ድሕሪ ናጽነት ካብ ዓለም- ባቃ ቤት ማእሰርቲ

እንደገና ናብ ናይ ሓርነት ቃልሲ

ብተስፉ በራኺ

ኣዲስ ኣበባ 24.07.2006

 

2ይ ምዕራፍ

1ይ ክፋል

 

ሓጺር መእተዊ

 

ቅደሚ ኣብቲ ቀንዲ ኣርእሰቲ ናይ ካልኣይ ምዕራፍ ጽሑፈይ ምእታወይ ንኣንባቢ ምእንቲ ክበርሃሉ፤ ብድሕሪቲ ኣብ ዝሓለፍ ሸውዓተ  ክፋላት ጽሑፋተይ ዝገለጽኩዎ ሓጺር ናይ ቤት ማእስርቲ ተዘክሮታት ( ካብ ናይ ሓርነት  ቃልሲ ናብ  ዓለም-ባቃ ቤት ማእሰርቲ ዝብል 1 ክሳብ 7 ክፋላት  ዝተጻሕፈ ጽሑፋተይ ) አብ ዝቅጽል ሓዲሽ ምዕራፍ  ቃለሲ ድሕሪ ናጽነተይ ካብ ቤት ማእሰርትን ድሕሪ ናጽነተ መሬት ኤረትራን ክጽሕፍ ክፍትን ኢየ።

ድሐሪ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብ27.05.1991 ሓራ ምውጸአይ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ተመሃርኩ። ብሓይሊ ኣምላኽ ምስ’ቶም ካብ ማሙቕ ገዝኦም ዝመጹ ተመሃሮ ተማሂረ፡ ትምህርተይ እውን ብዘይ ዝዀነ ይኹን ጸገም ወዲአ፡ ብሶስዮሎጂ፣ኣንትሮፖሎጂን ሶሻል ኣድሚኒስትረሽንን (Sociology, Anthropology and Social Administration) ድማ፡ ብመጀመርያ ዲግሪ ተመሪቐ። ከምኡ’ውን ምሳይ ን7ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ፡ 8 ደቂ-ትግራይን ሓደ

ኤርትራውን፡ ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ተመሪቖም’ዮም።

ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓጺር እዋን ጽቡቕ ስራሕ ረኺበ። ንሱ ድማ፡ መጽናዕትታት ምክያድ እዩ። ዝተፈላለዩ ብርክት ዝበሉ መጽናዕትታት (Researches) እውን ኣካይደን ሰሪሐን ኢየ።

ጐንጺ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስ ጀመረ፡ ጽቡቕ ስርሐይ ባዕለይ ደው ኣቢለ።

ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ (ተ.ሓ.ኤ.-ሰ.ባ) ውድባዊ ስራሕት ምክያድ ጀመርኩ ዓቕመይ ብዝፈቕዶ ከኣ ፡ ብዘይ ዕርፍቲ ሰራሕኩ።  

ብድሕሪ ተ.ሓ.ኤ.-ሰ.ባ. ኣብ ክልተ ምምቃሉ፡ ኣብ’ቲ ብዶክተር በየነ ኪዳነ ዝምራሕ ዝነበረ፡ ተ.ሓ.ኤ.-ሰ.ባ. እውን እንተዀነ ዝተዋህበኒ ስራሕ፡ ብታሕጓስ እፍጽሞ ኔረ። ኣብ ወርሒ ሰነ 2004፡ እቲ ውድብ 6ይ ሃገራዊ ጉባኤ ብምክያድ ስሙ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሃገራዊ ጉባኤ ተቐየረ። ኣብ’ቲ ጉባኤ ድማ፡ ኣባል መሪሕነት ናይ’ቲ ውድብ ኰይነ ተመሪጸ።

ኣብ ጽባሕ ጉባኤ፡ እቲ መሪሕነት ምናልባት፡ ኣብ ማእሰርቲ ብዘሕለፍኩዎ ስቓይ ራህሪሁለይ ይኹን ወይ’ውን ካባይ ዝሓሹ ሰባት ረኺቡ፡ ኣብ ወርሒ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ስራሕ ሂቡኒ።

ኣነ ድማ፡ ነታ ዝተዋህበትኒ ስራሕ፡ ኣብ መዓልታ እሰርሓ። ኣብ መንጎ ንእሽቶይ ስራሕ እንተረኺበ ድማ፡ ናተይ ስራሕ ንኽነብር እሰርሕ ኣለኹ።

ካብ’ዚ ንድሓር ዘውጽኦም ተኻታተልቲ ጽሑፋት፡ ፖለቲካ ሃገርና ድሕሪ ናጽነት ኤረትራ ዝምልከት ኰይኑ፡ ብዝተኻእለኒ መጠን ንምትንታኑ ክፍትን’የ። ኣቐዲመ ከተሓሳስቦ ዝደሊ፡ “ሓብእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ” ከምዝበሃል፡ ክሳብ መእስ ኢና ቁስልና ሓቢእና ክንከይድ በሃላይ ኢየ።

ስለ’ዚ፡ ኣብዚ ሓዲሽ ምዕራፍ ናይ ዘቕርቦ ጽሑፍ፡ ብቐዳምነት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድዎ ዘሎዉ ስቓይን መከራን ብዓቕመይ ከጋልጽ ክፍትን ኢየ።

ከምኡውን ንመራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፡ ውሽጣዊ ኩነታቶም ብዕትበት ክመዝኑን ዕዉት ፖለቲካዊ ስራሕት ንከካይዱን ክጽውዕን ክትነትንን ክፍትን ኢየ።

ካብኡ ሓሊፉ፡ ክብሎ ዝደሊ፡ ካብ ስምዒታት ሓራ እንተዘይወጺና፡ እቲ እንደልዮ ሽቶ ሓርነት ኣይክንወቅዕን ኢና ካብ ዝብል እምነት ተበጊሰ ንዝጽሕፎ ጽሑፍ ማንም ኤርትራዊ ብህዱእ ኣእሙሮ እንተ ተርዲኡዎን መዚኑዎን ንኹልና ክጠቕመና ይኽእል’ዩ ኢለ ይኣምን።

ካብ’ዚ ቀጺለ ዘቅርቦ ጽሑፍ ኩነታት ቤት-ማእሰርቲ ኣብ ኣዋን ህግደፍ ዝብል’ዩ።

 

ኣብ እዋን ደርጊ ዝነበረ ማእሰርትዶ

ኣብ ህግዲፍ ዘሎ ማእሰርቲ ይሓይሽ

 

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋተይ ሓቀኛ ታሪኸ ማእሰርቲ ጀጋኑ ተጋደለቲ ጀብሃን ሸዓብያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰምበልን ዓለም ባቃን ዝበለዩ ምስ ናተይ ናይ 11 ዓመትን 4 ወርሕን ናይ ማእሰርቲ ተመክሮ ኣተሓሒዘ ብሓጺሩ ገሊጸዮ ነይረ።

ሕጂ ከኣ ከም ናይ ፖለቲካ እሱር ነበር መጠን ሂወት እሱር ከመይ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ፤ በዞም  ብድሕሪ ናጽነት ኤረትራ ተኣሲሮም ዘለዉ ናይ ፖለቲካ እሱራትን፤ ናይ እምነት እሱራትን፤ ዝገበርዎ ዘይብሎም እሱራት ወለድን፤ ኣሕዋትን፤ ኣሓትን፤ መንእሰያትን፤ ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎ ማእለያ ዘይበሉ መንእሰይ ኤረትራን ብጣዕሚ  ስለ ዝሓዝን ብጽሑፈይ ብዓቕመይን ኡይ !! ኡይ !!  ክብለሎም ክፈትን ኢየ።

ህግደፍ “ዓወት ንሓፋሽ”፤  “ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ”፡ ዝብሉ ጭርሖታት እንዳተጠቕመ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ በደል፡ ኣብ ዓለምና ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ንረኽቦ።

ቅድሚ ኩነታት ቤት-ማሰርቲ ህግዲፍ፡ ነዘን ክልተ ጭርሖታት ንምርኣይ እስከ ንፈትን።

“ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ”፡ ትሕዝቶ ናይ’ዛ ጭርሖ እዚኣ ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ዘገርምን እዩ።

ገለ ግሩሃት መቓልሕ ህግዲፍ ብምዃን ክደጋግሙዋ ይስምዑ እዮም።

እወ! ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ህዝቢ እዩ ኢለ እኣማን። ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ልቢ ድዩ? ኣይኰነን፡ ክኸውን እውን ኣይክእልን። ምኽንያት ጨቋንን ተጨቋንን፣ ገፋዕን ተግፋዕን፣ ኣሳርን ተኣሳርን፣ ሃዋሁ ዝሰፈና ሃገር ህዝባ ሓደ ልቢ ክህልዎ ኣይምኸኣለን። እዚ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ዝግለጽ ኰይኑ፡ ብሰፊሑ ምትንታኑ ኣድላይነት ኣለዎ።

ስርዓት ህግዲፍ፡ ሃገር ምምራሕ ካብ ዝጅምር እንሆ 16 ዓመቱ ሒዙ’ሎ። ኣብዘን ዝሓለፋ 15 ዓመታት፡ ንነብሱ ልዕሊ ሕጊ ብምስራዕ ሃገር ፊን ከምዘበሎ ምስ ህዝባ ጠላዕ ይጻወተሎም ኣሎ። እዚ ስርዓት’ዚ፡ ነቲ ባዕሉ ኣጽዲቐዮ ዝበሎ ሕገ-መንግስቲ እኳ ንምትግባሩ ዘፍርሆ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ሕገ-ኣልቦ ስርዓት’ውን እዩ።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ልዕሊ ደርዘን ዝዀና ውድባት ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ይቃለሳ ኣለዋ። ስለ’ዚ፡ ንሳተን ኣካል ሕበረተ-ሰብ ኤርትራ ስለ ዝዀና፡ ምስ ህግዲፍ ሓደ ልቢ ከቶ ክዀና ኣይክእላን።

መንእሰያት ሃገር ብኣስገዳድ ካብ ሕጊ ወጻኢ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ሰራዊት ከገልግሉ ተወሲኑሎም ኣሎ። እዚ ካብ ፍቶቶም ወጻኢ ዝፍጽሙዎ ዘለዉ ውትህድርና፡ ምስ ህግዲፍ ሓደ ልቢ ከብሎም ይኽእል’ዶ? ኣይክእልን።

ሓደ ልቢ ኔሮም እንተ ዝዀኑ፡ ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ኣብ ፈቐዶ መንገዲ ንሞት ኣይምተሳጥሑን። ኣብ ዓዶም ኮፍ ምበሉ። ስለ’ዚ፡ እዚኣቶምን ህግዲፍን ሓደ ልቢ ኣይኰኑን። ኣብ ሃገርና ዝበዝሐ ክፋል ናይ’ቲ ሕብረተ-ሰብ መንእሰይ እዩ። እቲ መንእሰይ ድማ፡ መብዝሕትኡ ኣንጻር ህግዲፍ እዩ።

ስለ’ዚ፡ ዝበዝሐ ክፋል ካብ ሕብረተ-ሰብና ዝዀነ መንእሰይን ህግዲፍን ዓይንን ሓመድን እዮም። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ህግዲፍን ህዝቢ ኤርትራን ገዛእን ተጋዛእን፣ ኣሳርን ተኣሳርን፣ ጽጉብን ጥሙይን እዮም። ስለ’ዚ፡ ሓደ ልቢ ክዀኑ ኣይክእሉን።

“ዓወት ንሓፋሽ”፡ እዛ ጭርሖ እዚኣ፡ ህግዲፍ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ብዙሕ ኣገልጊላቶ እያ። ብወገን ድማ፡ ኣይቃወማን እየ። ሕጂ’ውን ህግዲፍ መዓልታዊ ይጥቀመላ ኣሎ። ኣብ’ዚ ዝለዓል ሓደ ሕቶ ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ህግዲፍ ፈሊጡ ድዩ ዝጥቀመላ ዘሎ ወይስ ከይፈለጠ? ዝብል’ዩ። ምኽንያቱ፡ ሓፋሽ ዓወት ጨቢጡ ስልጣን ኣብ ኢዱ ኣይዓተረን። ስለ’ዚ፡ ዓወት ንሓፋሽ ዝብል ጭርሖ፡ ሓፋሽ ክሳብ ዝዕወት ክጭራሕ ኣድላይነት ኣለዎ።

እቲ ዘገርም ግን፡ እቲ ጨቋኒ ኣካል ነዛ ጭርሖ ምጥቃሙ እዩ። ዝዀነ ኰይኑ፡ ሓፋሽ ዛጊት ኣይተዓወተን፡ ህግዲፍ ድማ፡ ዓወት ንሓፋሽ ይብል ኣሎ። ስለ’ዚ፡ ብርእይቶይ ህግዲፍ ንሓፋሽ ተቓሊሱ ዓወት ንክጭብጥ ይጽውዖ ኣሎ።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ሓፋሽ ክሳብ ስርዓት ህግዲፍ ስዒሩ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝተክል፡ ነዛ ጭርሖ እዚ’ኣ ኣልዒሉ ንኽቃለስ፡ ትዕድም ጭርሖ ስለ ዝዀነት፡ በዚ ኣጋጣሚ፡ ህዝቢ ዓወቱ ክሳብ ዝጭብጥ ንህግዲፍ ክቃለስ ትጠልቦ ኣላ። ምእንቲ’ዚ፡ ህዝቢ ተቓሊሱ ዓወቱ ክጭብጥ ይግባእ። ይውዓል ይሕደር ብዘየገድስ፡ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝዕወት ኣይጠራጠርን። ምኽንያት፡ ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ዝጸንሕ ሃይሊ ስለ ዘየልቦ።

ጉጅለ ኢሳያስ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መንገዲ፡ ንዜጋታትና ኣብ ፈቐዶ ጐዳጉድን ኮንተይነራትን ኣሲሩ የሳቕዮም ከምዘሎ ኩሉ ዝዛረበሉ ሓቂ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ ገለ ካብ ዜጋታትና ኣብ ደሴት ናኹራ ኣሲሩዎም ከምዘሎ ይፍለጥ።

ናኹራ ሃጸያዊት ኢጣልያ ንሓርበኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ትኣስረላ ከምዝነበረት ታርኽ ዝነግረና ሓቂ’ዩ።ስርዓት ህግዲፍ፡ ንናኹራ በቲ ብግዜ ጣልያን ኣብ ኣቦታትና ዝወረደ ግፍዒ መግለጺ ጌሩ ብምውሳድ ሙዜም ክገብራ ምተገብአ። ኰይኑ ግን፡ እዚ ስርዓት’ዚ፡ ካብ ባዕዳውያን ዝገድድ ስለ ዝዀነ፡ እንሆ ናኹራ ዳግማይ መሳቐይት ዜጋታትና ኰይና።

 

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ከምዚ ዝስማዕ ዘሎ ኣብ ሃገርና ካብ ቁጽሪ ቤት-ትምህርቲ ቁጽሪ ቤት-ማእሰርቲ ይበዝሕ። እዚ ስርዓት’ዚ፡ ሰላምን ምርግጋእን ህዝቢ ኣንተ ርእዩ ስልጣኑ ኣብ ሓደጋ ከምዝኣተወ ጌሩ ስለ ዝወስዶ፡ ብማይ ቀጠነ ዝዓይነቱ ነገር፡ ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዳጒኑ የስቕዮም ኣሎ።

ንዜጋታትካ ኣብ ኮንተይነራትን ጉድጓድን ምእሳር ናይ ገበን ገበን’ዩ። ቀትሪ ብጽሓይ ሓዊ ዝኸውን፡ ለውይቲ ብዛሕሊ በረድ ዝኸውን ዚንጎ ስብ ምእሳር፡ ከምኡ’ውን፡ ኣብ ጉድጓድ ሰብ ምእሳር፡ እሞ ድማ፡ ብወዲ ሃገር’የ ዝብል ስርዓት፡ ህዝብና ሕያዋይ ክነሱ፡ ኣታ ገለ መርገም’ዶ ጸኒሑዎ ዘብል’ዩ። እዞም ኣብ ጉድጓድ ይኹን ኣብ ኮንተይነር ዝተኣስሩ ሰባት፡ ምናልባት እንተ ተፈቲሖም ሰብ ክዀኑ ኣይክእሉን’ዮም።

እስከ ኣብ እዋን ደርጊ ዝነበረ ማእሰርትን፡ ኣብ ህግዲፍ ዘሎ ማእሰርትን ብመጠኑ ነወዳድር፡-

 

  1. ደርጊ ብፖለቲካ ምኽንያት ካብ ከተማ እንተ ኣሲሩካ፡ ኣብ መርመራ ኣእትዩ ይቕጥቅጠካ። ብድሕሪኡ ድማ፡ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ይወስደካ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ድማ፡ ክሳብ ዝገበረ ዝገብረካ፡ ከምሰብካ ሕክምና ኬድካ ትሕከም፡ ትመሃር፡ ምስ ቤተ-ሰብካ ትራኻብ፡ ካብ ቤተ-ሰብካ ዝወሃበካ ገንዘብ መግቢ ክዳውንቲ…ወዘተ ትቕበል። ኣብ ህግዲፍ ሓንሳብ ምስ ተወሰድካ ይትረፍ’ዶ እዞም ዝጠቐስኩዎም ነገራት ክትረክብ፡ ኣበይ ከምዝተኣኣሰርካ’ውን ቤተ-ሰብካ ኣይፈልጡን።
  2. ደርጊ ኣብ መርመራ ኣብ ዘለኻሉ እዋን ካብ ቤተ-ሰብካ ዝመጸካ ነገራት ተቐቢሉ ይህበካ፡ ኣብ ህግዲፍ ኣበይ ከምዝተኣሰርካ እውን ቤተ-ሰብካ ኣይፈልጡን።
  3.  ደርጊ ባዕሉ እንተ ዘይቀቲሉካ (ናይ ፖለቲካ ኣሱር ማለተይ እየ) ብሕማም እንተ ሞይትካ፡ ሬሳኻ ንቤተ-ሰብ ይወሃብ። ኣብ ህግዲፍ ሓንሳብ እንተ ተኣሲርካ ሙት ሃሉ ቤተ-ሰብካ ኣይፈልጡን።
  4. ደርጊ ኣብ ጉድጓድ ፈጺሙ ኣይኣስርን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኮንተይነር። ኣነ ዝረኣኹዎ፡ ሓደ እዋን ደርጊ እሱራት ስለ ዝበዝሕዎ ኣብ ጐልጎል ኣሲሩና ኔሩ። ህግዲፍ ግን፡ ኣብ ጉድጓድን ኣብ ኮንተይነራትን ይኣስር።

ብሓጺሩ፡ ኩነታት እሱራት ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ምዃኑ፡ ሕቡእ ስለ ዘይኰነ፡ ንኣብነት ዝኣክል ኢለ እየ ንምጥቃስ ዝፈተንኩ።

ጉጅለ ህግዲፍ፡ ሓላዪ` ክመስል ወግሐ ጸብሐ ሓፋሽ፣ ሓፋሽ ክብል ንሰምዖ። ሓፋሽ ግን፡ ይተረፍዶ ብዝሓለፉ ገዛእቲ ከም’ዚ ዓይነት በደል ክወርዶስ፡ ብወረ ኣውን ኣይሰምዖን።

እታ ብሕማቕ እትውረ ነገር “ግዝኣት ቱርኪ” ኢያ። ንሳ’ውን ዋላ’ኳ ሕማቕ ትንበር እምበር፡ ምስ ናይ ሕጂ ክትወዳደር ኣይትኽእልን’ያ። መራሕቲ ህግዲፍ ከም ሓፋሽ ጌሮም ዝወስዱዎ ንነብሶም ጥራሕ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ንሶም ጽቡቕ ስለ ዘለዉን፡ ስቓይ ሰብ እንተ ዘይርእዮም ድማ፡ ስለ ዘይቀስኑን፡ ስቓይ ሰብ ከም ሓደ መዘናግዒ ነገር ጌሮም እዮም ዝርእዩዎ።

 

እዞም ከርሶም እንተ መልኡ ጥሙይ ዘሎ ዘይመስሎም ጐሓላሉ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርዱዎ ዘለዉ ስቓይ በዚ ጽሑፍ’ዚ ንምግላጹ ዘሸግር እዩ። ኰይኑ ግን፡ ኮን ዶኾን ገለ ዛጊት ንህግዲፍ ዝድግፉ ወገናት ናብ ልቦም እንተ ተመለሱ ካብ ምባል ጥራሕ’ዩ። ምስ’ዚ ብዝተተሓሓዘ። ማንም ኤርትራዊ ይፍተዋ ይጽለኣያ፡ ክገልጻ ዝደሊ ነገር ኣላ።

ንሳ ድማ፡ ገለ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታትና፡ ብተግባር ደገፍቲ ህግዲፍ ኰይኖም፡ ኣሕዋቶም ካብ ኤርትራ ንክሃድሙ ዝገብሩ ጻዕርታት’ዩ። ደገፍቲ ህግዲፍ እንተ ኰይንካ፡ ህግዲፍ ጽቡቕ ስለ ዝሰርሕ ትድግፎ ኣለኻ ማለት’ዩ። ስለምንታይ ደኣ ሃውካ/ሓብትኻ ተህድም? እዩ ናተይ ሕቶ። ደቂ ድኻ ክመቱልካ። እዚ ነውሪ’ዩ። ብህይወት ደቂ ድኻታት ምጽዋት’ዩ፡ ብገበን ድማ፡ ዘሕትት’ዩ።

ብዓብይኡ ድማ፡ ነታ ሃገር ተሰዊኦም ነጻነት ዘምጽኡላ መብዝሕትኦም ደቂ ድኻታት’ዮም። ንምታይ ሕጂ ካብ ርእሶም ዘይውረድ? ኣነ ማንም ሰብ ንዝደለዮ ውድብ/ሰልፊ ክድግፍ ወይ’ውን ኣባል ክኸውን መሰሉ እዩ። ነቲ ኣባል ዝዀነሉ ውድብ ድማ፡ ኩለንተንኡ ወይውን ዝኽእሎ ዘበለ ነገር ከወፍየሉ ግቡእ’ዩ። እቲ ዝጽላእ፡ ብሓንሳብ ኣብ ክልተ ኦም ክትድይብ ምፍታን’ዩ። ምኽንያት፡ በቲ ሓደ መጨቈንን መሳቕይን ህዝቢ ዝኸውን ገንዘብ ንህግዲፍ ምሃብ። በቲ ካልእ ድማ፡ ቤተ-ሰብካ ካብ’ቲ ጭቈና ከተህድም ምፍታን፡ ጉዳም ፍልስፍና! ሃገር ትባድም ኣላ፡ ህዝባ ምስተወድአ ድማ፡ ዘህደምካዮ ቤተ-ሰብካ ተመሊሱ ሃገር ኣይገብራብራን’ዩ። ስለ’ዚ፡ ክህሰበሉ ዘለዎ ጉዳይ ኰይኑ ይስመዓኒ። እዞም ኣብ ፈቐዶ ባሕሪ ካብ ጀላቡ እንዳጠሓሉ ዝሞቱ ዘለዉ መሳኪን መንእሰያት፡ ናብ’ዚ ሓደጋ’ዚ ንኽኣትዉ ገንዘብ መን ይህቦም ኣሎ? ማንም ዝምልሶ ሕቶ ስለ ዝዀነ ካባይ መስሊ ኣየድልን።

ህግዲፍ ነዞም ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብናይ ጃልባ ሓደጋ ዝሞቱ መናሰያት፡ ወልዶም ሓዘን ከይገብሩ ከልኪሉዎም ኣሎ። እዞም መሳኪን መንእሰያት፡ ኣብ’ዚ ሓደጋ ዘብጽሖም፡ መን’ዩ? ኣስከ ልቢ ንግበር። ኩነታት ከም’ዚ ኢሉ እንተ ቀጺሉ፡ ወዲ ድኻ’ውን እቲ ጾር ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ስለ ዝዀነ፡ ሓደ መዓልቲ ገደብ ክገብረሉ ክግደድ’ዩ። እቲ ክገብሮ ዝኽእል ድማ፡ ንኹልና ጽቡቕ ኣይክኸውንን’ዩ። ስለ’ዚ፡ ማን ህዝቢ ልዕሊ ኩሉ ዝብል ዜጋ፡ መሳቐዪ` ህዝቢ ዝኸውን ገንዘብ ከዋጽእ የብሉን። ንህዝቢ ዝኽፈል መስዋእትነት፡ ጸጋ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ጽድቂ’ውን’ዩ። ንጥቕሚ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ሰባት ኢልካ ተዋጽኦ ገንዘብ ግን፡ ዓዘራ ኣለዎ።

 

ሓደ ግዜ፡ ማለት ብ1986፡ ኣብ ኣፍ-ደገ ቤት-ትምህርቲ ቤትማእሰርቲ፡ ኣነን ሓደ መሓሪ (ዓዱ ዓዲ መንጎቲ) ዝበሃል ናይ ሻዕብያ ምሩኽን፡ ከምኡ’ውን ጌታቸው ዝተባህለ ብኢህኣፓ ዝተኣኣሰርን፡ እንዳ ኣዕለላ ከለና፡ ሓንቲ ካብተን ኣባጊዕ ዱጓና፡ ኣብ ቅድሜና መጺኣ፡ ትወልድ፡ ጸኒሓ ድማ፡ ትደግም፡ ኮታ ማንታ ትወልድ።

ሽዑ ንጉሰ፡ “በኣሁኑ ሰዓት የኢትዮጵያ ሴቶች ማህጸኔን ኣምክነው ብለው ፈጣሪ በሚማጸኑበት ሰዓት፡ የዋህዋ በግ መንታ ወለደች” (ኣብ’ዚ ኣዋን’ዚ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ማህጸነይ ኣምክኖ ብምባል ንፈጣሪ ኣብ ዝምሕጸናሉ ሰዓት፡ እዛ ሕያወይቲ በጊዕ ማንታ ወሊዳ) ይብለና። ንጉሰ ሓቁ’ዩ፡ ብስም ቀይሽብር (ቀይሕ ራዕዲ)፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ክቕዘፉ ስለ ዝረኣየ እዩ ተዛሪቡዎ።

 እዚ ተግባር’ዚ፡ እንሂ ሕጂ ኣብ ሃገርና ብህግዲፍ ዝወረደና መዓት’ዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ሃገርና ቈልዓ እንተ ወልዱ፡ ወለዱ ዘይ ንኢሳያስ ኢና ወሊድናሉ ክብሉ ይስምዑ እዮም ይበሃል። እንተበሉ ድማ ሓቆም እዮም። ምኽንያቱ፡ ዘዝወለድካዮ፡ ኣገልጋሊ ህግዲፍ እንተ ዀይኑ፡ ንዓኻ ኣይጠቕመካን’ዩ። ስለ’ኢዝ ሃየ ንህዝቢ ንሕሰበሉ። 

 

ይቕጽል…..