ካብ ከልቢ ፈሪህኻ፡ ኣብ ቶኽላ ኣይዑቖብን እዩ!!!

 

ብዛዕባ ምልካዊ ስርዓት ... ኣልዒልካ ምዝራብ ቡዙሕ ትርጉም ዝህብ ኣይኮነን፡ ምክንያቲ እቲ ስርዓት ስርርዕዓዊ ዉድቀት ስለዘጋጠሞ፡ ነዚ ኣጋጢምዎ ዘሎ ዉድቐት እዉን ክጽገን ስለዘይክኣል፡ ኣብ መስርሕ ንኡኡ ምትካእን ተካእን መሳሪሒ መተክእን ምዝታይ ይምረጽ። ምልካዊ ስርዓት ... ብዘይካ ፖሎቲካዊ ስርርዓዊ ዉድቀት፡ ከም ፖሎቲካዊ ስርዓት መሽምሹ ኣብ ምዓሙቕ ዉቕያኖስ ኣብ ዝሽመመሉ ዘሎ ወቕት፡ ነዚ ኣልዒልካ ምዝራብ ዳርጋ ንኾንቱ ግዝየኻን ዓቕምኻን ምህላኽ ብምኻኑ እዩ።

 

ሎሚ መዓልቲ ኣልዒለ ክፍትሾ ሓሲበ ዘሎኹ ዛዕባ፡ ዝምድናታት “”ተቃዉሞ ደንበ ኤርትራ”” ዝምድናታቱ ምስ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ብቕዓታቱን ህዝቢ ኤርትራ ብከመይ ይርእዮ ኣሎ ንምድህሳሱ ዘተኮረ እዩ። ኣቀዲመ ንኩሉ ነባቢ ክምሕጸኖ ዝደሊ ነገር እንተሃሊዩ፡ ምስ ዝኾነ ወገናት ኣብ ፖሎቲካዊ ኣታሓሳስባይን፡ ርእይቶታተይን ዉሳኔታተይ ክንሳማማዕ እንተዘይክኣልና፡ ከም ናጻ ሰባት ካብ ኣታሓሳስባይን ድሌተታይን ወጻኢ ዝኾኑ ነገራት መጠን፡ ሰብኣዊ ክብረቶም ስብኣዊ ዉሳኔታቶም ብሕልናይ ኣይክነፍጎምን እየ። ናተይ ሰብኣዊ መሰለይን ክብረታተይን እዉን ካይንፈግ ይላቦ። ነፍስወከፍ ሰብ ንነፍስወከፍ ዝመስል እንተኾይኑ፡ ነፍስወከፍ ሰብ ዝሓስቦ ሓሳብ ሓደ እንተኾይኑ፡ ኣብ ዓለምና ኣህዛብ ዘይኮኑ፡ ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ ዘሎ ማለት እዩ። ሓደ ሰብ እንተሃልዩ ድማ ሓደ ሓሳብ ጥራይ ስለዘሎ ፖሎቲካዊ ፍልልይ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እቲ ሓቂ ግን ቡዙሓት ስለዝኾና፡ ቡዙሓዊ ኣታሓሳስባታት ክህሉ ግድነታዊ እዩ። ካብ ፍርሒ ነቂለ ንፍርሕታተይ ክፈርሕ እንተሃቂነ ዳርጋ ዕሱብነትን ተምበርኻኽነትን ስለዝኾነ፡ ብትብዓት ዝራኣየንን ዝስማዓንን ዉልቓዊ ርእይቶይ ሓሳበይን ፖሎቲካዊ መርገጽየይ ክድሕድሖ እየ። ስኑ መዊጹ ክስሕቕ ዝደሊ ሰብ እንተሃልዩ ክስሕቕ ይኽእል እዩ። ብሙጉት ክገጥም ዝደሊ ሰብ እንተሃልዩ ክገጥም ይኽእል እዩ። ፈሪሑ ክሕባእ ዝደሊ ሰብ እንተሃልዩ እዉን ክብሎ ዝሓስቦ ሓሳባት ኣነ ይብለሉ ስለዘለኹ ተሓጊሱ ክድቕስ ይኽእል እዩ። የግዳስ ከምቲ ፕረዝደንት ጆን ኤፍ ከነዲ ዝበሎ እዩ “” ካብ ፍርሒ ነቂልና ብፍጹም ኣይንዛተ ኢና፡ ግን  ንክንዛተ ብፍጹም ክንፈርሕ የብልናን””  ስለዝኾነ፡ ክዝቲ ዝደሊ  ብትሕዝቶኣዊ፡ ተጻዋርነትን ምክብባርን ዝዓሰሎ እንሆ ሜዳ እንሆ ፈረስ ይብል።

 

መእተዊ

 

ቃልሳዊ ዝምድናታትን ምትሕግጋዛትን፡ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ካብ 1973 .. ዝጀመረ እዩ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ .. ... ነይረን፡ ኣብ ሜዳ ኢትዮጵያ ድማ ናይ ኢፒኣርፒ፡ ወያኔ፡ ኢሂደን፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ምንቅስቃስ ዓፋርን ሶማል-ኦጋዴን.. ነይረን። ኣብ መስርሕ ዝካየድ ዝነበረ ቃልስታት እንዳሓየሉን ነቲ ፖሎቲካዊ ባይታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እንዳዓብለሉ ዝመጹ ሓይልታት ግን ወያኔ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ... ድማ ኣብ ኤርትራ እዮም። እዞም ክልተ ሓይልታት እዚኣቶም፡ ሓየላትን ወሰንትን ናይ ፖሎቲካዊ ባይታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይኖም ንክወጹ ድማ ረብሓታቶም ዘማእከለ ወትሃደራዊ፡ ስለያዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ምትካል-ዋልታዊ፡ ስልታዊ፡ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔሃብታዊን ሎጂስቲካዊ ምትሕግጋዛት ከምዝነበረም መላእ ዓለምና ዝፈልጦ ሕሉፍ ታሪኽ እዩ።

 

ካብቲ ኣዝዩ ዓቢ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዝገበርዎ፡ ብዘይካ ምስ ሰራዊት ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ኣብ 6 ወራር 1982 ..ፈን ካብ 1988-1991 ... ኣብ ዉሽጥ ኢትዮጵያ፡ ንምግጣም ዝተኻየደ ምትሕግጋዝ፡ .. ካብ ሜዳ ኤርትራ ከም ወትሃደራዉን ፖሎቲካዉን ክንፊ ንምቕሃሙ፡ ኣብ 1980-1981 ... ዝተኻየደ ዝተሓላለኸ ፖሎቲካዉን ወትሃደራዊ ተርግኣዊ ስርሒት (blitzkrieg) እዩ። ኣብዚ ናይ ምቕሃምን ምቑጻይን ተርግኣዊ ስርሒትዚ፡ ካብ ተጋደልቲ ... ዝተሳተፍዎ፡ ናይ ወያኔ ተጋደልቲ ዝተሳተፍዎ ዉግኣት፡ ስፍሒ ወትሃደራዊ ስትራተጂካዊ ቦታታትን መጥቃዕትታት፡ ብዝሒ ዝተሳተፈ ሰራዊትን ብዝሒ ዝተኻየደ ዉግኣት ይበዝሕ ነይሩ። ነዚ ንምዉካስ ብኣቀዲሙ ተገዳላይ ወያኔ ዝነበረ ኣቶ ኣስገደ ገብረስላሴ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ “’ጓህዲ””3* ትብል መጽሓፍ ተወከሱ። ሰራዊት ... ነቲ ኣብ ሓማሴን፡ ሰንሒትን ሳሕል ዝነበረ ሰራዊት .. ካብ ዝነበሮ ማዓስከራትን እስትራተጂካዊ ቦታታት እንዳነቀለን እንዳቐረመ ንባርካ ከምዝወሪድ ገይርዎ። ሰራዊት ወያኔ ድማ ኣብ ደንካልያ፡ ኣኮሎግዛይ፡ ሰራየን ጋሽን ሰቲትን ዝነበረ ሰራዊት .. ዝቕተል እንዳቐተለ ዝተረፈ እንዳሃደነ ከብኪቡ ባርካ ከምዝኣቱ ገይርዎ። ብክልቲኡ ሓይልታት ተደፊኡ ዝወረደ ሓይሊ .. ድማ ኣብ ታህዳይን ኮሮኮንን ከምዝእከብ ዝገበሩ እዮም።

 

ዋላ እኳ ከምዚ ኣቀዲመ ዝጣሕመስክዎ ዓበይቲ ወትሃደራዊን ፖሎቲካዊ እስትራተጂካዊ ምትሕግጋዛት የካይዱ እንተነበረ፡ ዝምድናታቶም ብባህሪኡ ስልታዊ እዩ ዝነበረ። ናይ ሓባር ጸላኢ ብቅድመተኸተል ኣቀዲሙ ስርዓት እምቦሮጦርያዊ ሃይለስላሴን፡ ቀጺሉ ፋሽሽታዊ ስርዓርትደርግን ዝዓበየን ዝሓየለን ሰራዊትን ኣጽዋርን ብቕዓትን ዝነበሮ ኣብ ክፍለ-ዓለም ጸሊም ኣፍሪቃ ስለዝነበሩ፡ ነዚ ዓርሞሾሻዊ ሓይሊ ንምድኻምን፡ ካብ ዓትዒትዎ ዝነበረ ፖሎቲካዊ ስልጣን ኣሊኻ ነቲ ፖሎቲካዊ ባይታታት ንምቕያሩ፡ ብተናጸል ክገጥምዎ ስለዘይበቕዑ፡ ንዕኡ ንምድኻም ብወገን ኤርትራ ... ክገጥሞ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ብደቡብ ኦሮሞ ብማእከል ኢሂደን ብሴሜን ወያኒ ክገጥምዎ ናይ ወትሃደራዉን ስትራተጅን ስልትን ብምዉህሃድ ናይ ሓባር ቃልስታት ኣካይዶም እዮም።

 

ዋላ እኳ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላእን ናይ ሓባር ስርሓት ብሓባር የካይዱ እንተነበሩ፡ ካብ ባህርያት ስልታዊ ዝምድናታቶምን ክወቕዕዎ ዝደልዩ ዕላማታትን ፖሎቲካዊ ራእይታት መሰረታዊ ፍልልያት ስለዝነበሮም፡ እቲ ዝምድናታቶም ንሓንሳብ ንዝላዓለ ጥርዚ ዝድይብን፡ ሃንደበታዊ ድማ ተመሊሱ ንታሕቲ ዘንቖልቑል ቡዙሕ ሓርጎጽጎጻት ዉረድ ደይብ ዝነበሮ ከምዝነበረ ታሪኽ ዘስመረሉን ብወገን ክልቲኦም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት በጨቕ ዘብልዎን ሓቂ እዩ።

 

ኣዮኖት “”ተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራ”” እዮም ሕጂ ምስቲ ኣብ 1980-1981 .. ኣብ ሜዳ ኤርትራ ከም ወትሃደራዉን ፖሎቲካዉን ክንፊ ንከይህልዉ ካብ ሜዳ ኤርትራ ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ ብምትሕብባር ብወትሃደራዊ ጎንጺኡ  ዘዉጽኦም ሓይሊ ወያኔ ዝምድናታት ዘለዎም?  

 

ካብቶም ዓሰርተ-ሰለስተ “”ተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራ”” ብዘይካ ሰለስተ ዉድባት ማለት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ህዝባዊ ምንቕስቓስ ኤርትራን ሰልፊ ናህዳን ኣቀዲሞም ካብታ ዓባይ .. ኣብ ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ጉጅለታት (political-fragments) ዝተፈናጨሉ እዮም። ዋላዉን እተን ሰለስተ ምንቕስቃሳት ዝጠቐስክወን መቦቖል ምንጭ መፍጠሪኤን ካብ .. ዝተፈንጨላ እኳ እንተዘይኮና፡ ኣብ ኣባላት መሪሒነታተንን መሰረታት ኣባላት ዉድባተን፡ ኣቀዲሞም ተጋደልቲ፡ ሓፋሽ-ዉድባት ወይ ተማጻደቕት .. ... ዝነበሩ እዮም። ዘይክሓድ ሓቂ እዩ ኣብ ኩላተን ናይ “”ተቃዉሞ ሓይልታት”” ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ፡ ካብዚ ሓድሽ ወሎዶ ብፍሉይ ዝተፈላለየ ድርኺት (motive) 2* ዝውንኑ ዝተጸንበርዎ እዉን ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ።

 

ኣብዚ ሓደ ንጹር ቶኾሊዕ ዝልለ ነገር እንተ ሃልዮ፡ መብዛሕትኦም እቶም ምስ ስርዓት ወያኔ እንተ ስልታዊ ወይ ስትራተጂካዊ ዝምድናታትን ምትሕግጋዛትን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ...ፍ፡ እንተ ብስዉር እንተብጓህዲ፡ እንተብተናጸል እንተብጥምረት፡ እንተ ብኤርትራውይ ሓይሊ ወይ ምስ ኢትዮጵያዊ ሓይሊ ብምኻን ንምዉዳቁን ምቕያሩን ንስርዓት ... ብምዉሳን ካብ 1999-2008 .. ጀሚሮም ንሓንሳብ ኣብ ጎንደር፡ ንሓንሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንሓንሳብ ኣብ ሽረ፡ ንሓንሳብ ኣብ ኣኹሱም፡ ንሓንሳብ ኣብ መቐለ፡ ንሓንሳብ ኣብ ሽም-ኣልባ.. ዝዓረዱ፡ መብዛሕትኦም እቶም ኣብ 1980-1981 .. ብሰራዊትን ኣጽዋርን ወያኔ ፖሎቲካዉን ወትሃደራዉን ክንፍታቶም ተሰይሩ  ሱዳን ዝኣተዉ ኤርትራዉያን ተቃወምቲ እዮም። ወያኔ ቅድሚ ፖሎቲካዊ ስርዓት ምጭባጡ እዉን ነዚ ሓይሊ .. ከም ኣባታዉን ሸፋቱ እዩ ዝርእዮም ዝነበረ። ነዚ ኣባሃህላ እዚ ብጭብጢ ንምስናዩ ዶክተር ሰሎሙን ዕንቛይ ዝተጻሕፈት መጽሓፍጥልመት4* እትብል ኣብ ገጽ 41-49 ክንበብ ይክኣል እዩ። እዚ ጸኒሓዊ ኣራእያዊ ዝምባሌ (attitude) ወያኔ ኣብ ስነኣእሙራዊ ቅኒቶምን ቕኒት ፈሊጣኖም ሱር ዝሰደደን ከም ታሪኽን ገምጋምን ኣብ መጽሓፍቲ ታሪኾም ዝሰፈረ ስለዝኾነ፡ ሕጂ እዉን ብኸመይ ይርእዮም እዚ ኢልካ ክትገልጾ ትኽእል ኣይኮነን። ንጸላእየይ ጸላኢኡ ዓርከይ ስለዝኾነ! ኣብ ፖሎቲካ ነባሪ ጸላኢን ነባሪ ፈታዉን ዝባሃል ነገር ስለዘየለ! ኣብ ፖሎቲካ ቃልሳዉን ህላወን ሂወት እንካን ሃባን ዘለዎ መስርሕ ስለዝኾነእቲ ትማሊ ትማሊ ንህላዊኦም ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተጻብኤ ናይ ግዳም ሓይሊን ናይቲ እዋን ግዳያቱን ዝኾኑ ፖሎቲከኛታት፡ ኣብ ሓደ ጠረጰዛ ኮፍ ኢሎም ክዝትዩን ስልትን ስትራተጂን ክሕንጽጹ ይራኣዩ ኣለዉ።

 

ዉጽኢት ኣኼባታቶም፡ ዉጽኢት ርኽኽባቶም፡ ዉጽኢት ንጥፈታቶም ቅድሚ ንመሰረታት ኣባላቶምን ህዝቦምን ምሕባር እዉን ንሰበስልጣን ወያኔ እዮም ዝሕብሩ። ሰበ-ስልጣን ወያኔ እዉን እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ካብ ምሕባርን ጸቕጥታት ካብ ምግባርን ተቖጢቦም ከምዘይፈልጡ ፍሉጥ እዩ። ‘’ላም ምስ ሓራዲኣ ማይ ትሰቲ ከምዝብሃል 25 ዓመታት መመላእታ ሻዕብያ ምስ ወያኔ ኮይና ሃሪማትና ካብ ሜዳ ኤርትራ ኣዉጺኣትና ኣዝዮም ቡዙሓት ተጋደልቲ ተቐንጺሎምና ተሰዊኦምና ክባሃል ከምዘይነበረን ዘየሎን፡ ነዚ ቀይሕ መስመር ታሪኽ ጥሒስካ፡ ነቶም ሽዑ ገንሸል መስዋእቲ ኮይኖም ዝሓለፉ ስዉኣት መብጽዓታቶም ጠሊምካ፡ ሕጂ ወያኔ ስትራተጂካዊ ማሓዛና፡ ናጽነት ኤርትራ ዝኣመነ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ ክራጋገጽ ዝተሓጋገዝ ዘሎ…... እዩ፡ እንዳበልካ ምጭዳርን ምጉስጓስን እንታይ ትኣምር ስለ ዝተረኽበ እዩ ብግሉጽ ክንጽር ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ከምቲ ኣቦታትና ዝምስልዎ ክትበልዓ ዝዶሎኻ ኣባጉንባሕ ዛግራ በላ ድማ የስምዕ።

 

ኣዕናዉን ስልታዊን ዘይንጽሩን ዝምድናታት ... ወያኔን፡ ነዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ብድሆታት ጠንቂ ኮይኑ እዩ። ዋጋ ናይዚ ዘይቑዱስ ዝምድናታት እዉን ህዝብና ኣዝዩ ከቢድ ዋጓ ይኸፍል ከምዘሎ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ ሓቂ እዚ እንዳሃለወ፡ እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ወያኔንተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ዝተፈጥረ ዝምድናታትን ምትሕግጋዛትን እንታይ ሳዕቤን ክፈጥር እዩ? ምምርማሩ ከድሊ እዩ። ዝሓለፈ መልክዓቱ ኩፉኡ ኣሉታ ታሪኽ ካይድገም ህዝቢ ኤርትራ ክቓጻጸሮን ናብ ዘይተደልየ መገዲ ካይዕንብብ ደዉ ከብሎን ድማ መሰሉን ሓላፍኡን እዩ።

 

ልዕሊ ኹሉ ኣብ ኢትዮጵያ ፖሎቲካዊ ስልጣን ክጭብጥ ዝሓለነ ኢትዮጵያዊ ፖሎቲካዊ ሓይሊ፡ ኣብ ስልጣን ክመጽእ እንተኾይኑ ወይ ኣብ ስልጣን ክነብር እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ፖሎቲካዊ ኣጀንድኡ ኣጻብዕቱ ናብ ኤርትራ ምስ ዘመልክት ጥራይ እዩ። ገና ናጽነትን ልዕላዉነት ኤርትራን ብትከት ኣፍደገ ባሕሪ ዝይተዋሕጠሎም ፈሊጣን፡ ፖሎቲከኛታትን ዜጋታት ኢትዮጵያ ብብዝሒ ስለዘለዉ፡ ናብ ኤርትራ ዘመልክት ኣጻብዕት ክህሉ እንኮሎ፡ ዉሽጣዊ ፍልልያቶም ራሕሪሖም ሓደ ዝገብሮም ብምኻኑ እዮ። ኣብ ዝሓለፈ ምርጫ ቕንጅት ኣብ ሽዋ ክዕወት እንኾሎ ቀንዲ ፖሎቲካዊ ኣጀንድኡ ንኤርትራን ኣፍደገ ባሕሪ ዘመልከተ ብምንባሩ ጥራይ እዩ። ነዚ ዝምባሌታት እዚ ድማተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ኣጸቢቆም ዝፈልጥዎ ሓቂታት እዩ።

 

እዚ እዉን ብኽፉት-ዓይኒን ኣእምሮን (vigilantly) ፖሎቲካ እንተተገንዚብናዮ ብዙሕ ዝገርም ክስተት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ፖሎቲካ ነባሪ ጸላኢ፡ ነባሪ ፈታዊ ዝባሃል ነገር ስለዘየሎ፡ ትማሊ ኣብ ደማዊ ግጭት (violent conflict) ዝነበሩ፡ ንናይ ክልቲኦም ሓይልታት ረብሓ ዘማእክል ኩነታት ክርከብ እንኮሎ፡ ብሓባር ረብሓታቶም ዘዉሕስሉ ልዝባትን ሓባራዊ ዝምድናታትን ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። የግዳስ ካብዚ ምሕዝነት መን እዩ ዝረብሕ ዝብል ሕቶ እዩ ክምለስ ዘለዎ። ምኽንያቱ ኩሎም ዝካየዱ ቃልስታት ናይ ረብሓ ሕቶታት ንምርግጋጽ ዝሳላሰሉ እዮም። ፍሉጥ እዩ ስርዓት ወያኔ ይኹን እቶም ምስኡ ብምልፋን ቃልስታቶም ዘካዩዱተቃዉሞ ሓይልታት ይዕበ ይንኣስ ረብሓታት ክህልዎም እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ፡ ሃገር ኤርትራ ከም ሃገር እንታይ ረብሓ ክህልዎም እዩ? ብንጹር ክምለስ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ነዚ ሕቶ ንምምላስ ስትራተጂካዊ ዕላማታት ወያኔን እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ክቃለሱ ወሲኖም ዘለዉ“”ተቃዉሞ ሓይልታት ኤርትራ”” ብንጹር ክንፈልጦ ኣሎና ማለት እዩ። እዚ ናይ ምፍላጥ ዕማምን ግዴታን ድማ ናይ ነፍስወከፍ ዜጋ ሓላፍነት ስለዝኾነ ተማራሚሩ፡ ኣማዛዚኑ፡ ሓርኮትኮት ኢሉ ክፈልጦ ዝግባእ እዩ።  ንሰብ ሰብ ጥራይ ኣይኮነን ዝምህሮ፡ እንታይ ድኣ እቲ ህሉዉ ኩነታቱ እዩ ብዝያዳ ዝምህሮ። ወዲ ሰብ ካብ ህሉዉ ኩነታት ነቂሉ ብዘይ ገለ ሓሳባዊ ጽግዕተኛነት ጽልዋ ባዕሉ ሓንጎሉ ተጠቂሙ ክርዳእን ክመዝንን እንተበቂዑ፡ እቲ ዘቐምጦ ግንዛቤታትን ፍርድታትን ተዛማዲ ሓቐኛ ናይ ገዛእ ርእሱ እምነትን ስለዝኸዉን፡ ንክቃለስ መርገጺ ንክወስድ እዉን ሕልንኡ ከምዝድረኽ ብምፍላጥ እየ፡ ባዕልኹም ኣናድይዎ ዝብል ዘለኹ።

 

ኬድኹም ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም፡ ንመንግስት ወያኔ ከም ቀንዲ ማሓዝኦምን ደጋፊኦምን ዝቖጽርዎ፡መሬት ኢትዮጵያ ከም ወትሃደራዊ ደጀኖም (military rear area) ንስርዓት ወያኔ ከም እስትራተጂካዊ ማሓዝኦም ዝወስድዎ ሓይልታት ሕተትዎም። መልሶም ካብዘን ኣብ ቀጻሊ ብቕድመተከተል ዝዝርዝረን ንላዕሊ ወይ ንታሕቲ ኣይክኾናን እየን።

  1. ኣበይ ቦታ ኬና  ከምንቓለስ ንስኻ ወይ ንሱኹም ትዉስነለይ ጉዳይ ኣይኮንካን! ብሕጊ ክትሓተንን ክምልሰልካን እንተኾይነ ድማ መጀመርታ ኣባል ናይቲ ዝቃለሰሉ ዘሎኹ ዕላማን ዉድብ ኩን እሞ፡ ብመሰረት ቅዋም ዉድብና ዘፍቕዶ መሰልን ጉባኣትን ተጠቂምካ ትሓተኒ ሽዑ ድማ እንታይ መልሲ ይዉሃበካ ትርእን ትሰምዕን ክብሉኹም እዮም። ልዕሊ ኽሉ ግን መብዛሕትኦም ሕጂ ኣይኮናን ንኢትዮጵያ ኣቲና፡ ብዝተፈላለየ ኣጋባብ ኣብኡ ኬና ክንቃለስ ዝጸናሕና ኢና ከምዝብሉኹም ፍሉጥ እዩ።
  2. ምኣስ ንሕና ኬና ምስ ወያኔ ተላፊና .. ደምሲስና፡ ምኣስ ንሕና ኬና ምስ ወያኔ ተላፊና ንዘካርያስ፡ ንወዲ ጆርጆ ኣብ ዉሽጥ መሬት ኢትዮጵያ ቀንጺልና! ምኣስ ንሕና ኼና ካብ መሬት ኢትዮጵያ (ሕሞራ) ንገብረብርሃን ዘርኤ ጨዊና፡ ምኣስ ንሕና ኴና ንኣባላት ሰዉራዊ ባይቶ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ወያኔ ብምምሽጣር ኣብ 1994-1995 .. ኣእሲርናን ካብ ኢትዮጵያ ከምዝጥረዙ ጌርና! ምልካዊ ስርዓት ... ምስ ወያኔ ክዛመድ እንኮሎ ሓላል፡ ንዓና ግን ሓራም ዝኾኖሉ ምኽንያት የሎን ክብሉኹም እዮም።
  3. ስርዓት ወያኔ መጀመርታ ንናጽነት ኤርትራ ዝተቐበለን ንናጽነት ኤርትራ ስለዝኣምን፡ ኣብ ክንዲ ምስ ካልኦት ኣካላት ወይ ምንቕስቃሳት ኢትዮጵያ ምስራሕ ምስኡ ምስራሕ ስትራተጂካዊ ረብሓ ኣሎና። ቅንጅት፡ ሓርበኛዊ ግንባር ኢትዮጵያ.. ዶብና ቀይሕ-ባሕሪ እዩ ስለዝብሉ እዉን ምስ ስርዓት ... ስለዝተሓጋገዙ ናትና ምትሕግጋዝ ምስ ወያኔ እንታትይ ነዉሪ ኣለዎ?  ቀጺልኩም ሕጂ ሰልፊ ዓረነ ትግራይ ንዓሰብ ብኩሉ መዳይ ተጠቂመ ንኢትዮጵያ ክመልሳ እየ ይብል ኣሎ ኢልኩም እንተሓቲትክሞም እዚ ፖሎቲካ እዩ ዝብል መልሲ ክህቡኹም እዮም።
  4. ንኣና ቀዳማይ ጸላኢና ምልካዊ ስርዓት ... እምበር፡ ስርዓት ወያኔ ኣይኮኑን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኣንካይዶ ናጽነትና ዝተቀበሉ ወያኔስ ዋላ እዉን ምስ ዘይንፈልጦ ሰይጣን እዉን ስትራተጂካዊ ዝምድናታት ብምፍጣር ንምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ጸራሪግና ቀይሕ ባሕሪ ከምዝጥሕል ምግባር እዩ ዕላማና ክብሉኹም እዮም።
  5. ናይ ዶብ ሕቶ እቲ ብኮምሽን ዶብ ተወሲኑ ዘሎ ፍትሓዊ ኣይኮነን። መንግስት ኢትዮጵያ ዘይሓተትዎ መሬት ኤርትራ ንኢትዮጵያ ከይዱ ስለዘሎ፡ ኢትዮጵያ እዉን ዘይመሬትና በጺሕና ኣሎ ንዛተ ትብል ስለዘላ፡ ኣብ ኣፋታትሕኡ እንኮ ምርጫ ምዝታይ እዩ። ገሊኦም ድማ እወ እቲ ዉሳኔ ኮምሽን ዶብ ናይ መጨረስታ ወሳኒን ቀያድን እዩ፡ የግዳስ ንምትግባሩ መሰረታዊ ነባሪ ፍታሕ መታን ንክመጽእ ክጥዕም ኣብ ጠረጵዛ ክሊ ዘተ ኮፍ ክብሃል ኣለዎን ብሰላማዊ ኣጋባብ ክፍታሕ ኣለዎን ክብሉኹም እዮም።
  6. ኢትዮጵያ ምእታዉና ኣይኮነን ኣገዳሲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲና እንታይ ንገብርን እንታይ መርገጺታት ንወስድን እዩ ኣገዳሲ! ሓደ ሰብ መሳሪሒ ናይ ስርዓት ወያኔ ኢኹም ዝብል እንተኾይኑ ድማ ብጭብጢ ጻዕዳን ጸሊምን መርትዖታት ዘለዎ የቕርበልና ክብሉኹም እዮም።
  7. ብክሳዶም ብሓሳባት ሓኒቕኩም ምስ እትሕዝዎም ድማ፡ እዚ ንስኻ ትብሎ ዘለኻ ዘረባ፡ ዘረባን ቃላትን ምልካዊ ስርዓት ... እዩ፡ ኣታሓሳስባ ወይጦታት እዩ፡ ንረብሓ ምልካዊ ስርዓት ... ዘሰስን እዩ.. ክብሉኹም እዮም።
  8. ካብ ኣታሓሳስብኦም ምስእትፈላለዩ ድማ ገዛ ስለዘስራሕካ ኣብ ዓዲ ዲኻ! ረብሓ ስለዞለካ ድዩ? ብህዝብኻን ሃገርካን ስለዘይትግደስ ኢኻ... ልዕሊኡ እዉን ስምካን ዘይስምካን፡ ዝገበርካዮ ዘይገበርካዮ፡ ዝበልካዮ ዘይበልካዮ፡ ዝኾንካዮ ዘይኮንካዮ፡ ናትካ ዘይናትካ.. ኣብቲ መላኽዕን መዋቕዕን መርቤብ ሓቤሬታ ኢንተርኔታቶም ናይ ብርዒ ኣስማት ተጠቂሞም ክጥቁንኹምን ከጸሉምኹምን እዮም።
  9. ኣብ ዕቱብን ሃናጽን ክትዓት ክትጸምድዎም ኣብ ትህቕንሉ እዋናት እዉን፡ ካብዚ ንምምላጥ ገሊኦም ናብ ታሪኽ 1960ታት፡ 70ታት፡ 80ታት ክመልስኹም እዮም፡ ገሊኦም ናብ ኣዉራጃነት፡ ዓሌትን ሃይማኖትን ከእትዉኹም እዮም። ገሊኦም ፖሎቲካዊ መንነትኩም ኣብ ምልክት ሕቶ ከእትዉዎ እዮም። ገሊኦም ካብ ዛዕባና ወጻኢ እዩ ክብልኩም እዮም።
  10. ገሊኦም ኣምሳሉታት (hypocrites) ሓለይቲ ህዝብን ሃገርን ክመስሉ: ንብዓት ሓርማዝ ክነብዑልኩም እዮም፡ ገሊኦም ምዓት ገበናት ብስርዓት ... ዝተፈጸመ ዝብሉዎ ገሊኡ ሓቂ ገሊኡ ፈጠራ ሰብኣዊ ሕልና ከምዘለዎም ኣምሲሎም ክጽብጹቡልኩም እዮም።
  11. እንታይ እዩ ጸገማትኩም ተቓወምቲ ዉድባት ኤርትራ መዓልታዊ ትፋላለዩን ትሓብሩን ኢልኩም እንተሓቲትኩሞም፡ ፖሎቲካዊ ፍልልያት ስለዝነበረና እዩ ኢሎም ክምልስልኩም እዮም። እንታይ እዩ እቲ ፖሎቲካዊ ፍልልያቶም? ከመይ ገኤርኩምከ ወጊንኩሞን ፈቲሕኩሞን ኢልኩም ምስትሓትዎም ፈጺሞም መርትዖታት (evidence) ዘሰነዮን ከእምን ዝኽእል መልስን መግለጺ ኣይክህቡኹምን እዮም።
  12. ገሊኦም ከምዚ በጃኹም ተቃላሱልና ኢልኪም ንክቃለሱ ዝሓተትክዎሞ ክመስሉ፡ ንሕና ልዕሊ ሰብና ብኣካዲሚካዊ ዓቕምታትና ተቖጺርና ክንሰርሕ ንኽእል ከንስና፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ... ክንቃለስ ስለዝወሰና፡ ንስኹም ድማ ብዓቕምታትኩም ጉልበታዊ ነገራዉን ፋይናንሳዉን ወፈያ ክትገብሩልና ኣለኩም ክብሉኹም እዮም።
  13. ናይ ልዕላዉነት-መሬት ሕቶ እንተልዒልኩም፡ ምኣስ ንሕና ንልዕላዉነት ኣብ ሓደጓ ኣዉዲቕናዮ። ኣብ ሓደጓ ዘዉደቆ ምልካዊ ስርዓት ... እዩ። ኪዱ ድማ ንዕኡ ሕቶትዎ ክብልኹም እዮም።
  14. ገሊኦም ኢትዮጵያ ወትሃደራዊ ምትእትታዉ ገይራ ንምልካዊ ስርዓት ... ቀይራ ፖሎቲካዊ ስልጣን ከተጨብጦም ለይትን ምዓልትን ዝምህለሉን ክልምኑዎም ዝዉዕሉ ከንሶም፡ ብኸመይ ክትቕይርዎ ነዚ ስርዓት ትደልዩ ኣብ ትብሉሎም ወቕቲ ብዉሽጣዊ ዓቕምታትና ክብሉኹም እዮም። እንታይ ዓቕምታት ኣለኩም ድኣ ኮይኑ ኣብ ትብለሎም እዋናት ዓቕምና ክስስን ክትጽንበረና ንሓተካ ኣሎና ዝብል መልሲ ክመጸኩም እዩ።
  15. ሕራይ ኢትዮጵያ ኣቲኹም ክትቃለሱ ምርጫኹም እዩ። ኣብ ዉሽጥ እዘን 8 ዓመታት ኢትዮጵያ ኣቲኹም እንታይ ኣፍሪኹም? ኢልኩም ምስ ትሓትዎም ዓቕምና ንገብር ኣሎና። ክትሓትና እንተኼኩም ድማ መጀመርታ ኣነ እንታይ ይገብር ኣሎኹ ኢልኩም ንነብሱኹም ሕተቱ፡ ልዕሊ እዚ ንገብሮ ዘሎና ክትግበር ዝድለ እንተሃልዩ ኣፍደገና ንክትቃለሱቭ ክፉት እዩ። ኩሉ ዜጋ ክጽንበሮ ይኽእል ዝብል መልሲ ክመጸኩም እዩ።
  16. ኣብ ስልትን ስትራተጂን ምስኦም ፍልልያት ምስ ዝህልወኩም ድማ ንስኹም ብቐጥታ ይኹን ብተዛዋዋሪ መሳርሒ ስርዓት ... ኢኹም ዝብል ጠቐኔ ክመጸኩም እዩ።..  እዚ ዝገለጽክዎ ገለ ካብቲ ዝብሃል ወይ ዝዉሃብ መልስታት እዩ። ጉዳይ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን እዩ ተባሂሉ ዝምለስ መልስ የሎን።

 

 

ስርዓት ወያኔ ግን ሓያልን ጡዑይን ተቃዉሞ ኤርትራ፡ ሓያል ሃገር ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን፡ ብኩሉ እንትንኣ ብልጽግትን ቅስንትን ኤርትራ፡ ሓድነታ ዘራጋገጸት ኤርትራ ክርእዩ ከምዘይደልዩ ፍሉጥ እዩ። ብኣፉም ከም ባዓል ኣቶ ስብሓት ነጓ ዋላ ቅድሚሕጂን ብሕጅን ንልዕላዉነት ኤርትራ ዝጻባእ ሓይሊ እንተመጽዩ ክንቃለስ ኢና እንተበሉን፡ ብግብሪ ግን ኤርትራዉያን ከምንባታተንን ንዳኸምን እዮም ዝገበሩን ዝገብሩ ዘለዉ። እዚ ክብል እንኮሎኹ ግን ቀንዲ ጠንቂ ኤርትራዊ ሽግር ምልካዊ ስርዓት ... ምኻኑ ዘንጊዔ ከምዘይኮንኩ እዉን ክንጸር ኣለዉ። ምስ ከምዚ ሕልናን ሓሳድ ሕልምታት ዘለዎ ፖሎቲካዊ ጉጂለ፡ ኣብ ምንታይ ቀንዲ-ሮቛሒ (main factor) ዝተሞርከሰ ክልታዊ ዝምድናታት (bilateral relations) ከም ዝኾነ ንምልላዩ ዘጸግም እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ንጸላእየይ ጸላኢኡ ፈታዉየይ ወይ ምሓዛይ ዘንቀሎ ምኻኑ ንጹር እዩ። ሓደ ህዝባዉን ዲሞክራስያዉን ቃልሲ ክዕወት ናይ ደገ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዘይታሓታትት ሕቶ እኳ እንተኾነ፡ መጀመርታ ግን ኣብ ዉሽጣዊ ትሕዝትኡ ኣብ ህዝቢ ዝተሞርኮሰ ብህዝቢ ዝዝወርን መስርሕ (mass-driven Process) ቃልሲን ኣብ ህዝቢ ዝተሰረተ ዳይነሚካዊ ዉድባዊ ቕርጻ ክህሉ ኣለዎ። እዚ ዓቕምታት እዚ እንተሃልዩ፡ ንብናይ ግዳም ሓይልታት ዝግበር ፖሎቲካዊ ምትእትታዉ መካላኸሊ ዕርዲ (defensive castle) ስለዘፍጥረልካ ድማ ይኸዉን።

 

ኤርትራዊ ሽግር ኣብ ክልን ምልኣትን ኤርትራዉያን ብኤርትራዉያን ኤርትራን፡ ብሙሉእ ተሳትፎን ዉሳኔ ህዝቢ ጥራይ ድኣንበር፡ ብኻልእ ናይደገ ሓይሊ ተጠቂምካ ብሰንጣቒት መፍቲሒታት ምንዳይ፡ ቀዋምነት ጥዕና ዘለዎ ፍታሕ ክርከብ ፍጹም ኣይክኣልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ዘዋርነት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ምስላፍ ንሃገርን ህዝብን ናብ ፍጹም ቅልዉላዉ ንከም ናይ ሶማልያ፡ ኮንጎ፡ ላይቬርያ.. ዝተራእያ ኩነታት ንኸምኡ ኣንፈት ዝድርኽ እዩ። ልዕሊ ኽሉ ግን ዝኾነ ሓጋዚ ናይ ደገ ሓይሊ ኣልዕል ኣቢሉ እዉን ክሕግዝ ኣይክእልን እዩ። ቀጥታዊ ወይ ተዛዋዋሪ፡ ናይ ቀረባ ወይ ሩሑቕ፡ ፖሎቲካዊ ወይ ምጣኔሃብታዊ፡ ወትሃደራዊ ወይ ጸጥታዊ ረብሓታት ዘይብሉ ፍጹም ክሕግዝ ከምዘይኮነ እዉን ክፍለጥ ዘለዎ ዕላማታት እዩ።

 

ዕድለይ ወይ ንዘረባ ተባሂሉ ዝጽሕፎ ዘሎኹ ኣይኮነን። ፖሎቲካዊ መርገጺ ኣብ ሕሉፍ ተሞክሮ ዓለምናን ተሞክሮናን ዝተሞርኮሰ እዩ። ነዚ ጽሑፍ እዚ ክጽሕፎ እንኮሎኹ ብሙሉእ ተረድኦ፡ ነቲ ብናይ ደገ ሓይልታት እሞኽኣ ብፍሉያት ናይ እንዳታት ተዘዋርነት (an elite-driven) ፖሎቲካዊ ጉጅለታት፡ ብሔር፡ ብኣዉራጃ፡ ብቐቢላ፡ ብሃይማኖት.. መልክዕ ተሰሪዕካን ተወዲብካን ዝካየድ ቃልሲ፡ ነቲ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝብጽሖ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምጭዋይ ዝዕላምኡ ጉዕዞ ቃልሲ ብምኻኑ፡ ንኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ንሓደጋ ዘሳጥሕ ብምኻኑ እዩ። ምናልባሽ ገለ ገለ ጉሩሃት ኤርትራዉያን ሕጂ እኮ ናይ ሓባር ጽላል ተፈጢሩ ስለ ዘሎ፡ ንምቑጽጻሩ ኣጸጋሚ ኣይኮነን ዝብል ምጉት ከልዕሉ ይኽእሉ እዮም። መልሰይ ምሕዝነትን ወይ ናይ ሓባር ጽላል ምፍጣር ስልታዊ እምበር ስትራተጂካዊ ባህርያት ዘለዎ ኣይኮነን እብል። ዓሰርተ ዓመት መመላእታ ተቃሊስካን ተዛቲኻን ዝሃነጽካዮ ሰፊሕ ስሙር ግንባር ወይ ናይ ሓባር ጽላል ኣብ ካልኢት ናይ ግዝየ (second) ክፈርስ ዝኽእል እዩ። ምሕዝነት ይኹን ኪዳን እዉን ብኸምኡ ምኽንያት እዩ ኣቐዲሙ ዝፈረሰ።

 

ልዕሊ ኹሉ ግን እዚ ኣብ መጋቢት/2008 .. ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ጉባኤ፡ ብዉሽጣዊ ዘገምታዊ ምዕብልናታቱ ዝጠጥዓ ኣይኮነን። ነዚ ንምርዳእ ድማ ኣቀዲሞ ድሕሪ ኪዳን ኣብ ምምራጽ መሪሒነት ምርድዳእ ሲኢኑ ኣብ ክልተ ቀጽርታት ምምቕቃሉ፡ ብኣባላት መሪሒነት ዝተዘርበ ጽሑፋዊ መግለጺ ነይሩ። እቲ ጽሑፍ ካብ ንሓርነት.ኮም ዝተረኽበን ብእኦም ዝተቶርገመ እዩ። ባሃላይ ዘይበሎ ዘረባን ሓሳብን ኣብ ኣፉን ሓንጎሉን ካይሱኩዓሉ መታን ከምዘለዎ እቲ ትሕዞ-ጽሑፍ፡ ብቐጥታ ነባቢ ከንብቦ መታን ከም ጥብቖ ጽሑፍ እንሆ፡-

.

_______________________________________________________________________________

 

ምሕዝነት ስልታዊ ደኣምበር ስትራተጅያዊ ባህርያት የብሉን

ናብ ናይ ቀደም ኵነታት ክምለስ ኢልካ ምሕሳብ ድማ ሕልሚ

ቃለ-መሓትት ዘካየድሉ ሓው ዓብደልራዝቕ ከራርን ጀማል ሑመድን

መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ

መስከረም 17, 2007

 

ቃለ መሓትት ምስ ብጻይ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ (ኣፈ ባይቶ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

“”ምሕዝነት ስልታዊ ደኣምበር ስትራተጅያዊ ባህርያት የብሉን ናብ ናይ ቀደም ኵነታት ክምለስ ኢልካ ምሕሳብ ድማ ሕልሚ!””

ቃለ-መሓትት ዘካየድሉ ሓው ዓብደልራዝቕ ከራርን ጀማል ሑመድን መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ

ትርጕም፡ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

ምስ ሓው ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ፡ ኣፈ ባይቶ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ዝገበርናዮ ቃለ-መሓትት ብግልጹነቱ ፍልይ ዝበለ መቐረትን መኣዛን ኣለዎ። ንጹርን ዘየዋላውልን ርእይቶ ኣብ ምሃብ ንኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ዝወዳደር ሰብ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሜዳ ኣይተረኽበን። እዚ መለለዪኡ ኰይኑ ጸኒሑ። ከምኡ ውን፡ ብህዝቢ ይኹን ብውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን መሰረታቱን ፍሉይ ኣኽብሮት ዘለዎ ተቓላሳይ ኢዩ። ብዛዕባ ሃለዋት ናይ ዝወደቐ ኪዳንን ብዛዕባ ኵነታት ኤርትራን፤ ከምኡውን፡ ነቲ ተገማሚዑ ዘሎ ሓይልታት ተቓውሞ ኣብ ትሕቲ ሓደ ናይ ሓባር ጽላል ንምምላስ ናይ ዘሎ ተኽእሎታት፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ፡ ብዛዕባ ተባራዒ ዝዀነ ኵነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ፡ ብዛዕባ ውሽጣዊ ኵነታት ኤርትራን ውግእን ኣብ መንጐ ኤርትራን ኣመሪካን ዘሎ ፍልልያትን ነጸብራቓቱ ኣብ ልዕሊ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን ንምሕታቱ ምስ ኢብራሂም ኮፍ ኣብ ዝበልናሉ ዕለት፡ ኣብ ካርቱም ዝናብይዘንብ ነይሩ።

ሕቶ፡-ጀንዳይ ፍረይዘር፡ ተሓጋጋዚት ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ኣመሪካ፡ ንኤርትራ ኣብ መዝገብ ናይ ፈጠርቲ ራዕዲ ንምስፋር ዘኽእል ጭብጥታት ንምእካብ ንጽዕር ኣሎና ክትብል ዝሃበቶ መግለጺ፡ እንታይ ርእይቶ ኣሎካ? ነጸብራቓቱ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝብናን ተቓወምቲ ውድባትን እንታይ ክኸውን ትብል?

መልሲ፡-ካብ ናጽነት ኤርትራ ጀሚሩ፡ ኣመሪካውያን ንስርዓት ኢሳያስ ጽላል ኰይኖምዎ ኢዮም ጸኒሖም። ኣብ መንጐ ክልቲኡ ሃገራት ድማ ድልዱል ዝምድና ነይሩ። መንግስቲ ኣመሪካ ብፍላይ ድማ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ኣመሪካ፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ሰብኣዊ ግህሰታት ኣመልኪቱ ነቐፌታ ዝሓዘለ ዓመታዊ ጸብጻባት ብቐጻልነት ከውጽእ ድሕሪ ምጅማሩ ግን፡ ዝምድና ክልቲኦም ሃገራት እናላሕልሐ ክኸይድ ተራእዩ። ስርዓት ኢሳያስ ከኣ፡ ከም ዝዓይነቱ ነቐፌታት ዝቕበል ወይ ዝጸውር ኣይኰነን። ከምኡውን፡ እቲ ስርዓት፡ ነቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ወጥሪ፡ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ብይን ኮሚሽን ዶብ፡ እቲ ስርዓት መፍትሒታት ኣብ ምቕራብ ርኡይ ሕጽረታት ኣርእዩ። ኣብ ርእስዚ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ኣብ መንጐ ሶማልያውያን ዝካየድ ዘሎ ናይ ሕድሕድ ውግእ፡ ነቶም ኣመሪካ ከም ኣሸበርቲ ሓይልታት እትቘጽሮም እስላማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ደጊፉ ኣንጻር መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ጣልቃ ምእታዉ፥ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኤርትራ ንዝነበረ ፍልልይ ብዝያዳ ከምዝጋፋሕን፥ ኤርትራ ድማ ብዞባዊ ይኹን ኣህጕራዊ ደረጃታት ብዝያዳ እናተነጸለት ከም እትኸይድ ክገበራ ኢዩ። እዚ ብተራኡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ዝወርድ ጸቕጥታት ከዛይዶን ኣብ መወዳእታ