ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓለም ባቃ

ድሕሪ 11 ዓመት ናጻ

 

ሓቀኛ ታሪኽ ብተስፉ በራኺ

ኣዲስ ኣበባ 18.07.2006

 

6ይ-7ይ ክፋል

 

 

ክሳብ ዝቐትሉና ንጽበ ዝነበርና

ብ27.05.1991 ብሃንደበት ተፈታሕና

 

መቸስ ካብ ደርጊ ንጽበዮ ነገር ስለ ዘይነበረ፡ ክሳብ ዝቐትለና ምጽባይ እንተዘይኰይኑ፡ ዳርጋ ኣብ መብዛሕትና ካልእ ሓሳብ ኣይነበረን። ኰይኑ ግን፡ ኩነታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ይኸይድ ኣሎ፡ ወትሩ ንከታተሎ ኔርና ኢና። ጀብሃ ሱዳን ኣቲያ ኣብኡ’ውን ተባታቲና ሰሚዕና ስለ ዝነበርና፡ እቲ ተሪፉ ዝነበረ ቃልሲ ናይ ምቕጻል ዕድል ኣብ ሻዕብያ ጥራሕ ምትራፉ፡ ንዓና ስዉር ኣይነበረን። ሻዕብያን ወያኔን ንደርጊ ጽቡቕ ጌሮም ይሃርሙዎ ምንባሮም ንሰምዕ ኔርና። ኩነታት ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ማለት ብ1984-85 ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ ብሓፈሻ፡ ኣብ ትግራይ ድማ፡ ብፍላይ ከቢድ ድርቂ ስለ ዝኣተወ፡ በቲ ሓደ መዳይ ደርጊ ንህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ከንበርክኾ ብምሕሳብ፡ ኣብ ከተማታት ምእካብን፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ ብስም ሰፈራ ናብ ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያ ወሲዱ ፋሕ ብትን ከእትወሉን ክጽዕር እንከሎ፡ በቲ ሓደ መዳይ ድማ፡ ሕወሓት ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ደርጊ መታን ከይንብርከኽን፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ፡ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ነኸየበርዕንን ምእንታን ብዝተኻእለ መጠን ንህዝቢ ትግራይ፡ ንሱዳን ወሲድካ ክሳብ እቲ ድርቂ ዝሓልፍ ኣብኡ ንምእላዩን ብምውጣን፡ ንሱዳን ከንቀሳቕሶ ጀመረ። ኰይኑ ግን፡ ሽዑ ንሽዑ ህዝባዊ ግንባር ምሕላፍ ከልከለት። ሕወሓት ድማ፡ ብመሬት ኢትዮጵያ ሓድሽ መንገዲ ብምጽራግ፡ ነቲ ዝተለመቶ ተግባራዊ ጌራቶ እያ። ዝዀነ ኰይኑ፡ ብሰንኪ’ዚ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባርን ሕወሓትን ሽግር ተፈጥረ። ንሕና’ውን እቲ ሽግር ብመጠኑ ብራድዮ ሰሚዕናዮ ኢና።

 

ሽዑ ምሩኻት ህዝባዊ ግንባር ካብ ራድዮ ብዝሰምዑዎ ነገር ተበጊሶም፡ ኣንጻር ሕወሓት ይዛረቡ ኔሮም። ንሕና ግን፡ ኣብ ፖለቲካ ምጽላእን ምፍታውን ወይውን ምስምማዕን ዘይምስምማዕን ክህሉ ስለ ዝኽእል፡ ክትሰማማዕ ከለኻ ምምስጋን፡ ምስምማዕ ክትስእን ከለኻ ምጽርራፍ፡ ኣየድልን’ዩ ንብሎም ኔርና ኢና። ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ በደለኛ መን ምዃኑ ከየጻረኻ፡ ንውድብካ ደጊፍካ ምጽራፍ ኣድላዪ ኣይኰነን ንብል ኔርና። እዚ እዩ ድማ ንሕና ኤርትራውያን ስምዒታውያን ኢና ዝብለኒ። ዝዀነ ኰይኑ፡ ደሓር ህዝባዊ ግንባርን ሕወሓትን ንደርጊ ብሓባር ክወቅዑዎ ምስ ጀመሩ ኣታ ሓቅኹም እባ ኢኹም ተባሂልና ኢና።

 

ብ1986፡ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ዝበሃል ዘይንፈልጦ ውድብ ጉባኤ ብምክያድ፡ መሪሕነቱ ብምምራጽ ናይ ቃልሲ ዕላምኡ ምንጻሩ ሰማዕና። ምናልባት ሓደ ካብተን ፍንጫላት ናይ ጀብሃ እዩ ዝኸውን በልና።  ጸኒሑ፡ ብ1987፡ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ ዝብል ናይ ህዝባዊ ግንባር ወረ ድማ ሰማዕና። እዚ ድማ ሓደ ፍንጫል ናይ ጀብሃ ምስ ሻዕብያ ምጽንባሩ ከረድኣና ከኣለ። ኣብ’ቲ ጉባኤ ድማ፡ እቲ ንሕና ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ዋና ጸሓፍን ጀብሃ ምንባሩ ንፈልጦ፡  ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ወኪሉ ኣብ’ቲ ጉባኤ ናይ ደገፍ መግለጺ ከምዝሃበ ሰማዕና።

ብድሕሪ’ዚ፡ ኩነታት ጀብሃ ኣዝዩ ዝተወሳሰብን ክንርድኦ ዘይንኽእል ምዃናን ተገንዘብና። ሓንቲ ብርህቲ ዝዀነትልና ጉዳይ ግን፡ ዕድመ ንመራሕታ፡ እታ ውድብ ኣይትብላዕ ኣይትስተ ከምዝገበሩዋ እዩ።

 

ሕጂ’ውን ኩነታት ማእሰርትና ኣብ ምቕጻል እንከሎና፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 1987 ሓደ ሃንደበታዊ ተርኽቦ ኣጋጠመ። ንሱ ድማ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ሕማም ሸሮኽ ኣትዩ ሰባት ክቐትል ጀመረ። ብዙሓት እሱራት ሓሚሞም ኣብ ኩዕሶ ሜዳ ደቂሶም ሕክምና ይግበረሎም ኔሩ። 4 ካብ ምሩኻት ድማ ሓሚሞም ሕክምና ተግይሩሎም’ዩ። ነቶም ዘይሓመምና ድማ፡ ቴትራ ሳይክሊን ዝበሃል ከኒና ተዋሂቡና ወሲድናዮ። ዝዀነ ኰይኑ፡ 46 እሱራት በቲ ሕማም ክመቱ እንከለዉ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ካባና ዋላ ሓደ ኣይሞተን።

ኣብ ታሪኽ ማእሰርትና ድማ፡ ሓንቲ ሰንበት ብሰንኪ’ቲ ሕማም ተላገብ ቤተ-ሰብ ኣትዩ ኣይሓተተናን። ቤተ-ሰብ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ሕማም ተላገብ ምእታዉ ስለ ዝሰምዐ። ገሊኡ ሽጉርቲ ጻዕዳ፡ ገሊኡ ለሚን፡ ገሊኡ ከኣ ሽንፋእ ሒዙ መጸ። ኣብ ኣፍደገ ቤት-ማእሰርቲ ምስ በጽሐ ግን፡ ብሰንኪ’ቲ ሕማም ምእታው ክልኩል ምዃኑ፡ መግቢ ግን ብእሱራት ተመላሊሱ ነዝማድ ከምዝወሃበሉ ተነጊሩዎ፡ ስልጣንያኡ ገገዲፉ ተመሊሱ። ብዛዕባ ሞት ክዛረብ እንተ ዀይነ፡ ክልተ ሕማቕ ተረኽቦታት ገጢሞምና እዮም።

እቲ ቀዳማይ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሓዊሱ ብጠቕላላ 14 ምሩኻት ኣብ ዝተፈላለይየ ግዜ ብሕማም ሞትዮምና እዮም። እቲ ካልኣይ ድማ፡ ብስም ሻዕብያ ተባሂሎም ካብ ከተማ ዝተኣስሩ ሓንቲ ዛይድ በላይ ዝተባህለት ጓለንስተይቲ ትርከቦም 5 ኤርትራውያን ተቐቲሎም እዮም። ኣረሜናዊ ስርዓት ደርጊ ሽዑ መዓልቲ፡ ኣባላት ሻዕብያ፣ ሕወሓት፣ ኢህኣፓ፣ ኦነግ ብምባል፡ ከምኡ’ውን ብሃይማኖታዊ እምነት ዝተተሓሓዘ፡ ብጠቕላላ 46 ሰብ ቀቲሉ እዩ።

 

1988፡ ተስፋ ዝሃበት ዓመት። ኣብ ወርሒ ለካቲት 1988፡ ሓደ መዓልቲ ከባቢ ሰዓት 3፡00 ድሕሪ ቀትሪ፡ ሓደ ሰብ ንዓለም ባቃ ብምእታው፡ ኣስማት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓወሰ ናይ 20 ምሩኻት ስም ይጽውዕ። ኣስማት ጸዊዑ ምስ ወድአ ጋቢ እና ኦራንት (ጋብን ዋራንትን ማለቱ እዩ። እታ ጋቢ ጋቢ እያ እታ ዋራንት ድማ፡ ናይ ቤት-ማእሰርቲ ተሴራና እያ) ይብል። ደርጊ ሰብ ንምቕታ ክጽውዕ እንከሎ ከምኡ ኢሉ እዩ ዝጽውዕ። በዚ ጸዋዒት ንስንብድ’ሞ፡ እቶም ዝተጸውዑ ደቂ-ተባዕትዮ ብዕድመ ሽማግለታት ስለ ዝዀኑ፡ ክፈትሖም እዩ ግዲ ዝብል ጥርጠራታት እውን ነሕድር። ዝዀን ኰይኑ፡ እቲ ጥርጠራታት ናብ ጽቡቕ ነገር ተቐይሩ፡ ንፈለማ ኣዋን ደርጊ ብዕሊ ን20 ምሩኻት ፈትሐ።

ኣብ’ዚ እስከ ከስሕቐኩም። መቸም ደርጊ ኣይእመንን እንድዩ፡ እቶም እሱራት ናብ ማእከላዊ መርመራ ምስ ወሰዱዎም፡ በብሓደ ጸዊዖም ተፈቲኻ ኢኻ ውጻእ ስለ ዝብሉዎም፡ ሓደ ዑስማን ዝተባህለ ካብ ምዕራባዊ ጋሽ ዝተኣስረ፡ ሕራይ ኢሉ ይወጽእ’ሞ፡ ተመሊሶም ከይሕዙዎ ብምፍራህ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይሃድም። ኣምሕርኛ ኣይክእል ኣዲስ ኣበባ ኣይፈልጥ። ዝዀነ ኰይኑ ፈጣሪ ሓጊዙዎ ኰለል ክብል ድሕሪ ምምሳይ መስጊድ ረኺቡ ኣብኡ ይሓድር። ንጽባሒቱ ክሰግዱ ዝመጹ ኤርትራውያን ብትግርኛ ክዛረቡ ሰሚዑ ኩነታቱ ይነግሮም፡ ንሳቶም ድማ ብመኪና ጌሮም ንኣፍ-ደገ፡ ቤት-ማእሰርቲ ይምጽእዎ፡ ክዳውንቱ ሒዙ ምስ ወጸ ድማ፡ ንመስጊድ ይመልሱዎ’ሞ፡ ኣብኡ ገለ ካብ’ቶም ምስኡ ዝተፈትሑ ይረክብ። በዚ ድማ፡ ጸገሙ ይፍታሕ። ኩሎም መጺኦም ድማ፡ ንዓና ከማና የማስልኩም ኢሎም ይፋነዉና።

 

ብድሕሪ 11 መዓልቲ እንደገና 20 ሰብ ጸዊዕም ይፈትሑ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ 11 መዓልቲ 20 ሰብ ምፍታሕ ቀጸለ። ኣፈታትሓ ናይ ደርጊ ድማ፡ ኣዝዩ እዩ ዘገርም። ከም’ዚ፡ (First in first out “FIFO”)  ዝዓይነቱ  ኣወጻጽኣ ኣቕሑት ዓይነት እዩ ተጠቒሙ። እዚ ማለት ድሕሪት ዝተእስረ እዩ ዝፍታሕ ኔሩ። እዚ ክብል ከለኹ ግን፡ ንዓበይቲ ቀዳምነት ሂቡ እዩ። ዝዀነ ኰይኑ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ እቲ ምፍታሕ ቀጺሉ፡ ሓደ መዓልቲ ግን፡ ኣብ ክንዲ 20፡ 15 ሰብ ጥራይ ፈቲሑ። ብጠቕላላ ኣብ’ታ ዓመት እቲ’ኣ፡ 165 ሰብ ምሩኻት ተፈቲሖም እዮም።

 

እቶም ዝተረፍና ድማ፡ ናይ ምፍታሕ ኩነታት ምስ ረኣና፡ ነብስና ክንፈቱ ጀምሪና። ወትሩ ድማ፡ ብሃንቀውታ ንጽበ ኔርና። ደርጊ ግን፡ እዞም 165 ሰባት ምስፈትሐ፡ ነቲ ምፍታሕ ኣቋረጾ። ሓንሳብ ኣብ ኣእምሮና ናይ ምፍታሕ ተስፋ ስለ ዘሕደርና ድማ፡ ኩላትና መኣስ’የ ዝፍታሕ ንብል ኔርና። ግን ኣይተፈታሕናን።

 

1989፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብጀነራላት ብ16 ግንቦት 1989፡ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝተኻየደ፡ ዳርጋ ኩሉ ይዝክሮ እዩ ኢለ እኣምን። ሽዑ መዓልቲ፡ ሰዓት 3፡30 ድሕሪ ቀትሪ፡ ካብ ማእከላዊ ሰባት መጺኦም፡ ብሸበርበር 10 ሰብ ይጽውዑ። ካብ’ቶም ዝተጸውዑ ሰባት 4 ብ1988 ዝተፈትሑ እዮም፡ ነቶም 6 ድማ፡ ብሃታሃት ይወስዱዎም። እቶም ዝተፈትሑ 6 ሰባት ኣፋንው ምሰበልናዮም፡  ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብድምጺ ናይ ውግእ ነፈርቲ ትህወጽ። ነገሩ እንታይ እዩ? ዕልዋ መንግስቲ’ዶ ተኻይዱ? ንበሃሃል ነንሕድሕድና። ሰዓት 6፡00 ናይ ምሸት ቴለቪዥን ክንርኢ እንተ ከድና፡ ኣይከፈቱልናን። እንታይ እዩ ነገሩ? ብምባል፡ ናይ ኣዲስ ኣበባ ራድዮ እንተ ከፈትና ሰላም። ሽዑ ይድንጽወና’ሞ፡ ናይ ኣስመራ ራድዮ ንኸፍት። ዕልዋ መንግስቲ ከምዝተኻየደን፡ መንግስቱ ሃለማርያም ንምብራቕ ጀርመን ከምዝሃደመን፡ ራድዮ ኣስመራ ትድሕድሖ። ብጣዕሚ ድማ፡ ንሕጐስ።

 

ብድሒር’ዚ፡ ምሉእ ምሸት ራድዮ ኣዲስ ኣበባ ንከታተል፡ ወይ’ከ! ራድዮ ኣዲስ ኣበባ ፈነውኣ ልክዕ ሰዓት 11፡00 ናይ ለይቲ እያ፡ ትዛዝም። ሽዑ ኣብ’ቲ ሰዓት’ቲ ኣይዛዘመትን። ንሕና ድማ፡ ተጸበና። ሰዓት 11፡03፡ “ክቡራት ሰማዕትና፡ ካብ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ ዝተዋህበ መግለጺ’ሎ፡ ምስ በጽሓና ከነቕርበልኩም ኢና” ትብል። ጽን እንተበልካ፡ ነዛ ዘረባ’ዚኣ ጥራሕ ደጋገመት። ሰዓት 11፡07 ሰማዕትና ካብ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ ዝተዋህበ መግለጺ በጺሑና’ሎ፡ ነቕርቦ ድማ” ድሕሪ ምባል፡ ብኸምዚ ትገልጾ፡ “በዛሬው ዕለት በጢቅት ጀነራል መኰንኖች የተደረገው የመፈንቅለ መንግስት ሙኰራ ብኣብዮታውያን ጓዶችና በሓቀኛ የህዝብ ልጆች ከሽፈዋል፡ ዝርዝሩ ወደፊት ይገለጻል” (በዚ ሎሚ ዕለት ብውሑዳት ጀነራል መኰንናት ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ብሰውራውያን ብጾትን ብሓቀኛታት ደቂ ህዝብን ከሺፉ ዝርዝሩ ኣብ መጻኢ ክግለጽ’ዩ) ብምባል፡ ፈነውኣ ትዓጹ። ንሕና ድማ፡ እቲ ዕልዋ መግስቲ ከምዝፈሸለ ንርዳእ። ኣብ ኣስመራ ድማ፡ ን3 መዓልቲ ድሕሪ ምቕጻል ንሱ’ውን ይፈሽል።

 

ብድሒር’ዚ፡ ምፍታሕ እንተ ተጸበኻስ ምፍታሕ ትመስክር። ተጸቢና ምስ ረብረብና፡ ደርጊ ድማ፡ እንዳ ተሳዕረ ይመጽእ ስለ ነበረ፡ ደጊም ቀሪብና ኢና ዘይ ደርጊ ክወድቕ’ዩ ብምባል ብተስፋ ንጽበ። ውግእ እንዳ ሓየለ መጸ። ብድሒር’ዚ፡ መግስቱ ሃይለማርያም ዘተ ይጽውዕ። ምስ ሻዕብያ ኣብ ኣትላናታ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ በኹሪ ርክብ ክካየድ ብቴለቪዥን ንርእዮ። ጸኒሑ ድማ፡ ሓደ ዘደንጹ ነገር ንርኢ። ንሱ ድማ፡ ዑመር ቦርጅ ዝበሃል ዝመርሖም ፍንጭልጫላት ጀብሃን ደርግን ኣብ የመን ኣኼባ የካይዱ፡ እቲ ናይ የመን ኣኼባ ተስፋ ዘይብሉ ምዃኑ ደርጊ ንሰውራ ኤርትራ ንምትዕንቓፍ እንተ ዘይኰይኑ ክጥቀመሉ ደልዩ፡ እቶም ፍንጭልጫላት ጀብሃ ሓንቲ ክገብሩ ከምዘይክእሉ፡ ንምርድኡ ብዙሕ ምምርማር ዘድልዮ ኣይነበረን። ጀብሃ ኣብ’ዚ ምውዳቓ ድማ፡ ናይ ብሓቂ ንሓዝን።

 

ይኹን’ምበር፡ ናይ ሻዕብያ ሓያልነት ዓብይ ተስፋ ስለ ዝሃበና፡ ሃገርና ነጻ ክትወጽእ ምዃና ምሉእ እምነት ነሕድር። ገለ ካብ ምሩኻት ሻዕብያ ድማ፡ ሻዕብያ ከምዚ እያ ብምባል ክባጭዉልና ጀመሩ። እቲ ኣብ መንጎና ሃዲኡ ዝነበረ ኩነታት ድማ፡ ገለ ካብኣቶም ግራጭ እእትዮምሉ እዮም። ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ ሓቆም እዮም! ምኽንያት ቅኑዕ መሪሕነት ዘይብሉ ውድብ፡ ክዕወት ማለት ማይ ኣብ ሳርታ (ሓርቢ) ሓቚንካ ልኻይ (ጠስሚ) ከተውጽእ ምጽባይ እዩ። መሪሕነት ጀብሃ ቅኑዕ ኔሩ እንተ ዝኸውን ኣሳርን ተኣሳርን ኣይምዀነን።ሻዕብያን ወያኔን ሓቢረን እየን ንሱዳን ዘውጽኣና ዝብል ዘረባ ብወገነይ ኣይቅበሎን። የግዳስ ልክዕ ከምቲ  ንዝቘንቊነ ኦም (ገረብ) ድፍእ ኣቢልካ ተውድቖ፡ ከምኡ እየን ዝገበራ። ካብ’ዚ ወጻኢ፡  ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን ቅንዑን ሓድነቱ ዘደልደልን መርሒነት እንተ ዝነብር፡ ንሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ይትረፍ’ዶ ወያኔን ሻዕብያን ደርጊ እንተ ዝሕወስ’ውን ኣይምሰዓርዎን።

ትብዓትን ጅግንነትን ተወፋይነትን ሰራዊት ሓርነት ወትሩ ኣብ ታሪኽ ህዝብና ክዝከር ከምዝነብር ኣይጠራጠርን። እንተ ንድኽመታትካ ናብ ካልእ ንምልጋብ ምፍታን ነብስኻ ምትዕሽሻው ጥራሕ’ዩ። ሻዕብያ፡ መሪሕነት ጀብሃ ነንሕድሕዱ ዝተበታተኸን ብቕርሕንቲ ዝተባልዐን ምንባሩ እንተ ዘይተጽንዕ፡ ንጀብሃ ንምድምሳስ ይትረፍ’ዶ ክትሓስቦስ ኣይምሓለመቶን እውን። ነዚ ሓሶት ዝብለኒ ሰብ እንተሎ ሃየ ይበድሃኒ!

 

እቲ ናይ ደርግን ናይ ሻዕብያን ዘተ ኣብ መወዳእታ 1989፡ ኣብ ናይ ሮቢ ኬንያ ምስ ተኻየደ፡ ኣብ ወሪሒ ለካቲት 1990፡ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ንከተማ ምጽዋዕ ይሕዛ። እዚ ድማ፡ ምሉእ ስዕረት ደርጊ ዘረጋገጸ እዩ። ብድሕሪ’ዚ፡ ኣስታት 700 ዝኣኽሉ ምሩኻት ንኣዲስ ኣበባ ይመጹ ቁሩብ መዓልቲ ኣብ ዓለም በቃኝ ኣጽኒሖም ድማ፡ ንዝዋይን ንናዝሬትን ዝበሃል ከተማታት ወሲዶም ያኣስሩዎም። ብ16 ግንቦት 1990፡ ደርጊ ነቶም ዝኣሰሮም ጀነራላት ኣብ ዓመቶም ይርሽኖም። ናይ ሓይሊ ባሕሪ ዋና ኣዛዚ ዝነበረ ሪር ኣድሚራል ተስፋየ ብርሃኑ ዝተባህለን፡ ኣብ ምኒስትሪ ምክልኻል ደርጊ ሓላፊ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ዓብዱላሂ ዑመር ነፍሲ-ወከፎም 10 ዓመት ተፍረዶም ምስ ካልኦት ኣብ’ቲ ናይ ዕልዋ ፈተነ ዝተሳተፉን መኰንናት ንዓለም ባቃኝ ይመጹና።

 

እቲ ውግእ ይቕጽል፡ መንግስቱ ድማ፡ ሃተፍተፉ ይቕጽል። ኣምስያኡ ድማ፡ ብ11 ግንቦት 1991፡ መንግስቱ ሃይለማርያም ካብ ኢትዮጵያ ሃዲሙ ዚምባብወ ይዕቈብ። ሌትና ጀነራል ተስፋየ ገብረኪዳን ድማ፡ ንሓደ ሰሙን ሃገር ይመርሕ። ኣስመራ ድማ፡ ብ24 ግንቦት 1991 ሓራ ትወጽእ ንሕና ድማ ንዕልል። ጀነራል ተስፋየ ኣብ ናይ ሓንቲ ሰሙን ስልጣኑ፡ ስልጣን እንተ ኰይናስ፡ ንኹሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ፈቲሑ፡ ንድቂ ኤርትራን ደቂ ትግራይን ጥራሕ ፈልዩ የትርፈና። ንሕና ድማ፡ ሓይልታት ኢህወደግ ንኣዲስ ኣበባ ከቢቦም ኣብ ቁጽጽሮም ምስ ገበሩዋ። ኣሰርትና ይሃድሙ’ሞ፡ ብዕለት 27 ግንቦት 1991፡ ካብ ዓለም በቃኝ ብሰላም ንወጽእ። ንጽባሒቱ ንግሆ ድማ፡ ሓይልታት ኢሂወደግ ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ይቈጻጸሩዋ።

 

 

7ይ ክፋል

 

“ንዝገበረለካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ”

 

ብዛዕባ ማእሰርቲ ክዛረብ እንከለኹ፡ ብቐዳምነት ክለዓሉ ዝግብኦም ዓበይቲ ጉዳያት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፡ ብዝለዓለ ደረጃ ግደ ቤተ-ሰብን ካልኦትን እዩ። ከም’ቲ ኣቐድም ኣቢለ ክገልጾ ዝፈተንኩ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዓለም በቃኝ ንመዓልቲ ጠቕላላ ሚዛኑ 210 ግራም ዝዀነ፡ ሰለስተ ባኒእዩ። በቲ ሰለስተ ባኒ ወዲ-ሰብ ክነብር ኣይክእል’ዩ።

ስለ’ዚ፡ ንሕና ተኣሲርና ብሰላም ጥዕናና ሓሊና ንክንፍታሕ ዝለዓለ ኣስተዋጽኦ ዘገብሩ፡ ቤተ-ሰብ እዮም። ቤተ-ሰብ ክብል እንከለኹ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝነብር ከይተረፈ ምዃኑ፡ ክገልጽ እፈቱ። ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ቤተ-ሰብ መግብን ካልእ ኣድላዪ ዝዀነ ነገር ኣብ ዝሓተትካዮ ግዜ ከምጽኣልካ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ድማ፡ ገንዘብ ብምልኣኽ፡ በቲ ዝለኣኸልና ገንዘብ ድማ፡ ዝደለናዮ ንኽንዕድግ ብዙሕ ዕድል ሂቡና እዩ። ስለ’ዚ፡ ኩሉ ቤተ-ሰብ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ዘበለ ከምዝገበረልና ፍሉጥ ኩላትና እሱራት ዝነበረና ዘይንኽሕዶ ሓቂ’ዩ።

 

“ንዝገበረለካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ከምዝበሃል፡ ኩሉ ቤተ-ሰብና ክሳብ ዛንዛን ዝብል ከምዝገበርናዮ ክገልጽ እፈቱ። በዚ ድማ፡ ብኻልኦት እሱራት ቤተ-ሰብና ዓብይ ኣድናቖት ረኺቦም እዮም። ቤተ-ሰብና ገንዘብ፣ ክዳውንቲ፣ መግብን ካልእ ነገርን ብምምጻእ ጥራሕ ኣይኰኑን ዘማሰናዮም። የግዳስ፡ ነቲ ሒዞምልና ዝመጹ ነገር ንኽህቡና ኣብ መስርዕ ደሪቖም ብምውዓል፡ ሓጋይ ብጸሓይ ከረምቲ ድማ፡ ብዝናብ ኣዚዮም ከምዝተሸገሩ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክገልጽ እፈቱ። እቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ እውን፡ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሕ ገንዘብ ይልእኩልና ከምዝነበሩ፡ ርእሰ ግሉጽ ሓቂ’ዩ። ምእንቲ’ዚ፡ ንኹሎም ዓብይ ምስጋና ይብጽሓዮም።

 

ብዛዕባ ፍሰሃየ ገሬሱስ ዝምልከት ድማ፡ ከም’ቲ ዝገለጽኩዎ፡ ብጻይ ፍስሃየ ኣዒንቱ ዝዓወረን ኣካሉ ዝለመሰን እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ሓንቲ ተባዕ ግን ክኣ ምንም ትሕዝቶ ዘይነበረን ዘመድ ኔረንኦ እየን። ንሕና ድማ፡ ኣብ’ቲ ንዕኡ ንምርኣይ ኢለን ዝመጻሉ እዋን ንምናልባት ኢልና ስልኪ ናተን ወሲድና ስለ ዝነበርና፡ ብ1988 ምስ ተፈትሐ፡ ንዓዲ ዝወስዶ ክረክብ ኣይከኣለን። ስለ ዝዀነ ድማ፡ ንሃለፍቲ ቤት-ማእሰርቲ ብምፍቃድ፡ ነተን ዘመዱ ኣጸዊዕና፡ ንዕኡ ዓዲ ከብጽሓልናን፡ ንነፋሪት ዝኸውን ገንዘብ ድማ፡ ክንህበን ምዃና ምስ ነገርናየን፡ “ኣታ ወደይ እንድዩ፡ ወዮ ደኣ ድኻ ኰይነ’ምበር ባዕለይ’ኳ ምወሰድኩዎ” ብምባል፡ ንሕቶና ብጸጋ ተቐበልኦ። ኣብ’ቲ ኣዋን’ቲ ንነፋሪት ንኣስመራ መብጽሒ ጥራሕ ብር 500 እዩ ኔሩ።

 

ንሕና ድማብር 1850 ሂብናየን። እቲ 1000 ብር ንኽልቲኦም መኼዲ፡ እቲ 500 ንዕአን ንኣዲስ ኣበባ መምለሲ፡ እቲ ዝተረፈ 350 ድማ፡ ካብ ኣስመራ ንኸባቢ ዓዲ ዃላ ( ዓዲ ፍስሃየ) ንመኪናን ንደግና ንዕአን መምለስን እዩ። እተን ሰበይቲ ድማ፡ ንብጻይ ፍስሃየ ብሰላም ንቤተ-ሰቡ ሂበን ከምዝተመለሳ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ መጺኤን ነጊረናና። ንሕና እውን ቀሲና።

 

ጸኒሕና ዝሰማዕናዮ፡ ብጻይ ፍሰሃየ ድሕሪ ምፍትሑ ኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ህዝባዊ ግንባር ንሳሕል ወሲዶም ከምዝሓከሙዎን ምሉእ ብምሉእ ከምዝጠዓየን፡ ብራድዮ ገሊጾም። ነዚ ብምስማዕና ድማ፡ ብዙሕ ተሓጐስና።

ካብ ማእሰርቲ ምስ ተፈታሕና፡ ኩላትና ነናብ ቤተ-ሰብና ኬድና ቤተ-ሰብ ዘይብሉ ድማ፡ ምስ ቤተ-ሰብ ዘለዎ ተተጸጊዑ ከደ። ብድሕሪ’ዚ። ኣነ ዘይፈልጦን ሓድሽ ሕማምን ሓዘኒ። ድሕሪ ብዙሕ ስቓይን ናብ ዝተፈላለየ ሕክምናታትን ብምኻድ፡ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣዝማ ምዃኑ ተነግረኒ። እቲ ሕማም’ቲ ድማ፡ ንብዙሕ ኣዋን ማለት ን7 ዓመታት ዘኣክል ምሒር ኣሳቕዩኒ እዩ።

 

ምሩኻት ገለ ቀልጢፎም ክኸዱ እንክለዉ ገለ ድማ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጸኒሖም’ዮም። ነዚ ድማ፡ ናቱ ምኽንያታት ኔሩዎ’ዩ። ብፍላይ ህብዛዊ ግንባር ደጊም ጀብሃ የለ ሻዕብያ የለ ብምባል፡ ኩልኹም ኣብ ህዝባዊ ግንባር ክትኣትዉ ኢኹም ስለ ዝበሉ እዩ። ነዚ ብዝምልከት፡ ንኽዘሎ ኣድላዪ ኰይኑ ስለ ዝረኸብኩዎ ዘሊለዮ ኣለኹ።

 

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 2 ተቓወምቲ ውድባት ረኺብና። ብፍላይ ብሓደ ውድብ ዝተባህለና ነገር፡ ኣዝዩ ዘደንጹ እዩ ዝነበረ። ነዚ’ውን ክዘሎ መሪጸ ኣለኹ። ንምንታይ ይዘሎ ከምዘለኹ፡ ነባባይ ክርደኣለይ ተስፋ እገብር። ይኹን’ምበር፡ ወትሩ ተዘሊሉ ዝነብር ኣይኰነን። ኣብ ትኽክለኛ እዋኑ ክገልጾ’የ።

 

ኣብ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን፡ ስም ናብ ዩኒቨርሲቲታትን ኮለጃትን ዝኣትዉ ተመሃሮ ምስ ረኣኹ፡ ኣነ ድማ፡ ኣበይ ከይደ ከም ዝምዝገብ፡ ንሰብ ብምሕታት ናብ’ቲ መመዝገቢ ቦታ ከድኩ። ብድሕሪ’ዚ፡ እቲ ሓላፊ፡ “ኣበይ ጸኒሕካ ሕጂ ወዲእና ኢና” ይብለኒ፡ ኣነ ድማ፡ እሱር ከምዝነበርኩን፡ ምንም ከምዘይፈልጥን ምስነገርኩዎ፡ መዝጊቡ “ንኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኬድካ ተምዘገብ” ይብለኒ። ኣነ ድማ፡ እምዝገብ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ይመሃር። ኣብ ትምህርቲ ዘሸግረኒ ዝነበረ ናይ ኣዝማ ሽግር እዩ። ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዓመት፡ ኣብ እዋን መርመራታት ተመሃሮ እዮም ደጊፎም ዝወስዱኒ። ዝዀነ ኰይኑ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ምስ’ቶም ካብ ማሙቕ ገዝኦም ዝመጹ ተመሃሮ ተማሂረ፡ ትምህርተይ እውን ብዘይ ዝዀነ ይኹን ጸገም ወዲአ፡ ብ ሶስዮሎጂ፣ኣንትሮፖሎጂን ሶሻል ኣድሚኒስትረሽንን (Sociology, Anthropology and Social Administration) ድማ፡ ብመጀመርያ ዲግሪ ተመሪቐ። ከምኡ’ውን ምሳይ ን7ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ፡ 8 ደቂ-ትግራይን ሓደ ኤርትራውን፡ ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ተመሪቖም’ዮም።

 

ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ጽቡቕ ስራሕ ረኺበ። ንሱ ድማ፡ መጽናዕትታት ምክያድ እዩ። ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት (Researches) እውን ኣካይደ እየ። ኰይኑ ግን፡ ንሓጺር ኣዋን ደኣምበር ክሳብ ሕጂ እሰርሕ ኣለኹ ማለት ኣይኰነን። ምናልባት ገሌኹም ኣነ ዘካየድኩዎ መጽናዕትታት ርኢኹም ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ምኽንያቱ፡ ብርክት ዝበሉ መጽናዕታት ሰሪሐ ኢየ ።

ጐንጺ ኢትዮጵያን ኤርትራ ስዒቡ፡ ስርሐይ ባዕለይ ደው ኣቢለዮ። ማንም ዝኸልኣኒ ኣካል ኣይነበረን። ኣነ ውድባዊ ስራሕት ንምክያድ ክብል እየ ባዕለይ ስርሐይ ደው ዘበልኩዎ። ብድሕሪ’ዚ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ (ተ.ሓ.ኤ.-ሰ.ባ) ውድብ ዝሃበኒ ስራሕ፡ እንተስ ኣጺፊፈ ኰይኑ ከይጽፈፍኩ፡ ብዘይ ዕርፍቲ እሰርሕ ኔረ። ነዚ ድማ፡ ኩሎም ክምስክሩዎ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ኣለኒ። ፈጺምካ ኣይሰራሕካን ሃካይ ኢኻ ዝብል ሰብ ኣንተ ተረኽበ’ውን ደሓን እቕበሎ። ብወገነይ ግን፡ ዓቕመይ ዝፈቕዶ እሰርሕ ኔረ በሃላይ እየ።

ብድሕሪ ተ.ሓ.ኤ.-ሰ.ባ. ኣብ ክልተ ምምቃሉ፡ ኣብ’ቲ ብዶክተር በየነ ኪዳነ ዝምራሕ ዝነበረ፡ ተ.ሓ.ኤ.-ሰ.ባ. እውን እንተዀነ ዝተዋህበኒ ስራሕ፡ ብታሕጓስ ኣፍጽሞ ኔረ በሃላይ ኣየ። ኣብ ወርሒ ሰነ 2004፡ እቲ ውድብ 6ይ ሃገራዊ ጉባኤ ብምክያድ ስሙ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሃገራዊ ጉባኤ ተቐየረ። ኣብ’ቲ ጉባኤ ድማ፡ ኣባል መሪሕነት ናይ’ቲ ውድብ ኰይነ ተመሪጸ።

ኣብ ጽባሕ ጉባኤ፡ እቲ መሪሕነት ምናልባት፡ ኣብ ማእሰርቲ ብዘሕለፍኩዎ ስቓይ ራህሪሁለይ ይኹን ወይ’ውን ካባይ ዝሓሹ ሰባት ረኺቡ፡ ኣብ ወርሒ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ስራሕ ሂቡኒ። ኣነ ድማ፡ ነታ ዝተዋህበትኒ ስራሕ፡ ኣብ መዓልታ እሰርሓ። እተን ዝተረፋ መዓልታት ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እንዳሻሂታት ምስ ጥሮተኛታት እውዕል ኣለኹ። ኣብ መንጎ ንእሽቶይ ስራሕ እንተረኺበ ድማ፡ እሰርሕ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ንምጥቃስ ዝፈተንኩዎ ሓጺር ዛንታ ናይ ማእሰርቲ እኹል ኣይኰነን፡ ኣዝዩ ንሽቶ እዩ። ኣብ መጻኢ ኣምላኽ ጥዕና እንተ ሂቡኒ ብሰፍሕ ክጽሕፎን ብመልክዕ መጽሓፍ ከውጾን እየ። ካብ’ዚ ንድሓር ዘውጽኦም ተኻታተልቲ ጽሑፋት፡ ፖለቲካ ሃገርና ዝምልከት ኰይኑ፡ ብዝተኻእለኒ መጠን ንምትንታኑ ክፍትን’የ። ኣቐዲመ ከተሓሳስቦ ዝደሊ፡ “ሓብእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ” ከምዝበሃል፡ ክሳብ መእስ ኢና ቁስልና ሓቢእና ክንከይድ።

 

ስለ’ዚ፡ ኣዚ ዘቕርቦ ጽሑፍ፡ ብቐዳምነት ንመራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፡ ውሽጣዊ ኩነታቶም ብዕትበት ክመዝኑን ዕዉት ፖለቲካዊ ስራሕት ንከካይዱን እዩ። ቀጺሉ፡ ኣባልት ህግደፍ እውን ኣንተዀነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ስቓይ ንኽርእዩን ኣብ ልቦም እንተ ተመልሱን ኢለ እየ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ሕጂ’ውን ክብሎ ዝደሊ፡ ካብ ስምዒታ ሓራ እንተዘይወጺና፡ እቲ እንደልዮ ሽቶ ኣይንወቅዕን ኢና ካብ ዝብል እምነት ተበጊሰ ንዝጽሕፎ ጽሑፍ ማንም ኤርትራዊ ብህዱእ ኣእሙሮ እንተ ተርዲኡዎን መዚኑዎን ንኹልና ክተመና ይኽእል’ዩ።

 

ካብኡ ወጻኢ ግን፡ ብስምዒት ተደፊእካ ዝኸየድ ነገር ምንም ኣይጠቅምን’ዩ። ስለ ዝዀነ ድማ፡ ካብ ስምዒት ሓቂ ነቐድም። ካብ’ዚ ቀጺለ ዘቅርቦ ጽሑፍ ኩነታት ቤት-ማእሰርቲ ኣብ ኣዋን ህግደፍ ዝብል’ዩ።

 

ይቐጽል …