ መግለጺ ዘድልዮ ኣይኰነን። ስለ’ዚ፡ ነዚ ኢደ-ወነናዊ ስርዓት’ዚ መኪትና፡ እታ ጽባሕ እነማዕድዋ ሃገርና፡ ኣደ ስርዓትን ሕግን ቅዋምን ኰይና፥ ህዝብና ካብ ዳግማይ ስደትን ሓሳረ-መከራን ተናጊፉ፡ “ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ” ዝብል ሃዋህው ክነግስ፡ እዚ ጕባኤ’ዚ ዝለዓለ ሓላፍነት ወሲዱ፡ ንህዝብና ዘርብሕ መደባትን ውሳኔታት ሒዙ ንኽወጽእ ተስፋ እገብር።

 

ኣብ መደምደምታ፡ ነቶም ኵሎም ነዚ ጕባኤ’ዚ ንምድላው ብኣካል ይኹን ብሞራል፡ ከምኡ ውን፡ ብገንዘብ ዝተሓባበሩ ኣባላት ከየመስገንክዎም ክሓልፍ ኣይደልን። ብተወሳኺ፡ ነቲ ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጕባኤና ኣብ ሃገሩ ንኽንገብር ዘፍቀደልና፡ ብስመይን ብስም መሰረታት ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ዝለዓለ ምስጋናይ አቕርብ።

 

ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩምኒ የቐንየለይ

 

6ኡ ሃገራዊ ጕባኤና፡ ብጽንዓት መሰረታትና ዝተነድቀ ነቕ ዘይብል ጽኑዕ እምነ-መሰረት ኢዩ!!

 

ስውኣትና ዝገደፉልና ሕድሪ፡ ኣብ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤና ከነዐውቶ ኢና!!


ብዛዕባ፡ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ስራሕ ዝግበር ድህሰሳ ንግሉጽነት

 

ብማሕሙድ ዑስማን ኤሎስ

ኣካያዲ፡ ማእከል መጽናዕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ

03.08.2006

 

ካብ’ቲ ብ1971 ዓ.ም እተኻየደ ቀዳማይ ሃገራዊ ጕባኤ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ክሳዕ’ዚ ብ2006 ብሓንቲ ሱር ካብ ሰራውር ተሓኤ ዝዀነት፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝተኻየደ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤ፥ ብደረጃ ሃገርን ዞባን ዓለምን፡ ዓበይቲ ፖለቲካውን ምጣነ-ሃብታውን ለውጥታት ተመዝጊቦም ኢዮም። ካብ’ቶም ዝተመዝገቡ ርኡያት ለውጥታት፡ እቲ ብዝሑል ውግእ ዝፍለጥ፡ ኣብ መንጐ ዴሳውን ርእሰማላውን ዓለም ዝነበረ ቃልሲ ምኽታሙ፥ ኣብ ምዕራባዊ ደምበ ዝነበረ ፖለቲካውን ምጣነ-ሃብታውን ስነ-ሓሳባውን ግጥምያ ደው ምባሉን፥ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ናይ’ቲ ታሪኻዊ መድረኽ’ቲ ኣሰራት ምልጋሱን፤ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርንዓት ናይ ዓለም ዝነበረ ፖለቲካውን ምጣነ-ሃብታውን ስነ-ሓሳባውን ክውንነት ብናይ ኣመሪካ ፖሊሲታትን ናይ ርእሰማላውያን ክለሳ-ሓሳብን ዝምራሕ ወይ ብኡ ዝምእዘዝ ምዃኑን ኢዩ። ብደረጃ ኤርትራ ከኣ፡ ናይ ሰውራ ስነ-ሓሳብ፡ ድሕሪ ናጽነት ምኽታሙ፤ ከምኡ ውን፡ ኣብ ትሕቲ ንጻውዒት ሃገራዊ ስኒት ዘይቕበል፡ ንናይ ሰውራ ናይ ቃልሲ መሻርኽቱ ዘየሳትፍ ጽልዋ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ናይ ሎሚ ህግዲፍ) ዝዓብለሎ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ ብ1993 ኤርትራ ናጻ ሃገር ኰይና። ብደረጃ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከኣ፡ ከም ውጽኢት ናይ’ቲ ንዓንዲ ሕቘኣ ዝሰበረ ምፍንጫላትን ምክፍፋላትን፡ ብዙሓት ዓቕመን ድሩት ዝዀነ ዝንባሌታትን ክፍልታትን ኰይና ምትራፋ ክጥቀስ ይከኣል። እቲ ንተሓኤ ዘጋጠመ ቅልውላዋት፡ ብፍላይ ድሕር’ቲ ኣብ መንጐ ተሓኤን ህግሓኤን ኣብ ሰማንያታት ናይ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘመን ዝተወልዐ ውግእ ዘጋጠማ ውድቀት፡ ክሳዕ’ዚ ብ2003 ዓ.ም ኣብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝተጋህደ፡ እሞ ዓሚቝ ዝዀነ ፍልልይ ይኹን ርእሶም ዝኸኣሉ ውድባት ንምዃን ዘገድድ ምኽንያት ዘይብሎም ግንባራት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ተሓኤ ሃገራዊ ጕባኤን ንምፍጣር ዘስዓበ ምፍንጫላት ቀጸለ። ብ1971 ዝተኻየደ ቀዳማይ ሃገራዊ ጕባኤ፡ ንሃገራዊ ናጽነት ዝዓለመ፡ ንውሽጣዊ ኤርትራዊ ኵነታት ብዓመጻዊ ኣገባብ ክሰርዕ ዝህቅን ናይ ጸጋም ጽልዋ ዝዓብለሎ ሓርነታዊ ሰውራ ኢዩ ነይሩ።

 

ብ2006 ዝተኻየደ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ግን፡ ንበደልን ዲክታቶርነት ኣልጊሱ፡ ስኒትን ፍትሕን ፖለቲካዊ ብዙሕነትን ንምስፋን ዝዓለመ ፖለቲካዊ ለውጥታትን ዳግመ-ህንጻን ንምርግጋጽ ኢዩ ተበጊሱ። ወይ ድሌት ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ክበሃል ይከኣል’ዩ። እንተዀነ ግን፡ ብመንጽር ብድሆታቱን ነገራውን ሰብኣውን ዓቕምታቱን ክርአ እንከሎ፡ ካብ’ቶም ክልተ መድረኻት ኣየናዮም ኢዩ ከቢድ? ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዝካየድ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሰውራ ምምራሕ ድዩ? ወይስ፡ ንህልዊ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሃለዋት ንምቕያር ካብ ደገ ፖለቲካውን ምናልባት ውን ወተሃደራውን ዝንባሌ ዘለዎ ሰልፊ ምምራሕ ኢዩ? ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህልዊ ፖለቲካዊ ሃለዋት፡ ኣብ ዓለምና ካብ ዝርከብ ሕብረተሰባት ንላዕሊ፡ ንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ዝጠልብ ኵነታት ምዃኑ ኣብ ግምት እንተደኣ ኣእቲና፡ ዘለናዮ መድረኽ ካብ መድረኽ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝጸንከረ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ምኽንያቱ ከኣ፡ ኤርትራ፡ ብደረጃ መንግስቲ ይኹን ብደረጃ ተቓውሞ፡ ኣብ ፍልይ ዝበለ ኵነታት ስለእትርከብ ኢያ። እዚ ኰይኑ እቲ፡ 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ነቲ ኵሉ ዝተረጋገጸ ታሪኻዊ ፖለቲካውን ምጣነ-ሃብታውን ስነ-ሓሳባውን ለውጥታትን፤ ኣብ መስርሕ ናይ’ዛ ዘለናይ ዓለም ዘለዎ ተጽዕኖታትን ኣብ ግምት ዘእተወ ሕቶታት ኣልዒሉን ገምጋማት ኣንቢሩን ኢዩ።

 

ጕባኤን ኣካቢብዎ ዝርከብ ዞናዊ ኵነታትን

 

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ጕባኤኡ ኣብ ሱዳን ክካይድ’ዩ ዝብል ግምታት’ዩ ነይርዎ። እንተዀነ ግን፡ ከም ባህርያዊ ውጽኢት ናይ ዘይተረጋግአ ወግዓዊ ፖለቲካዊ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን፤ ከምኡ፡ውን፡ ኤርትራ፡ ንመንግስትን ንተቓወምቲ ሸነኻት ግንባር ምብራቕ ሱዳንን፡ ንምትዕራቕ መንጐኛ ክትከውን ናይ ዘርኣየቶ ጽቡቕ ድሌትን፤ ኣብ መንጐ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ዝማዕበለ ልዝብ ንደረጃ ዝምድናታተን ስለዘመሓየሾ፡ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ሱዳን ክካየድ ይኽእል’ዩ ንዝብል ዝነበረ ግምታት ኣህሲስዎ። ምቕያር ወግዓዊ መርገጽ ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ብቀዳምነት ከኣ፡ ውድባዊ ጕባኤታት ኰነ ናይ መስመሪ ጕባኤታት ኣብ መሬታ ከይግበር ምእጋዳ፡ ንተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ካልኦት ተቓወምቲ ሓይልታትን ኣብ መቓቕሮ ዘእተወ ሓድሽን ሃንደበታውን ምዕባለ ነበረ። እንተዀነ ግን፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ምዕባለታት ክመጽእ ይኽእል’ዩ ኢሉ ገሚቱን ቆጸራ ሒዙን  ከምዝጸንሐ ዘምስል ስጕምታት ክወስድን፡ መተካእታት ንምርካብ ክጓየን ተራእየ። በዚ ከኣ፡ ጕባኤኡ ኣብ’ቲ ተወሲንሉ ዝነበረ ዕለት 23.07.2006፡ ግን ኣብ ካርቱም ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምክያዱ በቕዐ። እዚ ውድብ’ዚ፡ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ብድሆታት ዝተጠቕመሉ ናይ ቅድም ተመኵሮ ዘለዎ ውድብ ጥራሕ ዘይኰነስ፥ ጕባኤኡ ኣብ ሓደ ቦታ ንምክያድ ዘየኽእል ኵነታት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ምስ ኵነታት ጨናፍሩ ዝሰማማዕ ጕባኤታት ኣብ ሓድ ግዜ ናይ ምክያድን፤ ነቲ ውጽኢታት ናይ ዝተፈላለዩ ጕባኤታቱ ናብ ሓደ ማእከል ናይ ምጥርናፍን፤ ናይ ምሉእ ውድብ ናይ መጻኢ ራእይ ወይ መደብ ዕዮ ናይ ምግባሩን ተመኵሮ ዘለዎ ውድብ ውን ኢዩ። ኣብ’ዚ ናይ ሕጂ ኵነታት ግን፡ ካብ ድሌቱ ወጻኢ ዝዀኑ ረቛሕትታት ከስዕብሉ ካብ ዝኽእሉ ጕድኣታት ዘድሕኖ መደባት ኣቐዲሙ ተሊሙ ናይ ምጽናሕ ፍልይ ዝበለ ክእለት ከምዘለዎ ውን ደጊሙ ኣርእዩ ኢዩ። በዚ ከኣ፡ ግዜ ብምኽሳብ፡ ንህጹጽ ምዕባለታት ንምግጣም ዘብቅዖ ልዑል ዓቕሚ ከምዘለዎ ኣመስከረ። ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ዘቕረብክዎ ጽሑፋት፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ካብ 2004 ኣትሒዙ፡ ምስ ወግዓዊ ኵነታት ኢትዮጵያ ጽቡቕ ዝምድናታት ክፈጥርን፤ ነቲ ኣብ 2002 እተኻየደ 5ይ ስሩዕ ኣኼባ ሰውራዊ ባይቶ ምስ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ እተፈጥረ ተሃዋሲ ፍልልያት ከምዝሰገሮን  ኣሚተ ነይረ ኢየ።

 

ከይዲታት ጕባኤ፡-

 

ንማእከል መጽናዕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወኪለ፡ ንምሉእ መስርሕ ናይ ጕባኤ ከም ተዓዛቢ ኰይነ ተሳቲፈ ኢየ። ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣባላቱ ዘይኰኑ ናጻ ተዓዘብቲ፡ ብኵሉ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ንተዓዘብቲ ዝውሃብ ፍሉጥ መሰላት፡ ኣብ ኵሉ ከይዲ ናይ’ቲ ጕባኤ ንምስታፍና ዝወሰዶ ተበግሶ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ኤርትራ፡ ሓድሽ ተመኵሮ’ዩ ነይሩ። በዚ ከኣ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብተግባር ንዅለን ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ብምቕዳም፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ኤርትራ ሓድሽን ጥዑይን ተርእዮ ኣትኣታትዩን ኣመዝጊቡን ኢዩ። ንሕና፡ ነቲ ዕድመ ድሕሪ ምቕባልና፡ ብዛዕባ ተኣማንነት ናይ’ቲ ውድብን ኣብ መርገጻቱ ዘለዎ ብሩህነት ዘሎኒ ኣፍልጦ፡ ምስ ካልኦት ዝሰማማዕ ይኹን ዝፈላለ ብዘየገድስ፤ ሓደ ኤርትራዊ ውድብ፡ ኣብ ነፍሱ ይኹን ኣብ ካልኦት ዘለዎ እምነት ብዘየገድስ፤ ኵሉ እዉጅን ምስጢራውን ጕዳያቱ፡ ኣባላቱ ዘይኰኑ ተዓዘብቲ ኣብ ዝርከብዎ ኣኼባ ብግልጽነት ክዛረበሉን ክካትዓሉን ኢዩ ዝብል ትጽቢት ፈጺሙ ኣይነበረንን። እንተዀነ ግን፡ እቲ ግብርን እቲ ቃልን ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ሓደ ኰይኑ ረኺበዮ። በዚ፡ ንሕናን ካልኦት ናጻ ዝዀኑ ኤርትራውያን ተዓዘብቲ፡ ብዘይካ’ቲ ንወተሃደራውን ገንዘባውን ጕዳያት ዝምልከት ጸብጻብ፡ ካልእ ብሰውራዊ ባይቶ ዝቐረበ ጸብጻብ ናይ ዝሓለፈ መድረኽን፡ ንጥፈታት ናይ’ቲ ጕባኤን፡ ካብ ኣልፋ ክሳብ ኦሜጋ ክንሳተፎ ተፈቒዱልና ኢዩ። ኣብ’ቲ ተሳተፍቲ ናይ ጕባኤ መን ምዃኖም ብስም እናተጸውዑ ንጕባኤኛታት ዝፋለጥሉ፡ ቀዳማይ ወግዓዊ ኣኼባ ውን ተሳቲፍና። በዚ፡ ኣባላት ጕባኤ ካብ ኵሉ ኵርንዓት ናይ ዓለም፡ ማለት ካብ ኵለን ኣውራጃታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ካብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣውሮጳ፡ ካብ ፍሉጣት ከተማታት ኣውስትራልያ፡ ካብ ስዑዲ ዓረብን ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝመጹ ምዃኖም ተገንዚብና። ካብ ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን፡ ብፍላይ ድማ ካብ ግብጽን ሱርያን ዝመጹ ተሳተፍቲ ግን ኣይነበሩን። እዚ፡ ምናልባት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዘይብሉ ቦታታት ወይ ድማ፡ እቲ ካብ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ምቕያር ናይ ቦታ ዝፈጠሮ ናይ ቪዛ ሕልኽልኻት ውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብድሕር’ዚ፡ ናይ 5 ዓመታት ጸብጻብ ናይ’ቲ ውድብ ፍጻሚታትን ንጥፈታትን ሰሚዕና፤ ሰክረታርያ ናይ ጕባኤ ክትምረጽ ከላ ተኸታቲልና፤ ብዛዕባ’ቲ ዝቐረበ ጸብጻባት ዝተኻየደ ናጻን ግሉጽን ሓላፍነታውን ክትዕን ልዝብን፥ ዝቐረበ ሕቶታትን ዝተዋህበ መልስታትን ሰሚዕና። እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ በቲ ቅድም ክብል ዝጠቐስናዮ ፍልልያትን ናይ ምፍንጫል ተረኽቦን፤ ከምኡ ውን፡ ብመስዋእቲ ኣቦ መንበር ውድብ ዝነበረ ስዩም ዑቝባሚካኤል ክጽሎ ግድን’ኳ እንተዀነ፤ ኣብ’ቲ ቀንዲ ጕዳያት ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ሜዳ ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ። እቲ ጸብጻብ፡ ምስ ብዙሓት መንግስታዊ ኣካላትን፥ ብጕዳያት ኣፍሪቃን ቀርኒ ኣፍሪቃን፡  ከምኡ ውን፡ ብጕዳያት ስደተኛታት ዝግደሳ ትካላትን ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝተገብረ ርኽክባትን ዝተሓፍሰ ዓወታትን ዝጠቕስ’ዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ እቲ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ ገዳይምን ሓደስትን ኤርትራውያን ስደተኛታትን፤ ጕዳይ ካብ ኤርትራ ዝሃድሙ ዘለዉ መንእሰያትን፤ ነዚ ኵነታት’ዚ ኣብ ምግጣምን፤ ነቶም መንእሰያትን ኣብ ምእላይን ሽግራቶም ኣብ ምቅላልን ንተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባትን ዘጋጥም ዘሎ ብድሆታት ብዝርዝርን ብተገዳስነትን ዝገልጽ ጸብጻብ ነበረ።

 

ብተወሳኺ፡ ኣብ ማእከል’ቲ ጕባኤኛ ኮፍ ኢልና፡ ውድባዊ መደብ ዕዮን ውሽጣዊ ስርዓትን ክንበብን፥ መሪሕነት፡ ኣብ ዝገበሮ ገለገለ ምምሕያሻትን ዘቕረቦ ርእይቶታትን ክትዕ ክካየደሉን ሰሚዕና። ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ዝቐረበ ፖለቲካዊ ወረቐት ወይ ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ እንተላይ እቲ ሰውራዊ ባይቶ ዘተኣታተዎ ዘይምእኩል ስርዓተ-ምሕደራ፡ ማለት፡ ናይ ማእከላይ መንግስቲ ስልጣን፡ ንኣውራጃታትን ወረዳታትን ዓድታትን ከተማታትን ዘካፍል ስርዓተ-ምሕደራ ዝብል ሓድሽ ኣቕጣጫ ውን ክትዕ ክካየደሉ ከሎ ተዓዚብና። ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ ዝምልከት፡ ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ዝነቅፍ፡ ፈደራሊዝም ወይ ብሄር ናብ ናይ ምግንጻል መንገዲ ዝመርሕ’ዩ ዝብል ርእይቶ ከይተረፈ ዘጠቓለለ፡ ክብ ዝበለን ስነ-ፍልጠታውን ክትዓት ተኻይዱ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ እቲ ውድብ ክኽተሎ ዝጸንሐ ሕውስዋስ ምጣነ-ሃብታዊ ዝብል ፖሊሲ ብናጻ ዕዳጋ ዝብል ናይ መጻኢ ናይ ምጣነ-ሃብቲ ፖሊሲ ዝትክእ ሓድሽ ኣርኣእያ ክትዕ ተኻይዱሉ። ኣብ ክሊ’ዚ ዓሚቝ ክትዕ ዝተኻየደሉ ኣብ ዓለም ንዝርኣዩ ዘለዉ ለውጥታት ዘካተተ ብክኢላታት መጽናዕቲ ዝተገብረሉ ናይ ናጻ ዕዳጋ ፖሊሲ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ድኻታት ክፋላት ናይ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ጕድኣት ከየውርድ ስግኣቶም ዝገልጹ ብርክት ዝበሉ ወድዓውያን ርእይቶታት ካብ ጕባኤኛታት ቀሪቦም። ኣብ’ዚ ጕዳይ’ዚ፡ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ነቲ ክትዕ መዕለቢ ገይርሉ። ኢብራሂም፡ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ቍጠባዊ መስርሕ ኣብ ሰለስተ መሰረታውያን ባእታታት፡ ማለት ኣብ ምምሕዳርን ምንጪ ሃብትን ርእሰ-ማልን ኢዩ ዝምርኰስ ኢሉ። ኤርትራ ብቕዓት ዘለዎ ቍጠባዊ ምምሕዳርን እኹል ምንጪ ሃብትን ክህልዋ ይኽእል ኢዩ፤ ግን፡ ኤርትራ ኣካል ናይ’ተን ድኻታት ሃገራት ስለዝዀነት እኹል ርእሰ-ማል የብላን ብምባል መብርሂ ሂቡ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ኤርትራ፡ ዕዳጋታታ ንናይ ወጻእን ሃገራውን ርእሰ-ማል ክትከፍት ይግብኣ ኢሉ። ናይ ወጻኢ ርእሰ-ማል ንምስሓብ ብሩህን ተዓጻጻፍን ሕግታት ምህላው ሓደ ካብ’ቶም ኣገደስቲ ረቛሕቲ ምዃኑ ውን ገሊጹ። ስለ’ዚ፡ ዋሕስነት ናይ ሕብረተ-ሰብን ሃገራዊ ርእሰማልን ዘረጋግጽ፡ ክእለት ዘለዎ ምምሕዳራዊ ዓቕምን ቅኑዕ ቍጠባዊ ፖሊሲታትን ምውናን ኢዩ ብምባል ደምዲሙ።

 

ጕባኤ፡ ንጕዳይ ዋንነት መሬት ኣብ ኤርትራን፡ ብስርዓት ኢሳያስ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታትን ዘይሕጋዊ ምምንዛዕን ብዕምቈት ተመያይጥሉ። ጕባኤ፡ መሬት ኣብ ኢድ ህዝቢ ክጸንዕ ከምዘለዎ ድሕሪ ምርግጋጽ፤ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምምንዛዕ ናይ መሬት ኰኒኑ። እዚ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ ጕባኤ ዘጽደቖ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ እቲ መንግስቲ ካብ ዋናታቱ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዝመንዝዖ መሬት፡ ብሕጋውን ፍትሓውን ኣገባብ ናብ ዋናታቱ ክምለስ ከምዘለዎ ውን ወሲኑ። እዚ ክውስን እንከሎ ግን፡ ኣብ ግብሪ ኣወዓዕላኡ ብዙሕ ጸገማት ክፈጥር ከምዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ገለገለ ካብ’ቲ  መሬት ንንጹሃት ዜጋታት ኢዩ ዝሽየጥ ዘሎ። እዞም ዜጋታት እዚኣቶም ከኣ፡ ኣብ’ቲ ዝገዝእዎ መሬት ብዙሕ ተወሳኺ ገንዘብ ኣውጺኦም ይሓርስዎ ወይ ድማ ኣባይቲ ይሃንጽሉ ስለዘለዉ ኢዩ።

 

ጕባኤ፡ ኣስዒቡ፡ ነቲ ብሰውራዊ ባይቶ ዝቐረበ፡ ንተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ናብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዘሰጋግር ፖለቲካዊ ወረቐት ወይ መጽናዕቲ ተመያየጠሉ። እቲ ናብ ሰልፊ ምስግጋር ዝብል መደብ፡ ብመሰረት ፈጻሚ ሽማግለ ቅድም ክብል ዘቖማ ናይ መጽናዕቲ ኮሚቴ ዝቐረበ ለበዋታትን ርእይቶታትን ዝሓዘለ ነበረ። ኣብ’ዚ ጕዳይ’ዚ ዝተኻየደ ክትዕ፡ ኣብ መንጐ ለውጢ ዝደልን ነቲ ዘሎ ክቕጽል ዝደልን፤ ኣብ መንጐ ኣወንታታቱ ዝርኢ ሸነኽን፡ ኣብ መንጐ ኣሉታታቱ ዝርኢ ካልእ ሸነኽ ክኸውን ባህርያዊ ኢዩ። እንተዀነ ግን፡ ናይ ለውጢ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘይምኽኣሉ ብዘየገድስ፥ ዘሎናዮ መድረኽ “ተጋድሎ ሓርነት” ዝብል ስም ዝጸውር ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ ከኣ፡ ቃልስና ምእንቲ ፖለቲካዊ ለውጢ ደኣ/ምበር፡ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነ&