ካብ ናይ ሓርነት  ቃልሲ

     ናብ  ዓለም-ባቃ ቤት ማእሰርቲ

 

(ሓቀኛ ታሪኽ)

ብተስፉ በራኺ

2ይ ክፋል

 

ናበራ ኣብ ቤት ማእስረቲ ሰምበል

 

ካብ ጽባሕ ኣነ ሰምበል ዝኣተኹሉ ዕለት ጀሚሩ፡ ቁጽሪ ምሩኻት ካብ ዕለት ናብ ዕለት ኣንዳወሰኸ መጸ። እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ፡ ማለት ኣብ ሓደ ውግእ ካብ ተ.ሓ.ኤ. ዝተማረኹ፡ 25 ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓለንስተይትን እዩ። እዚኣቶም ብ03-03-1980፡ ካብ ኣብ’ቲ ሽዑ ኣዋን ኣብ ሳሕል ዝነበራ ብርጌዳት ተ.ሓ.ኤ. ቁ.44፣ቁ.97 ኰይኖም፡ ሓደ ሓኪም ሓይሊ፣ ክልተ መራሕቲ ጋንታታት ሓደ ድማ፡ ሓኪም ጋንታ ዝርከቡዎም’ዮም።

ምስ’ዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ካብ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ባጽዕ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ነሓሰ ብሓደ መዓልቲ 60፡ ኣብ ዓዲ ያዕቆብ ብወርሒ ሕዳር ብሓደ መዓልቲ 78 ተማሪኾም’ዮም። ብዘይካ’ዚ፡ ካልኦት ብውሑድ ወይ ብውልቂ እዮም ዝማረኹ ዝነበሩ። ከምኡ’ውን ሰላማውያን ሓረስቶት ምሩኻት ተባሂሎም ይእሰሩ ኔሮም’ዮም። 6 ተጋደልትን 2 ምሊሻታት ናይ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ኣውን ምሳና ተኣሲሮም ኔሮም’ዮም።

ኣብ ሰምበል፡ ምጥፋእ ድንቁራና ተጀሚሩ፡ ንዘይተመሃርና ክንመሃር፡ ንዝተመሃርና ከኣ፡ ክንምህር ትእዛዝ ተዋህበና። ናይ ምጥፋእ ድንቁርና ትምህርቲ ድማ፡ ሀ ኢልና ጀመርና። ምስ’ዚ ብዝተተሓሐዘ፡ ኣብ ሰምበል ሀ.ሁ ጀሚሮም፡ ኣብ ኣዲስ ኣባባ ማትሪክ (ናይ 12 ክፍሊ ፈተና ወሲዶም፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ከእቱ ዝኽእል ነጥቢ ዘምጽኡ ምሩኻት ቁጽሮም ቀሊል ኣይኰነን)። ቤተ-ሰብ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ፡ ማለት ሰንበት ሰንበት መግብን ክዳውንትን የምጽኣልና እዩ። ምርእኣይ ግን፡ ፈጺሙ ኣይነበረን። እቲ ዝመጽእ መግቢ፡ “ኮሎኩዮ ተባሂሉ እዩ ብእሱራት ዝጽዋዕ” እቲ ሽም ካበይ ከምዝመጸ ወይ ናይ ምንታ ሃገር ቋንቋ ምዃኑ ዛጊት ኣይፈልጥን።

ካብ መንግስቲ ከኣ፡ ንግሆ ቅጫን ሻህን፡ ቀትርን ምሸትን ከኣ፡ ሓሓንቲ እንጌራን ጸብሕን ይወሃበና ነይሩ። ኣብ 15 መዓልቲ ድማ፡ ብስጋ ዝተሰርሐ ጸብሒ ይወሃበና። ከምኡ’ውን ኮቦርታን ኣቡጀዲድ ጥቢቆን ቁምጣን፡ ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ድማ፡ ሳሙና ናይ ክዳን ይወሃበና ኔሩ እዩ። ኣብኡ ዝነበረና ጸገም፡ ናይ ዓይኒ-ምድሪ (ሽቓቕ) እዩ። እቲ ዓይኒ ምድሪ ኣብ ደገ ስለ ዝዀነ ቀትሪ እንተዘይኰይኑ ለይቲ ኣይንጥቀመሉን ኢና። ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ግዜ ለይቲ በርሚል ኢና ንጥቀም። ነቲ በርሚል ከኣ፡ ንግሆ ንግሆ በብተራ ንጉሕፎ። ማሕበራዊ ናብራና ብዝምልከት፡ ኣዝዩ ዝነኣድ’ዩ ኔሩ። ንሱ ድማ፡ ኩልታና በብመኣዲ ተዛኒቕና፡ ካብ ቤተ-ሰብ ዝመጽእ መግቢ ብዘይ ዝዀነ ፍልልይ ብሓባር ኢና ንምገብ። በዚ ከኣ፡ ኣብ መንጎና ሰብ ዘለዎ ሰብ ዘይብሉ ዝብል ፍልልይ ዳርጋ ኣይነበረን፡ እቲ ናብራ’ቲ ሕጂ ክዝክሮ ከለኹ ኣዝ’የ እየ ዝሕጐስ። ከም’ዚ ሎሚ ከይኰነ እውን እብል።

ኣብ ሰምበል ቁሩብ መዓልቲ ምስ ጸናሕኩ፡ ቁጽርና እውን ናብ 60 ገጹ ምስ ደየበ፡ ሓደ ምሸት ልክዕ ሰዓት 7፡00 ወተሃደራት መጺኦም ማዕጾ ይኸፍቱ፡ ኣስማት 4 ናይ ጀብሃን 4 ናይ ሻዕብያን ጸዊዕም ድማ፡ ውጹ ይብሉና። ንወጽእ። እቲ ቅጥፈት ብከም’ዚ እዩ ዝጅምር ንብል። ሒዞም ናብ ሓደ ክፍሊ ይወስዱና።

ኣብ’ቲ ክፍሊ፡ 3 ናይ ጀብሃ 2 ናይ ሻዕብያ ወዶገባታት ይጸንሑና፡ ምስኦም ድማ፡ ናይ ሰምበል ካድርን ናይ ኤርትራ ኣብያተ-ማእሰርቲ ካድርን ጸኒሖምና። ሽዑ እቲ ናይ ኤርትራ ኣብያተ-ማእሰርቲ ካድር፡ “ናብ’ዚ ዝጸዋዕናኩም ቀንዲ ምኽንያት፡ እዞም ትርእዩዎም ዘለኹም 5 ሰባት ንጀባህን ሻዕብያን ገዲፎም ናብ ወላዲት ሃገሮም ብምሕረት ዝኣተዉ እዮም፡ ስለ’ዚ ንሕና መሓርቲ ምዃና ምእንታን ክትግንዘቡ፡ ንሳቶም ከዛራርብኹም እዮም” ይብና።

 

 

ንሳቶም ድማ፡ ኣስማትናን ደረጃ ትምህርትናን ይሓቱና።ንነግሮም ድማ። ካብ ኩላትና ብዝበለጸ ደረጃ ዝተማህረ፡ ዓብደላ ከሊፋ ዝተባህለ ናይ ሻዕብያ ምሩኽ’ዩ። ንሱ ናይ ዩኒቨርሲቲ ተማሃራይ ከሎ፡ ናብ ጀብሃ ተሰሊፉ፡ ኣብ ከባቢ 1976፡ ኣብ ሳሕል ናብ ሽዕብያ ሰሊሙ። ድሕሪ ኣስማትናን ደረጃ ትምህርትናን ምንጋርና፡ ዘረባና ንጅምር።

 

ኣብ’ቲ ልዕሊ ክልተ ሰዓት ዝወሰደ ክትዕ፡ ምስቶም ወዶገባታት ኣብ ምስምማዕ ምብጻሕ ንስእን። ብድሕሪ’ዚ ኣነ ይሓርቕ’ሞ፡ “ከከዲዕኩም መጺኹም ሞኽ ኣይተብሉና” እብሎም። ንሳቶም ድማ፡ ደሓን ቀስ ኢልካ ኣብ ልብኻ ክትምለስ ኢኻ ብምባል፡ ዘረብኦም ይቕጽሉ። ኰይኑ ግን፡ ምትሕርራቕ ይቕጽል፡ ሓደ ናይ ህዝባዊ ግንባር ምሩኽ፡ ሓቁ’ዩ ተስፉ፡ ሰቢኽኩም ኣይትቕዩርናን ኢኹም፡ ክንስልም እንተ ንደሊ መን ከሊኡና ይብል።

ኣብ መንጎ ነቲ ጉዳይ ኣህዲኦም ሽጋራታት ይዕድሉና’ሞ፡ ንሰቲ። ብድሕሪ’ዚ፡ ክትዓትና ንጅምር፡ ቀንዲ ኣርእስቲ ናይ’ቲ ክትዕ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ እያ፡ መራሕቲ ጀብሃን ሻዕብያን ንዓረብ ክሸጡዋ እዮም፡ ንስኻትኩም ኣብ ዘይትፈልጡዎ ጉዳይ ኢኹም ከርትት ትብሉ ዝነበርኩም፡ ንሕና ግን፡ ተረዲኡና ኢና ሰሊምና…ወዘተ ዝብል ኰይኑ፡ ንሕና ድማ ኣብኡ ኢና መልሲ ክንህብ ዝተጠለብና። እንደገና ኣብ ክትዕ እንከሎና፡ ኣነ ብዘረባታት ናይ’ቶም ወዶገባታት ይንህር’ሞ፡ ኣይትሓፍሩን ከም’ዚ ክትብሉና፡ ብምባል፡ ኣኼባ ንብታን እፍትን።

ኣብ’ዚ እቲ ዳርጋ ንመብዛሕትና ዘሕዘነናን ዘሰንበደናን ጉዳይ፡ ሓደ ዓብደላ ከሊፋ ዝበሃል፡ ምሩኽ ናይ ሻዕብያ ምስቶም ወዶገባታት ብምውጋን ኣንጻረይ ብምዝራቡ እዩ። ጀብሃኣ ሻዕብያኣ ከኣ ጸረፈቶ። ብድሕሪ’ዚ፡ ንሳቶም ተስፋ ቈሪጾም ካልእ መዓልቲ መጺኦም፡ ኣኼባ ከምንቕጽል ነገሩና፡ እቲ እኬባ ድማ፡ ምሸት ሰዓት 9፡30 ተዛዘመ። ናብ ቦታና ምስ ተመለስና፡ መሳኪን ብጾታና ዝተቐተልና መሲሉዎም፡ ኣብ ከቢድ ሓዘን ወዲቖም ጸንሑና፡ ዘምሰናሉ ጉዳይ ምስ ነገርናዮም፡ ሓዘኖም ገዲፎም ኣብ ጸወታ ኣተና። ምስ ዓብደላ ድማ፡ ተጨቓጨቕና።

ብድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናይ’ቲ ምሸት ኣኼባና፡ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ዝበሃል፡ ናይ ኤርትራ ናይ ኢሰፓኣኮ (የኢትዮጵያ ሰራተኞች ፓርቲ ኣዳራጅ ኮሚሽን) ሓላፊ፡ ምስ ኢሳቕ ጸጋይ ዝተባህለ ምክትል ኣማሓዳሪ ናይ ኤርትራ ዝነበረ፡ ቀትሪ ምሳሕ እንዳበላዕና ደበኽ በሉ። ሽዑ ዳዊት ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝነበረ ዓብደላ ዝበሃል መን’ዩ? ይብል። ዓብደላ ከኣ፡ ኣነ ይብሎ። ዳዊት ድማ፡ ጸዊዑ ንደገ ይውጽኦ። ድሕሪ ሓጺር ኣዋን ብሓንሳብ ይመጹና’ሞ ዳዊት ኣጀኹም ቻው ኢሉና ይኸይድ። ንሕና ንዓብደላ፡ እንታይ ኢሉካ? ንብሎ። ዓብደላ ከኣ፡ ኣሚንካልና እንተዀንካ ክንፈትሕካ፡ እንተዘያኣሚንካ ግን፡ ኣብ ማእሰርቲ ኢኻ ትጸንሕ ኢሉኒ፡ ኣነ ከኣ፡ ኣይኣምነልኩምን እየ ኢለዮ፡ ይብለና። ንሕና ድማ፡ ዘረባ ዓብደላ ተቐቢልና ስቕ ንብል።

ብ1981 ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት፡ መሓመድ ኑር ዓብዱን መጎስ ፋሲልን፡ ተኣሲሮም ንሰምበል ይመጹ። መሓመድ ኑር ሕማቕ መወጋእቲ ስለ ዝነበሮ፡ ብሰብ እዩ ተደጊፉ ዝትስእ ዝነበረ፡ ቀስብቐስ ግን፡ ሓውዩ። ካባና እቲ ዝኸፋአ መውጋእቲ ዝነበሮ፡ ፍስሃየ ገሬሱስ ዝበሃል ናይ ተ.ሓ.ኤ. ምሩኽ’ዩ። መውጋእቱ ኣብ ርእሱ ከይኑ፡ ፍርቂ ሰውነቱ ለሚሱ፡ ኣዒንቱ ዓዊሩ እዩ። ብዛዕብኡ፡ ኣብ ቀጻሊ ጽሑፈይ ብተኻታታሊ ስለ ዘልዕሎ ኩነታቱ ነባቢ ብቐሊሉ ክርዳእ እዩ።

ስለ’ዚ ናብ ሒዘዮ ዘለኹ ሓሳብ ብምምላስ፡ ዳዊት ወልደጊዮርጊስን ናይ ሰሜን እዝ ሓለፍትን ንመሓመድ ኑርን ንመጎስን ኩሉ ግዜ ጸዊዖም ደገ የውጽእዎም ኔሮም’ዮም። ሓደ መዓልቲ፡ ደገ ውዒሎም ምስ መጹ፡ክልቲኦም ንዓብደላ ጸዊዖም ይዋርዱዎ’ሞ ኣብ ምጽራፍ ይኣትዉ። ንሕና ነቲ ነገር ነህድኦ።

ብድሕሪ’ዚ፡ እንታይ ተረኺቡ? ኢልና ንሓቶም። ንሳቶም ከኣ፡  “ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ካብ’ዞም ምሩኻት ሓደ ዝረብሕ የለን፡ እቲ ዝሓሸ ዝበልናዮ ናይ ዩኒቨርሲቲ ተመሃራይ ዝነበረ፡ ኣሻብኡ ናህና ፖለትካ ኣሚኑ፡ ከመይ እዩ ኩነታትካ ኣንተ በልኩዎ፡ እንተ ፈቲሕኩምኒ ክሰርሓልኩም እየ፡ ኢሉኒ፡ ኢሉ ነጊሩና”፡ ንሕና ግን፡ ካልኦት እንተ ተዛርብ ምሓሸካ ኔሩ፡ ኢልናዮ ይብሉና። ብድሕሪ’ዚ፡ ዘረባ ዳዊትን ዓብደላን ኣብ ምንታይ ዝተመርከሰ ምንባሩ ንርዳእ (መሓመድ ኑርን መጎስን ብህይወት ኣለዉ እሰምዕ’የ፡ ስለ’ዚ ነዚ ከረጋግጽ ዝኽእል፡ ከረጋግጽ ይኽእል’ዩ)።

 

ብዝሒ ምሩኻት ሕጂ’ውን እንዳ ደየበ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። መሓመድ ኑርን መጎስን ድማ፡ ንደገ ምውጻእ ኣየቋረጹን። ኩነታት ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ፡ ህዝቢ ተኣኪቡ፡ መጎስ ፋሲል፣ መሓመድ ኑር ዓብዱ፣ ሃይለ ወልደስላሰን ተኽላይ ዓደንን ንህዝቢ ዘረባ የስምዑ። ኣብ’ቲ ዘረባ፡ መጎስ፡ ብዛዕባ ሻዕብያ ዝምልከት፡ ኣብያተ-ማእሰርቲ ሻዕብያ፡ ገሀነም እሳት ምዃኖምን፡ ንሱ ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ተኣሲሩ ዘሕለፎ ስቃይን ገሊጹ። ብዛዕባ ጀብሃ ዝምልከት ድማ፡ ቁዕሩር ኣፉ፡ “መራሕቲ ጀብሃ ኣይሰርሑ ኣየስርሑ” ትብል ቃል ጥራይ ተዛረበ።መሓመድ ኑር ድማ፡ ቁርብ ኣብ መንጎ ተጋደልትን መራሕትን ጀብሃ ዝነበረ ናይ ናብራ ፍልልይ ጥራይ ተዛሪቡ፡ ካልእ ክዛረብ ኣይደለየን፡ ኣታ ዝነውሐት ግዜ ዘጥፈኣትሉ ጉዳይ፡ መንግስቲ ብጽቡቕ ጌሩ ከምዘሓከሞ ምግላጽ ነበረ። ከም’ዚ ዝገበረሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ካልእ ክዛረብ ከምዘይደለየ ዘረድእ’ዩ።

ኣብ’ዚ ከመይ ጌርካ ሰሚዕካ ከይትብሉ፡ እቶም ምሩኻት ኩላትና ኣብ ገዛ ኮፍ ኢልና ብፖሊስ እንዳ ተሓሎና ነቲ ብቐጥታ ብራድዮ ዝመሓላለፍ ዝነበረ ዘረብኦም፡ ሰሚዕናዮ ኢና። ብድሕሪ’ዚ፡ መጎስን መሓመድ ኑርን ኣዲስ ኣበባ በጺሖም ይመጹ። ጽንሕ ኢሎም ከኣ፡ ይፍትሑ። እቶም ዝተረፍና ምሩኻት ከኣ፡ እዚ ደርጊ ጽሉል’ዩ፡ ንዕኦም እኳ ዝፈትሐስ ንሕና ድኣ እንታይ ከይንገብሮ ዘይፈትሓና በልና። ምኽንያቱ፡ መሓመድ ኑር ብታሪኽ ናይ መጀመርያ ዲግሪ ዘለዎን ኣብ ጀብሃ ካድር ብሪጌድ ዝነበርን’ዩ። መጎስ ድማ ብሕጊ ማስተርስ (ካልኣይ ዲግሪ) ዝነብሮን ካብ ሻዕብያ ናብ ጀብሃ ምስ መጸ ኣብ ክፍሊ መጽናዕቲ ዝተመደብን እዩ። ኮታ ክልቲኦም፡ ምስ’ቶም ዝተረፍና ከተወዳድሮም ከሎኻስ፡ ብዘይካ ዓብደላ ካልእ ኣብ ጥቕኦም ክንበጽሕ ኣዚና ምንም ዘይንፈልጥ መሃይማት ኢና። በዚ ኢና’ውን ዝተገረምና።

ብድሕሪ ምፍትሖም ኣስታት ሓደ ወርሒ፡ ሓደ ንግሆ ፖሊስ ብሃንደበት ይመጽእ’ሞ፡ ንስኻትኩም እኮ ኣይትእመኑን ኢኹም፡ መንግስቲ መሕረት ጌሩሎም ከብቅዑ፡ መሓመድ ኑር ሃዲሙ፡ ብምባል ኣኪቡ ይቘጽረና። ብምጥፋእ መሓመድ ኑር ከኣ፡ ንሕጐስ። መቸስ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ብዙሕ ግዜ እንታይ ኔርካ እንዳበሉ ይምዝግቡና እዮም። ብድሕሪ’ዞም ክልተ እሱራት ምፍትሖም፡ ሓደ መዓልቲ ወተሃደራት ክምዝግቡና ይመጹ’ሞ፡ እንታይ ኔርካ እንዳበሉ በብተራ ክምዝግቡ ይጅምሩ። ሽዑ፡ ሳልም ሮሞዳን (ብ1970 ዖና ብወተሃደራት ሃይለስላሴ ክትነድድ እንኮላ ንእሽቶይ ዝነበረን ኣዲኡ ጐቲታ ካብቲ ማሕረዲ ዘውጻኣቶን’ዩ) ዝበሃል፡ ኣብ ጀብሃ መራሕ ጋንታ ዝነበረ፡ ሽሙ ይጽዋዕ’ሞ፡ እንታይ ኔርካ? ይበሃል፡ ሳልም ከኣ፡ መራሕ ብሪጌድ፡ ይብል።

ሽዑ ሓደ ካባና ሰምቢዱ፡ ኣይኰነን፡ ኣእምርኡ ስለ ዝሕምሞ እዩ’ምበር፡ መራሕ ጋንታ እዩ ኔሩ ይብሎም። ሳልም ከኣ፡ ሱቕ በል! እዚኦም መራሕቲ እዮም ዝፈትሑ፡ ወዮ ይፈልጡዎ ኰይኖም እምበር ኣቦ-መንበር ውድብ ምበልኩዎም! ብምባል ንኹልና ኣስሓቐና። በተመሳሳሊ፡ መንገዲ፡ ሓደ ካባና እንታይ ኔርካ? ተባሂሉ ምስተሓተተ፡ ኣባል ሓይሊ ኣየር ኔረ ኢሉ ምስ መለሰ፡ ኣላችሁንዴ (ኣለኩም ድዩ) ብምባል፡ ብስንባደ ሓተቱዎ፡ ንሱ ከኣ፡ ንምንታይ ደኣ ኩሉሳብ ሓንቲ ዘረባ ተሓቱና፡ ሕጂ ከይንቕይር ኣብ ትሕቴኹም ኢና ዘለና በሎም።

ኩነታት ከም’ዚ ኢሉ፡ ይቕጽል፡ ቁጽሪ ምሩኻት’ውን ይውስኽ። ቤት-ትምህርቲ ከኣ፡ ይኽፈተልና ክሳብ 12 ክፍሊ ድማ በብደረጃና ንመሃር። ኣነ’ውን 10ይ ክፍሊ እመሃር ኔረ። ኣብ ምወዳእታ 1981፡ ቁጽርና ኣስታት 140 ይበጽሕ። 9 ሰባት ብናይ ቤተ-ሰቦም ጻዕሪ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ይፍትሑ። ንሕና ድማ ብዙሕ ንግረም። ንዓይ ንምፍታሕ’ውን ኣቦይ ብዙሕ ጻዕርታት ከምዝገበረ እፈልጠ’የ። ግን ብሰንኪ ማሕሙድ ኣይኰነሉን።

ኣብ መጀመርያ 1982፡ ማለት ኣብ ከባቢ ዕለት 14፣15 ወይ 16 ወርሒ 02-1982፡ ደርጊ ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ ኢሉ፡ ዝኣወጆ ውግእ ይጅምር። ኣብ ሓጺር መዓልታት ከኣ፡ ልዕሊ 50 ዝዀኑ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝተታሕዙ ምርዃት ናይ ሻዕብያ ይመጹና። ከምኡ’ውን፡ 9 ዓበይቲ ሰባት ደቂ ኩናማ ይመጹና። ብድሕሪ’ዚ፡ ንኣዲስ ኣበባ ክትከዱ ኢኹም፡ ኣብኡ ብጾትኩም ኣለዉ፡ ተማሂርኩም ክትፍትሑ ኢኹም ይብሉና ካድራት ደርጊ። ኣብ ፍርቂ ከኣ፡ ኣውሮፕላን ስለ ዘየለ ወይ ገሌኹም ጥራሕ ክትከዱ ኢኹም፡ ወይ ኩልኹም ክተርፉ ኢኹም ይብሉና። ብ13-03-1982፡115 ምሩኻት ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰምበል ይወስዱና። ኣብኡ ውዒልና ነፋሪት የላን ኢሎም ይመልሱና።

 

ይቕጽል….