ተስፋ ጥልመት

 

ህዝቢ ኤርትራ ንዝተፋላለዩ ገዛእቲ ኣብቲ ነዊሕ ቃልሲ ስዒሩ ናጽነቱ ጨበጠ።

ኣብዚ ንምብጻሕ ግን እቶም ብሉጻት ደቁ ከም ሕሩይ ገንሸል ንመስዋእቲ ብምውፋይ እዩ። ኣብዚ ዝጠፍኤ ንብረትውን ቁጽሪ የብሉን፤ እቶም ኩሎም ጀጋኑ ደቂ ሃገር ኣብዚ

ናይ ምርብራብ ጊዜ ዝሓለፉ ዝተፋላለየ ማሕበራዊ ሞያን ኣቃውማን ዝነበሮም ኮይኖም

ገለ ምሁራት ኪኢላታት ገለ ድማ ሓረስቶትን ጓሶትን ኮይኖም ንወገን ንጾታንሃይመኖት

...ብዝግባእ ኣልዮም ሓደ ኢድን ሓደ ልብን ብሙዃን ንጸላኢ ካብ ሱሩ ቦንቁሶም ደርበይዎ።

 እዚ ድማ ንሓደ ንጹርን ብሩሁን ዓላማ ነበረ። ሰላም ዝነገሳ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ተሃኒጻ ንመሰልን ክብርን ዜጋታታ ብፍትሕን ማዕርነትን ተሰኒዮም ዝነብሩላ ብልጽግቲን ምዕብልትን ሃገር ንምህናጽ ነበረ።እዚ ብጋህዲ እናሰራሓሉ ንመጻኢ ወለዶ ዝኣመተ ሓጎስን ደስታን ምክብባርን ዝዓሰሎ ጥዑይ ህብረተሰብ ንኽህሉ ተልእኮን ሓደራን ናይ ሰማእታትና ተግባራዊ ንምግባር ነበረ።

 

 እዚ ንመቓብሮም ዘቕስንን ንመስዋእቶም ዝድብስን ቅኑዕ ዕላማ ኮይኑ ንዘሎናውን እፎይታ ዝህብን ዘጸናብዕን ነበረ።

 

 እንተኾነ እዚ ኩሉ ቅያ ዝሰረሔ ህዝቢ ዘይተጸበዮ ብውሑዳት ቶንኮለኛታት መራሕቲ

ንድሌትን ባህግን ህዝቢ ቆጽዮም ነቲ ኩሉ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ጀጋኑረሲዖንረብሓኦምን

ንስስዐ ስልጣኖምን ክብሉ እነሆ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖሞ እርከቡ።እዞም ናይ ታሪኽ ሓደጋ ዝኾኑ ጠላማት መራሕቲ ንህዝቢ ብጃምላ ምእሳርን ምቕታልን ከምኡውን ህዝቢ ንግዝኣቶም ምጽዋር ስኢኑ ሃገሩ ራሕሪሑ ከምዝስደድን ኣብ ሕሰም

ከምዝወድቅን ጌሮሞ ከምዘለው ግሁድ ሓቂዩ

 

ህዝቢ ብሑሱም መግዛእቲ ደቀይ ዝበሎም ትዕግስቱ ዝተጸንቐቐ  ካብዚ ዘለዎ

ኩነታት ዝሓስምውን ስለ ዘይመጽእ ከም ቆፍኡ ዝተተንከፈ ንህቢ ብሓባር ከምዝለዓል ከቶ ዘይሰሓት ሓቂዩ።ህዝቢ ምስ ነደረ ኻኣ ዓጋቲ ስለዘይብሉ ንዲክታቶር ኢሳያስን ኣገልገልቱን ናብ  ናይ ታሪኽ ጎሓፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከምዝጉሕፎም ዘየጠራጥርዩ።

 

 እምባአር ስቓይ ካብ በዝሐ ሕጂውን ከምቀደምካ ብሓባር ተላዒልካ ነቶም በጻብዕቲ ዘይቁጸሩ ገፋዕቲ ዝግባእ መቅጻዕቲ ወሲድካ ፍትሕን ሰላምን ምንጋስ እዋኑዩ። ብድሕሪዚ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ክትመርጽን ክትምረጽን ካባኻን ንዓካንዘገልግል ሕጊ ነዲፍካ  ፍትሕን ሰላምን ቅሳነትን ኣብ ውሽጥኻ ክሰፍራ ምሩጽ ምሕደራ ክህልወካ ኢዩ እቲ ራእይ።

በዚ መሰረት ድማ ኩልና ደቂ ሃገር ሓቢርና ክንለዓል ግዴታናዩ።

 

ዘላኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ።

 

ዘካርያስ ጸገዝኣብ