እዚ ውሳኔ'ዚ ንህዝቢ አይጎድእን ኢዩ፡ ጉድኣት አብ ልዕሊ መንግስቲ ኢዩ ዝወርድ
አት/ ተኸስተ ሓብቱ - ሓላፊ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ዞባዊ መንግስቲ ነበር
እዚ ውሳነ'ዚ ክብገስ ከሎ ብውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኢዩ ተጀሚሩ ክሳብ ውድብ ሑቡራት መንግስትታ ከኣ ከደ፡ ኣመጻጽኡ ድማ ብምኽንያት እቲ ምንግስቲ ህግደፍ አብ ሶማል ዝገብሮ ምትእትታውን፡ ምስ ጂቡቲ ዝልዎ ናይ ዶብ ምስሕሓብን ኾይኑ፡ ንህግደፍ ክቁጠብ ኢዩ ዝሓቶ። ንጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣብ ግምት ኣየእተዎን፡ ስለ'ዚ ንኻሊእ ጉዳያት ኢዩ ዝምልከት።
ህዝቢ ድማ አብ ትሕቲ እገዳ ህግደፍ ኢዩ ዝነብር ዘ፡ እዚ ማዕቀብ ከኣ ዕጥቂ ከይሽየጥን ገንዘብ ህግደፍ ከየንቀሳቅስን ስለዝኽልክል፡ ንስርዓት ህግደፍ እንትዘይኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይጎድእን ኢዩ፡ ንህግደፍ ዝጎድእ ድማ ንረብሓን ጠቅሚ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።
ምውጋድ ምሻጥ ብሬት
ንጠቅሚ ህዝቢ'ዩ
ኣቶ/መሓመድ ኑር ኣሕመድ ኣምባሳድር ነበር፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ስልፊ ዲሞክራሲ
ኤርትራ
እዚ ውሳነ'ዚ ኣብ ምዓልታዊ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ጉድአት አየስዕብን'ዩ፡ ምኽንያቱ ምንግስቲ ኤርትራ ብረት ከየጋርት ምስ ዝኽልከል፡ ንጠቅሚ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ። በዚ ማዕቀብ እዚ አብ ልዕሊ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ጕድአት የለን: ስርዓት ህግደፈ ዕጥቂ ከይገዝእ ምኽልካሉ እውን ንጥቅሚ ህዝቢ እምበር ንጉድአቱ አይኮነን: አብ ናይ ወጸእ ባንክታት ዘለዎ ገንዘብ ናይ ህግደፍ ኢዩ እምበር ናይ ህዝቢ ኤርትራ አይኮነን : ዲፕሎማሲያውያ እንተኾነ እውን ስርሖም ዝምድና ስርዓት ህግደፍ ምስ ካልኦት ሃገራት ዓለም ምድልዳል ኢዩ እምበር ንጠቅሚ ህዝቢ ኣይኮኑን ዝሰርሑ::
ጠቅሚ ህዝቢ ኤርትራ አብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ሙቋም ጥራይ ኢዩ: እዚ ውሳነ እዚ ኸአ ንስርዓት ህግደፍ ሐኒቁ አብ ምውዳቁቑ የቀላጥፍ፡ ፡
ብዛዕባ ነቲ ከካይዶ ዝደሊ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ
ድማ ደገፍ ህዝቢ አሎኒ ንምባል እንተዘይኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ አይትውክልን ኢያ። ካብቶም ሚልዮንን ፈረቓን ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ
ኤርትራውያን ክንደይ ከ ይሳተፉዎ ይኸውንን ክንደይ ንስርዓት ህግደፍ ይድግፉ እኾኑ። ምስ እዚ ስርዓት'ዚ ደው ዝብል ናይ ውልቀ
ጠቕሚ ዘለዎ ጥራይ ኢዩ። እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ግን ብርግጽ ኣንጻር እዚ ስርዓት'ዚ ኢዩ።
እዚ ማዕቀብ'ዚ ንህዝቢ
ይሕግዝ ሕቡራት ሃገራት ድማ ንአብ ውሽጢ ሃገርን ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ህዝቢ ሓገዝ ከቐርብ ይግባእ
ኣቶ/ መንግስተኣብ ኣስመሮም - ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ስልፊ ህዝቢ ዲሞክራሲ ኤርትራ
እዚ ማዕቀብ'ዚ (1)ዕጥቅን ኣጽዋርን ከይኣቱን ከይወጽእን (2) ንሓለፍቲን ሰበስልጣንን ዝምልከት ኢዩ (3) ንዘብ ሓለፍቲን ህግደፍን ከየንቀሳቅስ ዝእግድ ኢዩ።
እዚ ማዕቀብ'ዚ ንስርዓት ህግደፍ አብዘን ትካላት እዚአተን ክእግዶ ዝተወሰነ ስለ ዝኾነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይምልከትን ኣይሃስዮን ኢዩ፡ ብኣንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ አብ ትሕቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝወረዶ አገዳ ኢዩ ዝነብር ዘሎ። በዚ ምኽንያት ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ መሬቱ ብነጻ ከንቀሳቅስ ኣይክእልን ኢዩ፡ እንተንቀሳቀሰ ድማ ብፍቃድ ትካላት ጽጥታ'ቲ ስርዓት ጥራይ ኢዩ። እዚ ማዕቀብ'ዚ ንህዝቢ አብ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ቃልስታቱ ይሕግዞ ኢዩ ይብል። ሕቡራት ሃገራት ከኣ ነዚ አብ ውሽጢ ሃገር ዝሳቐ ህዝቢ ይኹን፡ ነቲ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ሓገዝ ከቐርብ ይግባእ።
እዚ ማዕቀብ'ዚ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍን ጉጂሊኡን ካብ ወተሃደራትን ገባርን ኢዩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጉድኣት ኣይወርድን ኢዩ
ኣቶ/መሓመድ ኑር ዲጎል - ዲፕሎማሲያዊ ነበር - ሕጂ ተቓዋማይ
እዚ ማዕቀብ'ዚ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍን መሳርሕቱን ኢዩ፡ ማለት እቶም ስርዓት ዘንቐሳቅሶም ጉጁለ ወተሃደራትን ሲቭካውያንን። ህዝቢ ግን ብመሰረቱ ኣብ ማዕቀብ ኢዩ ዘሎ፡ ስለዚ ብጥሜትን ሕማምን ተጠዊዑ ይርከብ ፡ ዝረድኦ እውን ኣይረኸበን። እዚ ሎሚ ንርኢዮ ዘለና ምህዳም መን እሰያት ናይቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣውሪዱዎ ዘሎ ማዕቀብ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ አዚ ማዕቀብ እዚ ንዕኡ ጥራይ ከም ዝምልከት አናፈለጠ ምእንቲ ጠቅምታቱ ካልእ እናበለ፡ ግብሪ አና ኣኽፈለ ኣብ ልዕሊ ተወሳኺ ጸቅጥታት ይገብር ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ውሳኔ'ዚ ዝወርዶ ጉድኣት ይለን ።
እዚ ውሳነ እዚ አብ ልዕሊ ህዝቢን ተቃወምቲን ጉድአት አለዎ፡ ይኹንደኣምበር ንስዕረት ህግደፍ ስለዝኾነ ክድገፍ ኣለዎ
ኣቶ/ ዓንደብርሃን እስቲፋኖስ - ወኪል መግስቲ ኤርትራ ኣብ ስሉሳዊ ስምምዕ ምምላስ ስደተኛታት ኤርትራውያን ካብ ሱዳን 2004
ዝኾነት ሃገር፡ አብ ልዕሊኣ እገዳ ክውሰን
ከሎ፡ እቲ ሃገር'ቲ በጺሑዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ጽገማት'ዩ ዝገልጽ። መንግስቲ ኤርትራ መጀምርያ ብዛዕባ እዚ እገዳ'ዚ ከምዘይግደስ
ሓቢሩ ኔሩ እንተኾነ ግን መንግስቲ ሽዑ ንሽዑ ተመሊሱ ምእንቲ ክቓወም ኢሉ አብያተ ህዝቢ ክኩሕኩሕ ጀመረ። ልክዕ ኢዩ ከምዚ
ዝኣመሰለ ውሳነታት አብ ልዕሊ ህዝቢን ተቃወምቲን ጉድአት አለዎ፡ እዚ ነዚ ውሳነ'ዚ ክንቃወሞ ማለት አይኮነን፡ ህዝቢ ኤርትራ
አብ ትሕቲ ናይ ምንግስቲ ማዕቆብ ይነብር ኣሎ ስለ'ዚ ክሳብ ካብ ስርዓት ህግደፍ ይገላገል ክጻወር አለዎ። እዚ ምዕቀብ'ዚ እውን
ኣድማዕነት መታን ክህልዎ አብተን ስርዓት ህግደፍ ዝግልግለለን ሸነኻት ክፍሊታትን ናይ ገንዘብ ምቀበሊ ዝኾና ነጥብታትን ክትግበር
ኣለዎ።
ህዝቢ ክኸስር ብመሰረቱ ሓንቲ ኣይነበሮን፡ ብዚ ውሳኔ'ዚ ዝጉዳእ ድማቲ ስርዓት ንበይኑ ጥራይ ኢዩ
ኣቶ/ኣርሀ ሓመድናካ - ፖለቲካዊ ንጡፍ ኣብ ሽወድን - ኣባል መሪሕነት ፈደረላዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቕስቓስ ኤርትራ
ዕላማ እዚ ማዕቀብ'ዚ ንመንግስቲ ኤርትራ ንበይና ጥራይ ኢዩ ዝሃሲ፡ ነቲ ካብቲ አብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ እትረኽቦ ገንዘብን ሓገዝን እውን ንብ ትሑት ደረጃ የውርዶ። ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ስለዘይብላ እውን እዚ ውሳነ'ዚ ብዝያዳ ካብ ዓለም ከትንጸል ኢዩ ዝገብራ፡ ዕምራ አብ ምሕጻር እውን ይሕግዝ።
ህዝቢ ኤርትራ እንትኾነ ከኣ ኣቐዲሙ ኣብ ናይ
ብህግደፍ ዝወረዶ ማዕወብ ስለዝነብር ዝኸስሮ ነገር የለን። ስርዓት ህግደፍ ንበይኑ ጥራይ ስለ ዝኾነ ዝህሰ፡ ህዝቢ ኤርትራን
ተቓውምቲ ሓይልታቱን ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ብግቡእ ክጥቀመሉ።
ጉድኣት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ልኡልውነት ሃገርን ካብ ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኢዩ ዝመጽእ።
ኣቶ/ መሓመድ ጣሃ ተወከል - ዲሬክተር መደበር ወሽመጥ ንኣስተምህሮን ዜናን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ
ህዝቢ ኤርትራ አብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዘውረደሉ ማዕቀብ ኢዩ ዝነብር ዘሎ፡ እዚ ውሳኔ'ዚ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ነቲ ብተግባራቱን ኣብ ጽልኢ ዝተመርኮሰ ፖሊሲታቱን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ፍሽለቱ ብሰንኪ መንግስቲ ኣሜሪካ ኢዩ ዝበለ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ጉድኣት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ልኡልውነት ሃገርን ካብ ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኢዩ ዝመጽእ እምበር ካብ ኣህጉራዊ ማዕቀብ ኣይኮነን። እዚ ማዕቀብ'ዚ አብ ልዕሊ ሓንቲ ካብትን ምዕቡልት ሃገራት ተወሲዱ ኔሩ እንተዝኸውን መንግስቲ'ታ ሃገር ኣብ ሰዓታት ምወደቐ ኔሩ። መንግስቲ ኤርትራ ብነፍሱ ኢዩ ጉዳዩ ፋሕ ዘበለ፡ ንኣብነት ምስ ውድብ ኢጋድን ውድብ ሓርነት ኣፍሪቃን፡ ብማሕበር ሓገራት ዓረብን ውድብ ጉባኤ ኣስላምን ተወጊዳን፡ ዝደናገጸላ እውን ኣይረኸበትን ብዘይካ እተን ወላ ብጂኦግራፊያዊ ዝምድና ዘይራኸባኣ ኣባላት ሳሕልን ሳሃራን (ብ ሊብያ ዝምራሓ ዓሰርተ ሃገራት፡ ኤርትራን ሱዳንን ጥራይ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ)፡ ስለዚ ስርዓት ህግደፍ ተነጺሉ ናብ ህዝቢ ተመሊሱ ሓገዝን ደገፍን ይሓትት ኣሎ። ንኣብ ልዕሊ ህዝቢ ማዕቀብ ዝወሰነ ስርዓት፡ ኣህጉራዊ ማዕቀብ ምውሳን፡ (ማዕረ ኣብ ወጽዓ ከም ፍትሒ) ኢየ ዝርኢዮ።